ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

02 - ሩሕሩሕ | Compassionate |


Listen Later

ሰብ ፍጥር ካብ ዝብል ክቡር’ዩ፡ ምኽንያቱ ብምስሊ ፈጣሪኡ ስለ ዝተፈጠረ። ከምኡ ስለ ዝኾነ’ዩ ክኣ ኣብ’ዛ ዓለም ልዕሊ ኩሎም ፍጡራት ዝቁጸር። ሰብ ሰብ ስለ ዝኾነ ጥራይ’ዩ ሓልዮት፡ ክብሪ፡ ፍቅሪ፡ ምንክብኻብ፡ ድንጋጸ ዝግቦኦን - ሰብኣውነቱ ዝኽበረሉን። እዚ ኣብ ሕብረተሰብና ብቡዙሕ መንገዲ ይንጸባረቕ’ዩ (ዝነበረ’ዩ ምባል’ውን ይቐልል)። ሰብኣዊ ኣተሓሳስባን ልምድን ካብ’ቶም ዓንድታት ባህልን ክብርታትን ሕብረተሰብና ምኻኖም ካብ ንጥፈታት ስድራና ክንርዳ ንኽእል ኢና። ከም ኣብነት ርሕራሐ ሉሙድ ባህሪ ኣዴታትና’ዩ። ርሕርሕቲ ኣደ ብዘይ ኣፈላላይ ቅድመኹም ይስጥሓኒ ብምባል ድልውነታን ድንጋጸኣን ንጸገምካ ንምቅላል ወደይ ጋለይ ባሃሊት’ያ። ከተጸናንዕ ትቃዳደም ክትእብድ ወትሩ ቅርብቲ፡ እልልታኣን ንብዓታን ዘይትበቅቕ። ኣብ ማዓልታዊ ንጥፈታታ ብዝኸደቶ ተዓንቂፉ ወይ ተሸጊሩ ንዝርኣየቶ ብዘይ ተጉላባነት ሰብኣውነት ዝመሎኦ ርሕራሐ ትምጥወሉ። ዋላ ዉን ንምሕጋዙ ኣቕሚ እንተሓጸራ፡ ሰብኣዊ ተግባራታ መን ወዲ መን ከይበለት ትፈጽሞ። ሰብኣውነት ብዘይ ዚኾነ ቅድመ ኩነት ንኹሉ ሰብ ከምዝምልከት ትምህረና። ስለ ሩሕ ወዲ ሰብ ክትብል ርሕራሐ ትግበር፡ ኩሉ ሩሕ ዘለዎ ፍጡር ወዲ ሰብ ሰብኣዊ ርሕራሐ ከምዝግብኦ ከይሰልከየት ተርእየና። ካባና ክንደይ ኢና ነዚ ብኣስተብህሎ ንጥምቶን ተገዲስና ነስተንቱኖን? እምበር ርሕራሐን ሰብአውነትን ዳኣ ብኸመይ ይዛመዱ ንዚበል ሞጎት፡ ካብ ባህሪ ኣዲታትና ብምትእስሳር ክንመሃሮ ንኽእል ኢና።  ካባና ቡዙሓት ሰብኣዊ መሰል ባዕዳዊ ኣምር ይመስለና ይኸዉን። ምልስ ኢልና ብዕምቆት ምስ እነስትብህል ግን፡ ብዝረጎደ መንገዲ ኣብ ሕብረተሰብና’ውን ንረኽቦ ኢና። ነዚ ንምግባር ነቲ ዓሚቅ ዝመስል ግን ክኣ ንዘስተብህል ቀረባዝኾነ ትርጉም ርሕራሐ ምፈታሽ ኣገዳዚ ዩ።መሰረተ ቃል “ሩሕሩሕ”: ካብ ሩሕ ዝብል ነብሱ ዝኸኣለ ትርጉም ዘለዎ ቃል’ዩ። ኣስዒብና ኸአ: ነዚ ቓል እዚ: ክልተ ግዜ "ሩሕ" ምስእነድምጽ ወይ’ውን እንጽሕፍ  “ሩሕሩሕ” ናብ ዝብል ካልእ ትርጉም ዘለዎ ቃል ይህበና ። ትርጉም "ሩሕ" እቲ መስረታዊ ክውንነትና ወይ’ውን ህላዌ ናይ ሰብ “እስትንፋስ” ሙኻኑ ነስተብህል . . . ንኣብነት ሰብ ምስ ዝመውት  "ሩሕ"  ሓሊፉ ንብል፣ ትንፋሱ ሓሊፋ ካኣ የስምዕ ፡፡ስለ’ዚ ካብ’ዚ መስረታዊ ኣተሃናንጻ እዚ ቃል፡ ሩሕሩሕነት ብዛዕባ ሩሕ ምኻኑ ንመሃር። እሞ ርሕረሓ ኣብ ሩሕ ዝተመስረት እንተኾይኑ: ኩሉ ሩሕ ዚውንን ወዲ-ሰብ ክኣ ስለ እታ ዝተዋህበቶ ሩሕ ክኸብር አዩ ዘለዎ፡ እዚ ካኣ ሰብኣዊ ክብሪ ንብሎ።  በሉ’ስከ እሕዋት፡ ርሕራሐ ኣካል ባህልናን ልምድናን ኮይኑ ካብ ረኸብናዮ፡ ዕምቆት ትርጉሙ ውን ካብ ሓዝና፡ ንነብረሉ ዶ’ለና ኢልካ ምሕታት እቲ ክስዕብ ዘልዎ’ዩ። እስከ ህላውነትና ንፈትሽ፡ ምኻን እኮ እቲ ከም ጽሕይ ቅትሪ ንኹሉ ዘምረረ ህላወና፡ ጸላኢና ኣይንበሮ ዘብል’ዩ። ካብ ሰብኣውነት ተበጊሱ ርሕራሐ ዝገብር ሕብረተሰብ ዳኣ ሕጂ እንታይ ወረዶ? ከም ንምኮሮን ንዕዘቦን ዘለና፡ ህዝብና ብጭካነ ኣደዳ ክፋእ ኮይኑ ኣሎ። ሰብኣውነቱ ተቐንጢጡ፡ እቲ ቅድመኻ ይስጣሓኒ ዝለመደ ነብሱ ኣብ ትሕቲ ጉድጋድ ተሰጢሑ መከርኡ ጸጊቡ ኣሎ። እዚ ሕቶን፣ ግደን ንባኻን ናባይን እዩ፡ ከም’ታ ርሕርሕቲ ወላዲት ብዘይ ኣፈላላይ ቅድመኻ ይስጥሓኒ እትብል፡ ሓወይ ሓፍተይ ዶ ንብል ኣሎና ወይስ ሰብን ሰብኣውነትን ሓዲግና እንዳን መቦቖልን ሃይማኖትን ነውርድን ነደይብን? እቲ መልሲ ካብ ክዉንነት ኣይሕልፈን’ዩ፡ ብኸምዚ ዓይነት ኣተሓሳስባ ዝብገስ ርሕራሐ ሓቅነት የብሉን፡ኣሹንኮይ ዶ ዓዲ ክእቱስ ኣየቃንይን’ውን። ኣብ ሕብረተሰብና ርኡይ ናይ ርሕርሐ ምጉዳል ይረአ ከምዘሎ ኩልና ንምኮሮ ኣለና። እሞ እቲ መፍትሕ ኣብ ኢድ ነፍሲ ወከፋና’ዩ ዘሎ። ሰብኣውነት ንኽዓብን ክብረትና ክምለስን፡ ርሕራሐ ነዐቢ - እዚ ማለት ብዘይ ኣፈላላይ ሰባት ምኽባር፡ ሓልዮት ምርኣይ፡ ተደናገጽትን፡ ሓዳጋትን፡ ተሓጋገዝቲን ምኻን ንላማመድ። ምስ እንርሕርሕን: ሩሕና ምስ ሩሕ ሓውና ወይ ሓፍትና ኣብቲ መስረታዊ ሰብኣዊ ክውንነት ወይ’ውን ሩሕ (Being) ወሪድና ምስ እንዋሳእን: መዓሙቕ ልብና ይኽፍተልና እሞ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦና ርሕሩሓን ንኸውን ። ኣብ መደምደምታ፣ ከምቲ ሰማያዊ ኣቦና ሩሕ ኮይኑ ሩሕ ዝሃበና ብኸምዚ ከኣ ንሕና ሩሕ ተቐቢልና ንካላኦት ሩሕ ንኽንከውን ንጽዋዕ ።ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ኣብዚ ጠዉቑ ።
...more
View all episodesView all episodes
Download on the App Store

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባትBy Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.

  • 5
  • 5
  • 5
  • 5
  • 5

5

4 ratings