ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

03 - ምቅዋም | Believe in |


Listen Later

ምቅዋም ብዛዕባ ኣንጻር ፣ ጸረ እቲ ዝቖመ ምዃን ዶ ወይሲ ናይ ገዛእ ነፍስኻ ኣቛም ክህልወካ ምኽኣል፧ንምጅማሩ ክጥዕመና፣ ካብ ኣዛራርባ ወለድና ዝውቱር ዝኾነ መግለጺታት እስከ ነስተብህልሓዳሩ ዝወጸ: ስራቤት ኣቒሙ ይባሃል።ርእሱ ዝኸኣለ ወይ ምሉእ ጥዕና ዘለዎ: ብኽልተ እግሩ ቆይሙ ይበሃል።ዓንድታት ዘለዎ ገዛ: ብ ኣርባዕተ ወይ ሸሞንተ ኣዕኑድ ቆይሙ ይበሃል።እዚ ኣበሃህላ’ዚ ፣መስሪቱ፡ ደልዲሉ፡ ደው ኢሉ ወይ ነብሱ ኪኢሉ የስምዕ። በንጻሩ፤ኣብ ቃሉ ዘይጸንዕ: ዝኣተዎ ውዕል ዘይሕሉ ወይ ዘየተግብር ሰብ፣ ኣቕዋም ዘይብሉ ብምባል ይግለጽ።ግምጥል ግምጥል ዝብል ወይ ወገሓ ጸብሐ ሓሳብቱን መርገጺኡን ዝቀያየር ሰብ: ቖዋሚ ኣተሓሳስባ  ዘይብሉ ይብሃል።ዝርከበሉ ሓደ ፍሉጥ ቦታ ዘይብሉ ሰብ “ዘይቆውም መትሓዚ ዘይብሉ” ብምባል ይግለጽ።እዞም ዝተጠቕሱ ኣዘራርባታት፣ ምንቅስቓስን ደውታን ከመዘሎ የመልክቱ። ምንቅስቓስን ምቛምን ካብ ሓደ ቦታ ናብ ካልእ ቦታ ዶ ዋላስ፡ ኣብ ሓሳብን መትከልን ምንቅስቓስን ምቛምን። ከም ዝመስለና ንኽልቲኡ ምንቅስቃ ናይ ቦታን ምንቅስቓስ ናይ ሓሳብ ወይ መትከልን ይገልጽ እዩ ንብል። እዚ ሕጂ ክንዛረበሉ ደሊና ዘለና ግን ምንቅስቓስን ምቛምን ኣብ ኣተሕሳስባን ኣብ ስራዓትን እዩ። እዚ ቃል እዚ ደኣ ምስ ምቅዋም እንታይ ርክብ ኣለዎ’ዶ ትብሉ ኣለኹም ?"ምቅዋም" ዝብል ቃል ካብ "ቆመ" ማለት ጠጠው በለ ዝብል ቃል ዝመንጨወ እዩ። ንብዙሕ ዝዛረብ ሰብ "ተዛራቢ" ንብሎ ፣ ከምኡ`ውን ዝቕየም "ተቐያማይ" ፣ ንበለጽ ዝፈቱ "ተበላጺ" ፣ ካብ`ዚ ብምብጋስ ከኣ ንዝቖመ ወይ`ውን ዝቖመት "ተቓዋሚ ወይ ተቓዋሚት" ኢልና ክንርድኦ ርትዓዊ ኮይኑ ንረኽቦ።ከም ዝዉቱር፤ ተቓወምቲ ዝብል ኣምር ምስ`ቲ ጸረ ወይ ተጻረርቲ ዝብል ቃል ሓደ ትርጉም ከም ዝህቡ ጌርና ኢና እንርድኦ። "ጸረ" ብዛዕባ ኣንጻራዊ እቲ ዝቖመ ይሕብር ፣ ምቅዋም ግና ብዛዕባ’ቲ ከተቑሞ ፣ ክትሃንጾ ፣ ክትድግፎ ዝደለኻ እዪ ዘተንብህ። ጸረነት ኣብቲ ዘይትደልዮ ነገራት ወይ ኩነታት ከተኩር ከሎ፤ ተቓዋምነት ግን ኣብቲ እትደልዮ ኩነታት ወይ ኣገባብ ምህናጽን ምቕዋምን የተኩር። ካብዚ ተበጊስና ንምንታይን ብኸመይን ንቃወም ዝብሉ ሕቶታት ከነልዕል ንኽእል ። ንሕና ደቂ ሰባት ነቲ ብሓሳብ ድዮ ብተግባር ዝቖመ ምስ ዘይንቅበል ክንቀሳቐስ ንግደድ ፣ ዉዒሉ ሓዲሩ ኸኣ ምንቅስቓስና ናብቲ እንደልዮ ኣቋዎም ንምህናጽ ነማእዝኖ ፣ ኣብ መወዳእታ ድማ መቖሚ ዝኾነና ስነሓሳባት ድዮ ስርዓት ብምውናን፤ እቲ እንደልዮ ለውጢ ክንነብሮን ከነንጻባርቖን ምስ እንጅምር ተቓወምቲ ንኸውን። ወዲሰብ ምንቅስቓስን ምቛምን ትዉህብትኡን መፉጥርቱን’የን። ከምኡ ድማ እቲ ቖይሙ ክነብር ዝፍትን ከም ዝዓቖረ ማይ ይጨኑ ፣ ነቲ ዝቖመ ጸሊኡ መዕረፊ ነጥቢ ኣብ ዘይብሉ ምንቅስቓስ ዝህዉትት ድማ ከምቲ መአከቢ ቀላይ ስኢኑ ኣብ ምኹብላል ዝሃፍፍ ዉሕጅ ይመስል። እቲ መጀመርታ ኽፋል ምቅዋም ፤ ማለት "ምንቅስቓስ" ኣህላኺ እኳ እንተኾነ እቲ እተቖመሉ ክፋል ምስ በጻሕካ ግን ብዛዕባ ዕረፍትን ፣ ህድኣትን ፣ ሰላምን እዪ። እቲ ሰናይ ስርዓትን ኣገባባትን ብዘይ ምፍጣር ዝቐውም ጉዕዙይ  ስርዓት ግን ዉጺኢቱ ሓሳርን መከራን ስደትን’ዩ። ኣብ ሃገርና ሕጊ ስለ ዘይቖመ፤ ሕጊ ኣልቦነት ቖይሙ ይርከብ። ፍትሒ ስለ ዘይቖመ፡ ዓመጽን ዘይተሓታትነትን፡ ዘይሰብኣዉነትን ቖይሙ ይርከብ። ካብ’ዚ ሓቂ’ዚ ዝነቐለ ማእለያ ዘይብሉ ክፋል ህዝብና ቤቱ ገዲፉ ብሰላም ሂወቱን ናብርኡን ከቑመሉ ናብ ዘኽእሎ ክፍለ ዓምለ ፋሕ ኢሉ ንሪኦ። ኣብ ሰደት ይኹን ኣብ ዉሽጢ ሃርገና ድማ ነዚ ቖይሙ ዘሎ ክፋእ ክኣልይን፡ ሰናይ ክርኢ ዝብህግን ኣእላፍ’ዩ። ምስ’ዚ ዝተኣሳሰር ድማ፡ ኣብ’ዚ ዘመን’ዚ ተቓዋምቲ ዝብል ቃል ብብዝሒ እንጥቀመሉን እንሰምዖን ቃል ኮይኑ ኣሎ።ንምዃኑ ምቅዋም: ምጽራርን ምጽባእን ድዮ ፧ ኣይመስለናን ። ምቅዋምና ናብ እንኣምነሉ መርገጺ ብምንቅስቓስ ነቲ ባህ ዝብለና ኣብ ምቛሙን ፣ ምህናጹን እንተ ኣቶኲሩ ድኣ’ዩ ፍረ ዝርከቦ እምበር:  ግዜና ፣ ሓይልና ፣ ሂወትና ኣብ ምጽራር እቲ ዝቆመ እንተ ዊዒሉ ብኽነት ጥራይ’ዩ። ብናትና ኣረዳድኣ ፣ እዚ ኣብ ልዕሊ ህዝብና ቆይሙ ዘሎ ግናይ ፣ ተሓሲብሉ ን ተሰሪሑለን ዘይኮነስ ፣ እንታይ ደኣ ስኣን ዓቕሚ ስእነት ፣ ሰናይ ክቐውም ብዘይምኽኣሉ ብኸም ዓዲ ዉዒል ሓሳብ ዝፈጠሮ ክዉንነት እዪ።  እቲ ቅዋም ኢልና ከነቑሞ ዝፈተና እኳ ጥቃ ሙቛም ኣይቀረበን። ስለዚ ሓይልናን ግዜናን ምንቅስቓስናን ነቲ ከነቑሞ ንደሊ ዘለና ኩነት ኣብ ምህናጽን ምልባስን እንተውዒልናዮ ዝበለጸ’ዩ ኢልና ንሓስብ።ከምቲ ዝዕለል ኣብ ዓድና ጽንኩር ግፋ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ፣ ሓደ ጎበዝ ነቶም ክገፍዎ ንዝመጹ ወተሃደራት "መንቀሳቐሲ ወረቐት" ኢሎም ምስ ሓተትዎ "ኣነ ደኣ ዘይንቀሳቐስ ዘለኹ ፣ ከም`ዛ ትሪኡኒ ዘለኹም ኮፍ እንድየ ኢለ ዘለኹ"  በሎም ይበሃል። በዚ ዕላል ኣቢልና፣ ነዞም ተቓወምቲ ፣ ደገፍቲ  እናተበሃልና እንስመ ሕብረተሰብ ፤ ነየናይ ዝቖመ ኢኹም እትድግፉ ፤ ወይ ውን ኣየናይ ትሃንጽዎን ዝቖምኩሙሉን ኣካይዳ’ዩ ተቓወምቲ ዘብለኩም ተባሂልና እንተንሕተት’ሲ ፣ መልስና እንታይ ምኾነ ኢልና ከነስተንትን ንደሊ።ኩቡራት ኣንብብትን ተኸታተልቲን እዚ መደብ፣ በዚ ሓዲሽ ዝመስል ኣረዳድኣን ኣገላልጻን "ተቓዋምቲ" ዝብል ቃል፡ ኣብዚ ኣብ ላዕሊ ተጠቒሱ ዘሎ ኣበሃህላ ህዝብና ምርኩስ ብምግባር እዞም ዝስዕቡ ጦብላሕታን ጽልዋትታን ከነካፍለኩም ንደሊ። ኣብ ብሕታዊ ሂወትና ይኹን አብ ህዝባዊ ዕዮና፡ ዝሃነጽናዮ ወይ ውን ዘቖምናዮ ኣሎዶ ኢልና ምሕታትን፡ ከም ኣባሃህላ ወለድና ካብቶም መቖሚ ዘይብሎም ዲና ወይስ ካብቶም ዝቖሙ ኢና ኢልና ንነብስና ምፍታሽን አዚዩ ጠቓሚ ኢዩ። ዝሓሸ  ሂወት ወይዉን ኩነትታ ንምርካብ እንገብሮ ስራሕን ጻዕርን፡ ጸረ እቲ ዝቖመ ግናይ ዶ ወይስ ምህናጽ እቲ እንቖመሉ ሰናይ፡ ምስትብሃሉ አገዳሲ’ዩ። ወደሓንኩም። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡  ኣብዚ ጠዉቑ
...more
View all episodesView all episodes
Download on the App Store

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባትBy Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.

  • 5
  • 5
  • 5
  • 5
  • 5

5

4 ratings