ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

05 - ዓለም | World |


Listen Later

ንሓንቲ ናይ ዕድመ በዓልቲ ጸጋ ወላዲት፡ ብኹነታት መነባብሮ እዛ ዓለም እህህ ኣብ ዝብላሉ ዝነበራ እዋን፡ ሓደ ኣብ ማእከላይ ዕድመ ዘሎ ሓው፡  "ዓለም ትሽዓተ ዘይትመልእ ዓሰርተ" ክብል ናይ መጸናንዒ ቃል ኢሉ ዝሓሰባ ምስላ ኣዉከኣለን። ምስላ ሓዉ ዘይተዎሕጠለን ወላዲት ፣ ኣንታ ወደይ ዓለም ሲ ዓሰርተ ኣይኮነን ኣሻሓት እኳ ትመልእ ፣ እንተኾነ እቲ ሕቶ’ሲ ፡ ኣየነይቲ ዓለም እያ ዘይትመልእ ግዳ ዘይትብል ብምባል እህህተአንን ምስቁርቋርን ቀጸሎኦ ደኣ። መልሲ ወላዲት ዝደንጸዎ ሓው ብዙሕን ዉሑድን ከይተዛረበ ፣ እንታይ ማለትክን’ዩ ኣደ ብምባል ሓዉሲ ምግራምን ርሕራሔ ዘለዎ ኣጠማምታን ኣሰኒዩ ንዝያዳ መብርሂ ይሓተን እሞ… ወላዲት ፣ ሓቅኻ ኣለኻ ኣይተጋገኻን ዝወደይ። ካብ ባዶ ክሳብ ትሽዓተ፡ ዓሰርተ መሊአን ኣይፈልጣን ፣ ኮይኑ ግን፡ እዘን ቁጽርታት በብዉልቀን ክቖማ ምሰ ዝፍትና እየን ዓሰርተ ዘይመልኣ እምበር እንተ ተሳንየንሲ ብዙሕ ተኣምራት እየን ዝገብራ። ስለዚ ድማ ዓለም ናይቶም "ኣነ ን ዉልቀይ" በሃልቲ  እያ ዘይትመልእን ቆራሪትን እምበር፡ ናይ`ቶም ክንዮ ዉልቃውነት ሰጊሮም ተሳንዮም ክነብሩ ዝመረጹ ዓለም’ሲ ኣቤት እወ ክንደይ እኳ ዘይትመልእ! ምልኣት ምስ ትርፉ እኳ ደኣ ኢለን ንሓው መለሳሉ ንብለኩም።  እዛ ምስላ ኩልና ንጥቀመላ ኢና ክንብል እኳ እንተዘይደፈርና፡ ኩሉናስ ሰሚዕናያ ንኸዉን ኢና። የግዳስ ከምዘን ኣዴና ዘነጸረኦ፡ ኣየነይቲ ዓለም እያ መሊኣ ዘይትመልእ ኢልና ንሓትት’ዶ። እዋእ፡ ክንደይ ዓለማት ዲየን ዘለዋና ንዝብል ሕቶ፡ ቡዙሓት ክኾና ይኽእላ ኢየን፣ ንሕና ድማ ኣብ ሓደ እዋን ኣብ ቡዙሓት ዓለማት ክነብር ንኽል ኢና። ንኣብነት፣ ናይ ፍቅሪ ዓለም፡ ናይ ፖለቲካ ዓለም፣ ናይ ንግዲ ዓለም፣ ናይ መስተ ዓለም፡ ናይ ተዋሶኦ ዓለም. . .  ወዘተ፡ እዘን ኣዴና ዝዛረባሉ ዘለዋ ግን፡ ናይ ማሕበራዊ ዓለምን እቲ ኣንጻሩ ዝኾነ ውልቃዊ ዓለምን እዩ። እዘን ዲሒረን ዝተጠቕሳ ተጻረርቲ ዓለማት መሰረት ናይ ካልኦት ዓለማት እየን ኢልና ንሓስብ። ኣብዛ እንነብረላ ‘’መሬት’’፡ ነፍሲወከፍና ናትና እንብሎ ዓለማት ክህልወና ናይ ግደን’ዩ፣ ከባቢና ዓለምና’ዩ። ስድራቤት ናይ ኩልና ናይ መጀመርያ ዓለምና እያ፡ ወለድናን ኣሕዋትናን ከኣ እቶም ኣብ ልዕሌና ዓቢ ጽልዋ ክገብሩ ዝኽእሉ ቀዳሞት ሰባት’ዮም፡ ከምኡ ውን ንሕና  ንስድራና። ከምዚ እንዳበለ ዓለምና ናብ ጎሮቤትና፡ ዓርኪ መሓዛ፡ ቤተሰብን ሕብረትሰብን ይሰፍሕን ይዓብን፣ ሕጂ ኸኣ’ሞ ኣብ’ዚ ዘበነ ሓበሬታን ቴክኖሎጂን፡ ብመንገዲ ማሕበራዊ መራኸቢታት ዓለምና ኣዝዩ ሪሒቡ ኣሎ። ብሓጺሩ፡ ዓለምና ክንብል ከለና፡ ምስ ከባቢና እንዋሰኣሉን፡ ብባህርን ኣተሓሳስባን ንጻላለወሉን እንጽለወሉን መርበብ ምትእኽኻብ’ዩ።    እሞ ኣበየነይቲ ዓለም ኢና ዘለና፧  ዓለም ትሽዓት፡ ከም ናይ ውልቂ ዓለም ተመሲላ ዘላ፡ መሊኣ ዘይትመልእ ምዃና ነስተብህል ዶ፧  ከም’ተን ቁጽርታት ነንዉልቀን ዓሰርተ ክመልኣ ዘይከኣላ፡ ንሕና ደቂ ሰባት ክኣ በብውልቅና እቲ ደረት ዘይብሉ ድሌታትናን ባህግታትናን ክማላእ ኣይክእል እዩ። ከምተን ቁጽርታት እንተ ሓቢረን ወይ ተደሚረንን ረቢሐንን ኣሹንኳይ’ዶ ዓሰርተ፡ ሚልዮናት ክኾና ዝኽእላ፡ ሕብረት ኣብ ደቂ ሰባት ድማ ቡዙሕ ሽግራትን ጾርን ከምዘቃልል ይርደኣና። ንሕና ደቂ ሰባት ንማሕበራዊ ዓለም ዝተፈጠርና ኢና። መሰረት ማሕበራዊት ዓለም ድማ ኣብ ምምልላእን ምድግጋፍን’ዩ። በዚ ኸኣ’ዩ መስለኒ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ፍላስፋታት ናይ ግሪኽ ኣርስቶትል ከምዚ ኽብል ዝተዛረበ ፣ “ሰብ ብተፈጥሩኡ ማሕበራዊ እንስሳ እዩ፣ ሓደ ውልቀሰብ ብተፈጥርኡ ዘይማሕበርዊ እንተኾይኑ፡ ወይ ድማ ካብ ሰባት ከይተጸበኹ ኩሉ ነገራተ ባዕለይ የማልኦ’የ ዝብል እንተኾይኑ፡ ወይ ካብ ናይ ሰባት ምልኣት ንታሕቲ ከም ኣራዊት እዩ ወይ ድማ ልዕሊ ሰባት ከም ኣምላኽዩ”። ኣብ መወዳእታ፡ እቶም ማሕበራዊ ናብራ ዝነብሩ ሰባት፡ ዓለሞም ምልእቲ እያ እኳ እንተዘይበልና፡ ዝጎድሎም ማሕበራውን፡ ኣእምሮኣዉን ወይ’ውን ቁጠባውን ጸጋታት፡ ካብ ከባቢኦም ከማልእዎ ከምዝኽእሉ አጸቢቆም ዝርድኡ ሕብረተሰብ እዮም ኢልና ንሓስብ። ይርዱኡ ጥራይ ዘይኮነ ድማ፡ ንኸምኡ ዘኽእል ወግዕን ስርዓትን’ውን ኣለዎም። ኣፍሪቃውያን ከምዝምስልዎ “ዓዲ ሓቢራ ቖልዓ ተዐቢ’ያ”። ክንደይ ካባና ኢና’ሞ ኣብ ኣንዳ ጎሮቤት ዘይዋዓልና ዘይሓደርና፡ ብጎሮባብቲ ዘይተቀጻዕናን ዓገብ ዘይተባሃልናን፧ ንእሽቶ ይኹኑ ዓበይቲ ውራያት ብ ኢደይ ኢድካ እውን ክሓልፍ ሪኢና ኣለና። ኣዴታትና’ውን እንጌራን ሓውን ካብ ጎሮቤት እንዳ ተለቃሓን እንዳተማላላኣን ይነብራ ኣለዋ። ዓበይቲ ውሳነታትን ምኽርታትን’ውን ለባማትን ኣዴታትን ኣቦታትን ከየካፈላካ ኣይውሰንን።  ስለዚ፡ ኣብዚ 21 ክፈለ ዘመን፡ ብኸመይ ማሕበራዊ ናብራ ክንነብር ንኽእል፧  ንነብረሉ ዓለም ክንመርጽ ንኽእል ዶ፧ ወይ’ውን ንዘለናዮ ዓለም ክንቅይሮ ምፈተና ዶ፧ ዓለማትና ንምምለአንከ እንታይ’ዩ ኣርበርኩቶና፧ እንተ ሓመቕና ነቲ ዝዓበናሉን እንፈልጦን ማሕበራዊ ኣነባብራ ኣብቲ ዘለናዮ ከባቢ ከንስርጾ ንጽዕር ዶ፧  ብዝብሉ ሕቶታት ንፋነወኩም።ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
...more
View all episodesView all episodes
Download on the App Store

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባትBy Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.

  • 5
  • 5
  • 5
  • 5
  • 5

5

4 ratings