ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

06 - ዉልቃውነት | Hyper-individualism |


Listen Later

ዉልቃዊነት" ዝብል ቃል ምስ "ብሕታውነት" ዝብል ቃል ፍልልያቶምን ትርጉሞምን ከየነጸርና፣ ዕምቆት ርድኢት ብዝጎድሎ ብኸም ኣፍና ብዘፍቀዶ እናበራረና እንጥቀመሎም ዝውቱራት ቃላት እዮም። ሕመረት ሕብረተሰብ እነቁመሎም ክልተ ኣዝዮም ኣገደስቲ ቃላት ስለ ዝኮኑ፣ ፍልልያቶምን ኣተረጓጉምኦም ምንጻር ኣገዳሲ ኮይኑ ነጥቢ ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብ ትርጉምን ታሪኽን እዞም ክልተ ቃላት ምስ እነስተብህል ንጹር ፍልልይ ከም ዘለዎም ንዕዘብ። ኣብ ናይ ሎሚ መደብና እምበኣር ፡ ኣብ ውልቂ ወይ ውልቃዊ ዝብል ቃል ተሞርኪስና፡ ዕዮ ህዝቢና ኣብ "ዉልቃዊነት" ከመይ ይመስል ብዝብል ጦብላሕታና ከነካፍለኩም ኢና። ብመጀመርታ ናብቲ "ወለቀ" ዝብል ቃል መሰረት ናይ ዉልቃዊነት ምስ እንምልከት ምንጩ ግእዝ ኮይኑ፣ መዝገብ ቃላት ካብ ግእዝ ናብ ትግርኛ "ወለቕ" ማለት "ሞለቀ" ፣ "ሰቶኸ" ፣ "ወደቐ" ተባሂሉ ተተርጒሙ ንረኽቦ። ዉልቃዊነት ከም ዕዮ ህዝቢ ምስ እንዕዘቦ ከም`ቲ ምንጪ ቃሉ ዝሕብሮ ብዛዕባ ምሙላቕ ፣ ምስቷኽ ፣ ምዉዳቕ ናይ ሰባት ወይ ነገራት የመልክት። ኢድና ወይ`ውን እግርና ምስ ዝሞልቅ ምስ እንምናህ ሰብነትና ይወድቕ እሞ ንቕንዞ። ከምኡ`ውን ንሕና ደቂ ሰባት ኣነ ንዉልቀይ እየ ኢልና ካብ`ቲ ተመሊስና ሓገዝ እንሓቶ ሕብረተሰብ ምስ አንሶቱኽ ህዝብና ንጎድእ ፣ ከም ሳዕቤኑ ሕብረተሰብና ይምናህ፡ ንሕና እቶም ሞለቅቲ ወይውን ውልቃውያን ሰባት ከኣ ከም ሳዕቤኑ ንቕንዞ ንህስን ፡፡ ኣብ`ዚ ሓዲሽ ዘበን፣ ሓዲሽ ደርፊ ዉልቃዊነት ተቃኒኻ ካብ ጉዳይ ሕብረተሰብ ምሙላቕ ከም ልቦና ተራእዩ ብዙሕ ሰዓብቲ ረኺቡ ንረኽቦ። ንምዃኑ ብልቦና ዉልቃዊነት ዝቖመ ሰናይ ፍረ ኣሎ ድዩ ፧ ወይውን ብዓቢኡ ብእኩባት ወልቀ ሰባት  ሕብረተሰብ ክቀውም ይከኣል ድዩ ፧ ኢልና ክንሓትት ን ከነስተንትን እዋኑ ዝጠልቦም ሕቶታት ኮይኖም ንረኽቦም። ኣብ ዝቅጽል ሰሙን ''ብሕታውነት'' ዝብል መደብ ሒዝና ክንዘራረብ ምዃና በዚ ኣጋጣሚ እንዳሓበርና ንሎሚ እዞም ዝስዕቡ ሰለሰተ ፍልልያት ኣብ ሞንጎ "ዉልቃዉነትን" "ብሕታዉነትን" ከነነጽር ንፈቱ። 1.   ዉልቃዉነት ብዛዕባ ካብ ክልተ ፣ ሰለስተ፣ ኣማኢት ፣ ኣሽሓት ማለት ካብ ሕብረተሰብ ምሙላቕ ፣ ምስቶክ ክኸውን እንከሎ፣ ብኣንጻሩ ብሕታውነት እቶም ክልተ ፣ ሰለስተ ፣ ወዘተ ... እናተመላልኡ ፣ እና ቀጸሉ ኣካልን ምሉእን ሕብረተሰብ የቑሙ።2.   ዉልቃውነት ኣገልጋሊ ዉልቁ ወይ`ውን ዉልቃ እንክኾኑ ፣ ብሕታውነት ኣብ ኣገልግሎት ሕብረተሰብ ክትጽመድ ይጽዋዕ። ከም መልሲ እዚ ከኣ   ሕብረተሰብ ንኣገልግሎት እቲ ብሕታዊ ይዉዕሉ።3.  ውልቃውያን ክንዮ ኣፍንጫኦም ክርእዮ ኣይከኣሎምን ብኣንጻሩ እቶም መቀረትን ጣዕምን ምብሓት ዘስተማቂሩ ብሕታውያን ኣሰፊሖም ናይ ምርኣይ ይከኣሎም፡፡ ብምቅጻል ብዝያዳ ትርጉም ዉልቃዊነት ንምርድእ ምስላታ ሕብረተሰብና ምፍታሽ ኣገዳሲ ኮይኑ ንረኽቦ። እቲ መሲልካ እንታይ ኣምጺካ ዝብል ዘርባ ወለድና ክንጥቀምሉ፡ ኣብ ግዓት ምርኩስ ብምግባር ዝተመሰላ ሰለስተ ምስላታት ከም ኣብነታት ተጠቒምና እዚ ዝስዕብ ትንታኔና ኣብ ጉዳድ ውልቃውነት ትዕዝብትር ነካፍለኩም ። ቀዳመይቲ ምስላ - "ክልተ ዓያሹ ግዓት ይኮላለሱ": ግርማን ሰፈርን ናይቲ ብኣርኣያ ስላሴ ዝተፈጥረ  ብሕታዊ ሰብ ኣብ ሕብረተሰብ እትህብ ኣበሃህላ ኾይና ፣ ክልተ ዓያሹ ከይንኸውን እም እታ ሓንቲ  ዝኣፍና ግዓት ክንኮላለሰላ ምጥሓስ እቲ መሰረታዊ ፍልልይ ሰብን ሕብረተሰብ ከይንፍጽም እተመሰላት ለባም ምስላ ወለድና ኮይና ንረኽባ።በዚ ኣጋጣሚ ኣብ ናይ ህዝብኻ ግዓት ኢድካ ምስዳድ ናይ ግዲ እዩ ንብል። ብምስዓብ ኣብቲ ናይ ህዝበይ ግዓት ኢደይ ሰዲደ ዘይሳተፍ፡ ብዕሽነት ብጻየይ ፣ ብጸይተይ ፣ ክኮሉሱኒ ዝብል ኣእምሮ ብጥምየት እትልሓግ ሂወት ከይትህልወና ምሕታት ኣገዳሲ ኮይኑ ንረኽቦ።  ብተወስኪ እዛ ምስላ ዋንነት ኣልቦ ፣ ሓድሕዳዊ ኣረካካስ ዝመሰረቱ ኣጸያፊ  ወይ`ዉን ነውሪ ኣመል ናይ ዓይሹ ከምዝኾነ ተተንብህ። ካልአይቲ ምስላ - "ግዓት ሲ ኣለኹ ኢላ ተተንፍስ"፡ ከም እኒፈልጦ ምትንፋስ ምልክት ሂወት እዩ።ኣብዛ ምስላ ጋዓት ምትንፋሳ፡ እሞ ከኣ ጋዓት ኣብ ምሽላቖ ሓውሲ ኣለኹ ፣ ሂወት ኣለኒ ዝዓይነቱ ምትንፋስ ዝመስል ቦሎኽሎኽ ምስ እንርኢ ምስቲ ጕዳይ ሰነ ሓሳባት ውልቃውነት ካብ ሕብረት ብምብታኽ ሂወት ኣለኒ ኢልካ ክንበር ዝፍተን ሂወት ውልቃዊ ፣ ዉልቃዊት እዪ ኢልና ንሓስብ። ካብ ሂወት ህዝበይ ፣ ሕብረተሰበይ እንብሎ ተባቲኽና ወይ`ውን ካልእ መተካእትኡ ሕብረተሰብ ወይ`ውን ህዝቢ ከይረኸብና ዝትንፈስ ሂወት ይህልወና ዶ ኢልና እውን ንሓትት ፡፡ ሳልሰይቲ ምስላ "ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ገዓት"፡ እዛ ምስላ ብዙሕ ግዜ ኣብዚ እዋን ኣዕናዊት ትርጎም ይዋሃባ እዩ። እቲ ማዓት፡ ማህሰይቲ ብብሕትካ ጥራይ ኣይኹን እምበር ምስ ብዙሓት ሲ ደሓን እዩ ዝዓይነቱ ተስምዕ።ብካልእ ሸነኹ እዛ ምስላ ግን፣ ዝወረደ ማዓት ወይ ማህሰይቲ ምስ ህዝብካ ናብ ጋዓት ክስጋገር ይከኣል እዩ ፣ በይንኻ ኣይኾንካን ፣ በይንኺ ኣይኮንክን ፣ ኣጆኺ ዝሐፍተይ ፣ ኣጆኻ ዝሓወይ ምሳኻ ኣሎና ፣ ኣብ ጐድንኺ ኣለና ብዝብል ናይ ተስፋ መልእኽቲ ዘበስር መንፈስ ጉርብትና ብዘመልክት ክንርድኣን ክንትርጉማት መሪጽና ኣሎና። ከመይ`ሲ ምስ ህዝብና ኮይና ዘይንፈትሖ መዓት የለን ዝዓይነቱ እምነት ስለ ዘሎና።ብሓጺሩ እዛ "ምስ ህዝብኻ መዓት ዳርጋ ግዓት" እትብል ምስላ ምስ`ቲ ዓሚቚ ልቦና ዘለዋ ኣፍሪቃዊ ስነ ሓሳባት ኡብንቱ (Ubuntu) ማለት ''ምኽንያት ኣነ ወይውን ኣንነተይ ካብቲ ንሕና እንብሎ እዩ" ዝብል ቢሂል እትቃዶ ኮይና ረኺብናያ ፡ ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ክንሓቶ ዝግቦኣና ሕቶ እምባኣር፡  ዉሉደይ ፣ ኣካለይ ዝብለና ሕብረሰብ ንሕና ድማ ናተይ እንብሎ ሰባት ከማና  ዘሐበርዎ ሕብረት ናይ ሰባት ኣሎ ዲዩ፧ በዚ ከኣ ሓበራዊ ን ብሕታውነት ዋንነት ኣብ ሓደ እዋን ዘማልእ ግን ከኣ ኣብ ሓድሕዳዊ ምድግጋፍ ፣ ጉርብትና  ወይ`ውን ተማራዃስነት ዝሰስን ሕብረት ናይ ሰባት ዶ ፧ ወይሲ እቲ ዘሎና ሲ ብዝተፈላለዮ ምኽንያታት ካብ ሕብረት ናይ ሰባት ሞሊቖም ዝተኣካከብ እኩበ ወልቀ ሰባት ፧ ኢልካ ምሕታት አገዳሲ ኮይኑ ንረኽቦ። ጕዕዞ ናይ ውልቂ  ቃንዙኡ ዓሚቁን ዘይሓዊን እዩ እሞ ሕድርና ዳግማይ ግምት ንግበረሉ ብምባል ንሎሚ ንፋነወኹም ። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
...more
View all episodesView all episodes
Download on the App Store

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባትBy Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.

  • 5
  • 5
  • 5
  • 5
  • 5

5

4 ratings