ኣብ "ብሕታዊ" ዝብል ቃል ክንሓስብን ከነስተንትን እንኮለና ብሓደ ወገን ባሕታዊ የስምዕ፡ ማለት ብሕትውና ከም እኒ "ፈለስቲ"። ብኻልእ ወገን ድማ ምብሓት ከም ምውናን ወይ ምቑጽጻር የስምዕ። ንኣብነት እገለ ዕላል ብሒትዎ፣ ነዚ ወይ ነቲ ቦታ ብሒታቶ፣ ንመድረኽ ወይ ስፖርት ብሒትዎ ወይ ብሒታቶ እውን ንብል። ኣብ ገለ ገለ እዋን ምስ ከም ዉልቃዊ ዝዓይነቱ ትርጉም ክዋሃቦ ይረአ። እዚ ካብ ጉጉይ ርዲኢት ዝነቐለ ኮይኑ ይስማዕና። እቲ ሳልሳይ ትርጉም፡ ብሕታዊ ባህሪ፣ ኣመልን፡ ርድኢት ወይ ልምዲ ካብ ካልኦት ዝፈልየና ዘንጸባርቕ ኣዘራርባ ይኸውን። ብጽሙቕ ዝበለ ሰነ-ሓሳባት ብሕታዉነት ኣብዘን ዝስዕባ ሰለስተ ነጥቢታት ተመርኲስና ንርድኦን ንትንትኖን፡በሓተ ፡ ብሓደ ወገኑ ባዕላዊ (subjective) ትርጉም ክህብ ከሎ፡ "ባዕለይ"፣ "ባዕልኻ"፣ "ባዕልኺ" የስምዕን፣ የረድእን።ብኻልእ ወገን ዋንነት (Agency) እንከመልክት "ናይ ባዕለይ" "ናይ ባዕልኻ"፣ "ናይ ባዕልኺ" ንብል ።ባሕቲ: መባእታዊ ፣ ጀማርነት ፣ ይሕብር ። ንኣብነት ንምጥቃስ "ባሕቲ መስከረም" ንብል ። ካብ`ዚ ብምስዓብ ብሕታዊ ሰብ መጀመርያ ፡ ጀማሪት ወይ ጀማሪ ሕብረተሰብ ኢዪ ኢልና ንሓስብ።ባሕታውነት: እዚ ጉዕዞ ንምልላይ ዉሽጣዊ ሰብነት ኢልና ክንርድኦ ይከኣል።እዚ ጽሑፍ ብዛዕባ ባሕታዊያን ወይ ፈለስቲ ከምዘይኮን ኣቐዲምና ንሕበር። እቲ ክእረም ዘልዋ ኣጥቃቅማ ድማ ብሕታውነት ምስ ውልቃዊነት ምተእስሳር እዩ። ምኽንያቱ ውላቃዉነት፡ ኣነ ዎና ናይ ባዕለይ እየ ዝዓይነቱ ርድኢት ሰለ ዘአንግድ፣ እሞ ኸኣ ንዉልቀይ ኢልካ ካልኣይ ወይ ሳልሳይ ክትብል ሰለ ዘይቃዶ እዩ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝገለጽናዮ፡ ዉልቃውነት ብመሰረቱ ብዛዕባ ምሕንጋድ ወይ ምዝላቅ ካብ ሕብረት እዩ። እዚ ማለት፡ ኣነ ንዉልቀይ ኣርባዕ ነጥቢ እየ። መጀመርታን መወዳእታን ናይ ባዕለይ እየ የስምዕን የረድእን። እዚ ኣንጻር ሕብረት ድኣ እንበር ምስ ብሕታውነት ኣይተሓናፈጽን። ምኽንያቱ ኣብ ማንጎ ቡዙሓት ተፈጢርካስ ኣነ ንውቀይ ምባል ኣይናይጥዕንና እዩ። ኣንተ ናይ ብሕትካ ባህሪ ወይ ተውህባ ክህልወካ ግን ግድን እዩ። እዚ ብሕታውነት እዚ ካኣ ተማላላኢ ዳ እንበር፡ ንዉልቅኻ ከም ደሴት ኣየቑመካን።ኣብ ቛንቋ ግእዝ እንተ ሪኢና ባሕታዊ ማለት በሓተ ከም "ሓደ" ይትሩጎም ። ብተወሳኺ መረዳእታ ኣዴታታ ነታ ቀዳመይቲ መዓልቲ ናይ ወርሒ ባሕቲ ኢለን ክጽዉዕዓን ከብዕልኣ እንከለዋ ንዕዘብ። ብሕታዊ ብዛዕባ ሓደ እዩ ፣ ምብሓት ኣብ ሓደ ምዕራፍ፣ ኣብ ሓድነት ምእታው እዪ ክንብል ንኽእል። ካብ`ዚ ሓደ ዝመንጨወ`ዩ ክልተ ፣ ሰለስተ እናበለ እልፈ ኣእላፍ ተኽእሎታት ክዉን ክኸዉን ዝኽእል ። ከምቲ ናይ ሃገርና ኣቆጻጽራ ዓዉደ ኣዎርሕ ብባሕቲ ጀሚርና መዓልታት ንቖጽር፡ ካብ ብሕታዊነት ጀሚርና ብጸይትና ወይ`ዉን ብጻይና ክንብል ንኽእል። ከም ሳዕቤኑ ከኣ ቤተሰብ፣ ስድራቤት፣ ዓዲ ...ወዘተ ብምባል ምሉእ ሕብረተሰብ ከነቕውም ንኽእል ።"ብሕታውነት" ኣብ`ዚ ዓለም ብሳይንስን ቴክኖሎጂን እትግስግሰሉ ዘላ ዘመን ብኸመይ ክንነብሮ ይከኣል ኣገድሲ ሕቶ እዩ። ኣብ`ዚ ዘለናዮ ዘበን ባሕታዊ ምዃን እንበኣር፣ ኣእምሮና ይብሕት ዶ ኣሎ ንምባል እዩ። ምኽንያቱ፡ ዘይባሕተና እንተ ዄና ኣብ`ዛ ጫውጫውታ ዝመልኣ ዓለም ጥሒልና ከይንተርፍ እሞ መልክዕና ከይንገግይ ፣ ገጽና ክይንርስዖ ምጥንቃቕ የድሊ ። ብሕታዊ ገጽና ኣይትተሓብኣና !ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ ፡ ኣብዚ ጠዉቑ