ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

10 - ይቕሬታ | Forgiveness |


Listen Later

ይቅረ ኣብ መስርሕ ሕውየት ሞግዳእቲ፡ ናብ ዕርቂ ዝወስድ ልቦና ዝመልኦ ኣምር እዩ ንብሎ። ብጣዕሳን፡ ኑዛዜን፡ ካሕሳን ተሰንዩ ኣብ ቤት ዕርቅን ኪዳንን ከኣ የብጻሓና። ኪዳን ድማ ንዝተበዳደሉ ወገናት ክዳኖም ደራሪቡ ናብ ሕውየት ይመልሶም።ይቕሬታ፡ ከምቲ ኣብ ህዝብና ዝግበር፡ ከም`ቲ ስሙ’ውን ዝሕብሮ፡ ብዛዕባ እቲ ዝቐሪ ወይ`ውን እቲ ዝተርፍ እዩ። እዚ ኽኣ ምስ’ቲ ምግዳፍ፣ ምሕዳግ ኣተሓሒዝና ክንርእዮ ይካኣል። ከምቲ ኣታዓረቅቲ ሕደጎ ... ሕደጎ ... ወይ`ውን ግደፎ ...ግደፎ ... ዝብልዎ ይሳነ። ህዋሳት ኣካላትና’ውን እቶም መሰረታውያን መማህራን ናይ ይቕሬታ ኮይኖም ንረኽቦም። ከም`ቲ ምሕቃቕ ዝኣበየ መግቢ ደገ ብዘይምዉጽኡ ክጎድኣና ዝኽእል ከምኡ`ውን ይቕረ ብዘይምባልና ጥዕናና ክጉዳእ ይኽእል; ስለዚ እዩ እንበኣር ተቐያሚ ሓማሚ ዝባሃል። "ይቕሬታ" እምበኣር ብመጀመርታ ኣካላዊን ህዎሳዊን ምንቅስቓስ ኮይኑ፡ ብምስዓብ በኣእምሮኣውን ማሕበራውን ጌርና ክንመሃሮን ክንነብሮን ይክኣል እዩ። ይቕረ ንኽንብል ብቤተሰብ፣ ብየዕሩኽትና፣ ብሃይማኖታዊ ትካላትና ብተደጋጋሚ ንጽዎዕ ኢና። ንምዃኑ ሕቶ ይቕሬታ ብሕታዊ ድዩ ዋላስ ማሕበራዊ። ንሕና ከምዝመስለና ብሕታውን ማሕበራውን እዩ። ብብሕትና ይቕረ ምስ እንበል፡ ካብ ዝኣሰርና በደልን ቅርሕንትን ንገላገል እሞ፣ ዓይነ ልቦናና ይኽፈት፡ ናብ ሓድሽ ተኽእሎታት ሂወት ንእንፍት። ነቲ ዝበደለና ከይተረፈ እውን ብፍትሓዊ ዓይኒ ንርእዮ እሞ፡ ፍትሓዊ ናብራ ንመርሕ።  እቲ ማሕበራዊ ክፋል ይቕሬታ፡ ብሓፈሽኡ ብመንጽር በዳልን ተበዳልን፡ ብዓቢኡ ድማ ብሕብረተ-ሰብ ደረጃ ክንጥምቶ ይከኣል። ይቕሬታ ምሉእ ንክኸውን በዳልን ተበዳልን ዕዩ ሕድገት ክፍጽሙ ኣለዎም ኢልና ንሓስብ። ዕዩ ሕድገት ማለት ይቕሬታ እምበር ኣካል መስርሕ ሕውየት እዩ። ይቕሬታ ኩልንተናዊ ክኸውን እንተኾይኑ ፣ ብፍላይ እካ ደኣ ብሕብረተሰብ ደረጃ ክፍጸም እንተኾይኑ ዕቱብን ንጹርን መስርሕ ሕውየት ኣብ በዳልን ተበዳልን ክህሉ ኣለዎ። ሕውየት እምበኣረይ ንመጕዳእቲ ዝፍውስ ንበዳልን ተበዳልን ከኣ ናብ ምልኣት ሰብኣውነቶም ዝመልስ ጥዑም ልማድ ሕብረተሰብና እዩ። እዚ ብኸመይ ይፍጸም ንዝብል፡ ስነ-ሓሳብ ስሕታንን ኑዛዜን ካሕሳን ምርደኦም ግድነት ይኸውን፧ብመጀምርያ ስሕተት፡ ቀጺሉ’ውን ኑዛዜን ካሕሳን ናብ ይቕረን ዕርቅን ዝመርሑ ኣምራት ጌርና ክንርድኦ ንኽእል። ወለድና ንዝበደለ ክገልጽዎ፡ ከም "ስሒቱ" ፣ "ስሒታ" ፣ "ስሒትና" ብምባል ይትንትኑዎ። እምበኣርከስ መበገሲ ጉድኣት ፣ ብዓይኒ ልቦና ስሕተት ምስ እንርድኦ ፣ ከም ካብ መንገዲ ፣ ዕላማ ፣ ኣንፈት ምስሓት የስምዕ። እዚ ኣረዳድኣ ወለድና "መጎዳእቲ ከም ስሕተት"፡ ንስሐተት ከኣ ብዓይኒ ርሕራሔ ዝርኢ ይመስለና።መስርሕ ሕውየት በዳሊ ብጣዕሳ እካ እንተጀመረ፣ መስርሕ ኑዛዜ፡ ሓቂ ክዛረብን ሓላፍነት ክስከምን ይሕግዞ። ኑዛዜ ንኽንርዳእ ናብቲ ናይ ግእዝ ምንጩ ዝኾነ ቃል "ናዘዘ" ከነስተብህል ይከኣል። ናዘዘ ማለት ኣጸናንዐ፣ ኣደዓዓሰ፣ አበደ ማለት እዪ። በቲ ኻልእ መዳይ ከኣ ኣብ ህዝብና “ተናዚዙ እንድዩ/ያ” ምስ ዝባሃል፡ ሓቂ ተዛሪቡ ወይ ዝተደጎለ ዘይተሰምዐ ሓቂ ኣስተንፊሱ የስምዕ። እሞ ዝተናዘዘን ሓቂ ዝንገረን በዳሊ ዳኣ ስለምንታይ ምጽንናዕ ምድዕዓስን የድልዮ ክንብል ንኽእል ኢና። እዚ ግን ምስቲ ሕማቕ ማዓልቲ ወይ ስሕታን ማዓልቲ ውዒለ ኣይትሓዙለይ፡ ዝብል ዝውቱር ናይ ጣዕሳ ዘረባ ምስ እነተሓሕዞ፡ በዳሊ'ውን ናይ ማዓልቲ ኮይኑ እንበር ንኽፍኣት ዝተዓጥቀ ከምዘይኮነ የውካኣልካ እሞ፣ ናይ ስሕተቱ ጣዕሳ ተቐቢሎም፡ ነቲ ዝስምዖ ናይ ጣዕሳን በደልን ስምዒታት ንምቅላል ደገፍን ምጽንናዕን ከምዘድልዮ የርእየና። ካብዚ ሓሊፉ’ውን ኩሉ ሰብ ናይ ማዓልቲ ኮይኑ ይስሕት እዩ። ዕጫ ኩሉ ሰብ ድማ እዩ፡ ምኽንያቱ ፍጹማን ኣይኮናን። ስለዚ ኣባላት ስድራ ወይ ሕብረተሰብ፡ ኣካሎም ንዝኾነ ሓው ወይ ሓፍቲ፡ ስሕታን ዊዒሎም እሞ ምስ ዝጥዓሱ፡ ሓድሕዳዊ ምጽንናዕ እምንበር፡ ምጉድዳእ ከምዘየዋጽኦም ዘስተብሃሉ ይመስል።ብምቅጻል፡ ኑዛዜ ንበዳልን ተበዳልን ሰብ ኣፍደገታት ምሕረት የርእዮም። መስርሕ ኑዛዜ ንበዳሊ ሓድሽ ተኽእሎታት፣ ሓዲሽ ኣንፈት ይፈጥር። ኣብ ኑዛዜ ዝኣተወ ሰብ ሓዲሽ ማእዝን ክጥምት ይከኣሎ። ዝተናዘዘ ሰብ ካብ ዝርብሾ ዛንታ ገበን ተገላጊሉ፡ ብምጽንናዕ ናብ ንቡር ሂወት ይኣቱ እሞ ከም እንደገና ክጉዓዝ ይጅምር። ኣብ ግዜ ኑዛዚ በዳሊ፡ ሓላፍነት ናይ ገበኑ ይስከም፡ ከም ዝኽሕስን ከም ዝእረምን'ዉን ቃል ይኣቱ።  በዚ ዕርቂ ህዝብና፡ ንሕውየት ሰብኣውነት በዳሊ እውን ዘተኵሩ ኮይኑም ንረኽቦም። ምኽንያቱ ኣብ መስርሕ ኑዛዜ ከም እነስተብህሎ፡ እቲ ዝበደለ እምበር እተበደለ ኣይኮነን ዝፍጽሞ። እንበኣር መስርሕ ኑዛዚ፡ በዳሊ ዝፍወሰሉ ልምዳዊ ኣገባብ'ዩ ንብሎ።  ሕቶ ካሕሳ ንተበዳሊ፡ ኣብ ሕብረተስብና ዝውትሩር እዩ - ከም መጸገኒ ወይ መሕውይ ቁስሊ እውን ይባሃል። ምእንት'ዚ በዳሊ ዓቕሚ ምኽሓስ ምስ ዝሰኣኖ መቕረብ ቤተሰቡ ነቲ ሓላፍነት ክስከሙ እቲ ንቡርን ቅቡልን መስርሕ እዩ።እንበኣር እዚ ለባም ዝኾነ ናይ ወለድና መስርሕ ዕርቂ፡ ዕርቃን ምስ ተላለየ ፣ መጉዳእቲ ምስ ኣስተባሃልናሉ ፣ ጎዳእን ተጎዳእን ምስ ተነጸረ ፤ ካሕሳ ምስ ተፈጸመ፡ ብመስርሕ ኑዛዜ ኣቢሉ ናብ ዕርቂ ይበጽሕ እሞ፣ ኪዳኖም ኣሓዲሶም ኣብ ሕውየት ይበጽሑ፡፡ ምልክት ሕውየት ሓድሕዳዊ ምክድዳን ፣ ኪዳን ምእታው ከም ሳዕቤኑ ሙቀት ምርካብ እንዳኣሉ። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
...more
View all episodesView all episodes
Download on the App Store

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባትBy Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.

  • 5
  • 5
  • 5
  • 5
  • 5

5

4 ratings