ኪዳን ዝብል ቃል እንክንሓስብ ሓያሎ ኣስማት፡ ብሂላትን ምስላታትን ከምእንዝክር ኣይንስሕቶን።ንኣብነት- ኣብ ህዝብና "ኪዳነ" ፣ "ኪዳን'' ወይውን ኪዳን ዝመሰረቶም ኣስማት ኣዝዮም ዝውቱራት እዮም።- ኪዳኑ ዘይጠልም/ዘይትጠልም፡ ኪዳን ዘለዋ/ዘለዎ ሰብ እንዳተባህሉ’ውን ብዙሓት ይምጎሱ’ዮም። ሓዳር ዝጅምሩ መርዑት ድማ ብቃል-ኪዳን ይእሰሩ፡ ሰብ ሓዳር ስድራና’ውን ክጸዋውዑ እንከለዉ ኪዳነይ ይባሃሃሉ። እዚስ እዞም ወለድና ከመይ ፍቅሪ ኪዳን ሃልይዎም እዩ ክንድ’ዚ ኣስማትን ወግዒን ናይ ኪዳን ዘብዙሑ ኢልካ ንኽትሓስብ ይዕድመካ። ነቶም ወግዕትታ ኣዕሚዩቕካ ምስ እትምልከቶም ድማ፡ ኪዳን ኣገዳስን ጠቓምን መሰረት ዝምድናታትናን መነባብሮንና ምዃኑ ንምዝኽኻር ዝግበርዎም ይመስሉ። ካብ’ቲ ፈጣሪ ምስ ደቂ-ሰባት ዝገብሮ ኪዳን’ውን ዝተማህሩ ይመስሉ። ነዚ ናይ ሎሚ ትሕዝቶና እምበኣር፡ ስነ-ሓሳብ ኪዳን ምፍታሹን፡ ኣዕሚዩቕካ ምራኣዩን፡ ገለ ንልቦና ወለድና የብረሃልና ይኸዉን’ዩ ኢልና ስለ ዝሓሰብና’ዩ ናባኹም ነብሎ ዘሎና።ስነ-ልቦና ኪዳን፡ ምስቲ ክንማሙቕን ክንምዕርግን እንኽደኖ ክዳውንቲ፡ ከምኡ ድማ ምስቲ ምስ ብጸይትና ወይ ብጻይና፡ ብፍቕርን ምክብባርን እንማምቆሉ ኪዳን ብምትእስሳር ዋሕስ ናይ ናብራ’ዩ ንብሎ። ካብ ጥንቲ ዉን ሰባት ብቓሎም ኪዳን ይታኣታተው ኒሮም እዮም። ካብኡ ዝነቀለ እዩ ዝኸውን ‘ቃል’-‘ኪዳን’ ዝብል ሓረግ ዝውቱር ዝኾነ። እዚ ድማ ልባዊ መብጻዓን፡ ውሽጣዊ እምነትን ኣብቲ እትነብሮ ዘለኻ ወይ እትደሊ ሓዳር፡ ዕርክነት ወይ ሕብረተሰብ፡ የመልክት። እዚ ጽምዶ ኪዳን፡ ንኸይትቖርር ድርዒ፡ ከይትጠሚ መግቢ፡ ከይትብደል ፍትሒ፡ ከይጽምወካ ድማ ኣሕዋት ኣለዉኒ ኢልካ ብእምነት እትነብሮ ናብራ እዩ። እዚ ናብራ’ ዚ ድማ ኣብ ቀልብን ሕልናን ናይ ወለዶታት ዝነበረ ኣምር ናይ መነባብሮ እዩ ኢልና ንኣምን። ኣብ ኪዳን ዝሰረቱ ሰብ-ሓዳር ወይ ሕብረተ-ሰባት፡ ዕንቅፋት እንተጋጠሞም ይረዳድኡ፡ ጎዶሎታቶም ይመላልኡ፡ መጉዳእቲ ሓድሕዶም የሕውዩ፡ ክሳዕ ብሂወት ዘለዉ ድማ ኣብ ግዜ ሕማምን ጥዕናን ኣለኹልኪ ኣለኹልካ እንዳ ተበሃሃሉ ይነብሩ፡፡ ብኻልእ ኣዘራርባ ፡ ኪዳን ፡ ነቲ ብሕጊ ክእሰር ዘይክእል ውሽጣዊ ሓይልና ብምርታዕ፡ ናይ ሕልናን ማሕበራዊ ክብርን ወይ ደረትን ምኡዙዛት ይግብረና። ከምቲ ክዳን ዘለዎ ልኡል፡ ክዳን ዘይብሉ ድዑል ተባሂሉ ዝተመሰለ ፡ ኪዳን ምስ ዝህልወና፡ ኪዳና ምስ እንሕሉ ንኸብርን ከም ሉኡላን ንቑጸርን፣ ብኣንጻሩ ከምቲ ክባኣስን ክጓነጽን ዝውዕል ዱዑል፡ ኪዳነ ዘይቡሉን ኪዳኑ ዘየኽብርን ሰብ’ውን እምነት ዘይብሉን ሓሓሊፉ ምጉናጽን ምዕማጽን ዘይገድፍን’ዩ።ኣብ’ዚ ምዕቡል ዝበሃል ዘመን: ሰባት ውሕስነቶም ኣብ ኪዳን ዘይኮነ ኣብ ሕጊ ዘንብሩ ዘለዉ ይመስሉ። ማሕበራዊ ጉዳያት ህዝብናን፡ ሃገርናን፡ ዋላ’ዉን እቲ ኣብ ሞንጎ ሰብ-ሓዳር ዝግበር ቃል-ኪዳን፡ ብኣምር ሕጊ ዝትካእ ዘሎ ይመስል። ሕጊ ግን ከም ኪዳን፡ ዋሕስ ናይ ናብራን ዝምድናታት ወገናትን ኮይኑ ከገልግል ኣይክእልን እዩ። እዚ ምባልና፡ ሕጊ ኣየድልን እዩ ንምባል ኣይኮንናን። የግዳስ፡ ኪዳን ዘይብሎም ሰባትን መንግስታትን፡ ብሕጊ ጥራይ ጠጠው ኣይብሉን፡ እኳ ደኣ ከም’ዚ እንዕዘቦም ዘለና ከም ድዑል ይጓነጹን ሰብኣውነት ይረግጹን ኣለዉ። ስለዚ ሕጊ’ውን እንተኾነ፡ ብዘይ ኣዳህቦ ኪዳን ወይ’ውን ምእክልና ኪዳን ምስ ዝንደፍን ዝቐውምን፡ መሳሪሒ ዓመጽን በደልን ንክኸውን ኢዩ ዝቃላዕ። ኣብዚ እንነብሮ ዓለም፡ ኪዳን ተባሂሎም ዝጸደቑ ማእለያ ዘይብሎም ኣብ ዓመጽ ዘተሞርኮሱ ሕግታት ከምዘለዉ ከየመልከትና ክንሓልፍ ኣይንደልን። እንበኣር ኣብዚ ልዕልና ሕጊ ተሳኢኑ እናበልና እንሻቐለሉ ዘለና ዘመን ፣ መስርሕ ኪዳን ዓዲ-ውዒል ከይትኸውን እሞ፡ ብሕጊ ኣብ ምፍድዳይ ሕነ ከይንነብር ንስከፍ ። ብስም ሕጊ ጌርካ ዝፍጠር ሓዲሽ ቁስሊ ወይ ተበዳሊ ከይህሉ ምጥንቃቅ ዘድልዮ እዋን ኢና ዘለና ኢልና ድማ ንሓስብ።ገሊኡ ክፋል ህዝብና እውን እንተኾነ፡ ናይ’ዚ ግዜ’ዚ በትሪ ምሰና’ዩ ዘሎ ብዝዓይነቱ፣ ኣፉ ንዝኸፈተ፡ “ሓለንግና ነዊሑ እዩ” ፡ “ዓይንና ዓይኒ ዓራት እዩ” እናበለ በትሪ ምዋጣዎጥ ኣይገደፈን፡፡ ብዘይ ኪዳን ኣሕዋትናን፡ ፍንጫሕ መሰንገለናን፡ ብኸመይ ክንመውቅ ንኽእል ዝብል ሕቶ ምሕታትን፡ ዕርቃንና ወጺእና ከይከውን ዝባናትና ሃሰስ ምባልን እዚ ዘበን ዝጠልቦን ናይ‘ዚ ወለዶ መጸዋዕታን ኮይኑ ይስምዓና።ደቂ ሰባት ብምዃና፡ ካብ ዝተወለድናሉ ኣትሒዙ ብተፈጥሮና ዑሩቓን ኢና። ናይ ናብራ ግዴታ ኮይኑ’ውን፡ ስሕተት ዊዕልና ጎንጺ ኣይተርፍን፡ በዚ ዉን ዕርቃና ይቃላዕ እሞ፡ ዳግማይ ክንክደን ንብህግ። መፍትሒኡ ድማ ካሕሳን ኑዛዜን ተሰሪዑ ናብ ዕርቂ ንኣቱ ፡፡ ዕርቂ ምልኣተ ሕውየት ንኽረክብ ድማ ብመስርሕ ኪዳን ይዛዘም ኢልና ንኣምን። ዕርቂ ምስ ሓውና፣ ዕርቂ ምስ ሓፍትና፣ ዕርቂ ሓድሕድና፡ ክዳንና እዩ’ሞ ናይ ወለድና ልቦና ኪዳን ኣይትሓባኣና!!!! ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ