ሰባት ማሕበራውያን ኢና፡ ኣብ ብፍቅሪ ዝተዛመደት ስድራ ንውለድ፡ ኣባላት ናይ ዝተፈላለዩ ማሕበራዊ ዝምድናታትን ትካላትን ኴይና’ውን ንዓቢ። ገና ብናትና ውሳነን ምርጫን ኣብ ዝመስለና ዝምድና ከይተቛረና፡ ነብስና ኣብ ዝተፈላለዩ ዝምድናታት ተራ ክትጻወት ንረኽባ። ንኣብነት፡ ዝምድናና ምስ ስድራ ይጅምር፡ ቤተ-ሰብ፣ ጎሮቤት፡ ዓዲ፡ ቤት-ትምህርቲ፡ ዓርከ ማሓዛ . . .ወዘተን እንዳበለ ማሕበራውያን ምዃና የረጋግጽ። ዓቕሚ ኣዳም በጺሕና፡ ብናትና ውሳነን ድላይን ከምኡ’ውን ብእንጻወቶ ተራን እንስከሞ ሓላፍነትን ዝምድናታትና ይስስን፡ ይዓሙቕ ወይ ይተርርን ይድልድልን፡ ገለ ገለ ዝምድናታት እባ’ውን ይፍኮስን ይሽሕክርን። ደቂ-ሰባት ሕጊ ተፈጥሮ ኮይኑና፡ መንፈሳውን፡ ማሕበራውን፡ ኣካላውን፡ ኣእምራውን ከምኡ’ውን ቁጦባውን ድሌታትና ንምምላእ ኣብ ዝተፈላለየ ዝምድናታት ንርከብን ንምስርትን።እዚ መናብርትናን፡ ኣብዛ ዓለም ክሳብ ዘለና ዘይተርፈና ብንቃሓትን ብዘይንቅሓትን (consciously and unconsciously)፡ እንኣትዎን እንነብረሉን ዝምድናታት ንምፍታሽ፡ ኣብ ዝቅጽል መደባትና ኣስፍሕ ኣቢልና ሓደ ብሓደ ኣብ ዝተፈላለየ ዝምድናታት ከነስተንትን ኢና። ንዝመጽእ ሳምንታት፡ ኣብ ሕብረተ-ሰብና ዘለዉን ዝምስረቱን ዝምድናታት ከመይ እዮም፧ ከመይ ዝበለ ክብርታት ይሓቅፉ፧ ኣብ’ዚ እዋን’ዚ ኸ ብኸመይ ክንግልገለሎም ንኽእል ዝብሉን ካልኦት ሕቶታትን ከነስተንትን ኣንቂልና’ለና፡ ከም ኩሉ ግዜ ድማ ኣብ ናይ ወለዶታት ፍልጠት ምርኩስ ጌርና ጦብላሕታና ከንካፍል ኢና። ንሎሚ ንእሽቶ ስእልን መእሰርን ዝኸውን መኽፈቲ ሓሳባትና ናባኹም ነብሎ። ድሮ ኣተምቢህናዮም ከምዘለና፡ ነዞም ዝተፈላልዩ ሰብኣዊ ዝምድናታት ብተምሳል ማኣዲ ከንስተንትኖም ኢና። ጣዕምን መቐረትን “መኣዲ ቤትና”፡ “መኣዲ ወለድና” ዘይናፍቕን ዘይፈልጥን ኣሎና ኣይንብልን፡፡ ማኣዲ፡ ኣብ ርእስ’ቲ ንተሳተፍታን ኣባላታን ዕንጋለ (nurture) እትህቦ፡ ናይ ቡዙሕነት ተሳትፎ ተረጋግጽ፡ ሓልዮትን ፍትሓውነትን ትምህር፡ንዕብየት ተዓንግልቲ ትድርኽን ኪዳኖም ተጽንዕን፡ ከምኡ’ውን መስርሕ ሕውየት ተሳልጥ።በዚ ኣቢልና፡ ናይ ብሕታውን ማሕበራውን ዝምዳናታትና ኸ ነዚ ዝተጠቕሰ ክብሪታት ይህቡና ዶ ኢልና ክንሓትት ንደሊ፡፡ ብወገንና፡ ማኣዲ ንኹሉ ዝምድናታት ሕብረተሰብና ኣብነታዊት፡ መዐቀኒትን መወከሲትን ጌርና ንርድኣ። ከም ውጺኢቱ ኸኣ፡ ዝምድናታት ሰብ ናይ ገዛእ ርእሶም ሒዞሞ ዝመጹ ረብሓታትን ሓደጋታትን ስለዘለዋም፡ ከም ናይ መጽናዕቲ ባይታ ጌርና ንወስዳ።ኣብ ሕብረተ-ሰብና ዝውቱራት ዝኾኑ ዝምድናታት ድሕሪ ምፍታሽን ብዕምቖት ምስትብሃልን፡ ነዞም ዝስዕቡ ዝምድናታት ከምእኒ መውስቦ፣ ሓዳር፡ ሰበ-ኪዳን፡ መባልይቲ፡ ሃገረ-ሰብ፣ ጎረቤት፡ ሕብረተሰብ፡ ሃገር፡ ዜግነትን ሃይማኖትን ኣብ ዝብሉ ኣርእስታት ሰሪዕና፡ ብስነ-ልቦና መኣዲ ከንስተንትኖም ክንፍትን ኢና። እዚ ማለት፡ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዘውካእናዮ፡ እዞም ዝምድናታት - ዕንጋለ፡ ተሳታፍነት፡ ፍትሒ፡ ዕብየት ተዛመድቲ የረጋግጹ ዶ? ኣብ ኪዳን እተሰረቱ፡ ኪዳን ዘጽንዑን፡ ንሕዌት ዝገለግሉን ዲዮም ኢልና ንሓትትን ነስተንትንን።ተራ ተሳተፍቲ መኣዲ ኣብ ህዝብና ንጹር እኳ እንተኾነ፡ ኩሎም መኣዲታት ማለት ዝምድናታት ሕብረተሰብና ግን፡ ከምቲ ኣብ መኣዲ እንረኽቦ ምልኣት ሕውየት-ሰብ ይርከቦምን የረጋግጹን እዮም ኢልና ኣይንሓስብን፡፡ ካብ ትዕዝብትና ብዝተረዳእናዮ መሰረት፡ ተራ ተሳተፍቲ ብፍቁራን፣ ጊላነት፣ ዓብላልነት፣ ብዓል ቤት ዝብሉ ክንበርን ክግለጽን ይከኣል።መኣድታት ማለት ዝምድናታት ሰብ፡ ኣብ ህዝብና ብብዙሕ መዳያት ክግምገሙ ይኽእሉ’ዮም። ገለ ግምገማ ንምግባርን፡ ትዕዝብትታትና ንምቕማጥን፡ ዝምድናታት ብመንጽር ዘለዎም ዕላማ፡ ትጽቢታት፡ ሕልኽላኻት፡ ዘለና ስእልታት፡ ንጹርነት፡ ቅንዕና፡ ትካላዊነትን ክንሪኦም ክንፍትን ኢና። ኣብ መወዳእታ፡ ዝምድናታትና ኣድማዕትን ንሕውየት ሰባት ዘገልግሉን ንክኾኑ፡ እንብሕተሎም፣ እነፍቀረሎምን እንፍቀረሎምን፣ ሓድሕዳዊ ኣገልግሎት እንወሃሃበሎም፡ ተኽእሎታት ምሉእነት ሰብ ዝረጋገጸሎምን ፣ ክንየውነት (transcendence) ዘለዎም ክኾኑ ኣለዎም ንብል። ሕራይ ን መኣዲ ወለድና! ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ