ጉዳይ መርዓን ደርዓን ክልዓል ከሎ፡ “መውስቦ ቀሊል ከይመስለካ ወይ ከይመስልኪ” ዝብሉ ለበዋ ወለድና ዘየስተብሃለ ኣሎ ኣይንብልን። እዚ ክምስረት እተደልየ ዝምድና፡ ካብ ብርኪ ሰብ ኪዳን ዝውለዱ ፍረ፡ ምሰፋሕ ስድራ ቤታትን ዘካትት ብምኻኑ ዓቢ ግምትን ክብርን ይዋሃቦ። ብተወሳኺ ኣብ ባህልና፡ መርዓ እቲ ዝዓበየ ጽንብል ብምኻኑ፡ ክብሪ መውስቦ ንምርድኡ ኣይንጽገምን። ወግዒ መውስቦ፡ ቀንዲ ዕማሙ ንክልተ ብሕታውያን ሰባት ብኪዳን ምቁራን እኮ እንተኾነ፡ ከምቲ እምባ ክትኮኑና መጸግዒ፡ ጎልጎል ክትኮኑና መሳፍሒ እንዳተባህለ ዝዕጀብ፡ ሓድሕድ ምድግጋፍን ዕረፍትን ናይ ስድራቤታትን ቤተሰብን እውን እዩ። ብካልእ ሸነካ፡ ከምቲ ጽብቅ ዝተዋሰበ ተክሊ ወይ ንብረት ፍርያምን ኣድማዒ ስራሕ ዝስራሕ፡ እንኣትዎም ይኮኑ ተጻሜድናሎም ዘለና ዝተፈላለዩ ዝምዳናታ ወይ መውስባትታ፡ ኣድማዕትን ጽቡቅ ፍረ ንረክበሎም ኣለና ዶ፧ ኤልና እንናሻዕ ከንምርምር ኣገዳሲ እዩ። ናይ እዋና መውስባታት ከመይ ዝበሉ እዮም ኢልና ቅድሚ ምሕታትና፡ እቶም ብምሉእ ድላይን ስርርዕን ወለዲ ዝምርሑ ዝነበሩ ናይ ወለድና መወስባ ከመይ ይከዋወኑ ኒሮም ኢልና ብምሕታት፡ ጦብላሕታትና ብምዝርዛር ጽቡቅ መወከሲ ባይታ ከምዝኮነና ንኣምን። በዚ መስረት መውስቦ ከም ዕዪ ህዝቢ ኣስዒቡ እዉን ከም ሓደ ካብቶም መኣዲ ዝምድናታት፡ ኪዳነ ተዋሰብቲ ብከመይ ይፍተን፡ ንሕውየት ተዋሰብተን ዝመስርትዎ ስድራን ዝጽንብረዎ ስድራ ቤታትን የገልግል ዶ፧ ተሳታፍነት ብዙሓት የረጋግጽ ዶ፡ ሕድሕድ ዕንጋሎት፡ ፍታሓወነት ን ዕብየት ናይ ተዋሰብትን ቤትሰብን ከ ብከመይ ይንጻርቅን፡ ባይታ ከኣ ኣለዎ ዶ ኢልና ብምሕታት ክንግምጎሞ ንደሊ። ንዞም መልኪዒታት ናይ ዝምደናታ ኢልና ዘቀመጥናዮ ነጥብታት፡ ኣብ መውስቦ ንምፍታሽ፡ ገለ ውግዕታት መስቦ ክንዝርዝር። ብመጀመርያ መውስባ ተሳትፎ ናይ ቡዙሓት ዝረጋገጸሉ ሓደ ካብቶም ዓበይቲ ማሕበራዊ ዕዮታት ህዝብና እዩ። ከምቲ "ዉራይ ኣትዪና" እንዳተባህለ ዝንገር፡ ብዓቢ ይኩን ንእሽቶ ፈታውን ቤተ ሰብን ንምምዕራግ እቲ ውራይ ኣብ ምሽብሻባት ይጽመድ። ቤት ሰብ ግርም ዝኮነ ናይ ሓጎስን ኣበባን ግዜ ይሕልፉ። እዚ ካብ ሩሕቅን ቅረባን ቤተ-ሰብ ዝኣካክብ ጽንብል፡ ኣብ ምትራር ን ሕውየት ዝምድናታት ዓቢ ተራ ይጻወት። "ፈረይትን ጸገይትን" ይግበርኩም እንዳ በሉ ዝመርቁ ወለዲ ድማ፡ ፍረ ብርኪ ሰብ ኪዳን ክርእዩ ድላዮምን ሃረርትኦም ይገልጽ። እዚ ሰብውነት ዝማከሉ ባህሊ ድማ፡ ሰብ ከማካ ምፍራይን ወለዶካ ምቅጻልን ኣብዛ ዓለም እቲ ዝዓበየ ዕዩኡን ባህቱኡን ምኮኑ የረድእ። ስለዚ መዉስቦ ብዛዕባ ዕብየት ፣ ምስሳን ከምዝኾነ ብቐሊሉ የነጽር። ታሪኽ ሳራይን ኣብርሃም ፣ ብቆልዓ ምስኣን ዝተፈተነ ኪዳን ከም ኣብነት ተወሲዱ "ከም ሳራይን ኣብርሃምን መባልይቲ ይግበርኩም’ ብምባል’፡ መዉስቦ በቲ ዝገጥሞ ጸገማትን ዘይኮነ ዝዕቀን ፣ ብኣንጻሩ ሕዉየት ዝርከበሉ ከም ዝኮነ ነስተብህል። ኪዳኖም ኣጽኒዖም ብሓባር ኣብ ሓዶሮም ክበልዩ’ውን ይጽውዕ። "ወዪ ተሃርማና ፣ ወዪ ትድስቃና ፣ ካብ ሎሚ ምሸት’የ ትግፋሕ መሬተየ" ዝብል ደርፊ ክንዝክር ድማ ፣ ይንኣስ ይዕበ መስርሕ መዉስቦ ገለ ስጉሚ ፍትሒ ከምዘሎዎ የመልክተልና። እቶም ንኡሳን ኣጏብዝን ጎራዙን ድማ ናብ ሓላፍነታውያን ሰብ ሓዳር ዝስጋገርሉ እዋን እዩ።፡ መግናሕቲ ወልዲ ኣብቂዑ እኩላት ሰባት ምኮኑም ይረድእ። ብተወሳኪ መኣዲ መውስቦ ከም ሓደ ዕዩ ህዝቢ ዝፈጥሮ ወይ ዘምጽኦም ሓደጋታት ምስ እንፍትሽ፣ ተራ ተጻመድትን ብሕታዊ ገጻቶምን ብከመይ ይንጸባረቅ፡ ማለት ደላይን ፍቅርን ተጻመድቲ ብከመይ ይግለጹ ወይ ባይታ ኒርዎም ዶ ፧ ዓብላልነት ናይ ሓደ ወግን ይረኣየሉ ዶ ኢልና ንሓትት ፧ ኣብዞም ሕቶታት ሰማዒ ነናቱ መልስን ርእይቶን ከምዘልዎ ርዱእ እዩ፡ ነዞም ሕቶታት ንህቦ መልሲ ግርም ዝኮነ ስእሊ ኣብ መውስባ ውለድና ብምሓዝ፡ ምስ ናይ ሕጂ እዋን “ፍቅሪ ኣምጾኦ” መውስቦ ክነነጻጽር ክሕጉዝና እዩ። ኣብ መዛዘሚ፡ እንተስ ብፍታው ወልዲ ወይ ብፍቅሪ ተጻመድቲ ተሳስዩ፡ መውስቦ ሰሚሩ ናብ "ሓዳረይ ሓዳርና" ምስ ተሳጋገርና ስጡም ሕብረተሰብ ንክተሃንጽ ፣ ሰረት ትካላዊ ጸጋታት ከም ዘለዋ ከይገለጽናዪ ክንሓልፍ ኣይንደልን። እንበኣር መውስቦ ዘይተርፍ ዕዮ ሰባት ካብ ኮነ፡ እንብሕተሉ ማለት ብሕታዊ ገጻት፡ ኣመላትን ክእለታትን ተጻመቲ ዝጥጥዐሉ፡ እነፍቅረሉ ንፍቀረሉን፡ ኣጎልጉሎት ንብጻይትና ወይ ንብጻይን ክንውፊ ንጽዕተሉ፡ ንዝያዳ ተክእሎታት ሰብኣውነት ዝዕደመን፡ ናይ መጻምድትና ዕብየት ዘግህድ ክከውን ኣበይ ከንዳይ ምማሓረ ንብል። ብተወሳኪ መውስባ ክንዮ እቲ ዘጋጥሞ ግድላት ናይ ናብራ ተሳጊሩ፡ ሕውየት ሓድሕድ ምድግጋፍን ዝተረሉ ከክውን ክንዳይ ምጣዓመ። ዘመኑ ኣምጸኦ ሓዮሎ ጽልዋታት ካብ ኢድና ወጻኢ ሰለ ዘለዉ፡ ክብረት ኪዳን ሓልዩ፡ ምስ እዋን ዝከይዳ ምትዕርርያት ከም እኒ ተራ ናይ ጸወታ ከምዘድልዮ እዋን ዘይምዝንጋዕ። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ