ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

17 - ሃገረ-ከተማ | Urbanism-Alienation |


Listen Later

 ''ሃገረ ከተማ" ዝብል ቃል ወይ ኣምር ኣብ ኣባሃህላ ህዝብና ኣይተሰምዓን ይከወን፣ ኣንበብትን ተኸታተልትን እዚ መደበና እውን ዝተፈላልየ ሕቶታት ከምዝመጸኩም ፍሉጥ እዩ። ሃገር ምስ ከተማ እንታይ ኣራኺብዎም፣ ኣብ ዝምድናታት ህዝቢ ናይ ሃገርን ከተማን ምንጽጻር ዶ ይከወን ትብሉ ትኮኑ። እዚ ትሕዝቶ መቀጸልታ ናይ ዝሓለፈ ሃገረ-ሰብ ዝብል መደብና እዩ።  ኣብ`ዚ ዓምዲ፡ ሃገረ-ሰብ ከምኡ`ውን ሃገረ-ከተማ ኢልና ክንትንትን እንከሎለና ንተኸታተልቲ መደብና ከነነጻጽሮ እንደሊ እቲ ናይ ጥንቲ ቃላትን ኣባሃህላን ወለድና በዚ ናትና ወለዶ ብዝጥዕምን፡ ንተምኩሮናታትና ብዝሳነን ክንተንትኖ ምፈትና ክንሕብር ንፈቱ። ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ተኽእሎታት ሃገር ሰብ ከም ዕዮ ህዝቢ ብዕምቆት ተንቲና ኔርና። ሃገር ዝብል ኣምር ከም ህዝቢ ወይ ደቂ ዓዲ፡ ደቂ ሃገር፣ ብካእ ሸንክ ድማ ሃገር ከም መሬት ወይ ዓዲ ገሊጽናዮ ኒርና። ኣብዚ ናይ ሎሚ መደብና ሃገር-ከተማ ኣብዚ ሓዲሽ ክፍለ ዘመን ፊጢርዎ ዘሎ ክውንነትን ክስተታትን ክንፍትሽ ኢና። ሃገረ-ከተማ፡ ከተማ ከም ናይ ህዝቢ መንበረን ዓደን፡ ከመይ ይግለጽ፧ ሃገረ-ከትማ ኣብ ዝምድናታት ህዝቢ ዝህቦ ረብሓን፡ ዘምጾ ጉዳትን ኣሎ ዶ፧ ብምባል ገለ ክንብል ኢና። ሃገረ-ከተማ ቅድሚ ሓደ ቃል ጌርና ምርዳእና ክልቲኦም ቃላት ከይተጸንበሩ እንታይ ርድኢት ይህቡ ኣብ ዝብል ነጥቢ ብመጀመርታ ከነተኩር ንፈቱ። ብዓይኒ ልባና ህዝብና፡ ሃገር ዝብለ ኣምር፡ ከም ህዝብን መሬትን ከምዝግለጽ ሒዝክኩሞ ኣለኩ። ብምስዓብ ከተማ ዝብል ቃል ዘሕደሮ ሰእሊ ምስ እንዕዘብ ብመጀመርታ ኣብ ኣእምሮና ቅጅል ዝብለና እንተድኣ ሃልዩ  ከም እኒ እንደስቱሪ፣ ምዕብልና ጥሕተ ቅርጺ፡ ዓበይቲ ርሻውንትን ብዝሒ ህዝብን ገለ ካብቲ መለለይ ከተማ እዩ። ብተወሳኺ እውን ከተማ ከም ተበሃግን ተመራጽን ናይ ግስጋሴ ምልክት ከይኑ ክዕየየሉን ክነብሮ ንዕዘብ፡፡ እሞ ስነ ልቦና ከተማ ክንየው እቲ ዝህበና ግንዖ መሳለጥያ ገለ ዶ ዘክፍለና ዋጋታት ዶ ኣሎ ኢልና ምስትንታን ኣገዳሲ እዩ። ውጽኢት ኣተሓሳስባ ን ምህዞ ደቂ ሰባት ዝኮኑ ከተማ ዝውንኖም፡ ከም እኒ ምህሮ፡ ሕክምና፡ ስሉጥ መጎዓዝይን ካልእ ማሕበራዊ ኣገልግሎትታን፣ ኢንዳስቱሪ ሰናይ እኳ እንተኳኑ፣ ግን እዞም ተባህግቲ ሰናያት እንዳ ኣስተማቀርና ገለ ኣብ መስርሕ ከተማነት ዝድምሰሱ ወይውን ዝገሃሱ ሰብኣውነት ከይህሉው ምስትብሃል ዘድልዮ እዋናዊ ሕቶ ኮይኑ ንረኽቦ። ስለዚ፡ ሲዒብ ክሕተት ዘልዎ፡ መንባብሮ ወይ መስርሕ ሃገረ ከተማ ንሰብኣዊ ዝምድናታትና ብኸመይ ይጸልዎ፧ ሃገረ-ሰብኣዊ ናብራ ኣብ ከተማታት ክንበር ይካኣል ዶ፧ ዝብሉ ሕቶታት ይመስለና።  መቸም ሃገረ-ሰብኣዊ ናብራ ክንብል ከለና፡ ሰብ ዘማእከለ፡ ግርማን ክብርን ሰብ ዝልዕለሉ፡ ሓዳሕድ ምምርኮስን ዕንጋሎትን፡ ኪዳን ን ፈትሕን ኣብ ማንጎ ነብረቲ፡ ተሳታፍነት ቡዝሓት ዝረጋገጸሉ ንምባል ምኮነ ሒዝኩምና ክትኮኑ ንትስፎ።   ሃገር ከተማ ክንየው እቶም እንርእዮም ኢንዳስቱርነትን ምዕባሌን፡ ሰብ ምኳን ን ሰብኣውነትና ብዝዓሞቀ ክንላበሰ ዶ ይሕግዛና ኣሎ፧ ወይሲ ፋሕ ጭንግራሕ ኣእትዮ ኣብ ሓድሕዳዊ ምንፍፋግ ምስ ብጻይና፣ ብጸይትና፣ ህዝብና፣ ዕዩና ፣ ...ወዘተ ይሸመና፧ ናብራ ከተማ ኣብ ሃገራና እኮ ብከፊሉ ሃገረ-ሰብኣዊ እዩ ክንብሎ ንደፍር። እንተ ኣብ ዝበዝሓ ናይ ምዕራ ሃገራት ግን፡ ናብራ ሃገረ-ከተማ ዝመንቅሊኡ፡ ናይ ሰብ ምንጻልን ምግላልን ካብ ዝተፈላለይ ማሕበራዊ ዝምድናታት፡ ርኡያ ናይ ኣእምሮ ሽግራት ይርኣዮ እዩ፡ እዚ እዩ ከኣ እቲ ዝዓበይ ስክፍታና። ኣብ ቋንቋ ግእዝ እቲ መቅረብ ከተማ ዝብል ቃል ዝኮነ "ከተመ" ምስ እንምልከት ከወላ ፣ ሐብኣ ፣ ዓጸወ ፣ ዓጽዩ ሓዘ ዝብል ትርጉም ይዋሃቦ። ትርጎም ከተማ ከምዚ ብምኮኑ፡ እሞ ከኣ ንምኮሮ ዘልና ናብራ ከተማ ምስ እነስተብህል፣ ምቅረራቡ ከይገርመናን ከይድንጽወናን ኣየትረፈን። ናብራ ከተማ ሰብኣውነትና ቀንጢጡ ቀባሕባሓ ቀዪሩና ከይህሉ ምስትብሃል ዝሓትት ግድል ናይ እዚ ዘመን እዩ ኢለና ንሕሰ።  መንቀሊ ጽሑፍና ሃገረ-ሰብ እንክንብል ናፍቖት ቅድሚ ዘበነ እንዳስቱሪ ሓዲሩና ኣይኮነን፣ ምንም እንኳ ቅድሚ ዘበነ እንዳስቱሪ ዝነበረ ዘበን ናቱ ዝሰተማቅር ግርማን ጽበቀን እንተ ነበሮ ከምኡውን ሃገረ ከተማ ክንብል ጽልኣት ከተማ ኣይኮናን ኣተባቢዑና፡ ከመይሲ ከተማ ዘምጽኦ ሙሳለጥያ ምቾትን ንሰብኣውነትና ብዝያዳ ክንላበሶ ኣዝዮ ሓጋዚ እዩ ኢልና ስለ እንኣምን። ኣብ ምዕራባዊ ክፍላተ ዓለም ምስ እንምልከት ብዛዕባ ምክታምን ተነጽሎን ኣመልኪቶም፡ ብከም እኒ ፌረደሪክ ሄግል ኣብ ዓምዲ ፍልስፍና ከም እውን ካርል ማርክስ ኣብ ዓምዲ ደብራዊ ቁጠባ ከምኡውን ካልኦት ብዙሐት ፊላስፋታት ኣስፊሖም ስክፍታትቶም ጽሒፎም ንረኸቦም። ናብ ጉዳያ ህዝብና ተመሊስና ምስ እንዕዘብ ኣብዚ ሎሚ እዋን ብዙሓት ደቂ ሃገርና ኣብ ሃገርን ሃገራዉነት ኣቶኪሮም ዝነጥፉን ዝምህሩን  እኳ እንተሃለዋ፡ ኣነጺርና ክነስተብህለሉ ዘለና እቲ ኣተክሮ ኣብ መህናጽ ን ምድኳንን ''ሃገረ-ስብ'' ድዮ ዋላ ዛዕባ "ሃገረ-ከተማ " ኢልና ክንብርብሮን ክንላዘበሉን ይግባእ። ምስክንያቱ፡ ሃገረ ብመስርሕ ሰነ ልቦና ከተማ ምስ እትህነጽ ሃገረ-ከተማ ኮይና ስለ እትተርፍ።ናብራና ናብራ ሃገረ-ሰብ ክትከውንሲ ሰብኣውነት ነዘውትር ኣብ ዘልና ሃሊና፡ ናብራ ሃገረ-ሰብ ንምረጽ!ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
...more
View all episodesView all episodes
Download on the App Store

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባትBy Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.

  • 5
  • 5
  • 5
  • 5
  • 5

5

4 ratings