“ትሕትና መቕድም ክብረት፡ ትዕቢት መቕድም ውድቀት” እትብል ምስላ፡ ንሕና ደቂ-ሰባት ኣብዛ ሓጻር ናይ ሂወት ዕድሜና፡ ፍልልያት ናብራ ክብረትን ውርደትን ክነስተብህልን፡ ምርጫ ክንወስድን እትምህር ምስላ ኮይና ንረኽባ። ንሎሚ እምበኣር፡ "ትሕትና" ዝብል ኣምር ብዓይነ ልቦና ሕብረተሰብና፡ ብኸመይ ይንበርን ይዝውተርን ብምባል፡ ጦብላሕታና ከንካፍለኩም መሪጽና ኣለና። “ትሕትና” ትሕት ወይ ዝቕ ምባል የስምዕን የረድእን። ምስ’ዚ ተተሓሒዙ፡ “ሰባት ሰለምንታይ’ዩ ኣብ ሞንጎ ካልኦት ሰባት ትሕት ምባል ዘድልየና”፡ “ማዓስን ንመንንከ ክንትሕት ይግባኣና”፡ “ትሕትናኸ ብኸመይ’ዩ ዝንጸባረቕ”፡ ዝብሉ ሕቶታት ምስትንታኖም ኣገደስቲ ኮይኖም ይስምዑና።ንምጅማር፡ ከም`ቲ ማይ ናብ ትሑት ቦታ ዝወርድን ዝዉህለልን፡ ከምኡ`ውን ንሕና ደቂ ሰባት ንምልኣት ሰብኣዉነትና ትሕት ምስ እንብል ክንበጽሖ ይከኣል’ዩ ኢልና ንሓስብ። ኣስዒብና፡ ሰባት ዘይምሉኣትን ዘይፍጹማትን ብምዃና፡ ነዚ ሓቂ ብኣስተብህሎ ፈሊጦም፡ ጎደለኦም ካብ ካልኦት ሰባት ከምዝምላእ ኣሚኖም፡ ትሕት ብምባል፡ ንዖኦምን ንከባቢኦምን ንምልኣት ዝዕድሙ ሰባት ‘ትሑታት’ ወይ ‘ትሕትና’ ዘለዎም ሰባት ኢልና ንገልጾም። እዚ ባህርን፡ ሜላ ኣካይዳን ድማ፡ ንኽትነብሮ ዓሚቚ ኣፍልጦን ጥበብን ንቕሓትን ዝሓትት ይመስለና። ን ትርጉም ትሕትና፡ ብኣንጻር እዚ ልዒልና ዝገለጽናዮ ምስ እንርድኦ ግን፡ ምልክት ድኻምን ከንቱነትን ውርደትን ኮይኑ ክስመዓና ይኽእልዩ።ኣብ ርድኢት ሕብረተ-ሰብና ትርጉም "ትሕትና" ን "ዉርደትን" ኣዝዩ ገዚፍ ፍልልይ እኳ እንተሃለዎም፡ ህድእ ኢልና እንተ ኣስተብሂልና ግን፡ ክልቲኦም ቃላት ንወዲሰብ ናብ ሓደ ማኣዝን ገጹ ንኽጎዓዝ ዝዕድሙ ይመስሉ። እዚ ማለት፡ ምትሓትን ምዉራድን፡ ካብ ብርኽ ዝበለ ናብ ዕሙቕ ዝበለ ስፍራ ምጉዓዝ ማለት ምዃኑ የአንፍቱ፡፡ የግዳሰ ትሕትና ወለንታዊ ክኸውን እንከሎ፡ ውርደት ግና ሰኣን ልቦናዊ ምልከት ነብስኻን፡ ኣንነት ዝመንቀሊኡን ውድቅት እዩ። ትሕትና ዝተራሕወ ዓይነ ልቦና ትውንን፡ ንኣንነት ትፍንፈን፡ ንኽብረትን ልዕልናን ከኣ ትግስግስ። ከይዲ ዉርደት፡ ርድኢት ሃሳሰ-ለባምን ተሳታፍነትን ይሓጽሮ እሞ፡ ነቲ ናይ ሂወት ጉዕዞ፡ ወለንታዊነት ኣጥፊኡ ንታሕቲ ገጽካ ብምንቁልቋል ናብ ናብራ ኮንትነት ይወስድ። ሰለዚ ወዲሰብ ብዘይካ ብመንገዲ ትሕትና፡ ብኻልእ ናብ ምልኣትን ዕብየትን ሰብኣውነትን ክበጽሕ ኣይክኣሎን’ዩ ኢልና ንሓስብ። ትሕትና ኣብ ቅድሚ ፈጣሪና ሰናይ ፣ ትሕትና ኣብ ሞንጎ ሓድሕድና ከኣ እቲ ፍሉጥ ክሳዓብ ዘለዋ መስርሕ ምዃኑ ንኣምን። ትሕትና ብኣገባብ ምስ እንርድኦ ፣ ብሓቦ’ዉን ምስ እንገጥሞ ከም`ቲ ማዪ ዝሃፈፈ ቀላይ ብግዜ ክረምቲ ብወሓይዝ ዝምላእ ንሕና ደቂ ሰባት እዉን ብመንገዲ ትሕትና ንተኽእሎታት ምምላእን፡ ከይዲ ምሉእነትን ክንዉዕለሉን ከነስተብህለሉን ንኽእል።ብምቕጻል ናብ ሕብረተሰብና ብምምላስ፡ ትሕትና ብኸመይ ይንበርን ይንጸባረቕን ኢልና ክንፍትሽ ከለና፡ ከም ልምዲ፡ ምልክት ትሕትና፡ ኣብ ሓድሕድና ርእስና ምድናንን፡ “እንታዶ ይፈልጥ ኢየ”፡ “ክንዳየናይ እኳ ከይክእሎ”፡ “ኣነ ዶ ካባኻ/ኺ ይፍልጥ ኮይነ” ዝብሉ ኣቀራርባ ነስተብህል። ትሑታት ሰባት በቲ ዝውንንዎ ብልሕን ልቦናን ጥበብን ከይተዓበዩ፡ ንኣንነትን ዝናን ክርሕቅወን ድማ ነስተውዕል። ብኻልእ ሸነኽ፡ ገዛእትን መሳፍንትን መለኽግን፡ ንዘመናት ነቲ ከም ምልክት ትሕትና ዝኾነ ርእስኻ ምንሳኣ፡ ንዓኣቶም ጥራይ ከም ዝተሰርዐ ጌሮም ከም ዝበዝበዝዋ ከይገለጽና ክንሓልፍ ኣይንደልን። ኣብዚ 21 ክፍለዘበን ኣምር ትሕትና ዝኾነ ርእሲ ምንሳአ፡ ኣብ ህዝብና ይዝወተር እኳ እንተዘይሃለወ፡ ጠመትኡን ልቦንኡን ብምስትውዓል ግን ንኹሉ ሰብ፡ ካብ ህጻን ክሳብ ሽማግለ ርእሲ ምንሳእ ይግብኦም አዪ ኢልና ንኣምን። ምኽንያቱ፡ ርእሲ ወይ`ውን ገጽ እቲ ሓዉና፡ እታ ሓፍትና፡ እቶም ደቅና፡ እቶም ወለድና፡ መሳርሕትና ሰራሕተኛታትና ደቂ ሃገርናን ዘይደቂ ሃገርናን ምስ እንርኢ ልዕልና፡ ሩሕ፡ ግርማ ሰብ ሰለ ዝምስክሩ ምንሳእ ርእሲን ትሕትናናን ኣይነሕጽረሎም።ኣገባብ ትሕትና ንልዝብ፣ ወግዒ፣ ሓድሕዳዊ ምምሩዃስ፡ ኮታ ኣብ መኣዲ ኪዳን ንኽንጽመድ ይሕግዘና። ብኣንጻሩ ብትሕትና ምንባር ምስ እንስእኖ፡ መስርሕ ዉርደትን መንገዲ ዓጽዓጽን ንሰብኣዉነትና ከምዘፍክሶ ፡ ታሪኽ ደቂ ሰባት ደጋጊሞም የዘንትዉልና። እታ ናይ ዉርደት ዓለም ከኣ፡ ከምቲ ወለድና "ዓለም ከንቱ" ዝብልዎ ትኾነና። ስለ’ዚ እምበኣር፡ ማይ ኣብ ዝዓሞቐ ጥበብ ኣብ ዝተሓተ እዪ ነገር ሰብን ሰብ ምዃንን እሞ፡ ጸጋታታ ኣስተብሂልና፡ ንትሕትና ብፍቃድና ንኺዳ ብምባል ንፋነወኩም። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ