ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

20 - ትዕቢት | Conceit |


Listen Later

ትዕቢት" ብዛዕባ ምዕባይ ወይ ምትዕብባይ ይመስለና። ብልቦና ሕብረተ-ሰብና "ትዕቢት" ወይ "ትዕቢተኛ" ከም ጽያፍ ወይ`ውን ሓጥያት እዩ ዝቑጸር፡፡ ምትዕብባይ ድኣ ብኸመይ ከ ክፍቶ። ንሕና ደቂ ሰባት ዓበይቲ ክነስና ዓበይቲ ክንከውን ምስ እንፍትን እዪ ግዙኣት "ትዕቢት" ንኸዉን ዝመስለና።ካብ ብምስሊ ፈጣሪ ምፍጣር ዝዓብየ ዕብየት ኣሎ ኣይንብልን። ገለ ግን ነዚ ብምዝንጋዕ ከምቲ ትዕቢተኛ ነብሱ ባዕሉ ዝፈጠራ ይመስሎ ዝበሃል፡ መን ከማይ ዝኣመሎም ቡዙሓት እዮም። ንሕና ደቂ ሰባት ኣብ ክንዲ ዓበይቲ ምዃና ተረዲእና ሂወት ብምምልላእ እንነብሮ፡ ንምንታይ ኢና ካብ ሓውና ወይ ሓፍትና  ዓቢና ክንረአ ንደሊ፧ ሃብትን ጸጋን ዝጽላእ ኣይኮነን። ምትዕብባይን መን ከማይ ምባልን ግን ስለምንታይ ኣድለየ፧ ንዘለካ ትሕዝቶ ምትዕብባይ ካብ ውሽጣዊ ድኽነት ዝነቐለ ዲዩ ወላስ ካብ መዕበይ ኣመል፧ ትዕቢት ማለት ንናይ ገዛእ ነፍስኻ ዕብየት ብምጥርጣር ዓቢ ንምዃን ዝግበር ጻዕሪ ወይ ሃልኪ ደቂ ሰባት እዩ ኢልና ንሓስብ። እዚ ማለት ሰብኣዊ ዕቤትና ኪሒድና፡ ናይ ውሽጣና  ኣንነት ከነርዊ፡ ከነጋንን ክንጃሃርን፡ ከምቲ ትዕቢት ትቅድማ ንውድቀት ዝተባህለ: ንወደቀሉን ንሓስረሉን መንገዲ ብምሓዝ  ግዳያት ትዕቢት ኮይና ንነብር ። ኣብ ሕብረተሰብና ጹዩፋት፡ ግን ከኣ ዝውቱራት ዝኾኑ ናይ ትዕቢት ኣመላት ኣለዉ፡፡ ገለ ሰባት ከምዛ ሑጻን ጡቡን  ኣዋዲዶም ብሕርዮም ካብ እንዳ እገለ ወይ እንደ እገሊት ዝተወለዱ፡ ብትውልዶም ዕብየት ከረጋግጽ ይፍቱኑ። ሓያለ ዉን፣ ብመልክዕ ፣ ጥዕና ፣ ሞያ ፣ ደረጃ ትምህርቲ ተጠቒምና ዕብየትና ከነርኢ ከይደቀስና ንሓድር ። ዕብየትና ዕምቆቱ ን ስፍሓቱን ምስ ዝፈታተነና ኣብቲ እንፈልጦ ናይ ትማሊ ስነ-ሓሳባት ፣ ሃይማኖት ፣ ባህሊ ተሓቢእና ዕብየትና ከነዘንቱ ክንጭድርን ንብጾትና ዕረፍቲ ድቃስ ክንከልእ ንነብር።ዕብየትና ዉሒዱ ምስ ዝረኣየና ብዝሒ ናይ`ቲ እንሳተፎ ሃይማኖታዊ ወይ ፓለቲካዊ ትካላትና ከም ዕቤትና ወሲድና ንዉሑዳን ሽግር ክንፈጥረሎም ንርከብ። ሕሉፍ ሓሊፍና እዉን ኣምላኸይ ካብ ኣምላኽካ ይዓቢ እናተባሃሃልና እቲ ፈጣሪ ኹሉ ኣምላኽ መሳርሒ ትዕቢት ኮይኑ ይርከብ። ዝርዝር ዓቢ ክትከውን ምፍታን ዝፈጠሮም ጸገማት ብ ብሕታዊ ኾነ ማሕበራዊ ማእለያ የብሉን ፣  ንምንታይ እዪ ግና ወዲ ሰብ ግዙእ ትዕቢት ዝኸውን፧ ዘይተመለስ ሕቶ አዩ። ሰብኣዊ ዕብየትና ትሑት ጌርና ምስ እንርድኦ፡ ብምትዕብባይ ኣብ ማንጎ ካልኦት ሰባት ጸብለል ምባል፡  ናይ ካልኦት ህላወን ዓቅምን ምንእኣስ ኣይንሓድግን። ምኽንያቱ፡ ኣነ ይፈልጥ፡ ኣነ ይውርዚ፡ መን ከማይ ብሃብቱ፡ እንዳ በልና ሓለፋ ክብረትን፡ ጠመተን ንእልሸ::   ትዕቢተኛታት ካብ ጃህራን መን ከማይን ሓሊፎም፡ ባዶነት ሸውሃቶም ንምርዋይ ሓደጋን በደልን ካብ ምፍጻም ድሕር ኣይበሉን፡ ስለዚ ኢዩ' ውን ትዕቢተኛ ዓይንን መልሓስን መፍሰስ ንጹህ ደም ዝተባህለ።  ስለዚ ትዕቢት ኣብ ክንዲ ሓጥያት ወይ ጽያፍ ጥራይ ጌርካ ምርኣዩ፡ ከም ሕማም ተራእዩ ጉዳይ ትዕቢት ከም ካልኦት ናይ ኣእምሮ ሕማማት ብክኢላታት ጥዕና ክፍወስ ምስ ተገበኣ፧ ወይ`ዉን ትዕቢት ከም ድንቁርና ተቖጺሩ ኣብ ቤት ትምህርቲ ብምኻድ ዲፕሎማ ንቕሓት ትዕቢት ምርካብ ከም ፍታሕ ዶ መገልገለ ፧ መን እሞ እፈልጥ ፧ ብዝኾነ ንሕና ደቂ ሰባት ዓበይቲ ፣ ንዕቤት ዝተጸዋዕና ምዃና ምስ ፈለጥና ነጻነት ካብ ትዕቢት ይህልወና ይኸውን። እቶም ካብ ትዕቢት ነጻ ዝኾኑ ፣  =) ነቲ ዝተሓተ ናብ ዝለዓለ ንኸምጽኡ ይቓለሱ'=) ዕብየት ብጾቶም ፣ ጎረባብቶም ክርድእዎ ይኽእሉ =) ዕብየት ናይ ካልኦት ስነ ሓሳባት ፣ ሃይማኖት ፡ ባህሊ ክሰምዑ ድልዋት ይኾኑ። እቲ ዓቢ ዕብየት ክርኢ ይመርጽ ፣ እቲ ዕብየት ዘይቅበል ግን ኣብ ትዕቢት ይነብር። ንብለኩም። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
...more
View all episodesView all episodes
Download on the App Store

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባትBy Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.

  • 5
  • 5
  • 5
  • 5
  • 5

5

4 ratings