መቸም መን ጎሮቤት ዘይብሉ፡ ዝዓበናሉ ገዛውትን ዓድን እንክዝክር እንኮለና፡ መተዓብይትናን ጎረባብትናን ኣካል ናይ ወትሩ ተዘክሮታትና እዮም። ከምቲ ወለደና ብኩርዓት ዝብልዎ “ከመይ ዝበለ ጉርብትና እንዲዩ ኔርና ወይ ዘለና” ንብል ንኸውን። ጉርብትና ከም ዘቅረብካዮ እዩ ከምዝናሃል፡ ዝማዕረገን ዘኩርዕን ጎርብትና ከኣ እሞ ነቲ ናይ ሰጋ ዝምድና’ውን ይበልጾ፣ ካብ ዝራሓቀ ሓውካስ ቀረባ ጎሮቤትካ እኮ ዝበሃል። ስለዚ ኣብ ሕብረት-ሰብ ጎሮቤት ሓደ ካብቲ ዓበይቲ ዝምድናንትት እዩ። ኪዳኑ ዝተረረ፡ ሓድሕድ ምትሕልላይ ዘለዎ፡ ንዕቤት ጎሮባብቲ እዩ ዝዕድም፡ ኣብ ማኣዲ ሓጎስን ሽግርን ዘሳትፍ ጎርብትና ከኣ’ሞ፡ ይሃበናን የሃብኩምን እዩ ዘብል። እሞ ንሎሚ ካብ ባሕሪ ብጭልፋ ብዛዕባ ጎሮቤትን ብወገና ገለ ክንብለኩ። "ጎር" ምስ "ቤት" ዝብላ ክልተ ናይ ትግርኛ ቃላት ተሳንየን "ጎረቤት" እትብል ቃል ይሃንጻ። ጎር ከኣ ሓልዮት ዝብል ትርጎም ይህበና። ቀጥታዊ ትርጎም እኮ እንተዘይበልና፡ ጎሮቤት ሓልዮት ናይ ቤት ዝስምዕ መልእክቲ ኣለዋ ኢልና ንሓስብ። እዚ ድማ ምስቲ ኣብ ላዕሊ ኣቀዲሙ ዝተገልጸ ርዲኢት ጎርብትና ኣብ ሕብረትሰብና ዝሳነ ኮይኑ ንረክቦ። መቸም ኩሉ ጎሮቤት ሓላያይ እየ ክባሃል ኣይካኣልን፡ ግን ሓልዮት ዘልዎ ጉርብትና ንምምስራት ሰናይ ድሌትን ስራሕን ዘድልዮ ኮይኑ ይስማዕና። እሞ ነታ ምስ ስድራና እንነብረላ ቤትን ምስ ህዝብና እንበራ ዓባይ ቤትና ዝኮነት ሃገርና፡ ሓልዮትን ጎርብትና ክህልዋ እንታይ እዩ ኣበርኩቶ፧ ጎረቤት ዛዕባ ጥቓና ፣ ጎድንና ዘሎ ቤት ፣ ዓዲ ፣ ሃገር ጥራሕ ዘይኮነስ ፣ ክነየው ኣቃዉማ ሰብነትና ፣ ቤትና ፣ ሃገርና፧ ታሪኽ ሰነ ፍጥረት ኣብ ስነ ልቦና ጎረቤት እዩ ዝምርኮስ እዪ ኢልና ንሓሰብ። ኣነ ፣ ንስኻ ፣ ንስኺ ፣ ንሕና ፣ ዓድና ፣ ሃገርና ዉጽኢት ናይ "ጎረቤት" ፣ "ጉርብትናን" ኢና ኢልና ንኣምን። ቤት ብዘይ እቶም ሓድሕዳዊ ጎር ፣ ጸግዒ ዝኾኑ ዓንዲ ገዛ ክትቀዉም ኣይከኣላን፣ ከምኡ`ውን ብሰነ ማሕበራዊ ርዲኢት ምስ እንዕዘብ ቤትሰብ ቀጻልነት ክህልዋ እንተኾይኑ "ጎር" ቅድሚ "ቤት" ክስራዕ ከምዘለዎ ምርድኡ ከቢድ ጉዳይ ኮይኑ ኣይረኣየናን ። ምልስ ኢልና ኩነታት ሰብነትና ምስ እንርእዮ ጥዕና ክህልወና ፣ ብሂወት ንኽነብር እንተ ደኣ ኾይና ሰናይ ጉርብትና ህዋሳትና ን ኣካላትና ይሓትት። ተፈጥሮ እንተኾነ እዉን ዉጺኢት መወዳእታ ዘይብሎም ብመስርሕ ጉርብትና ዝተወሃሃደ ኣብ ጎረቤት ዝተመስረተ ሙዃኑ ክንምልከት ይከኣል። እዚ ተፈጥሮኣዊ ቅዲ ዝኾነ ሓድ ሕዳዊ ጉርብትና ዝመንቀሊኡ ቀለቤት ጎረቤት ትርጉም ኣልቦ ጌርካ ኣነ ወይ`ውን ንሕናን ሉኣላውነትና ፣ ነጻነትና ፣ ዉልቃዊነተይ ዝመሰረቱ ዝንቡዕ ኣነባብራን ኣተሓሳስባን ምስ ንጽመድ ዓቕልና ይጸብብ እሞ ብዙሕ መጉዳእቲ ክበጽሓና ይከኣል ። ዝሓለፉ ሚእቲ ዓመት ናይ ህዝብን ሃገርናን ግዳማዊ ኣጣማምታ ናይ ጎረቤት ማእለያ ዘይብሉ መጉዳእቲ ፣ ክሳራታት ኣስዒቡልና እዪ። ኣብ`ዚ 21 ክፍለዘበን ከም ህዝቢን ሃገርን ክንቅጽል እንተ ድኣ ኮይና ብቕዓት ዘለዎ ሓዲሽ ኣረዳድኣን ኣነባብራን ጎረቤት ሃሰሰ ምባል ከድልየና ኢልና ንኣምን ። ትርጉም ጎረቤት ብንዉሓት ድፍዓት ወይ`ውን ብዝሒ ሰራዊትን ዘይኮነስ ብላዛን ሓልዮትን ክንርድኦን ክንነብሮን ንሰማዕትና ንጽውዕ። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ