ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

23 - መራሒ | Leader |


Listen Later

መራሕን ምምራሕን ዝብሉ ኣምራት ምስ ምፍጥረ ወዲ ሰብ ኣትሒዞም ዝማዕበሉ እዮም። ኣብ ዓለምና ቡዙሓት ውርዝያት መራሕቲ ሓሊፎም እዮም፡ ገለ መራሕቲ ውን ናብ ደለሃምት ዝእቱ ኣይተሳእኑ። ጉዳይ መርሒ ክልዓል ኮሎ መቸም እልቢ ዝይብሎም ሕቶታት እዩ ዘለዓል፡ መርሕቲ ዝውለዱ ዲዮም ዋላስ ሕብረተ-ሰብ እዩ ዝሃንጾም፧ መርሕቲ ኣገልግልቲ ዲዮም ዋልስ ኣማሓደርቲ፧ ብተወሳኺ ነዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ሕቶታት ዝመስሉ ከልዓሉ ይክእሉ እዮም፧ ከምዚኦም ዝኣምሰሉ ሕቶታት ከይጎሰና፡ ኣብ ናይ ሎሚ መደብና መራሒ እንክንብል ኣብ ህዝብና እንታይ ስእሊ ይህበና ፣ ኣስዒብና እውን ሰነ ልቦና መራሒ ከም ዕዮ ህዝቢ ብከመይ ንርድኦ ክንፍትሽ ኢና። ወለድና ዋላ እውን ክዛረቡ እንከልዉ መርሒ ክመርጹን ብፍቃዶም ክክተሉን ቡዙሕ ተዓዚቡና ኣለና፡  ከምእውን ኣብ መንገዲ፡ ጸወታ፡ ወፍርን መርሕቲ ዝውትራት እዮም።ኣብ ናብራ ውን ዓዲ ዘማሓድሩን ዝኣለዩን ኣይተሳእኑን። ናይ መርሕቲ ምስሊ ምስዚ ናይ ማዕቡል እዋን መግልጺ ኣስኒና ምስ እንገልጾ፡  ድለየትን ባህግን ህዝቢ ተገንዚቦ ናብ ዝድለ ምዕርፉ ንከብጽሑ ብራኢን መትከልን ዝቅልሱ መራሕቲ ክንብሎም ንክእል።  እሞ ከምዚኦም ዓይነት መራሕቲ ኣብ ሕብረት-ሰብና ብከመይ ይልለዩ፡ ኣገልገልቲ ዶ ኣማሓደቲ ዋልስ ክብሪ ናይ ዝፈን ዝምነዩ ኣዘዝቲ፧ ኣብ ህዝብና መራሒ እንክብሃል፡ ምስ ንጉስን ንግስነት ብዝዓይነቱ ብምትእስሳር ይግልጽ ን ይመስል። ንኣብነት ንምጥቃስ " ምስ ደገዝማቲ መን ተማጓቲ" ዝብል ምስላ ክንዕዘብ ይከኣል፡፡  መርሒ ኣገልጋሊ ህዝቡ ዘይኮንስ ግባርን ሓዳግን ይረድእ፡ ብተወሳኺ እዚ ጉጉይ ኣረዳድኣ መራሒ ከም ንጉስ ዘሰረጾ ኣተሓሳስባ ፡ ኣብ ሃገርና እቲ ንህዝቢ ዝመርሕ ከም መንግስቲ ተባሂሉ ክጽዋዕ ንዕዘብ። መንግስቲ ከምቲ ሰሙ ዝሕብሮ ብዛዕባ መነ ነገሰ ፣ ናይ መን ንግስነት ዝኣመሰሉ ዝምልከቱ ሕቶታት ይምልስ። ምእንቲ`ዚ መንግስቲ ዝብል ቃለ ምስ እንሰምዕ መን እዪ ንጉሰ ፧ ወይ`ውን  መን እያ ንግስቲ ፧ ኢልና ክንሓትት ግቡእ ይመስል፡፡ ብዝኩነ፡ እዞም ስም መሪሒ ሂብና ኣብ ዝፈን ነቀምጦም፡ ናይ ብሓቂ መራሕቲ ድ' ዮም ቢልካ ክጥየቅ ይግባእ ኢልና ንሓስብ። ብርዲኢትና፡ ኣብ ሞንጓ ሕብረተ-ሰብ ሓዲሮሞ ወይ ሓዲረን ፣ ኣካል ሕብረተሰብ ኮይኖም ወይ ኮይነን ዝመርሑ ወይ ዝመርሓ  መራሕቲ እናሃለውና ህዝቢ ስኣን ኣፍልጦኡ መራሕኡ ካብ ምልለይ ዓዲ ውዒል ኮይኑ ከይህሉ ኣቃውማ ህዝብና ብደቂቅ ምፍታሽ ዘድልየና ኮይኑ ይረኣየና። ንጉስ ዝዓይነቱ መራሒ ሃሰስ እናበልካ እዚ ሓዲሽ ክፍለ ዘመን ህዝብና ክሰጋገሮ ዩክአል እዩ ዝብል እምነት የብልናን፡፡ እቲ ቀዳምይ ረቆሒ ናይ መርሒ እንባኣር፡ ኣገልግሎት እዩ ንብል።  ህዝብና መራሕቱ ከለልይ እንተደልዮ መን እዩ ዘገልግለኒ ዘሎ ኢሉ ብምሕታት ንጹር መልሲ ክረክብ ይኽእል ኢልና ንሓስብ።  በ'ዚ ምክንያት ኣብ ዝሓለፉ ዘበናት ኣብ ሕብረተሰብና ኣዴታትና መርኣያ ናይ ኣገልጋሊ መርሕቲ ኔረን እንተበልና ጌጋ ኮይኑ ኣይረኣየናን። ምኽንያቱ ንዓና መዓቀኒ መሪሕነት መራሒ ብዝህቦም ኣገልግሎት እዩ፣ ንህዝቡ ከምታት ጽንዕትን ለዎህን ኣደ ድግዲጊቱ ተዓቲቂ ሰቡ ዝምግብን ዘማሓድርን ናብ ዝብጻሕ ደርጃ ዕቤት ዘስጋግር እዩ። እዚ ማለት ኣቦታት ኣብ ኣገልግሎት ሕብረተሰቦም ዝተጸምዱ ኣይነበሩን ማለትና ኣይኮነን፡፡ ስለዚ መራሒ ከሞ ኣገልጋሊ ኣብ ፖለቲካን ቤተ መንግስት ጥራይ ኣይርከብን እንታይ ደኣ ኣብ ቤቱ ፣  ቤታ፡ ሰድራ ቤቱ : ስድራቤታ ፡  ምስ መሳርሕቲ : መዓብይቲ ኳታ ኣብ ኩሉ ንጥፈታት ሕብረተሰብ ዝንበረን እትላበሶን ተራ እዩ፡፡ ህዝባዊ መራሒ ምኮን ድማ ባህጊ ሕብረተ-ሰብ 'ህዝብና ኣብ ሞንጉኡ ኮይኖም ተስፋኡ ሓፉ ዘብልዋ ፣ ኣብ ኣገልግሎቱ ዝተጸምዱ መራሕቱ ከለልይ ግዴታ ኣለዋ ጥራይ ዘይኮንን ከም ትኩር ጎሳ ክክብክቦ’ውን ይግባእ። እንተዘየሎ ግዳይ መጉባዕባዕቲ ዓመጽቲ መራሕቲ ምኳን ጠጠው ኣይክብለሉ እዩ። ከምቲ ኣብ ዝሓለፈ መደብና ኣብ ብመቧክዕቲ ገሊጽናዮ ዝነበርና ህዝቢ’ውን ሓፍ ዘይብል ውዱቕ ብሑቕ  ክኸውን ኣይግባእን። ከም መዛዘሚ፡ ንሎሚ መራሕትና ነለሊ ብምባል ንፍለየኩም። ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
...more
View all episodesView all episodes
Download on the App Store

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባትBy Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.

  • 5
  • 5
  • 5
  • 5
  • 5

5

4 ratings