ስድራቤት እንክንብል እታ ትዕበ ትንኣስ ብዘየገድስ ዝሰደረት ፣ ዝስጎመት ፣ ዝገስገሰት ቤትና ፡ እታ ቤት እንዳ ሰብ ማለትና እዩ። እወ ሰድራቤት ማለትና እታ ምውቕቲ ቤትና ፣ ምስቶም እነፍቅሮም ወለድና ፣ ኣሕዋትና ሓቢርና መባእታ ሂወትና ዝጀመርናላ ማለትና እዩ፡ ስድራቤት እታ መባእታዊትን ጥንታዊታን ዓንዲ ናይ ሕብረተ-ሰብ እያ። መውስቦ ሰሚሩ፡ ሓድር ምስ ጠጥዐ፡ ስድራ ቆልዑት ወሊዶም፣ ቤቶም ምስ ሰድራ፡ ስድራ-ቤት ትስመ። እታ ሰብኣዊ ዝምድናታት ንጅምረላ፡ ኣብ መኣዲ ቤትና ዓጊግና ፡ ፍቅርን መግብን ንዕንገለላ ፣ ኣቦይ ኣደይ ሓወይ ሓፍተይ ኣንዳበልና ኣብ ማዓልታዊ ሓጎስናን ጸገምናን ኢድና ንሕውሰላ፣ ቤት ምህሮ ፍትሕን ቅንዕናን ዝኮነት፣ ካብ ሕቅፎ ኣደና ክሳብ ዓቅሚ ሰብ እንበጽሕ ንዓብየላ ፡ ብኪዳን ወለድና እንዳ ተመራሕና፡ ሕውየትን ሙቀትን እነስተማቅረላ ስድራ-ቤት። ኣየ ወ ኣብዚ እጂ እዋን ንድሕሪት ተመሊስካ ክትዝከሮ፡ ሓያለ ተዝክሮታት ናብ ናፍቆት ዝሰልም ኣይምተወደአም። ድሮ’ውን ሓያለ ካባና ናትና ስድራ ኣቚምና ንህሉ ኢና። የገዳስ ከምቲ ኩሉ ሰብ ይባሃል ዝተባህለ፡ ኩሉ ሰብ እዋን ኣብ ከምዚ ዓይነት ስድራ ቤት ከምዘይ ዓቢ ንዝንግዖ ኣይኮነን። ጨጨጓሩ ንውሽቲ ተባሂሉ፡ ብዙሓት ስድራቤታት’ውን ኣለዋ፡ መስረታዊ ዕንጋሎት ሕውየን ዝተነፈገን። ኩልና ዘይንዝግዖ ሓቂ እንተሎ ግን፡ ስድራ-ቤት ዓባይ ቤትምህሮ ናይ ፍቅርን ሓልዮትን ሰብኣውነትን እያ፣ ኣብ ባህሪ ነፍስወክፍ ሰብ ድማ ዝዓበየ ጽልዋ ትገድፍ። ግን ከኣ ከስዐ ኣደ ጉራጉራ ዝብሃል ምስላ ውን ዘይምዝንጋዕ። እሞ ናይ ሎሚ ሕቶና፡ ነዛ መስረታዊት ናይ ሰብኣውነትን ቤት ምህሮ ዝኮነት ስድራ ቤት፡ ንህላውኣን ቀጻልነታን ከመይ ዝበለ ሓለዋን ክንክንን ንገብረላ። መንቀሊ ሕቶና ኣይትዝንግዕዎን ትኮኑ፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን ሓያለ ስድራቤታት ንቡር ተሓሪምወን፡ ኣደዳ ምብትታን ኮይነን፡ ክብሪ ሰኢነን፡ ገለ ገለ’ውን ከም ጸውታ ገዛ ገዛ ተሰሪሐን ክፍንጣሓ ግዜ ዘይወስደልን ይኮና ኣለዋ። እቲ ዘሸቑርረና፡ ከኣ ብመጠን ክብርን ማዓርግን ስድራ-ቤት ዝፎኮሰሉ፡ ክብረትታት ሕብረተ-ሰብ ሃገር ከምዝፎኩስን ሰለ ንግንዘብ እዩ። ስድራ ቤት እታ መበገሲ ኵሉ ሰናይ ህዝቢ ክትከውን እንከላ፡ ከምእንዕዘቦ ዘለና ዕንወትን ወድቀትን ህዝብታት ን ሃገርን ቅድሚ ኣብ ዓዲ ወይ ከተማ ወይ ሃገረ ምኽሳቱ ኣብ ስድራ ቤታት ይክሰት ኢልና ንሓስብ፡፡ ስድራቤት ኣብ መዋእል ህዝብና ኣደዳ ዝተፈላለየ ወራራት እኳ እንተነበረት ከምዚ ዘለናዮ ዘበን ኣብ ታሪክ ህዝብና ንጽንተታ ሓደጋ ገጢምዋ ኣይፈልጥን። እቲ ዘይንቡር ንቡርና ኮይኑ ከምዘሎ፡ ከም ድቂ ዛግራ ሓንቲ ስድራ ቤት ኣብ ሃገራት ጥራይ ዘይኮነ ባሕራን ጥሕራን ተሳጊርና ኣብ ክፍለዓለማት ተበታቲና ንርከብ። ህዝብና ምስቲ ናብ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ወራርን ዓመጽን እኩል ርዲኢትን እኳ እንተለዋ፣ ካብ ውሽጢ ኮነ ካብ ግዳም ዝመበገሲኦም ወራራት ንዕንወት ስድራ ቤት ዘንቀደ ዓመጻ ግን ኣዳህቦ ዝዋሓደ ይመስል፣ ስለዚ ከኣ ከምቲ ንመሰሉን ሃገረን ጠጥው ዝብል ንሕውየት ሰድራ ቤታት ክቃለስ ኣይነስተብህልን :: ኣብዚ ዘበን ካነስተብሃለሎም ዝግቡኡና ንዕንወት ስድራቤታት ዝቃላጥፉ ንረብሓ ውሑዳት ንምድንፍዕ ዝሳሰዩ ከምእኒ ሃገራውነት ፣ ሃይማኖት ፣ ቁጠባ ንጠቅስ። እዞም ባእታታት ብሕሉፍነት ዝማእከሉ ሓደገኛታት ሰነ ሓሳባት ተሰኪሞም ብመጀመርታ፡ ሰይራቤታት ኣብ ምዕናው ብምቅጻል ህዝብታት ኣብ ምውዳቕ ይርከቡ። ሃገራውነት ፣ ሃይማኖት ፣ ቁጠባ ኣብ ኣገልግሎትን ሓለዋን ስድራቤታት ምስ ዝውዕሉ ብሉጽ ሕብረተሰብ ከቚሙ ይኽእሉ ኢዮም። ብኣንጻሩ ስድራቤት ንኣገልግሎት ን ረብሓን፡ ሃገር ፡ ሃይማኖት ፡ ቁጠባ ምስ እትውዕል እዚ ኣብ ሃገርና ቆይሙ ዘሎ ሓፋሽ ክቀውም ተካኢሉ ። ደሃይ ስድራ ቤትና ንግበር ፡ ቀጺሉ ብሉጽ ሕብረተሰብ ክህልወና እዩ እንዳበልና ንፋነወኩም ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ