ምውላድ ከም ቃልን ኣረዳድኣን ብዙሕ መግለጺ ዘድልዩ ኣምር እኳ እንተመሰለ : ብመንጽር ዕዩ ህዝቢ እንክንግምግሞ ብዙሕ ጽልዋን ጦብላሕታን ክገድፈልና ዝኽእል ኣርእስቲ እዩ ኢልና ንሓስብ፡፡ ኣምር ምውላድ ንምርዳእ፡ ክንየው ሓዲሽ ህጻን ምርኣይ፡ ኣብ ብሕታዊ ሂወትና፡ ብኣተሓሳስባንና ኣካይዳናን ከም ብሓዲሽ ምውላድ ምከ ዝከኣል፡ ብደረጃ ሕብረተሰባትን ህዝብታትን ድማ ብዝገጥሞም ዝተፈላለዮ መስርሓት ከም ብሓድሽ ከም ዝውለዱ ኣብ ታሪኽ ህዝብታት ዓለም ክንዉከስ ይከኣል ። እዚ ሎሚ ዘሎና ኣተሓሳስባ ፡ ዝዓበናሉ ባህሊ ፡ እዛ እንርድኣ ናይ ሎሚ ዓለም ፡ ንዘንትእለት ዝነበሩ ዘይኮኑ ፡ ኣብ ግዜን ፡ ብግዜን ዝተወለዱ ክስተታት ምኾኖም ከነስተብህል ይግባእ ። ብሓፈሽኡ ምውላድ ክልተ ገጽ ሃልይዎ ፡ ብሓደ ወገኑ ሓድሽ ክስተት ፡ ሓድሽ ተኽእሎታት እንከበስር ፡ ብኻልእ ወገኑ፡ ነቲ ዝነበረ ሓዲሽ ክስተታትን ተክእሎታትን ሓድሽ ሙኳን ተሪፍዎ ፡ ከም ኣብ ልዕሊኡ ፡ ወይ'ውን ክንዩኡ ዝኾነ ክስተታት ዝፍጠረለሉ መስርሕ እዩ ኢልና ንሓስብ ፡፡ ኩልና ከም እንስተብህሎ፡ ህጻን ምስ ተወልደ ብዙሕ ጮቅ ኢሉ ይበኪ ፣ ብኣንጻሩ ኽኣ ወላዲት ፍረ ማህጸና ርእያ ልባ ባህታ ይመልኦ ፣ ኣዴታት ይዕልላ ፣ መቕረብ ቤተሰብ ከኣ ይሕጎሱ፡፡ ብኻልእ ሸነኽ፡ ኣብ ኣበሃህላ ሕብረተሰብና ምስ እንዕዘብ ወለድና ክምስሉ "ተወሊድካ ማለት ሞይትካ ማለት እዩ” ይብሉ ብፍላይ እኳ ኣብ ግዜ ሓዘን ንሓዘንተኛ ንምጽንናዕን ባህሪ ኣፈጣጥራና ንምዝኽኻርን። በዚ ኣጋጣሚ እምበኣር፡ ድንቂ መስርሕ ምውላድን ኣወላልዳናን መስተንክራዊ ጉዕዞኡ ካብ ምዉላድ ብ ኣካላዊ ሂወት ክሳዕ ኣካላዊ ሞት ዝኸይድ ከይዲ ብዕምቆት ከየስተብሃልናሉን ከየስተማቀርናዮን ክንሓልፍ ኣይንደልን። ብዛዕባ ምውላድ ዝብል ዓምዲ ሒዝና ኣብ ንዝትየሉ ዘለና እዋን እዘን ዝስዕባ ሰለስተ ሕቶታት ስማዕትና ከስተንቱሉለን ንጽውዕ ብኽያት ህጻን ካብ ምዉቕ ማህጸን ኣዲኡ ሰለ ዝተፈላለየ ወይ እዉን ን ማህጸን ኣዲኡ ስለ ዝሞተ ዶ ኮን ይኸውን፧ወዲ ሰብ ስለ ዝተወለደ ደዪ ዝመውት ወይስ ሰለ ዝመዉት እዪ ዝዉለድ ፧ባህታ ወላዲት ፣ ዕልልታ ኣዴታት፡ ሂወትን ተቐባልነትን ዶ ኣይኮነን ዘበስር ፧ መስርሕ ምውላድ፡ ንሓዲሽ ክውንነት ፡ ንሓዲሽ ክስተታት ፡ ንሓደሽቲ ተኽእሎታትን ንኽንለማመድን መርሓባ ኢልና ክንቅበልን ይግድደና። "ዳግማይ ተወሊዱ" ፡ "ዳግማይ ተወሊዳ'' ዝብል ኣበሃህላ ሐደ ካብቶም ዝውቱራት ኣበሃህላ ሕብረተሰብና ኮይኑ ፡ ንሕና ደቂ ሰባት ፡ ከምእውን ተፈጥሮ ብዓቢኡ ናይ ቀጻሊ መስርሕ ምውላድ ምዃንና ንኽንግንዘብ ይሕግዘና። ብምቅጻል ኣብ ማሕበራዊ ኮነ ኣብ ብሕታዊ ሂወትና፡ ደረጃ ፍርሒ ንኸይንውለድ ክፈጥሮም ዝኽእል ሓደጋታት፡ ብኣንጻሩ ጸጋታት ዳግማይ ምውላድ ክፈጥሮ ዝኽእል መኽሰባት ኣብዚ ናይ ሎሚ መደብና ሓደ ካብቶም ክንገድፎም እንደሊ ጦብላሕታዊ ነጥብታት ኢዩ፡፡ ኣብ መዛዘሚ ጽሑፍና ድማ ሕብረተሰባት ይወለዱ እዮም እሞ፡ እዚ ተደኒሱ፡ ተበታቲኑ ዘሎ ህዝብና ዳግማይ ምውላድ ይፍጠረሉ እናበልና ንፍለየኩም! ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ