ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

28 - ርሑስ | Liveness |


Listen Later

ቅንያቱ ቅንያት ሓድሽ ዓመትን ኣውዳኣመት ልደተ ክርስቶትስን እዩ። ኣብ ከምዚ  ቅንያት ድማ ናይ ደስታን ሓጎስን ምንዮትና ንገልጸሉ ዝውቱር ዝኾነ ቃል ኣሎ። እወ ርሑስ ኣውደኣመት እንዳበልና ሰናይ ፋል ኣብ ሂወትናን ሂወት ሕብረተ-ሰብናን ክንርኢን፡ ናብ ዝበልጸገ ክንሰጋግርን ንምነ። ንሕና’ውን በዚ ኣጋጣሚ፡ ርሑስ ኣውዳኣመት እንዳበልና፡ ን ዓመታ ከመዚ እዋን ብሰላምን ብፍቕርን ዝወፈረ ኣኻኺቡ፡ ኣብ ቤትና ምስ ስድራና፡ ኣብ ሓርነትን ክብረትን ዝሰፈና ኤርትራ ከንሕልፎ ንምነ። 


ኩልና ከም እንፈልጦ፡ ርሑስ ኢልካ ሰናይ ምንዮት ምግላጽ ኣብ ኣውደኣመታት ጥራይ ዝተሓጽረ ኣይኮነን። እንተ ኣስተብሂልናስ ወለድና ንዝተረኽበ ኣጋጣሚ ራሕሲ ከምጻኣሎም ወይ ሩሑስ ኽኾነሎም ወትሩ ምስተመነዩ  እዮም። ንዝተወልደ ህጻን ሩሑስ ውላድ ፣ ኪዳን ናይ ፍቑራት ርሑስ ጋማ ፣ ዝተጥረየ ንብረት ርሑስ ገዛ፡ ሩሑስ ክዳን፡ ቆጽሊ ዘወደቁሉ መራሒ ውን ሩሑስና ይግበሮ ኢሎም ይምርቑ። ኣብ ሂወትና እንጅምሮ ዝተፈላለየ ጉዕዞ ውን ራሕሲ ዘለዎ ክኾነልና ምንዮቶም ይገልጹ። አረ እዚ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ካብዛ ዓለም ብሞት ንዝተፈለዩና ውን ራሕሲ ንክገድፉ ይምነዩ። "ርሑስ" እትብል ቃል ወይ`ዉን ካብ ርሑስ ዝምንጩዉ  ቃላት ከም እኒ "ራሕሲ"፡ ኣብ ብዙሕ ኣዘራርባ ሕብረተሰብና ንረኽቦም ኢና። እዚ ድማ ካብ ሂወትን ሞትን ራሕሲ ዝምነ ሕብረተ-ሰብ፡ ካብዛ ዓለም እቲ ዝበለጸ ዝምነዮ ነገር እንተሎ ‘ሩሑስ ምዃን እዩ’ ክንብል የኽእለና። ስለዚ ሕብረተ-ሰብና ኣብ ዓለም ዝደልዮ ነገር እንተሃለወ ራሕሲ ምዃኑ ክንደይ ካባና ኢና እነስተብህለሉ። ሕቶና ግን እዚ ኣይኮነን፡ ንሎሚ እቲ ዝዓበየ ሕቶና፡ እንታይ ስለ ዘለዎ ወይ እንታይ ስለ ዝርከቦ’ዩ ሂወትና ኣብ ራሕሲ ክትነብር ሃርር እንብል፧ ወይ ብኻልእ ኣዛራርባ ጣቛ ርሑስ ከመይ ዝበለ እዩ፧ 


ካብ’ዞም ዘልዓልናዮም ሕቶታት ብምብጋስ ንዑምቆት ርዲኢት "ርሑስ" ክነስተንትን ክንፍትን ኢና ። 


ትርጉም "ርሑስ" ወይ "ራሕሲ" ብቐረባ ንምዕዛብ ኣብ ተኽሊን ዘራእቲን ከነስተብህል ይከኣል ። ኣትክልቲ ፣ ዘራእቲ ፣ ከምኡ`ውን ኣእዎም  ራሕሲ ወይ ጠሊ ምስ እንዕዘበሎም ብሂወት ምህላዎም ወይ`ውን ህያው ምዃኖም ክንምስክር ንኽእል ። ምስዚ ብምትእስሳር ድማ፡ ምናልባት እዚ ኣዝዩ ዝዉቱር ኣበሃህላ "ርሑስ" ን "ራሕስን" ኣብ ሕብረተሰብና፡ ሂወተን ህያዉነትን ዝያዳ ኣቶኩሮ ንምሃብ  ዶ ይኸውን፧ ምኽንያቱ ሂወትን ህያዉነትን እንተሃልዪ ሲ ካልኦት ጸጋታት ከም እኒ ሓጎስ፣ ዓወት ፣ ሰላም ፣ ሓርነት፡ ክብረት፡  ሃብቲ ክስዕቡ ስለ ዝኽእሉ እዮም፡፡


ከምቲ ኣቅዲሙ ዝተገልጸ፡ ናብዛ ዓለምና ሂወት ክመጽእ እንኮሎ ሩሑስ ውላድ ይግበሮ ይግበራ ይባሃል፡ ሰብ እስተንፋሱ ሓሊፋ ብሂወት ክፍለየና እንኮሎ’ውን ራሕሲ ይግደፍ ይባሃል። ካብቲ ዝውለድ ህጻን ከምኡ`ውን ካብ ሞዎቲ ራሕሲ እኳ እንዳተጸበናስ፡ ኣብቲ ኣብ ሞንጎ ምውላድን ሞትን ዘሎ እዋናት ከኣሞ ከንደይ ናይ ራሕሲ ኣጋጣሚትታት ኣለዉ ንዓኹም ንገድፎ። ብሓጺሩ ግን ካብ ንውለድ ካሳዕ እንመውት፡ ንሂወትናን ንሕብረተ-ሰብናን ራሕሲ ክንከውን እዩ እቲ መልእኽቲ። ጣቛ ራሕሲ ንምርዳእ ድማ ዝያዳ ዕምቕ ዝበለ ምስትብሃል ዘድልየና ይመስል። 


ብናትና ርድኢት እምበኣር፡ ካብ ብሂወት ምዉላድ ክሳዕ ሞት፡ ናብራና ራሕሲ እንተሃሊዎ  ከምቲ ማይን ጩራ ጻሓይን ዝረኸበ ኣትክልቲ ኣብ ቀጻሊ ሂወትን ህያውነት ክነብር ንኽእል። ምኽንያቱ ከምቲ ኩልና እንፈጦ ዝደርቐ ኣትክልቲ ከምዝስባብር፡ ህያውነቱ ውን ዘብቅዕ፡ ናብራና ውን ምስ ዝደርቅ ናብ ምስባርን ምብትታንን ከምዝበጽሕ ሩድእ እዩ። እዚ ኢዩ ኽኣ  እቲ ኣበሃህላ ወለድና ክንደይ ይጥዕም ዘብለና! ሂወት ክትቅጽልን ጣዕሚ ክብረት ክዓስላን፡ ራሕሲ ኣገዳሲ ምዃኑ ንኣምን። 


እዚ ዘለዮ ሃለዋት ምስ ንዕዘቦ፡ ህዝብና ንኣደዳ ግፍዕና ዓመጽን ተጻጢሑ፡ እቲ ዘርከቡ ድማ እግራይ ኣጽእኒ ኢሉ ፍቆዶኡ ተበታቲኑ ይርከብ። ስድራ-ቤታት ራሕሲ ናይ ኣውዳመት ተሓሪምወን ኣብ ማኣዲ ኩሉ ኣባል ስድራ ካብ ዘይቅረብ ክንደይ ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ። ኣብ ክምዚ እዋን እቲ ሰናይ ምንዮት ሩሑስ ኣውዳመት ምባል እኮ እንተዘይተረፍ፡ እቲ ውጃዕጃዕን ደስታን ናይ ስድራቤታት ብጽምዎን ሻቅሎትን ዝተወረሰ ብምኮኑ፡ ሂወትን ህያውነትን ከምዘይብሉ ንሰተብህል።  እሞ ጸሓይና ክብረቅ ራሕሲ ዝገዳፍ ዝናብ ክውረድና፡ ሂወት ስድራና ክምለስ እንታይ ተገብራና ክክሕሸና እዩ ኢላና፡ ንፍሲ ወከፍና ክንሓትትን ኤደይ ኤድካ ክንብላ ይጽናሓለይ ዘይብሉ ዕማምና እዩ። 

 

ኩነታት  ሂወት ፣ ጣዕሚ  ፣ ባህታን ፣  ይሃልዎ ኣየሃልዎ ብዘየገድስ፡ መናባብሮና ራሕሲ ዶ ኣለዎ  ኢልና እዉን ክንሓትትን ከነስተንትን ይከአል ።  ኣብ መወዳእታ እምበኣር፡ ንዓኻ ወይ ንዓኺ፡ ‘ርሑስ’ ወይ ‘ራሕሲ’ ዝብል ኣበሃህላ ወለድና ምስ እትሰምዑ እንታይ ትርጉም ይህበካ ወይ ይህበኪ ፧ ብዝብል ሕቶ ንፋነወኩም።

 

ራሕሲ ኣይፈለየና!  
ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
...more
View all episodesView all episodes
Download on the App Store

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባትBy Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.

  • 5
  • 5
  • 5
  • 5
  • 5

5

4 ratings