ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

30 - ሓቦ | Courage |


Listen Later

ኣብ ኣበሃህላ ህዝብና  ''ሓቦ ግበሪ '' ፡ "ሓቦ ግበር" ፡ ''ሓቦኛ እያ'' ፡ "ሓቦኛ እዩ" ዝብሉ ዝውቱራት ኣበሃህላ ንሰምዕ ። ሓቦ ብሓደ ወገኑ ናይ ምጽዋር ተኽእሎታት እንከስምዕ ብተወሳኺ ብመንጽር ጅግንነት ፡ ብብቅዓት ኣንጻር ፍርሒ ብዘስምዕ ከም ኣወንታዊ ባህሊ ይቑጸር። ካብ ግዜ ንእስነትና ኣትሒዝና ድማ ብወለድና ድዩ፡ ብዓበይቲ ኣሕዋትና ፡ቤተሰብና ኮታ ብዓቢኡ ብሕብረተሰብና ከም ሰናይ ባህሪ ክንለማመዶን ክንላበሰን ንጽዋዕ፡፡


ብካልእ ሸነኽ  ገለ እዋን ኣሎ ሓቦ ዝብል ቃል ካብ ህዝበይ ከይሓምቅ ወይ ከይተርፍ ብዘስምዕ ናይ ምስሉይነት መገለዝ ይዋሃቦ እዩ። ብወገና ካብቲ ዝገበርናዮ መጽናዕቲ፡ ሓቦ ካብ ውሽጣዊ ድላይን እምነትን ዕላማን ዝተስረት ምዃኑ እምበር ምስ ምስሉይነት ብዙሕ ዘራኽብ ነጥብታት ከምዘይብሉ ክንርዳእ ኪኢልና ኣለና። ሓቦ ካብ ፍቕሪ ፡ ድልየት ፡ ባህጊ ፡ ካብ ውሽጣዊ ምትብባዕ መበገሲኡ እንተኮይኑ ፡ ከም ዕዩ ህዝቢ ምስ እንግምግሞ፡ ስራሕ ሓቦ ሰራሕ ናይ ልቢ  ስራሕ ፍቅሪ  ምኳኑ ንጹር ኮይኑ ይረኣየና።  እዚ ከኣ ምስ እቲ ናይ ቋንቋ ግእዝ ምስ ሓቦ፡ ብዕምቆት ርድኢቱ፡ ብቀረባ ዝመሳሰል ቃል ምስ እንፍትሽ ምስቲ "ሓበበ'' ማለት ኣፍቀረ ፡ ፈተወ ፡ ብፍቅሪ ተቃጸለ ክትርጎም ኰሎ ንዕዘብ፡፡


ሓቦ ንኣእምሮና ንከነስተብህል፡ ንሕልናና ንክንምርምር ዝደፍኣና ኣምራን ዕዮ ህዝብን እዩ፡ ካብዚ ብምብጋስ እምበኣር ንሎሚ፡ ኣብ ብሕታዊ ኮነ ማሕበራዊ ንጥፈታትትና እንታይ ይድርኸና ፧


ዛንታ ሓቦ ወይሲ ጎነጽ ዝመሰረቶም አስገዳድ ፧


ህዝብና ኣብዚ ሑሱም እዋን ምንም እኳ ከም እኒ "ጽቡቅ'' ፡ "ኣምላኽ ይመስገን" ዝብሉ ዘረባ ብብዝሒ እንሰምዖሉ እንተኮና : እዚ ኩሉ ኣደራዕን  ጸቅጥን ድልይ ኣልይዎ፡ ወይ ብፍቃዱ ይካየድ ኣሎ ኢልና ኣይንኣምንን ፡ እዚ ማለት ስራሕ ሓቦ ከም ዕዬ ህዝቢ ንርኢ የለናን ማለትና እዩ ፡፡ ህዝብና ነዚ ዝወርዶ ዘሎ ሓሰረ መከራ ብከመይ ይሰግሮ ኣሎ ፧ ዝብል ሕቶ ንዓና ንኣዳለውቲ እዚ መደብ ሓደ ካብቶም ኣዕጋቢ መልሲ ዘይረኸብናሎም ሕቶታት ኮይኑ፡ ብሓቦ ይሰግሮ ኣሎ ንዝብል መልሲ ግን ግጉይ ኣረዳድኣ ዘንቀሎ፡ ጌጋ መልሲ ኮይኑ ይስመዓና። በዚ ኣጋጣሚ ሰማዕቲ እዚ መደብ ከም ሕቶ ወሲድኩም ኣብ ልባትኩም ከተሰላስልዎ ንዕድመኩም ፡፡


ሰራሕ ሓቦ፡ ኣብ ብጻይካ፡ ብጸይትኻ፡ ህዝብኻ ተስፋ ኣቐሚጥካ ናብ መስርሕ ምክብባርን፡ ሓድሕዳዊ ምትሕልላይን ንኽንጽመድ ይዕድመና። ንጥፈታትና ተኽእሎታቱ ንኽዓቢ፡ ስራሓትና ፍርያት ንኽርከቦ፡ ከም ህዝቢ ንቕድሚት ንኽንግስግስ  ዕቱብ ዕዮ ሓቦ የሓትት፡፡


ኩነታትና፡ ኩነታት ህዝብና ዝሓልፎ ዘሎ መስርሕ ርኢና፡ ብሓደ ወገን ነቲ  ግናይና ክንለምዶን ከም ንቡር ክንቅበሎን  ዘተባብዕ፡ ብካልኣይ ወገን ድማ ኣብ ሓድሕድና ተስፋ ቆሪጽና ክንብህርር ዝጽውዕ እኳ እንተመሰለ ፡  ሓቦ ግን  ሳልሳይ ምርጫ ትህብ ኣጆኺ፡ ኣጆኻ፡ አጆኹም እተድሂ ድምጺ ኮይና ንረኽባ፡፡


ሓቦ ንጉድለት ሓድሕድ እተጉድል፡ ሸኸም ሓደ ናብ ብዙሓት እትመቅል፡ ነቲ ውሑድ ጾታታት ኣበዚሓ ጸጋታትና እተብዝሕ፡ ድልየታትና ደሚራ ደማሚራ ክቱር ፍቕሪ እትምስርት ኣብ ኣባህላ ህዝብና ርዱእ ፡ ግሉጽን ቦታ ዝነበራ ንሎሚ ኣብዚ እንነብሮ ዘለና ዘመን ብዕምቆት ክንርድኣን ፡ ክንነብራን : ከም መዋስኢ ባህሪያትና ክትከውን ንርእስናን ሰማዕትናን ነዘኻኽር፡፡ ሓቦ ድኣ ንስነቅ! ኣጆኺ : ኣጆኻ ፡ አጆኹም ሓቦ ንግበር ብምባል ንሎሚ ንፍለየኩም።


ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
...more
View all episodesView all episodes
Download on the App Store

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባትBy Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.

  • 5
  • 5
  • 5
  • 5
  • 5

5

4 ratings