ዕርቃንካ ምውጻእ ዝብል ከም ኣምር፡ ሲዒቡ’ውን ዝፈጥሮ ጽልዋ ኣብ ቀልብን ስነ ልቦናን ህዝብና ምስ እንዕዘብ ከም ኣሉታዊ ኮይኑ ይግለጽን ይትንተንን፡፡ ብዛዕባ ዕርቃንካ ምውጻእ አልዒልና እንክጽሕፍ - መንከ ዕርቃኑ ወጺኡ ክረኣ ዝደሊ ኣሎ ዝብል ሕቶን ርኢቶን ከም ዝመጻና ኣይንስሕቶን፡፡ ከም ተዕዝብትና፡ ብብሕትና ንኹን ከም ህዝቢ፡ ዕርቃና ወጺእና ክንርአ ኣይንደልን ። ምኽንያቱ ህዝብና ዕርቃን ምውጻእ ምስ ሕሰምን ፡ ድኻምነትን ብምትእስሳር ስለ ዝግለጾ ከም ነውሪ ተቆጺሩ ኣፍና ከፊትና ክንዛረበሉ ኣይንመርጽን።
ህዝብና ብዛዕባ ዕርቃን ምውጻእ ዘለዎ ርድኢት ንኽንግምግሞ ፤ "ከብድኻ ሓምሊ ምልኣዮ ዝባንካ ወደ'ቦ ኣይርኣዮ" ዝብል ቢሂል ክንምልከት ይከኣል፡፡ እዛ ቢሂል ህድእ ኢልና ምስ እነስተንትናን እንሓስበላን፡ ሕብረተሰብና ብዝባን-ዝባን ወይ ላዕሊ-ላዕሉ ንጉዳይ ዕርቃን ምውጻእ ኣብ ምሕባእ ዝሰልጠነን ዝገስገሰን ህዝቢ ኮይኑ ንረኽቦ።
“ዕርቃንካ ምውጻእ” ኣብ ህዝብና አብ ክንዲ ንቁሕን ዕቱብን ኣዳህቦ ሂብና እንሓስበሉን፡ ብልቦና ጌርና መፍትሒ እነናድየለሉን ፡ ብኣንጻሩ ካብ እቲ ወደ ኣቦ : ማለት ካብ እቲ ሓዉና ፡ ሓፍትና እንብሎም ክንሓብኦን ፡ ክንሽፍኖን ንመርጽ። እንተኾነ ግን፡ ከም’ቲ ኣብ’ታ “ዕርቂ” እትብል መደብና ዝተንተናዮ ፡ እቶም ዕርቃኖም ምውጽኦም ዘለለዪ ሰባት ኢዮም ኣብ ዕርቂ ዝኣትውን ብ ኪዳን ዝኽደኑን ዝማምቑን። ስለዚ ድማ፡ መሰርሕ ዕርቅን ሰላምን : ከይዲ ኪዳን እዩ : መሰረቱ ኽኣ ምልላይ ምውጻእ ዕርቃንና እዩ ኢልና ንሓስብ።
ብካልእ ሸነኽ ንሕና ደቂ ሰባት ናብዛ ዓለም ኣመጻጽኣና ምስ እንዕዘብ ፡ ዕራቅና ወጺእና ኢና እንውለድ ፡፡ ህጻን ዉን ሞስ እተወልደ፡ እቲ ምኽንያት ጨቛ ኢልካ ምብካይ ብኸፊሉ በቲ ዝገጥሞ ናይ መጀመርታ ዕርቃን ናይ ሰብ እዩ ኢልና ንሓስብ። ብዝገበርናዮ መጽናዕቲ፡ መሰረት ዕርቃን ምውጻእ ብክልተ ገጽ ክፍጠር ይኽእል ኢልና ንርዳእ ፡ ንሳቶም ከኣ እቲ ቀዳማይ ተፈጥራዊ ወይ ሰብኣዊ እንክኸውን ( እዚ ማለት ፡ ኣወላልዳናን፡ ስዒቡ እውን ኣብ መዋእል ሂወትና ከም ሰብ ምኳና መጠን ዝገጥሙና ሕጽረታት ከም ዕርቃን ምውጻእ ምስ እንርድኦ ኢዩ)፡፡
እቲ ካልኣይ ዕርቃን ምውጻእ ንሕና ደቂ ሰባት ፡ እታ ናይ መጀመርታ ሰብኣዊ ዕርቃና ምውጻእ ምርድኣ ተሳኢኑና ፡ ኣብ ከቢድ ክሕደት “ዕርቃና ምውጻእ'' ተጸሚድና ፡ ነቶም ናይ ሓድሕዳዊ ክዳና ንክኾኑና ዝተፈጥሩ ብጻይ ፡ ብጸይቲ፡ ሓው፡ ሓፍቲ ምንጪ ዕርቃነይ ኢዮም ኢልና ንኣምን እሞ፡ ኣብ ልዕሊኦም ዓምጽን፡ በደልን ብምግባር እቲ ካልኣይ ኢሰብኣዊ እንብሎ “ዕርቃን ምውጻእ” ክንፈጥሮ ይከኣል፡፡ እዚ ድማ ብዕሙቅ ዝበለ ምስ እንርድኦ እቲ ሓድሕድዊ ምክድዳን ተሪፉና ፡ ኪዳን ምቛም ዉን ጸጊሙና : ናይ ሕብረተሰባዊ ክዳና ይቅደድ እሞ፡ ብብሕትና ድዩ ከም ህዝቢ ዕራቅና ወጺእና ንረአ ማለት’ዩ።
ምስቲ ናይ መጀመርታ ሰብኣዊ ዝኮነ ዕርቃና ምውጻእ ብልቦና ክንነብር ምስ ዝሕርብተና : ኣብ ኩሉ ዓይነት ዓመጽ ብምጽማድ ነቲ ካልኣይ ዕርቃን ምውጻእ ኣብ ምፍጣሩ ብልዑል ፍናን ንነጥፍ እሞ ፡ ሕሱማት ፡ ኣሳሰይቲ ሕሰም ኮይና ንርከብ።
በዚ ኣጋጣሚ፡ ኣብዚ ሎሚ ዘበን ምንጪ ዕርቃነይ ምውጻእ ፡ ዕርቃን ህዝበይ ምውጻእ እቲ ቀዳማይ ሰብኣዊ ዕርቃን ምውጻእ ድዩ ወይስ እቲ ካልኣይ ኢሰብኣዊ ዕርቃን ምውጻእ እዩ ዝበታትነናን : ዝሕምስናንን ዘሎ ኢልና ክንሓት ይከኣል፡፡ ቀጺልና እውን ንሰማዕትና ኮነ ንገዛ ርእስና፡ ብብሕትና ድዩ ወይ'ውን ከም ህዝቢ ገለ ዘየስተባሃልናሉ ዕርቃና ዝወጻእናሉ ጉዳያት ከይህልወና ንፈትሽ ንብል። ኣስዒብና’ዉን ፡ ሳኣን ምስትብሃልና ድዩ : ዋላስ ካብ ምሒር ሕሰም ዝፈጠሮ ዕርቃና ምውጻእ፡ ን ጎረባብትና እቲ ኢሰብኣዊ ዕርቃና ምውጻእና ነመሓላልፎ ከይንህሉ ህድእ ኢልና ኩነታትና ምምርማር ዘድልየና ኮይኑ ይረኣየና።
ኣብ መደምደምታ፡ እቲ ተፎጥርኣዊ ዕርቃና፡ ጸጋናን ህያብናን እንክኸውን፡ ብልቦና ምስ እንቅበሎን እንርዶኦን ናብ ዕረፍቲ ዘእቱን ኣብ ሓድሕዳዊ ሕውየትን ኪዳንን ዝጸምድ ኢዩ ኢልና ንኣምን። ኣብ ሓድሕዳዊ ሕውየትን ኪዳንን ምስ እንነብር ድማ፡ ካብ’ቲ ኢሰብኣዊ ዕርቃን ምውጻእ ወይ በደል ኣብ ባዕልናን ኣብ ልዕሊ ብጾትናን ንቁጠብ። ስለ’ዚ ደቂ ሰባት ብተፈጥሮና ዕርቃና ዝወጻእና ኢና’ሞ : እንተ ለቢምና ፡ ሓቦ ሰኒቕና ንሓድሕድና ክንከዳድን ፡ ክዳን ክንኸውን ይከኣለና’ዩ ፡ ብምባል ንሎሚ ንፍለየኩም፡፡
ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ