Sign up to save your podcasts
Or
ሕውየት ብከፊሉ ምስ እንጥምቶ ንከም እኒ ካብ ቁስሊ : ሕማም ምሕዋይ እንከስምዕን ከረድእን ፡ ሕውየት ብምልኣት ምስ እነስተብህለሉ ንዓና ደቂ ሰባት ከም ከይዲ ሂወት ፡ መነባብሮና ፡ ኣካል መስርሕ ሂወትና ምኾኑ ንጹር እዩ።
ህዝብና ብዛዕባ ሕውያት እንታይ ይሕብረና : ሕውየት ከም ማእከላይ ነጥቢ ንዓና ድቂ ሰባት ብከመይ ይጸልወና ኢልና ምስ እንፍትሽ ብሂላት ከም እኒ'' ሓባእ ቁስሉ ፡ ሓባእ ፈውሱ'' ክንዕዘብ ይከኣል፡፡ቁስልና ፡ ሕማምና ፡ ስቅያትና ብገዛ ርእሶም ዛዛሚ መልሲ ዘይኮኑ እንታይ ደኣ ንዓና ደቂ ሰባት ከም ኮምፖስ ( GPS) ምስ እንጥቀመሉ ናብታ መልሲ ክኸውን ዝግብኦ ሕውየት ከነናዲ ብእዋኑ ይጽውዑና ንከም ማለት እዩ፡፡ ብብሕትና ድዩ ፧ ከም ህዝቢ ቁስልና ኣይንሕባእ : ኮይኑ ተሪፉ ብቁስልና ኣይንሕፈር ፡ ልቢ ጌርና ፡ ህድና ኢልና ንሕማማትና ንስመዓዮም ከመይ ሲ ውዒሉ ሓዲሩ ብእዋኑ ንቁስልና ምስ እንስምዖ እቲ መልሲ ዛዕባ ሕውየት እዩ እዩ ዝኸውን፡፡ ልቦና ዝጓዶሎ ኣጣማምታ ቁስልና ምስ ዝህልወና ብመጀመርታ ክንሓብኦ ንጓየይ እንተዘይ ተካኢሉና ክንዮ ምሕባእ ሰጊሩ ናብ ቅርዓት ምስ ዝወጽእ ናብቲ ካልኣይ ማለት ቁስልና ሓባሪ ናብ ፊውሲ ሙኳን ተሪፍዋ ፡ ክውንነና ኣነ ቁስለይ እየ ፡ ንሕና ቁስልና ኢና ኣብ ዝብል ዕጹው ዛዛሚ ነጥቢ ንጽመድ፡፡ ከም ሳዕቤኑ ሕውየት ባዕዲ ይኾነና ፡ ይሐድሰና እሞ ክንለማመዶ : ዝውቱር ነባራ ሂወት ሙኳኑ ክንቅበሎ ይሰኣነና።
ቁስሊ : ቃንዛ ብመሰረቱ ባዕላዊ (Subjective) እዩ ፡ ከምኡውን መልሲ ቁስሊ ዝኾነ ሕውየት ብማዕሪኡ ባዕላዊ እዩ ኢልና ንርዳእ፡፡ ባዕላውነትና ፡ ባዕለይ ፡ ባዕልና ዝብል ኣምር ግደ ፡ ተሳታፍነት ፡ ምቅባል ይሓትት ምእንቱዙይ ሕውየት ብ ብጻይና ፡ ብጸይትና ዝነጉሩና ሓቂ ዘይኮነ : ብኣንጻሩ ባዕልና እተረዳእናዮ እንፈልጦ ፡ ንነብሮ ዘለና ነዘንትዋ : እንዛረበሉ ሓቂ እዩ፡፡ ሎሚ ልሳነይ ፡ ልሳንኻ ፡ ልሳንኺ ልሰና ብዛዕባ ሕወዪት እንታይ የዘንትዋ ፧ ሓባእቲ ሕማም ፧ ወይሲ ቁስልና ዝወነና ደቂ ሰባት ፧ ቀጺልናውን ባዕለይ ፡ ባዕልኻ ፡ ባዕልኺ ፡ ባዕልና ዝተሞክሮናዮ ሕወየት ኣለና ዶ ፧ ዝብሉ ሕቶታት ኣብ ውሽጥና ወሲድና ከነ ሳላሰሎም በዚ ኣጋጣሚ ነተሓሳስብ።
ብምቕጻል እቲ ከፊላዊ ኣረዳድኣ ሕውየት ከምዚ ኣብ ላዕሊ ዝጠቀስናዮ መሰረቱ ቁስሊ : ሕማም ኣሎ ኣብ ዝብል ምጉት ዝተደኮነ ኮይኑ እቲ መልሱ ከኣ ሕውየት ዝብል እንኽኸውን እንኮሎ ኣስዒብና እቲ ካልኣይ ምሉእነት ሕውየት ከመይ ይመስል ኢልና ሃሰስ ምስ ክንብል '' እዋይ ሕውየት ! " ዝብል ዓሙቕ : ደሚቕ ፡ ፍስሓ ዝመልኦ ኮይኑ ተሪፉ ባህታ ዝመሰረቱ ካልእ ኣዘራርባ ህዝብና ብዛዕባ ሕውየት ክንምልከት ይከኣል፡፡
ብካል ወገን ሕውየት ከም ዝውቱር መስርሕ ሂወት ፡ ሕውየት ከም ጉዕዞ ሂወት ደቂ ሰባት እንከም ማለትና እዩ። ህድእ ኢልና እንተ ኣስተብሂልና ነዓና ደቂ ሰባት ካብቶም ብዙሓት ሓደ ንቅድሚ ገጽና ዝደፍኣና : ዘንቀሳቅሰና ሕውየት ምስ ዝገጥመና እዩ ኢልና ንኣምን። ሕውየት ፡ ልዕሊ ብቃላት ን ጽሑፋትን ብህላዌኣ እ ትምስክር ፡ ፍሬኣ ከኣ ከም እኒ ፡ እፎይታ ፡ ባህታ ፡ ስኒት ፡ ምርዳእ ፡ ምርድዳእ ፡ ምስማዕ : ምስምማዕ ኣብ ሂወትና ብምንጋስ ህያዋን ፡ ሰበ ሂወት ይገብረና :ከም መዛዘሚ ከኣ ኣብ ምስትምቃር ሂወት ከም እንስልጥን ትገብረና፡፡
ኣዳለውቲ እዚ መደብ ንቡር ናትና ደቂ ሰባት ሕውየት እዩ ኢልና ንሓስብ ፡ ምእንቱዙይ ፡ ሓባእቲ ቁስሎም ዘይኮና ክንውን ዘለና ሲ ፡ ወይውን እቲ ዝተጎዳእናዮ ቁስሊ ዘይኮና ክንከውን ዘለና ሲ እንታይ ይኣ እቲ ነቡር ሲ ሕውየት እዩ ኢልና ብእዋኑ ንቡርና ነለሊ ብምባል ንሎሚ ንፍለየኩም፡፡
ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
5
44 ratings