ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

36 - ስነ I Logy |


Listen Later

ሰነ-ስርዓት ፡ ሰነ-ምግባር ፡ ስነ-ፍጥረት : ሰነ-መለኮት ፡ ስነ-ኣእምሮ : ስነ-ልቦና፡ ሰነ-ፍልጠት ፡ ስነ-ቁጠባ … ወዘተ ዝብሉ  ቃላት ሕብረተሰብና ምስ እነስተብህል ብስነ ዝብል ቅጽል ቃል ዝጅምሩ ኮይኖም ፡ ምኽንያት ኣቃውማ እዞም ቃላት ንዓውደ መጽናዕቲ : ወይውን ዘዕባ መጽናዕቲ ንምግላጽ ሙኳኑ ንጹር ኮይኑ ንረኽቦ። ሰነ ዝብል ቃል ከም ጀማሪ  ቅጽል ሰም ኮይኑ ምስ ዝንበብ ብተመሳሳሊ ምስቲ ኣብ ቋንቋ እንግሊዘኛ ' Logy '' ዝብል ቃል ማዕረ ትርጉም ንምሃብ ዝተሰረዐ ቃለ ኮይኑ ንርድኦ።


ኣብዚ ሎሚ ዘበን ኣጠቃቅማ " ስነ '' ከም ዕዩ ህዝቢ ምስ እንርድኦ ትርጉሙ ዓውደ መጽናዕቲ : ኣከናውና መጽናዕቲ ሙኳኑ ክንግንዘብ ክኢልና ኣሎና። ንምንታይ '' ስነ " ዝብል ቃል ፧ ንምንታይ ዛዕባ ፡ ዓውዲ መጽናዕቲ ወይውን ካልእ ቃል ዘይንጥቀም ኢልና ክንሓትት ንቡር ኮይኑ ይርኣየና ፡ ብተወሳኺ " ስነ " ዝብል ቃል እንታይ ትርጉም  ስለዝህብ እዩ ዝብሉ ክልተ ዓበይቲ ሕቶታት ንምፍታሽ እዩ ንሎሚ ሒዝናልኩም መጺእና ዘሎና መደብና:: ኣብ ቋንቋ ግእዝ ምርኩስ ጌርና ሰነ ዝብል ቃል ንክንርድኦ ብቀዳማይ ኣብ "ሠ" - ንጉስ ወይ ሰዊት እንክጻሓፍ '' ሠነየ " ማለት ጽባቀ ፡ ምልኩዕ ፡ ደስ ዘብል ኣብ ዝብል ኣቶኪርና እንክንፍትሽ : ብካልኣይ ወገን ብ  ''ሰ" እሳት ምስ ዝጸሓፍ ሰነየ : ሰኔ ማለት ጽባቐ ተባሂሉ ተተርጉሙ ዘሎ ብምትሕሓዝ ኢና መጽናዕትና ጌርናዮ።


ናይ ዘበና ሳይንስ ኣብ ወድዓዊ ሓቂ  : ምጉት ፡ ምኽንያት ፡ ዝመሰረቱ ዓውደ መጽናዕቲ ብከመይ ምስ እዚ  ኣብ ስነ  ማለት ፡ ሰናይ ፡ ጽባቐ : ዝመሰረቱ ዓወደ መጽናዕቲ  ኣወሃሂድና ዕዮ ህዝቢ ክከናወን ይከኣል ፧   እዚ ሰነ ፧ ሰናይ ፡ ጽባቀ : ዝሕመረቱ ዓውደ መጽናዕቲ ኣጠማምታ ወለድና ምስ እዚ  ዓለምና ኣብዚ 21 ክፍለ ዘበን በጺሓቶ ዘላ ግስጋሰ ኣበርክትኡ ከመይ ክኸውን ይግብኦ፧


ኣብ ህዝብና ማሕበራዊ ገጽ ጽባቐ ኸመይ ይመስል ፧ ሕብረተሰብ ሃገርና ብዛዕባ ኣብ ስነ ፡ ሰናይ ፡ ጽባቐ ኣመልኪቱ ዝርዕመሉ ፡ ዝሰማምዓሉ ንምርካብ ኣብ መጽናዕቲ ኣብ ዝተጸምደሉና እዋን '' ጽቡቅ ግበር ፡ ንመን - ንዂሉ ሰብ" ዝብል ምስላ ክንዕዘብ ንኽእል፡፡ ንኹሉ ሰብ ጽብቅ ኣብ ምግባር ዝግስግስ ሰነ ምግባር ህዝብና ከም ዝነበረና ነስተብህል ፡፡ እዚ ማለትና ጽቡቅ ንደቂ ሃገረይ ጥራይ ፡ ይቂ ሃይማኖተይ ጥራይ ፡ ደቂ ሩባይ ጥራይ ዓይነት ዘይኮነስ ንኩሉ ሰብ ጽቡቅ ን ክንገብር ዝጽውዕ ፡ ረዚን ሓላፍነት ዘሰክም ባህልን ንቡርን ከምዝነበርና ንዕዘብ፡፡


ንስለቲ ሓቂ እዚ ሰነ ምግባር " ጽብቅ ግበር ፡ ንመን - ንኩሉ ሰብ " ዝብል ሰነ ልቦና ኣብዚ ዘበናዊ ወለዶ. ኣሎ ኢልና ኣፍና መሊእና ክንሙጉት አይንክእልን ፡ ብከፊሉ ምኽንያቱ ህዝብና ብዝዓሞቀ ደረጃ ኣብ ዘበናውነት (Modernism) ተጸሚዱ ስለዘሎ ኢልና ንሓስብ ፡፡ ብተወሳኺ ካልእ ምክንያታት እውን ይሳኣን እዩ ኣይንብልን፡፡ ብዝኮነ ሰነ ዝብል ቃል ትርጉሙ ፡ መልክዕ ፡ ጽባቀ እንተኮይኑ ፡ ኣስዒቡ ኣጠማምታ ህዝብና ፡ ዛዕባ መጽናዕቲ ብሰነ ከም ዝጅምር ንጹር እንተኮይኑ ፡ ኣብዚ ሎሚ እዋን ካብዚ ሃብታም ን ዓሚቑን ልቦና ወለድና ተበጊስና ንጉዳያትና ብሰናይ ፡ ሰነ ፡ ጽባቀ : ኣቀዲምና ክንጅምሮም በዚ ኣጋጣሚ ንርእስና ብምዝኽካር ካብኡ ሓሊፉ ንሰማዕትና ነዘኻኽር።


ብምስትብሃል ሰነ እንተጀመርና : ልብታትና ሰነ ኣብ ምዕዛብ ምስዝቃነ ፡ ሸውሃት ናይ ሰናይ ምግባር እቲ ስዒቡ ዝመጽእ ጉዳይ እዩ እሞ ከም ወለድና ስነ ልቦና ስነ ነቀድም። ሰናይ ድልየት ዝመበገሲኡ ፡ ባህጊ ጽባቀ ንሞስትምቃር ዝደረኾ እመስለና ኣብ ሕብረተሰብና ኣስማት ከም እኒ ሰናይት ፡ ሰናይ ፡ ስኒት ብብዝሒ ዝዝውተር፡፡ ስነ ምስ እነቀድም ፡ እቲ ዝስዕብ ፍረ ስነ ብማሕበራዊ ሸነኹ ስኒት ኮይኑ ፡ ስኒት ህዝብና ዳግማይ ክንርኢ ፡ ሰኒት ሕብረተሰባት ሃገርና ከም እንደገና ከነቅውም ን ክንክእል ክንበቅዕ ሲ ብሰነ ንጀምር እንዳበልና ንሎሚ ንፍለየኩም፡፡


ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
...more
View all episodesView all episodes
Download on the App Store

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባትBy Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.

  • 5
  • 5
  • 5
  • 5
  • 5

5

4 ratings