ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

37 - ዕሰለ | Coming Together |


Listen Later

"ሰለ'ሆ፣ ዕሰለ፣ ዕሰል ...ዓሻ ድየ ኣብ ማይ ዝዓስል" ዝብል ደርፊ ሓደ ካብ`ቶም ኣብ ምዝዛም መርዓ ዝድረፉ ዝውቱራት ደርፊታት ህዝብና እዩ። ብተወሳኺ ዕሰለ ዝብል ኣበሃህላን ኣዘያይማን ምስቲ ኣብ ግዜ ኣክራማት ፡ ድሕሪ ማይ ምውቅዑ ዝወጹን ፡ ዝነፍሩን ሓሳኹ ብምትእስሳር ቆልዑ ዝደርፍዎ ሙዃኑ ንዕዘብ፡፡

ብዝኾነ ዕስለ ዝብል ቃል እንተ ኣብ መርዓታት ሃገርና ድዩ ተደሪፉ ፡ እንተ ቆልዑ ድዮም ኣብ ግዜ ክራማት ደሪፎሙሉ ፡ ዝምድና ዕስለ ብቀረባ ምስ ማይ ዝተተሓሓዘ ኮይኑ ንረኽቦ፡፡

ብሐደ ወገን እቲ ኣብ መርዓ ዝድረፈሉ ዕሰለ " ዓሻ ድየ ኣብ ማይ ዝዓሰል" ክብል እንከሎ ፡ እቲ ቆልዑ ዝደርፈሉ ዕስለ ድሕሪ ማይ ምውቁዑ ዝወጽእ ዝነፍር ሓሰኻ እውን ማይ እንክወቕዖ የሰስኖ ፡ ሂወት ይህቦ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን ፡ ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ማይሲ ንዕምሪ ዕስለ መሕጸሪኡ ኮይኑ ንረኽቦ።

ኣጠቃቅማ ዕሰል ዝብል ቃል ኣብ ኣበሃህላ ህዝብና ምስ እንዕዘብ ከም እኒ ''ነዚ ዕላማ ንዕስሎ '' ፡  ''ነዛ ጉዳይ ንዕስላ” ዝብሉ ዝውቱራት ኣገላልጻታት “ብሓባር ንምጻእ” ፡ “ብሓባር ንዕየይ” ዝብል መልእኽቱ የመሓላልፉ።

ከም መተኣሳሰሪ ነጥቢ ‘ዕሰለ’ ዝብል ኣምር ከም ዕዮ ህዝቢ ምስ እንግምግሞ፡ ብሓደ ወገኑ ምስ ማይ ብምትእስሳር እንክግለጽ : ብካልኣይ ሸነኹ ምስ ብሓንሳብ ምዕያይ ሙዃኑ ነስተብህል። የግዳስ፡ ከም’ቲ ኣብ መርዓታትና ዝዝየም "ዓሻ ድየ ኣብ ማይ ዝዓስል" ዝብል ሓረግ ውን ቅርብ ኢልና ክንሪኦ ዘገድድ ኢዩ። እቲ ሓሰኻ ክረምቲ ዶ ኾንዩ ነዚ ማይ ፡ ማይ  ምልክት ሂወት እንብሎ "ዓሻ ድየ ኣብ ማይ ዝዓስል" እንዳበለ ኣብ መርዓታትና ዝዳፈረናን ዘባጭወልናን? እዚ ምባሉኸ፡ እቲ እንቅርቦ ማይን እንጌራን ንምቁንጻብ ዶ ይኸውን፧ ወይስ እዚ እንስሳ’ዚ ብፍጥረቱ ማይ ስለዝጸልእ’ዩ ? ኣዳለውቲ እዚ መደብ ‘ዕሰለ’  ነቲ ዝቖመ ኪዳን ወይውን ነቲ መግለጺ ሓጎስ ዝኾነ ማይን እንጌራን ንምቁንጻብ እዩ ኢልና ኣይንኣምንን፡ ብኣንጻሩ እኳ ድአ ‘ዕሰለ’ ንስለ`ቲ ሓጐስ ክዓስል ይደሊ እሞ... ተመሊሱ ከኣ እሰከ ኪዱ ... ክንየዉ ማይ ግበሩ ዝብለና ዘሎ ይመስል። አብ ምንቲ ምነታይሲ መርዓ ን ማይን ጀመርቲ ንዝዓበየ በረኸትን ሂወትን እምበር መዛዘሚ ስለዘይኮኑ። 

ቀጺልና እዞም ዝስዕቡ ኣርባዕተ ሕቶታት ንርእስናን ንሰማዕትና ንኸነስተንትነሎም ንዕድም።

  • ብብሕትና ኣበይ ንዓሰል ? ታሪኽ ዝዓስልክዋ ጉዳያት ከመይ ይመስል ፧

  • ህዝብና ኣብዚ ሎሚ ዘበን ኣበይ ዓሲሉ ይርከብ ፧

  • ብብሕትና ወይ ከም ሕብረተሰብ " ዓያሹ ዲና ኣብ ማይ ንዓሰል'' ዝበልናሉ ታሪኽ ወይ ዘበን ኣለና ዶ፧

  • ኣብ ልብን ቀልብን ህዝብና ምዕሳል ፡ ብሓባር ምምጻእ መጀመርታ ድዩ ወይሲ መወዳእታ፧

ሕብረተሰብና ንምዕሳል  (ብሓንሳብ ምዕያይ) ይንእድን የመስግንን እኳ እንተኮነ ፡ ምዕሳለና ምዕሳል ሃመማ ኣብ ጎሓፍ ከይከውን : ካብ ሓሊፉ እውን ኣብ ግናይ ፡ ክፋእ : ግፍዒ ፡ ሕነ ምፍዳይ ፡ እንታይ ገደሰኒ ህልም ይብሉ … ወዘተ  ኣብ ዝብሉ ኢሰብኣውያን ባህርያት ዓሲልና ከይንህሉ፡ መዕሰሊና ጉዳይ ከነስተብህለሉ ነዘኻክር፡፡

ምዕሳል ከም ምዕሳል ዝጻላእ እኳ እንተዘይኮነ ምዕሳልና ድምጺ እቲ ብሕታዊ ሰብ ፡ ድምጺ እታ ሓፍትና ፡ ድምጺ እቲ ሓውና ንስለቲ ዕስለ ዝድምስስ ከይከውን ፡ እንታይ ደኣ መሰል እቲ ብሕታዊ ሰብ ዘክብር ፡ ግርማ ሰብ ዝሕሉ  ኳታ ልዕልና ሰብ እቲ እምነ መሰረት ሕመረት ምዕሳልና ክኸውን ንጽውዕ፡፡

ቀጺልና ኣብ ዕስሉ ኢልና ኣብ እንሕተተሉ እዋን ፡ ከምቶም ወለድና መልሲ ደኣ ንሃብ ፡ ስቅ ኢልና ዕስለ ኣብ ዝተጸውዖ ምጽንባር ሲ ሓደጋታታቱ ብዙሕ እዩ እሞ ፡ ምክንያት መተኣካባቢና ፡ መዕስሊና ጽብቅ ጌርና ንፈትሽ ፡፡

እቲ ደርፊ ዕስለ በሉ ግርማ ተዓደሉ እዩ ዝብል እም ፡ እቲ መልስና ድማ “ግርም ! ግርማና፡ ግርማ ሓፍትና ፡ ግርማ ሓውና ንቅበል” ክኸውን ይግባእ። ኣብ መወዳእታ ምዕሳልና ልዕልና ሰብ ንሙቛም  እንተኾይኑ ቀጺሉ ካልእ ኩሉ ሰሰናዩ  ክስዕብዩ ንብለኩም፡

ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
...more
View all episodesView all episodes
Download on the App Store

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባትBy Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.

  • 5
  • 5
  • 5
  • 5
  • 5

5

4 ratings