ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

39 - ኣተዓባብያ | Parenting |


Listen Later

''ቆልዓ ብንኡሱ ፡ ቅርበት ብርሑሱ" ይብሉ ወለድና።

ኣብ ኣነባብራ ህዝብና ቆልዑ ካብ ጎሮባብቶም  ኣረሒቆዊ ንክከዱ፡ ምስ ካብ ብዕድመ ዝዓበይዋም ንክጻወቱ ኣይፍቀደናን እዩ። ከም ዝመስለና ቆልዑ ኣብዘይ ዕድሜኦም ዘየደሊ ከይመሃሩ ወይ ከኣ ኣብ ሓደጋ ከይወደቁ ካብ ምስጋእ እዩ። 


ብሰነ-ፈልጠታዊ ዓረኣእያ እውን ቆልዑ  ካብ ጎሮቤቶም  ኣርሒቆም ንምካድ ማሕበራውን ኣእምራውን ብስለት ኣይበጻሑን : ዝተገንዘቡዎ ይመስሉ ወለድና  ቆልዑ ብንእሶም እንከለዋ መሰረታዊ ናይ መነበባብሮ ፍልጠት ንክቀስሙ ዘተባብዑ::'


ብካልእ ወገን " ምስ ቆልዓ ኣይትምከር ፡ ምስ ከልቢ ኣይትተሓባእ '' ዝብል ቢሂል ወለድና እውን ንሰምዕ።  ምስ ቆልዓ ኣይትምከር እንክብሉ ኣብ ኣበሃህላ ህዝብና ቆልዑ ሓበሬታ ብግልጺ : ብክፉት ፡ ብቅልል ዝበለ ይግምግሙ ካብ ዝብል ልቦና ሙዃኑ ንግንዘብ።


ኣብ ገሊኡ እዋናት ኣብ ዝተሓላለኸ ጉዳያት እቲ ዝድለ  ምኽሪ  ሰቱርነት ፡ ብዙሕ ትንተና ዘድልዮ ምኳኑ ንጹር እኳ እንተኾነ እዚ ኣበሃህላ  ንኹሉ ምኽሪ ከም መምርሒ ምሳላ ጌሪካ.ምውሳዱ ቅኑዕ ኮይኑ ኣይረኣየናን። ብወገና  " ምስ ቆልዓ ኣይትምከር ፡ ምስ ከልቢ ኣይትተሓባእ '' እትብል ምስላ ካብ ብዛዕባ ቆልዓ ብዝያዳ ብዛዕባ ባህሪያት ህዝብና ተመላኽት ኮይና ረኺብናያ ::


ሕቶ ኣተዓባብያ ቆልዑ ፡ ሕቶ ኣተዓባብያ ሰብ እዩ ኢልና ንሓስብ ፡ ብምስዓብ ከምቲ ዘራእቲ ጽብቅ ፍረ ክንረኽበሎም እንኵስኲሶም ፡ ከምኡውን ኣተዓባብያ ሰብ ዕቱብ ስራሕ ምኹስኾስ ከም ዝሓትት ክንዝንግዖ ኣይግባእን፡፡


ኣብ ሕሉፍ መዋእል ህዝብና ተራ ቆልዖ ሙኩስኮስ ንወለዲን ብሐፈሽኡ ንሕብረሰብ ይምለከት ፡ እንተዘይ ተጋጊና ምዕባይ ቆልዓ ማሕበራዊ እዮ ኔሩ እንተበልና ምግናን ኮይኑ ኣይረኣየናን ። ማሕበራዊ ዝማእከሉ ኣተዓባብያ ቆልዓ ዝተኣማመኑ ይመስሉና '' ቆልዓ ከም ምዕባዩ ይዓቢ" ዝብል ምስላ ከም ዝውቱር ንሰምዕ።


ኣብዚ ሎሚ ዘበን ምልስ ኢልና ምዕባይ ቆልዓ ምስ እንዕዘብ ፡ እቲ ናይ ወለድና ማሕበራዊ ዓይነት ኣተዓባብያ ተሪፉ ኣብ እንግድዓ እቶም ክልተ ወለዲ ጥራይ ተገዲፉ ይርከብ ። ወጽኢት እዚ ሓዲሽ ዘበን ኣምጽኦ ዓይነት ኣተዓባብያ ናይ ገዛእ  ርእሱ  ረብሓታትን ጉድኣታትን እኳ እንተሃለዋ ብሓፈሽኡ ወለዲ ኣብ ኣተዓባብያ ደቆም ዕቱብ ገምጋም ጌሮም ክኣትውዋ ከም ዘለዋ ዘነጽር ኮይኑ ንረኽቦ።


ኣተዓባብያ ብመሰረቱ እንታይ ምስ ዘማልእ እዩ ፡ ቅኑዕ ወይውን ትክክለኛ እንብሎ ?


  1. ፍቅሪ ደቅና ብመጀመርታ ብዘየገድስ ፍሬኦም ዝዓይነቱ ኣተዓባብያ

  2. ፍረ ደቅና እዩ እቲ ብመጀመርታ ዘገድስ ፡  ፍቅሪ ደቅና ብዙሕ ዘዛርብ ኣይኮነን ዝዓይነት ኣተዓባብያ ፡

  3. ወይሲ ሰለቲ ፍቕሪ ደቅና ኣብ ኣገልግሎቶም ንጸመድ 


ዝብሉ ሕቶታትን ጦብላሕታትን በዚ ኣጋጣሚ ንሰማዕትና ንከስተንትኑሎኖ ንጽውዕ


ምዕባይ ህጻን ዛዕባ ከይዲ ዕብየት ኮይኑ ኣብ ምዕባይ ቆልዓ ጥራይ ዝሕጸር ዘይኮነስ ወለዲ እውን ዝዓብየሉ መስርሕ ሙኻኑ ክንዝንግዕ ኣይግባእን።


ኣተዓባብያ ቆልዓ ብዝግባእ ምዝፍጸም ፡ ዓዲ ትዓቢ ፡ ሕብረተሰብ ይዓቢ ኮይኑ ተሪፉ ሀገር ዕብየት ይገጥማ ኢልና ንኣምን፡፡


ምንም እኳ ኣብ ዝቅጽል ስሙን መደብና ማዕበያ ዝብል ብሰፊሑ ክንዛረበሉ እንተኾና ፡ ምስ ናይ ሎሚ መደብ ብምትእስሳር ፍሽለት ሕብረተሰብ ፡ ፍሽለት ሃገር ብቀጥታ ምስ ሐደ ህዝቢ ዝጠቀመሉ ኣገባብ ኣተዓባብያ ይተሓሓዝ እዩ ኢልና ንሓስብ።፡


ኣተዓባብያ ን ህጻን ኣካላዊ ዕብየት ሂብ ዝዛዘም ጥራይ ዘይኮነ ፡ ብዓቢኡ ንህጻን ብኹሉ ሸነኹ ማለት ኣካላዊ ፡ ስነ ልቦናዊ ፡ ሰነ ምግባር ፡ መንፈሳዊ  … ወዘተ ዘጠቃልል ኮይኑ መስርሕ ኣተዓባብያ ንምልኣት ኩሉንትናዊ  ሰብ ንምህናጽ እዩ።


ኣተዓባብያና ንገምግሞ ፡ ኣተዓባብያ ዝመጹ ወለይ ኣስተብሂልና ንኣልሞ  እንዳበልና ንሎሚ ንፍለየኩም።


ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
...more
View all episodesView all episodes
Download on the App Store

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባትBy Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.

  • 5
  • 5
  • 5
  • 5
  • 5

5

4 ratings