ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

40 - መዕበያ | Upbringing |


Listen Later

"ማዕበያ ዝበደሎ'' ፡ "ማዕበያ ዝበደላ'' ዝብል ብሂል ሓደ ካብቶም ዝውቱር ኣበሃህላ ሕብረተሰብና ኮይኑ ብተደጋጋሚ ኣብ ዝርርብ ህዝብና ክደጋገም ኮሎ ንዕዘብ፡፡

ማዕበያ ዝበደሎ ወይ ዝበደላ ዝብል ቢሂል ንሰብ ን ንማዕበይኡን ፊላልልዩ ዘቀምጥ ፡ ለባም ፡ ነዊሕ ጠመተ ዘለዋ ኮይኑ ዘይከም ናይ ሎሚ ዘበን ንግርማ ሰብ ብቀጥታ ዘይዝንጥል ፡ እንታይ ደኣ ንማዕበያ ሰብ ዝዕቀን ፡ ክርዳእን ፡ ክጽናዕን ፡ ዝክኣል ባይታ ተሞርኲሱ ዝግምግም ሃብታም ኣበሃህላ ሕብረተሰብና ኮይኑ ንረኽቦ። ኣብዚ ናይ ሎሚ መደብና ማዕበያ እንክንብል ፡ ደቂ ሰባት ብመጀመርታ ብወለድና ቀጺሉ ብመቅርብ ቤተሰብና ፡ ጎረባብትና ሓሊፋ እውን ብሙሉእ ሕብረተሰብ ዝግበረልና ጠመተ ፡ ክንክን ፡ ጽልዋ ኮይኑ ንክንዓቢ ፡ ምሉኣት ፡ እኩላት ሰብ ንኽንኸውን ዘሳልየና መንገዲ ማለትና እዩ።

 

ማዕበያና ካብ ግዜ ናብ ግዜ ገምጋም ምግባር ሓደ ካብቲ ክንለማመዶ ዘለና ሰናይ ልምዲ እዩ ኢልና ንሓስብ ፡፡ ማዕበይኦም ዝግምግሙ ሰባት ብ መጀመርታ ካብ ርእሰ ጽልኣት ፡ ርእሰ ክሲ ተቆጢቦም ኣብ ዕድመ መዋእል ሂወቶም ዝተፈጸሙ ክስተታት ምሉእ ሓላፍነት ከምዘይብሎም ይዕዘብን ይግንዘብን እሞ ብምስዓብ ኣብ ምጽጋን ማዕበየኦም ዝፈጠረሎም ጽልዋ ነቲ ግናይ  ኣብ ምሕዋዩ ፡ ነቲ ሰናይ  ኣብ  ሙኩስኳሱ ይነጥፉ ፡፡ብተወሳኺ ንኻልእ ሰብ ከምኦም ከም ሰብ ምሉእ ፍርዲ ኣብ ክንዲ ምሃብ ወይውን ምውንጃል ብዝያዳ ንሓዋም ፡ ሓፍቶም ብዓይኒ ማዕበየኦም  ምርድኦም ይመርጹ፡፡

 

ማዕበያ ሰብ ብዙሕ ቀጸላታት (Ecosystem)  ዘለዋ ኮይኑ ፡ ሓደ ቀጸለ : ካብ ሓደ ቀጸለ ዝያዳ ጠመተ ፡ ኣቶኩሮ ብምሃብ ጥራይ ዝርዳእ ዘይኮነ ፡ እንታይ ደኣ እቶም ቀጸላታት ኣብ ሓድሕዶም ብከመይ ን ኣበይን ይራኸብ ኢልና ብምፍታሽ ብዝያዳ ውጺኢታዊ ኢልና ንሓስብ፡፡ ንኣብነት ኣብ ጉዳይ ዓድና ምስ እንምልከት ሃገራዊ ኣገልግሎት ፡ ውትህድርና ንስድራቤታት ብከመይ ጸልይወን ኢልና ክንሓትት ይክኣል ፡ ከም ሳዕቤኑ ማዕበያ ኣጎብዝ : ኣባጽሕ : ጎራዙ ህዝብና እንታይ ስንብራት ገዲፍሎም ፧ ሳዕቤን ማዕበያ ሃገራዊ ኣገልግሎት ፡ ውትህድርና ኣብ ሙቋም ቤተሰብ ፡ ኣተዓባብያ ቆልዑ ፡ ኣብ ምውሳእ ምስ ሲቪላዊ ሂወት ሓደ ሰብ እንታይ ይመስል ንዝብሉ ሕቶታት ብቀረባ ኣብ ከባቢና ዘለዉ ደቂ ዓድና ብምዕዛብ ናይ ገዛእ ርእስና ገምጋም ክንወስድ ይከኣል፡፡


ንሕና ደቂ ሰባት ብከፊሉ ውጽኢት  ማዕበያና ኢና :: እዚ እንክንብል ማዕበያና ነቲ ዓንኬል ክውንነት  (Circle of Reality) ናይ ሰብ ዓቢ ጽልዋ እንክብል ማለትና እዮ። ንኣብነት ተረ ማዕበያ ኣብ ዓንኬል  ክውንነት ናይ ሓደ ሰብ  ኣብ ዝኣምኖ እምነት ፡ ዝኽተሎ ስነ ሓሳባት ፡ ከምኡውን ብዓቢኡ መራኸቢ ብዙሓን ክንምልከት ይከኣል፡፡

 

ማዕበያ ብዛዕባ ኣብ ዝሓለፉ ወለድና ዝተቀበልናዮ ከምእውን ካባና ናብ ደቅና እነመሓላልፎ ባህርያት ፡ ሰነ ምግባር ፡ ልምድታት እዩ። ንኣብነት ወለድና መጽሓፍ ምንባብ ዝፈትው እንተኮይኖም ከም ሳዕቤኑ እቶም ውሉዳን እውን መጽሓፍ ምንባብ ክፈትው ቀሊል ይኸውን :ቀሊል ዝገብሮ ከኣ ኣካልን ክፋልን ማዕበያ ሰለዝኮነ እዩ። ብኣንጻሩ ወላዲ ንደቆም ባዕሎም መጽሓፍ ዘየንብብ ክነሶም ንደቆም መጽሓፍ ኣንብቡ እንተበልዋም ፡ ውሉዳን ብቀሊሉ መጽሓፍ ምንባብ እንተዘይተቀበልዎ  ብከፊሉ ኣካል ማዕበያ ሰለዘይኮነ እዩ ኢልና ንሓስብ ፡፡ ብሓፈሽኡ ማዕበያ ብኣፍና እንዛረቦ ሰናይ ድልየታት ጥራይ ዘይኮነ  ፡ እንነብሮ ፡ እንላቦሶ ፡ ክሰተታዊ ሓቂ ሙዃኑ ምግንዛብ የድሊ ።

 

ከባቢን ከምእውን ዘበን ክልተ ዓበይቲ ንማዕበያ ጽልዋ  ካብ ዘለዎም ነጥብታት ሙኻኖም ከየዘካከርና ክንሓልፍ ኣይንደልን፡፡ እዚ እንክንብል ሐደ ሰብ ኣብ ዓድና ተወሊድ መዓበያ ዓድና ዝረኸበ ምስቲ ሓደ ኣብ ጀፖን ተወሊዱ ማዕበያ ጀፖን ዝረኸበ : ማዕበየኦም ፍልልይ ኣለዋ ማለትና እዩ፡፡ ከምኡውን ኣብዚ ዘለናዬ ዘበን ዘሎ ማዕበያ ምስቶም ኣብ መፋርቕ 20 ክፍለ ዘበን ዝነበረ ክፈላለ ናይ ግድን ይኸውን።


ማዕበያ ከም ዕዮ ህዝቢ ብብዙሕ ወገናቱ ክጽናዕን ክግምገምን እኳ እንተሃለዋ ከምቲ ኣርእስቱ ንዕቤት ደቂ ሰብ ቀጺሉውን ሕብረተሰብ ክውዕል በዚ ኣጋጣሚ ንርእስናን ሰማዕትናን ነዘኻኽር። ሰብ ተወሊዱ እንተ ወሓደ ኣሪጉ ክመውት እቲ ንቡር ናይ ተፈጥሮ መስርሕ እዩ። ስለዝኾነ ሰብ ዓድና ተወሊዱ ዘዕቢ ማዕበያ ሰኢኑ ኣሪጉ ከይመውት ዘፍረሓና ኢና አብ ናይ ሎሚ መደብና ዛዕባ ማዕበያ ከም መደብ ቁርሲ ቡን ኣዳሊና ዘለና። ንሎሚ ማዕበያ ፡ ዕብየት ዝጽውዕ ምዝኸውን እዩ ማዕበያ ዝብሃል እሞ : ዘዕቢ ማዕበያ ንምረጽ እንዳ በልና ንፍለየኩም።


ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ
...more
View all episodesView all episodes
Download on the App Store

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባትBy Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.

  • 5
  • 5
  • 5
  • 5
  • 5

5

4 ratings