Sign up to save your podcasts
Or
ብዛዕባ ሕጊ ኣብ መነባብሮን ባህልን ህዝብና ምርኩስ ጌርና ምስ እንምልከት "ዝባን ሕጊ'' እትብል ብሂል ዝውትርቲ ኣበሃህላ ሙኻና ንዕዘብ። ብሓደ ወገን፡ ሕጊ ዝጎዶሎ ዝባዉንቶም ፡ ጻሓይን ቁርን ከይዘብጦ፡ ብኻልእ ወገን ድማ፡ ሕጊ ዝጎደሎ ስርዓት ንሕብረተሰብ ናብ ቃልዕ ብምድርባይ ኣደዳ ሕሰምን ዉድቀትን ከይገብሮ ዘፍርሖም ዝመስሉ ወለድና፡ እዛ ዝባን ሕጊ እትብል ቃል ፡ ዝባንኪ፡ ዝባንካ፡ ዝባና ብሕጊ እዩ ተኸዲኑ ዘሎ ንማለት ዝብልዎ ዝነበሩ ኣበሃህላ ኮይኑ ይስመዓና። ብካልእ ወገን፡ እዚ ኣበሃህላ፡ ሓድሕድና ተሳኒና ፡ ተኸባቢርና ፡ ኪዳን መስሪትና ምልክት ኪዳና ንዝባውንትና ብሕጊ ንኽደኖን ነማምቆ እንከስምዕ፡ ነቲ ሕጊ’ዉን ንባዕሉ ዝባኑ ኣደዳ ቁርን ኣስሓይታን ንኽይቃላዕ : ማሕራዊ እምነት ነቊም ዝብል ኣጠማምታ ዘመላኽት ኮይኑ ንረኽቦ።
ብዝኮነ ሕጊ ኣብ ሕብረተሰብና፡ ንመዳነይን፡ ርትዒ ኣብ ምብያንን ዓቢ ተራ እኳ እንተነበሮ ፡ ክሳብ ምምጻእ ባዕዳውያን መንግስታት፡ ሕጊ ብመጀመርታ ከም መሕወዪ ቀጺሉ መክሓሲን መረጋግኢ ሕብረተሰብን ከም ዝነበረ ኣስተብሂልና ኣሎና። ንኣብነት ከም እኒ ሓወልትታት : ኣድባራት ፡ ኣቃውማ ዓድታት ፡ ከምኡውን ዝተፈላለዩ ታሪካዊ ቅርስታት ዘለዎ ሕብረተሰብና ፡ ዝዓነው ፡ ወይ ናይ ጥንቲ ዘበን ዝነበረ እስርቤታት ክዝንተወሎም ከሎ አይንሰምዕን። ኣብ ዝሓለፉ ወለዶታት ህዝብና፡ ገበነኛታት : ሕጊ ዝጥሕሱ ፡ ብሕጊ ዝፍረዱ ሰባት ኣይነበሩን ኢልና ኣፍና መሊእና ክንዛረብ ኣይንክእልን፡ እንተኮነ ግን ንዝተፈርዱ ሰባት ኣተኣላልዪአም ካብዚ ናይዚ ሎሚ ዘበን ፍልይ ዝበለ ከም ዝነበረ ንርዳእ፡፡
ኣብዚ ሎሚ ዘበን ኮይና ኣብ ሕብረተሰብና ዝነበረ ኣክብሮ ሕጊ ብኣውንታውን ኣሉታውን ገጹ ክንግምግሞ ይከኣል። ብኣወንታ ወገን፡ ኣኽብሮ ሕጊ ሕብረተሰብና ምስ እንጥምት፡ ወጽኢቱ ሕግን ስርዓትን ዝነበረን ዓድታት ንሙቛም ብስም ሕጊ እንዳ ኣባ ንነዊሕ እዋን ይመሓደር ከም ዝነበረ ታሪኽ ይሕብረና። ብኣሉታ ወገን ድማ፡ ኣኽብሮ ሕጊ ኣብ ሕብረተስብና፡ ዓመጸይና : ዘይፍትሓዊ ሕጊ ኣብ ሕግታቶም ኣብ ምልላይ ዝነበረ ጻዕርን ቃልስን ኣብ ታሪኽ ህዝብና ኣይንዕዘብን።
ዓመጽቲ ስርዓታት ፡ ዘይፍትሓዊ ሕጊ ከቁሙ ንቡር እዩ፡ ነዞም ዘይፍትሓውያን ሕጊታት ዝባን ሕጊ ተባሂሎም ኢልና ደው ክንብለሎም ኣለና ማለት ድዩ ኢልና ንርእስና ክንፍትሽን ክንሓትን ክነሳላስልን ይከኣል፡፡ ኩሉ ዝተጻሕፈ ሕጊ ፍትሓዊ ማለት ስለ ዘይኮነ ድማ ፡ እዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ምስ ሰማዕትና ክንካፈሎም ንመርጽ
ኣብ ከባቢና ዘሎ ሕጊ ፍትሓዉነቱ ብኸመይ ነለሊ፧
ዝተጻሕፉ ሕግታት ዘይሰብኣውያን ምስዝኾኑ ተራና እንታይ ክኸውን ይግባእ ፧
ዝተጻሕፉ ሕግታት ግርማ ን ክብሪን ሰብ ዝድምስስሱ ምዝኾኑ ኸ፧
ብካልእ ሸነኽ ሕጊ ኣልቦነት እውን እቲ ካልእ ጸገም ናይ ገለ ሕብረተሰባት ምኻኑ ነሰተብህል፡ እዚ ጸገም’ ዚ ናብ ርሑቕ ከይከድና ኣብ ህዝብና ወሪዱ ዘሎ ጸገም ምዃኑ ርዱእ ይመስለና። እቲ ምንታይሲ፡ ብዘይ ሕጊ ሰብ ክእሰር፡ ሰብ ክበሳበስ፡ ሰብ ክዕመጽን ክስወርን ካብ ንሰምዕን ንዕዘብን ዓሰርተታት ዓመታት ኣቑጺሩ ኣሎ፡፡ እዚ ንኣማኢት ዓመታት ብሕግታት ዝዳነ ዝነበረ ህዝቢ ግን እንታይ ወሪድዋ እዩ ኣብዚ ምዕቡል ዘበን ብሕጊ ኣልቦነት ክመሓደር ፈቒዱ ፧ ምናልባት ምኽባር ሕጊ ዝብል ኣምር ፡ ምስ ምኽባር መንግስቲ ዝብል ኣረዳድኣ ስለ ዝተሓዋወሶ’ዶ ይኸውን፧
እቲ ሓቂ፡ መንግስታትን ስርዓታትን መተካእታ ሕጊ ክኾኑ ኣይክእሉን ፡ መተካእታ ሕጊ ክኮኑ እንተፈተኑ ከኣ ሕጋውነቶም ዉዱቕ ይኸውን፡፡ ብረትን ሓይሊ ወተሃደራትን እውን ሕጊ ክኾኑ ኣይከኣሎምን፡ ሕጊ ክኾኑ እንተ ተመጣጠሩ ከኣ ኣኽበርቲ ሕጊ ዘይኮኑ : ኣፍረስቲ ሕጊ ኮይኖም’ዮም ዝተርፉ። ብዝኾነ፡ ኣብ መወዳእታ፡ ነቲ ናይ ወለድና ዝነበረ ሃብታም ኣረዳድኣን ኣፍልጦን ሕጊ ንወስኸሉ ብዚያዳ ነማዕብሎ እምበር ከምዛ ሕጊ ዘይነበረና.ህዝቢ ንድሕሪት ምምላስ ሲ ኣይናይ ጥዕናን እንዳበልና ንሎሚ ንፍለየኩም።
5
44 ratings