ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

44 - ግደ | Duty |


Listen Later

ግደ ዝብል ቃል ከም ኣምር ህዝባዊ ዕዩ ንክንርድኦ ብመጀመርታ ግደይ ዝብል ስም : ኣብ ኣጻዋውዓ ስም ህዝብና ንወዲን ጓልን  ንክልቲኡ ጾታታት እንጥቀመሉ ሰም ሙኻኑ ከነነጻር ንፈቱ። ብምቕጻል ብካልእ ሸነኹ ግደ ዝብል ቃል መሰረተ ቃላት ግዴታ ፡ ምስግዳድ : ግዳይ ዝብሉ ቃላት ሙኻኑ ከነስተብህል ይከኣል።

ግደ እንክንብል ብመስርሕ ውሽጣዊ ድልየት ምስ ዝምእዘን ፡ ባዕላዊነትና ምዝኽበር ፡ ናብ ግደይ ፡ ናተይ ግደ : ናተይ ተራ ፡ ናተይ ግዜ  ፡ ናተይ ዘበን  ዝዓይነቱ ትርጉምን ጦብላሕታን ይህብ። ግደ ብመስርሕ ግዳማዊ ጸቅጢ ጥራይ ምዝቅላስ ፡ ድለየትን ፡ ሕራይን ፡ ባዕላዊነት ሰብ ጎዲልዋ ምስ ዝከናወን ናብ ግዴታን ምስ ግደድን ዝብል ኣረዳድኣን ክውንነትን ይጸሪ፡፡


ድልየትን ባህግን ውሽጣዊ ሰብነት ፡ ባዕላውነት ብሕታዊ ሰብ ኮነ ህዝቢ ምስ ዝቦክር  ፡ ብኣንጻሩ ብድፊኢት ግዳማዊ ሓይሊ ጥራይ ተመርኵስካ ዝብጻሕ ውሳኔታት ፡ ፍጻሜታት ውጽኢቱ ግዳይነት ብሕታዊነት ሰብን ህዝቢን ይፈጥር፡፡ ግደይ : ግዴና እክንክንብል ኣሜን ፡ ሕራይ እቲ ብሕታዊ ሰብ ፡ ከምኡውን እቶም ዝሓበሩ ብሕታውያን ሰባት እሞ ሕብረተሰብ ዘቆሙ ይሓትት።


ግደ ብሕታዊ ሰብ ኮነ ህዝቢ ብክልተ ወገንገን ክገሃስ ን ክድምሰስን  ይከኣል : ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ቀዳማይ ወገን ንምግሃስ ግደ ፡  እቲ ብሕታዊ ሰብ ኮነ ህዝቢ ፡ ብወለትኡ ግዙእ እቲ ኣሎኒ ዝብሎ ነጻነት ምስ ዝኸውን እቲ ብሕታዊ ኣብ ክንዲ ምብሓት ካብ ሕብረተሰብ  ኣብ ምውላቅ ምዝስልጥን ወልቃዊ ሰብ ይኸውን። ከምእዉን ህዝቢ ካብ ምሕባር ፡ ሕብረት ምግባር  ምስዝሕንግድ ወጺኡቱ እቲ ውልቃዊ ዝኾነ  ሰብ መወዳእትኡ ግደ ኣልቦ ፡ ቀይዲ በተኽ ሰብኣዊ ዝምድናታት ኮይኑ ይተርፍ ፡ እቲ ምሕባር ዝሓርበቶ ህዝቢ ከኣ ሕብሪ ኣልቦ ሃሰስ ኮይኑ ይነብር።


እውነተይና ነጻነት ንብሕታዊ ሰብ ኮነ ን ህዝቢ ግዙኣት ነጻነት ዘይኮነ  ዝገብሮም ፡ ብኣንጻሩ ካብ ነጻነቶም ነጻ የውጽኦም ፡ እዚ ማለትና  ነጽነት ሓላፍነት ፡ ግደ የስክም እምበር ግደ ኣልቦ ጌሩ ፋሉልነት አየተባብዕን፡፡ እውነተይና ነጻነት ዓበይቲ ፡ ሰበ ግደ ፡ ግደይ : ተራይ ዝብሉ ፡ ብወለንትኦም ካብቲ ንኡስ ዓንኬል ነጻነት ናብቲ ዝዓበየ ዓንኬል ነጻነት ንምስግጋር ዝበቅዑ እዩ ኢልና ንሓስብ።


እቲ ካልኣይ ወገን ንምግሃስ ግደ : ብሕታዊ ሰብ ኮነ ፡ ህዝቢ ብዘይካ ዝሃብዎ ፍቃድ ብግዳማዊ ሓይሊ ን ድፍኢትን ጥራይ ምስ ዝግሃስ ፡ ምስዝግዳድ : ናብ ግዴታ ይቕየር፡፡ ውላድ ግዴታ ዝኮነ ግዳይነት ፡ ግዳይ ሙኻን የስዕብ። ብሕታዊ ሰብ ኮነ ህዝቢ ምስ ዝሰግደዱ ፡ ግዳያት ይኾኑ ማለትና እዩ ።


ካብ መግዛእቲ ፡ ሃለዋት ፡ ናብራ ግዳይነት ብግዳማዊ ሓይሊ ን ድፍኢትን ዘይኮና  ነጻነትና ንጎናጸፍ : እንታይ ደኣ ግዴና ፡ ግዴኺ ፡ ግዴኻ ብግቡእ ተገንዚብና ን ኣስተብሂልናን ምስ  ግደና ዊስ እንለብሶን ፡ እንነብሮን ጥራይ እዩ። ሓደ ህዝቢ ብሰናይ ድልየት ን ባህግን ግደ ብሕታዊ ሰብ  ምስቋር ፡ ምርዳእ ተሳኢንዎ ፡ ቀጺሉ እውን ሓድሕዳዊ ኪዳን ተሳኢንዎ : እንተ ግዳማዊ ሓይሊታት ገዲደም ፡ ብውልቃውያን ሰባት ዝፈጠርዋ ምትእክካብ ሕብረተሰብ ዘይኮነ ዘቅውም ፡ እንታይ ደኣ ሓፋሽ እዩ ዘቅውም፡፡


ብሕታውያን ሰባት ግዴትኦምን ተረዲኦምን ኣብ ትምሰልቶም ብምስትብሃል መሰሎም ብሙሉእ ክርድእዋን ክነብርዋ ይኽእሉ። ብሕታዊ ሰብ ከምእውን ሕብረተሰብ ፡ ኣነ ንመን ይመስል ፧ ንሕና ንመን ንመሰል ኢሎም ብምሕታት ተራን ግደን እቲ ዝመሰልዎ ትምስልቲ ክላበስዋ እቲ ናይ መጀመርታ ስጉምቲ ንቡርነት ሰብ ሙኻን ፡ ሕብረተሰብ ሙቋም ምኻኑ ክንዝንግዕ ኣይግብኣናን፡፡


መሰልን ግደን፡ ኢድ  ንኢድ ተሳንየን ምስ ዝዓያ ንሓደ ብሕታዊ ሰብ ፡ ህዝቢ ካብ መግዛእቲ ግዳይነት የድሕኖኦም ኢልና ንሓስብ ፡፡ ዓዲ ውዒልነት መሰልን ግደን ንብሕተዊ ሰብ ናብ ውልቃዊ ሰብ እንክቅይር ፡ ኣብ ህዝቢ ምስ እንምልከት ከኣ ውጺኢቱ ጥዕና ዘለዋ ሕብረተሰብ ዘይኮና ክንርኢ ብኣንጻሩ ሕብሩ ዘጥፈኣ ህዝቢ ሓፋሽ ተባሂሉ ከም ዝሰመን ዝጽዋዕን ኢና ንፈልጥ።


ግደይ ፡  እታ ኣደይ ፡ ሓፍተይ : ጓለይ ወይውን ግደይ እቲ ኣቦይ : ሓወይ : ወይውን ወደይ ዝብል ኣስማት እንክሰምዕ ኣብ ኣባሃህላን ኣስማሞያን ህዝብና ምስገደድነት ወይውን ግዳይነት ዘይኮና እንዕዘብ ፡ ከምቲ ብልማድ አዘራርባ ህዝብና ዝውቱር ዝኾነ ግደ ፡ ግደይ ማለት ነጻነተይ ፡ መሰለይ ፡ ተራይ ፡ ልዕልና ባዓልታዊነተይ እዮ ዘመላኽት፡፡


ንሎሚ ግደና ንፍለጥ : ግደና ንላቦስ እንዳበልና ንፍለየኩም፡፡


ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ


...more
View all episodesView all episodes
Download on the App Store

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባትBy Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.

  • 5
  • 5
  • 5
  • 5
  • 5

5

4 ratings