ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

ኣብ ቀረባ መጻኢ!!


Listen Later

ኣብ ቀረባ መጻኢ!!እዚ መባእታዊ ንባባት ቁርሲ ቡን፡ ንኣብ`ዚ ዓለምና ብብዙሕ መዳያቱ እትስጉሞሉ ዘላ እዋን፡ ኣብ ኣረዳድኣ ሕብረተሰብና ምርኩስ ብምግባር፡ ብኸመይ ምስ ናይዚ ክፍለ ዘመን ኣረዳድኣ ኣተሓሒዝና ንርድኦን ንነብሮን ኣብ ዝብል ስነ ሓሳብ ማእከል ብምግባር ንሓዲሽ ተኽእሎታት ይፍትሽ።መስርሕ ኣጸሓሕፋን ዝርርብን ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ጽሑፋት እዚ ዝስዕብ ስርዓት መጽናዕቲ ይኽተል ፡ •  ቀጥታዊ ትርጉም (Direct interpretation)•  ኩዕታ (Exploration)•  ጦብላሕታ (Reflection)•  ሕቶ (Question)•  ጽልዋ (Influence)እዞም ኣገባባት ምርኩስ ብምግባር፡ መደብ ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ጽሑፋት፡ ነዚ 21 ክፍለዘመን ሰብ ሸዉሃት ብዝጥዕም፡ ንዝተፈላለዩ ሓሳባት ከምእኒ ስርዓተ-ቡን፡ ርሕርሐ፡ ምቅዋም፡ ሰብ፡ ዓለም፡ ፍትሒ፡ ዕርቂን . . . ወዘተን ዝብሉ ኣርእስታት ብምልዓል ኣብ ሰሙን ሓንሳብ ንንእሽቶ ጽሑፍን ዝርርብን ን ሰማዕታ ትዕድም።እዚ መደብ ንድሕሪት ወለዶታት ብምምላስ፡ ስራሕ ህዝብና እንታይ እዪ ኔሩ ወይ`ውን ዕዮ ህዝብና ከመይ ይመስል ብምባል ጦብላሓታዊ ሓሳባት የካፍል። ሓደ ካብቲ ዕላማ እዚ መደብ፡ ዕዮ ህዝብና ብምስትንታን ርድኢት ናይ ብዙሓት ምዕባይ እዩ። ከምዚ ብምግባርና ድማ ንእዋናውን መጻኢን ኣካይዳ ሂወትና መሰረት ንምንጻፍ ሓጋዚ እዩ ኢልና ንኣምን። ሓደ ህዝቢ ወይ ሕብረተሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓባራዊ ዕዮን ስራሕን ኣለዎ። ኣብ ስራሕ ህዝብና ዝተፈላለየ ርዲኢትን ኣፍልጦን ክህልወና ይኽእል’ዩ፡ እዚ መደብ እንባኣር መቐጻልታ ዕዮ ህዝቢ ኮይኑ፡ ብመልክዕ ጦብላሕታዊ ንባባትን ዝርርብን ርዲኢት ብዙሓት ብምእንጋድ፡ ኣብዚ  ሎሚ እዋን ከመይ ጌርና ነቶም ዓሞቕቲ ልቦና መለድና ንላበሶምን ንነብሮምን ኢሉ ይሓትት። ብኻልእ ኣዘራርባ፡ ኣብ`ዚ እዋን’ዚ ዕዮ ህዝብና እንታይ ክኸውን ይግብኦ ኣብ ዝብል ዛዕባ ሓሳባት የካፍል። ገለ ካብ ኣርእስትታ መደባትና ንምጥቃስ ...ስርዓት ቡንስርዓተ ቡን ኣብ ህዝብና፡ ሓደ ማኣዲ ናይ ዝምድናና ነደልድለሉ፡ ናፍቆትና ነውጻኣሉ፡ ኣእምራውን  መንፈሳውን ጎንና እነጠንክረሉ ስርዓት እዩ ኢልና ንኣምን። በዚ ካኣ ኩለንትናዊ ደሌታት ናይ ሰብነትና እነዕግበሉ ማኣዲ’ዩ ንብሎ። ካብዚ ተበጊስና፡ ኣብ`ዚ ሎሚ ዘመን ዝብላዕ ን ዝስተን ዘይተሳእናሉ ግዜ ኩልንትናዊ ሰብነትና ይምገብ ዶ ኣሎ ወይስ ስቕ ኢልና ኢና ብሸበድበድ ከስዕና ንመልኦ ዘሎና ኢልና ነስተንትን። ሩሕሩሕርሕሩሓት ኣዴታትና ብዘይኣፈላላይ ቅድመኹም ይስጥሓኒ ብምባል፡ ስለ ሩሕ ወዲ ሰብ ክብጀዋ ይቀዳደማ፣ ከምኡ’ውን ንኹሉ ሩሕ ዘለዎ ፍጡር ወዲ ሰብ ሰብኣዊ ርሕራሐ ሓልዮትን ብምርእይ፡ ሰብኣዊ ልዕልና ይምህራና። እዚ ርሕረሓ ባህሪ ኣዴታትና መሰረት ሰብኣውነት እዩ ኢልና  ንኣምን።፡ ምኽንያቱ “ሩሕሩሕ” ዝብል ቃል ካብ ሩሕ ዝብል ነብሱ ዝኸኣለ ትርጉም ዘለዎ ቃል’ዩ ዝብገስ። ኣስዒብና ኸአ: ነዚ ቓል እዚ: ክልተ ግዜ "ሩሕ" ምስእነድምጽ ወይ’ውን እንጽሕፍ “ሩሕሩሕ” ናብ ዝብል ካልእ ትርጉም ዘለዎ ቃል ይህበና ። ትርጉም "ሩሕ" እቲ መስረታዊ ክውንነትና ወይ’ውን ህላዌ ናይ ሰብ “እስትንፋስ” ሙኻኑ ነስተብህል።ኣዴታትና እንበኣር ብዘይ ኣፈላላይ ሰለ ሩሕ ወዲ ሰብ ክብጀዋ ምፍቃደን፡ ንልዕልና ሰብኣዋነት ዶ ኣይኮነን፡፡ ምቅዋም"ምቅዋም" ዝብል ቃል ካብ "ቆመ" ማለት ጠጠው በለ ዝብል ቃል ዝመንጨወ እዩ። ንብዙሕ ዝዛረብ ሰብ "ተዛራቢ" ንብሎ ፣ ከምኡ`ውን ዝቕየም "ተቐያማይ" ፣ ዝብለጽ "ተበላጺ"፣ ንዝቖመ ወይ`ውን ዝቖመት ድሞ "ተቓዋሚ ወይ ተቓዋሚት" ንብሎም። ስልዚ ምቅዋም ብዛዕባ’ቲ ከተቑሞ፣ ክትሃንጾ፣ ክትድግፎ ዝደለኻ ስርዓት ወይ መደብ ዕዮ እዩ ንብል። ከምቲ ብዙሓት ዝርድእዎ ምቅዋም ብዛዕባ ምጽራር ዘይኮነስ፡ ምቅዋም ብዛዕባ ምህናጽ እትደልዮ ስርዓት እዩ። ካብዚ ተበጊስና ንምንታይን ብኸመይን ንቃወም ዝብሉ ሕቶታት ነልዕል።  ነዚ መደብ ንምክትታል  ኣብዘን ዝስዕባ ማሕራዊ ሜዲያትታ ክትረኽቡና ትኽእሉ -  Facebook , Youtube , Apple-Podcast, Google-Podcast, Spotify , iHeart-Radioኣብዚ መደብ ንምስታፍ ድማ፡ ናብ [email protected]  ኢሜል ለኣኹልና። ኣዳለዉቲ መደብ - ኣሮን ሓጎስ- ፊሊጶስ ሃይለሚካኤል- ኮኾብ ጎይትኦምተሓጋጋዚት መደብ- ስቴላ መሓሪ ምስጋና            - ንጥዑም ዜማትታ ኣቦና መምህር ተወልደ ረዳ. ብዛዕባ ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት
...more
View all episodesView all episodes
Download on the App Store

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባትBy Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.

  • 5
  • 5
  • 5
  • 5
  • 5

5

4 ratings