ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት

መእተዊ


Listen Later

ሉጥርግያ ግእዝ ስራሕ ህዝብና እንታይ እዪ ኔሩ ፧ ወይ`ውን ዕዮ ህዝብና ከመይ ይመስል ፧ ብዝብሉ መሰረታውያን ሕቶታት ንጉዳይ  "ሉጥርግያ ግእዝ" ክንፍትሾ ይከኣል። ሉጥርግያ ዝብል ቃል ካብ ቋንቋ ላቲን ዝመንጨወ ኮይኑ ፣ ብሕጽር ዝበለ "ህዝባዊ ዕዮ" ወይ`ውን "ህዝባዊ ስራሕ" ዝብል ትርጉም ይህበና። ከም`ቲ ንሕና ደቂ ሰባት ብብሕትና ስራሕ ወይ`ውን ዕዮ ዝህልወና ፣ ከምኡ`ውን ሓደ ህዝቢ ወይ ሕብረተሰብ ናይ ገዛእ ርእሱ ሓባራዊ ዕዮን ስራሕን ክህልዎ ናይ ግድን ይኸውን ኢልና ንሓስብ። ምእንቲ`ዚ እዪ ኸኣ  መደብና ፣ ስራሕ ህዝብና እንታይ ኔሩ ኣብ ዝብል ዓዉዲ ዘተኩር ፤ ብሕልፊ እኳ ደኣ ንድሕሪት ምልስ ኢልና ዕዮ ህዝብና ብምስትንታን ምርድኡ ኣገዳሲ  ቅድመ ኮነት ንምትላም እዋንውን መጻእን ስርሓትና ምኮኑ ምርዳ ኣድላይ ኮይኑ ንረክቦ።  ዕዪ ህዝብና ኣብ ግዜ ሓጎስ ማለት ከም እኒ መርዓ ፣ ጥምቀት ፣ መመረቕታ ፣ ዝተፈላለዩ ዓመታዊ ጽምብላት ከምኡ`ውን ኣብ ግዜ ሓዘን ወይ’ውን ሽግር ከም እኒ ሞት፣ ድርቂ፣ ባህርያዊን ሰብኣዊን ሓደጋታት ዝፍጸሙ ኣገባባትን ንጥፈታትን ፣ ከመይን እንታይን ይመስሉ ፣ ዝንገሩ ብሂላት እንታይ የመልክቱ ፤ ብምባል ክንፍትሾን ክንርድኦን ንኽእል። ምዕባይ ርዲኢት ኣብ ህዝባዊ ዕዮ ኣገዳሲ ኮይኑ፡ ከምኡ ድማ ኣብ`ዚ 21 ክፍለ ዘመን ብኸመይ ሃናጽን ኣድማዕን ትርጉም ክዋሃቦ ይኽእል ንዝብል ሕቶ ምላሽ ንክንረክበሉ ይሕግዝ። ነዚ ንምስልሳል ድማ ጦብላሕታዊ ርድኢታት ምርኩስ ብምግባር፣ ሉጥርግያ ግእዝ ከም ዓዉዲ መሳርሒ መደብና ከምእንጥቀመሉ በዚ ናይ መጀመርታ ጽሑፋትና ንኣንበብቲን ሰማዕትን እዚ መደብ ከነበስረኩም ንፈቱ። ብናትና ርድኢት፣ ሉጥርግያ ግእዝ ኣፍሪቃውን ማእከላይ ምብራቃዊን ጽልዋታት ከምዘለዎ ተገንዚብና ኣለና። ነዚ ኣመላኻኽታ ንምፍታሽን ፣ አብ ዝሓለፈ መዋእል ዕዪ ህዝብና ምርኩስ ብምግባር ንካልኦት ስፍሕ ዝበሉ ዓምድታት ብምልዓልን ፣ ኣብ`ዚ ዘመና ኮይና ዕዮ ህዝብና እንታይ ክኸውን ይግባእ ንዝብል ሕቶ ምላሽ ንምንዳይ ዓቕምና ብዝፈቐዶ ሰሙናዊ ጦብላሕታዊ ትንተናታት ከነቕርብ ምዃና  ንተኸታተልቲ እዚ መደብ ንሕብር። ዝሓለፈ መዋእል ስራሕ ህዝብና ኣብ ዝተፈላለየ ማሕበራዊን ብሕታውን ንጥፈታት  ዝተፈላለየ ርዲኢትን ኣፍልጦን ክዎሃቦ ይኽእል’ዩ። ኣብ`ዚ ኣዋን’ዚኸ ዕዮ ህዝብና  እንታይ ክኸውን ይግብኦ ኣብ ዚብል ዛዕባ፡ ኣብ እንደልዎ ጦብላሕታዊ መደባት፡ ኣንበብትን ሰማዕትን እዚ መደብ ጦብላሕታዊ ርኢቶታትኩም ከተካፍሉና ብትሕትና ንዕድም ። ኣዳለውቲ መደብ  ሕዉየት ን ሉጥርግያ ግእዝ! ብድምጺ ንምስማዕ
...more
View all episodesView all episodes
Download on the App Store

ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባትBy Geez Liturgy. ሉጥርግያ ግእዝ.

  • 5
  • 5
  • 5
  • 5
  • 5

5

4 ratings