ጦብላሕታይ ኣብ ቁርሲ ቡንቁርሲ ቡን ካብተን ኣነ ተገዲሰን ከየሕለፍኩን ዝከታተለንን ዘስተማቕረንን ውሑዳት መደባት እያ። ብኣቀራርብኣ ፍልይ ዝበለት፡ ብቐጻሊ እተልዕሎም ኣርእስታት ድማ ኣገደስትን፡ ትምህርታውያንን ጥራይ ዘይኮኑ፡ ንሰብኣወትካ ዝንቕንቑ፡ ንኸተስተንትንን ክትሓስብን እውን ዝገብሩ እዮም።እዛ ንኣስታት 6 ኣዋርሕ ሰሙናዊ ትፍኖ ዘላ መደብ ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ዕላላት፡ ንዓይ ብቐዳምነት ትምህርቲ ስነ-ልቦና ሓዘል መደብ እያ። ኣምራት ሂወት ብመንገዲ ብሂላትን ልምድታትን ምስ ባህልን ቋንቋን ኣተኣሳሲራ ሓቀኛ ትርጉሞምን ኣመጻጽኦምን ኣናፈተሸት ስነምግባር ሕብረተሰብ ኣብ ምምእዛን ትሰርሕ። ከም ኣብ ዓውዲ ህዝባዊ-ዕዮ ኣተኲራ እትዳሎ መደብ መጠን፡ ብዛዕባ ስነ-ሕብረተሰብን ብፍላይ ድማ ሕብረተሰብ ሃገርና ዘሎ ሕድሕዳዊ ምትእስሳርን ዝምድናን እተጉልሕ መደብ እያ። ብተወሳኺ ሰባት ኣብ ሂወት ዘገድሱዎም ነገራት ብውልቆም ንኸመዛዝኑን ካብኡ ሓሊፎም ድማ ብሕብረተሰብኣዊ ዓይንን ረብሓን ክርእይዎምን እትሕግዝ ኮይና ረኺበያ። እዚ እናገበረት ንዝጠፍእ ወይ ዝድብዝዝ ዘሎ ክብርታትና ወይ ታሪኻዊ ውርሻና ትኹልዕን እተዘኻኽርን መደብ እያ። እዚ ነቲ ብዝተፈላለየ ምኽንያት ተበጣጢሱ ዘሎ ማሕበራዊ መርበብ ሕብረተሰብና ኣብ ምጽጋን ዝህልዎ ተራ ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ ይርኣየኒ። ልዕሊ ኩሉ ድማ እዛ መደብ ካብ እትጅመር፡ ኣብ ስነ-ቋንቋ ትግርኛ ብዙሕ ክብርበር ዘለዎ ሃብቲ ከም ዘለና ክርዳእ ክኢለ። ካብ ቁርሲ ቡን፡ ነቶም ዕለታዊ እንጥቀመሎም ቃላት ኣቓልቦ ሂብና ምስ እንርድኦምን ትርጉሞምን መበቆሎምን ምስ እንፈልጥ ዝያዳ ኣብቶም ነገራት ዘሎና ኣመለኻኽታን ግንዛበን ክንጽርን ክስተኻኸልን ከም ዝኽእል ተማሂረ። ብዘይካ’ዚ፡ ክንዮ ልቦናን ሰብኣውነትን ምስትምሃር፡ ፍልስፍናዊ ትሕዝቶ ዘለዎም ኣምራት’ውን ተልዕል እያ። ዓበይቲ ናይ ሂወት ሕቶታት ብቕልል ዝበለ መንገዲ በቲ ናትና እንብሎ ባህላዊ ኣመለኻኽታ ከተርእየናን ከተብርሃልናን ትፍትን። ሓደ ካብቲ ጽቡቕ ጎድንታታ ኢለ ዝኣምነሉ ድማ፡ ንሕና ከም ዜጋታት ይኹን ሰባት ወይ ድማ ሕብረተሰብ ኣተሓሕዛና ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ከመይ ከም ዘሎን ከመይ ክኸውን ከም ዘለዎ`ውን ብመልክዕ ትንታነ ተረድእ ምዃና እዩ። ዳርጋ ነፍሲ ወከፍ ዝቐረበት ኣርእስቲ ናታ ጦብላሕታን ገለ መረዳእታን ገዲፋትለይ ክብል እኽእል። ካብተን ኣዝየን ዝመሰጣኒ ንምጥቃስ ዝኣክል ግን፡ ‘’ሰብ’’፡ ‘’መንነት’’፡ ‘’ምቅዋም’’፡ ‘’መባኹዕቲ’’፡ ከምኡ’ውን ‘’መራሒ’’ ዝብላ ኣርእስታት ካብተን ንዓይ ኣዝየን ዝሰሓባንን ዝያዳ ከገናዝብን ካልእ ኩርናዓት ጠመተ ክውስኽን ዘኽኣላኒ ኣርእስታት እየን። ከምዚኦም ዝኣመሰሉ ኣርእስታት ስፍሓት ኣተሓሳስባና ዝውስኹን ኣብ ሰባት ዘሎ ናይ ምርድዳእ ጸገማትን ክፍተታትን ክሓትሙ ዝኽእሉ ኮይኖም ይስምዑኒ።ከም ኣካል ናይ መልሰ-ዕንጋለ፡ ቁርሲ-ቡን ካብ ዘላቶ ዝያዳ ንኽትሕይልን ክትምዕብልን መታን ብዓቕመይ ከም ተኸታታሊት ዘስተውዓልኩዎ ጽቡቓት ጎድንታትን፡ ክመሓየሹ እንተዝኽእሉ ዝብሎምን ነጥብታትን ወስ ከብለልኩም እፈቱ። ኣወንታዊ ጎድንታት ዕምቆት ኣፍልጦ ናይ ትሕዝቶ ዘለዎን ጽቡቕ ምድላው ዝሓለፎን ስራሕ እዩ።ዝቐርቡ ኣርእስታት ኣዝዮም ምሩጻትን ዝተፈላለየ ኩርናዓት ሂወት ዝትንክፉን እዮም። ንውሓት መደብ ሓጺርን ዘየሰልቹን እዩ። ቀሊል ኣገላልጻን ሓያል ቋንቋን ይዝውተር።ቀጻልነት ስሩዕነትን ዘለዎ፡ ጽፈትን ሞያውነትን (professionality) ዝሓለወ ኣቀራርባ ኣሎ።ትሕትናን ልዝበት ኣዘራርባን ኣቕረብቲ ድማ ሓደ ካብቲ ካልእ ጽባቐ ናይዛ መደብ እዩ። ክመሓየሹ ዝኽእሉ ነጥብታትብፍላይ ንቋንቋ ወይ ታሪኽ ኣብ ዝምልከቱ ነጥብታት መወከሲታት ወይ ምንጭታት ክጥቀሱ እንተዝከኣሉ ምጸበቐ። እዚ ርእይቶታት ኣቕረብቲ ካብ ሳይንሳዊ ወይ ታሪኻዊ ሓቂ ክንፈልዮ መቕለለልና ዝብል ርእይቶ ኣለኒ። ዝያዳ ከስፍሕዎን ከዕምቑዎን ንዝደልዩ ግዱሳት ድማ ዝያዳ ባብ መርሓወ።ኣናብባ ካብዚ ዘለዎ ክምዕብል ወይ ክመሓየሽ ካብ ዝኽእል ጎድንታት እዩ።ዋሕዲ ተኸታተልቲ ስለዘለዋ፡ ሰባት ንኽፈልጥዋን ክከታተሉዋን ናይ ምውዕዋዓ ጻዕሪ የድሊ ኣሎ።(እዚ ብርግጽ ናይ ኩላትና ሓላፍነት እዩ)። ብሓፈሻ ኣብዚ ምዕባለ ቴክኖሎጅን ሓበሬታን ንኣቓልቦ ሰብ ብዝጠቕሙን ዘይጠቕሙን ሓበሬታታት ጎቢኡሉ ዘሎ ግዜ፡ መደብ ቁርሲ ቡን ንኹሉ ኣባል ሕብረተሰብ ብፍላይ ድማ ንመንእሰያት መሃሪትን ኣማእዛኒትን መደብ እያ። ዘይከምቲ ቁምነገራን ኣገዳስነታን ድማ ቁጽሪ ተኸታታሊኣ ኣዝዩ ውሑድ ስለዘሎ ዝያዳ ንምፍላጣን ናብ ዝበዝሐ ሰማዒ ምብጻሓን ናይ ኩላትና ጻዕርን ጎስጓስን ዘድሊ ኮይኑ ይስመዓኒ። ኣነ ብወገነይ ከምዚ ዝኣመሰኡ ሓሳባትን ኣርእስታትን ክንዮ ምስማዕ ሓሊፍና ኣብ ዕላላትና፡ ማሕበራዊ ርክባትናን ካልእ ኣጋጣሚታትን፡ ከም ናይ ዘተን ክትዕን ኣርእስታት ወሲድና ከነሀብትሞምን ትርጉም ኣልቢስና ድማ ከነተግብሮምን ከም ባህሊ ክንኩስኩሶምን ይግባእ ኢለ እሓስብ። ኣብ መወዳእታ ድማ ነቶም ንዕቤት ኩላትና ኣገደስቲ ዝኾኑ ሃነጽቲ መደባት ብወለንትኖኦምን ተበግሶኦምን ኣዳልዮም፡ ግዜኦምን ፍልጠቶምን ዝዕንግሉና ዘለዉ ኣዳለውትን ኣቕረብትን `ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ዕላላት’፡ ስለቲ ንሕብረተሰቦም ዝገብርዎ ቅዱስ ተበግሶ ከድንቖምን ከምስግኖምን እፈቱ። ከምኣቶም ዝኣመሰሉ ሃነጽቲ ሜድያታት ክስስኑልና ድማ እምነ። ኣዳለውቲ ኣብ ቀጻሊ ካብዚ ዘለውዎ ንላዕሊ ሓይሎም ዝበለጹን ዝሰፍሑን ካብ ቁርሲ ቡን ምዃን ሓሊፎም ንምሳሕን ድራርን ዝኣኽሉ ኣርእስታት ከምጽኡልና ከምዝኾኑ ድማ ልዑል ተስፋን እምነንት ኣለኒ። ብወገነይ ንመደባትኩም ኣብ ምክትታልን፡ ሓሳብ ይኹን ካልእ ዘድሊ ድጋፍ ንምሃብ ድልውቲ ምዃነይ እናሓበርኩ፡ ንዝቕጽል ዕዮኹም ፍረን ኣሳልጦን እምነ። ተኸታታሊት ቁርሲ ቡንለይላ ኻልድካብ ነርወይ እዝን ካልኦት ሪኢቶታትን ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ!