ርእይቶ ብዛዕባ መደብ ቁርሲ ቡን መደብ «ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ዕላላት» ብትሕስቱኣ ኾነ ኣቀራርብኣ ካብ ካልኦት ናይ ሃገርና ሜድያታት ብጣዕሚ ዝተፈለየት መደብ ኮይና ረኺበያ። ፍሉይነታ ኸኣ ኣብ ባህሊን ሰብኣውነትን ኣቶኲራ ብዛዕባ ዓበይቲ ሓሳባትን ኣምራትን ኣልዒላ ኣብ መጽናዕታዊ ጽሑፋት ምርኩስ ብምግባር ትዳሎ ሙኻና ኢዩ። ብዙሕ ጻዕሪን መጽናዕትን ዝሓለፎ ስራሕ ሙኻኑ ንኸተለልዮ ውን ግዜ ኣይወስደልካን። ኣዳለውቲ መደብ ቁርሲ ቡን ሓው ፍሊፖ፣ ኮኾብ፣ ኣሮን - ውልቃዊ ተበግሶ ወሲድኩም ከምዚ ዝኣመስለ ሰፊሕን ዓሚቕን መደብ ምድላውኩም ምስጋና ይኹንኩም። መደብ «ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ንባባት» ከም ድልድል (hybrid) ኣብ መንጎ ስነጥበብን ፍልስፍናን ኢለ ምስ ገለጽክዋ። ጥበብ ዝመልኦ ኣቀራርባ ብምስላታትን ብሂላትን ኣሰንያ፣ በቲ ሓደ ወገን ከኣ ረዚን ፍልስፍናዊ ጽሑፋት ተአንግድ መድብ ኢያ። ልክዕ ከም ወግዒ ኣቦታትና ብምስላታት ዝማዕረገት ማለት ኢዩ። ብወገነይ፣ ሓደ ካብቲ ቀንዲ መልእኽቲ ‘’ቁርሲ ቡን ጦብላሕታዊ ዕላላት’’ ኮይኑ ዝረኸብክዎ፣ ኣብ ሕብረተሰብና ብዛዕባ ሓሳባት ኣልዒልና ክንዝትን ከምኡ’ውን ‘’critical mindset’’ ንኸነማዕብል ኢዩ። እዚ ኸኣ ንነገራት ኣብ ክንዲ ‘’እንታይ’’ ኣጋጢሙ ኢልና ኣብ ፍጻመታት ጥራሕ ንዝቲ፣ ‘’ስለምንታይ’’ ከም ዘጋጠመ ኣዕሙቕና ንኽንሓስብ ዝድርኸና ኮይኑ ረኺበዮ። ብተወሳኺ’ውን ሓደ ካብቲ ብዝያዳ ዝመሰጠኒ ቅድመ ተኸተል መደባት እዩ፣ ‘’ብርህራሄ’’ ዝብል ኣርእስቲ ጀሚራ ክሳብ እዚ ሕጂ በጺሓቶ ዘላ ምዕራፍ ‘’ሓፋሽ’’ ምስ እንዕዘብ፣ ቅድም ቀዳድም ንውልቀ ሰብ ከም ኣካል ሕብረተ ሰብ ዘይኮነስ ከም ‘’ውልቀ-ሰብ’’ ሃኒጻ፣ ድሒራ ናብ ሕብረተ ሰብ፣ ህዝቢ፣ ሃገር ትሰግር ሙኻና ኢዩ። እዚ ኸኣ ናይ ኣዳለውቲ መደብ፣ ዓቅምን ወፈራን ኣብ ምህናጽ ጥዑይ ‘’ውልቀ ሰብ’’ ጎሊሑ ይረኣየካ። ብፍላይ ኣብዚ ሕጂ እዋን ሕብረተሰብና በሪሱሉ ኣብ ዘሎ ዘመን፣ መንእሰያት ናይ ውልቂ ሓላፍነት ወሲድና ብንቕሓት ተወፊርናን ብዙሕ ኣስተዋጽኦ ክንገብር ከም ንኽእል ትምህረና። ካብቲ ብዙሕ ብሉጻት መደባት ቁርሲ ቡን ከም እኒ ሰብ፣ ፍትሒ፣ ሓፋሽ፣ ዓለም፣ ውልቃውነት - ሓንቲ ካብትን ብፍሉይ ጦብላሕታ ዘሕደረትለይ መደብ «ምቅዋም» ትብል ኣርእስቲ ኢያ። ዝበዛሕና ክብል ይደፍር፡ ብኸምዚ ገሊጽኩሞ ዘለኹም ኩርናዕ ጠመተ ኣይንርእዮን ኢና፡ ኣብቲ ንሕና ንምስርቶ ወይ ክነቑሞ ንፍትን ኣቶክኲና ውን ኣይንሰርሕንን ኢና። ከምቲ ብቓላትኩም ዝበልኩሞ ኣካይዳና ኣብ ‘’ጸረነት’’ ዝተሞርከሰ ኢዩ። ኣብዚ ኣርእስቲ ክሓስብን ከስተንትንን ከለኹ ‘’ብኸመይ ክቐውም’’ ይኽእል ኣብ ዝብል፣ ካብ መልሲ ዝያዳ ሕቶታት ኢዩ ዝፈጥረለይ። ንኣብነት ‘’Authority’’ ኣብ ዘይብሉ ቃልሲ ብኸመይ ክነቑሞ ንኽእል፧ ነዛ ‘’ምቅዋም‘’ ትብል ኣርእስቲ ክተዕምቑዋን ‘ንኽትቐውም ከ’’ እንታይ ingredients ክተማልእ ኣለካን ክትድህስስዎ ተስፋ ይገብር። ከም ርእይቶይ ከቅርቦ ዝፈቱ፣ ኣብ መደብ ትንተና ነቲ ንህዝብና የብርስ ኣሎ ትብልዎ ኣሉታዊ ሰነ ሓሳብን፣ ሰነ ምግባርን ዝያዳ ብነቐፈታዊ ዓይኒ ሪእኹም ክትነቅፍዎን ክትንትንዎ ምመረጽኩ። ቁሩብ ዕቃበታት ተብዝሑ ዘለኹም ኮይኑ ይስማዓኒ። ካልእ፣ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ንዝርከብ ህዝብና ውን ነዚ ተቅርብዎ ዘለኹም መደብ ብዝተፈላለየ መራኸቢታት ንኽከታተሎ ንኣብነት ብመልክዕ ሬድዮ፣ ዕድላት ተዝፍጠረሉ ጸላዊ ምኾነ ኔሩ። ኣብዚ ክዝንጋዕ ዘይብሉ መደብ ‘’ቁርሲ ቡን’’ ሃብታምን ንመዲያታትውን ዓቢ resource ሙዃኑ ኢዩ። መደብ ቁርሲ ቡን ኣብ ፍጻመታት ዘይኮነስ፣ ኣብ ፍልስፍና፣ ኣምራት ከምኡ’ውን ሓሳባት ምርኩስ ጌራ ትዳሎ ከም ሙኻና መጠን፣ ኣብ ዝቕጽል መደባትኩም ሓንቲ ትሕስቶ ብዛዕባ ‘’ሓሳባት’’ ወይ ‘’ምሕሳብ’’ ተተአንግዱ ግርም ምኾነ። ኣብ መዛዘሚ ጽሑፈይ፣ ንኹሎም ተኸታተልቲ መደብ ‘’ቁርሲ ቡን‘’ ከመሓላልፎ ዝደሊ መልእኽቲ፣ ነዚ ኣሕዋት ዘቕርቡልና ዘለዉ ብሉጽ መደብ ከም ኣምባሳደራት ኮይና ናብ ዝበዝሐ ሰማዕቲ ክነካፍሎን ክንዝትየሉን ይምሕጸን። ዓወትን ኣሳልጦን ኣብ ስራሕኩም ይምነ! ኣሚር ሰይድ ፖድካስት ብድምጺ ንምስማዕ፡ ኣብዚ ጠዉቑ