ኢየሱስ ብምሳሌ እቲ እኩይ ኣገልጋሊ ብዛዕባ ተኣማንነትን ንቕሓትን ኣስተማሂሩ። 🙏
ሓደ ጎይታ ንቤተሰቡ ምግቦም ብግዜኡ ክህቦም ኣብ ልዕሊኦም ኣገልጋሊ ሾመ። እቲ ኣገልጋሊ ጎይታኡ ከም ዝድንጕይ ምስ ሓሰበ ግና፣ ንኣገልገልቲ ብምውቃዕን ምስ ሰካራት ብምብላዕን ብምስታይን ክነብር ጀመረ።
እቲ ጎይታ ኣብ ዘይተጸበዮ መዓልትን ሰዓትን መጺኡ ነቲ እኩይ ኣገልጋሊ ኣዝዩ ክቐጽዖ እዩ። እቲ ጎይታኡ ፍቓድ እናፈለጠ ዘይተዳለወን ከም ፍቓዱ ዘይገበረን ብዙሕ ክቕጻዕ እዩ።
እዚ ምሳሌ ኩላትና ንመጽኣት ጎይታ ክንጽበን፣ ብተኣማንነት ክንገልግልን፣ ንኻልኦት ብፍቕርን ብሓላፍነትን ክንከናኸንን የዘኻኽረና። ጎይታ ኣብ ዝመጸሉ ግዜ ድሉዋት ንኹን። 🙏
📖 ማቴዎስ 24፡45–51
📖 ሉቃስ 12፡42–48
#ምሳሌታትኢየሱስ #እኩይኣገልጋሊ #ተኣማንነት #ንቕሓት #ቃልኣምላኽ #Tigrinya #Tigrigna #Eritrea #Eritrean #Jesus #Bible