3ተ ዓይነት ጥምቀት - ናይ መከራ ጥምቀት ፡ ናይ ማይ ጥምቀት ፡ ናይ መንፈስ ቕዱስ ጥምቀት ። ****^^^^**** ማርቆስ 1 (Mark)
9፤ በቲ ቕነ እቲ ዀነ፡ የሱስ ካብ ናዝሬት ናይ ገሊላ መጸ፡ ብዮሃንስ ከኣ ኣብ ዮርዳኖስ ተጠምቀ።
10፤ ካብ ማይ ምስ ወጸ፡ ብኡብኡ ሰማያት ኪኽፈታ፡ መንፈስ ድማ ከም ርግቢ ኺወርድ ከሎ ረአየ።
11፤ ካብ ሰማይ ከኣ፡ ብኣኻ ዝሰመርኩ ፍትዊ ወደይ ንስኻ ኢኻ፡ ዚብል ድምጺ መጸ።
12፤ መንፈስ ከኣ ብኡብኡ ናብ በረኻ ኣውጽኦ።
13፤ ኣብቲ በረኻ ድማ፡ ሰይጣን እናፈተኖ፡ ኣርብዓ መዓልቲ ጸንሔ። ምስ ኣራዊት ከኣ ነበረ፡ መላእኽቲውን ኣገልገልዎ።