
Sign up to save your podcasts
Or


እዛ ድሕሪ ናይ ኣስታት ሓሙሽተ ዓመታት ስራሕ ንሕትመት ዝበቕዐት መጽሓፍ፡ ከመይ ዝበለት'ያ፧
ምስ ደራሲኣ ፍትዊ ርእሶምን ኣብ ምርትዓ ልዑል ተራ ዝተጻወተ ሴፉ ኣብርሃምን ዝተኻይደ ዘተ ብምስማዕ ተላለዩዋ።
ነዛ መጽሓፍ ክትእዝዙዋ ምስ እትደልዩ፡ ነዛ እትስዕብ መላግቦ ጠውቑ፤ "ሰናይ ወዲ ዋርሳይ"
"ፍቕሪ ወይኸኣ ሞት" - ስለ ፍቕሪ ሞት እትጽንብል፡ስለ ስደት እትደጐዕ፡ስለ ስቓይ ጕዕዞ ሰሃራ ኣብ ኣእምሮ ነባቢ ዝሰኣሉ ሕብሪታት ዝቐረበት መጽሓፍ ቅኔት ምዃና፡ ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤልን ፍቕረይ የማነን ኣብ ናይ ሎሚ ዘተና የብርሁ።
ጽዋ "ባህጊ"፡ ኣብ ዝሓለፋ ሒደት ሳምንቲ፡ ብእንግሊዝኛ ተተርጒማ ብመገዲ ኣብ ሽወደን ዝርከብ ኣሕታሚ Black Island ንንባብ በቒዓ ኣላ። በዚ ኣጋጣሚ፡ ደራሲ'ዛ ጽዋ ተስፋጊዮርጊስ ሃብተ ከምኡ'ውን ሴፉ ኣብርሃምን፡ እታ መጽሓፍ ብኸመይ ክዉን ከም ዝዀነትን ንሓፈሻዊ ትሕዝቶኣን ዝምልከት ተዛትዮም ኣለዉ።
ዘተ ብዛዕባ ሰብኣዊ መሰላት ኣብ'ቶም ብ2019 ኣብ ዝተሓትመት "ኣለኹ" እትብል መጽሓፍ ይርጋኣለም ፍስሃ ዝርከቡ ግጥምታት። ተዛተይቲ፡ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ዶ/ር ናዝሬት ኣምለሶም፡ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል፡ ከምኡ'ውን ቴድሮስ ኣብርሃም።
ዘተ ብዛዕባ ጕዳይ ደቀንስትዮ ኣብ'ቶም ብ2019 ኣብ ዝተሓትመት "ኣለኹ" እትብል መጽሓፍ ይርጋኣለም ፍስሃ ዝርከቡ ግጥምታት። ተዛተይቲ፡ይርጋኣለም ፍስሃ፡ ዶ/ር ናዝሬት ኣምለሶም፡ቀሺ ዮናስ ወልደሩፋኤል፡ ከምኡ'ውን ቴድሮስ ኣብርሃም።
ዘተ ብዛዕባ ሓጻር ዛንታ "ጸሊም ግመ" ካብ "ንጉስ ገበን" ብደንደን ሰለሙን። ተዛተይቲ፡ድረኣሲ ደንደን ሰለሙን፡ተስፊት ኣብርሃም፡ከምኡ'ውን ቴድሮስ ኣብርሃም።
ንገለ ካብ ስራሓት ኤርሚያስ ክትዕዘቡ ምስ እትደልዩ ነዚኣ መላግቦ ብምጥዋቕ ናብ ናይ ፈይስቡክ ገጹ ብጽሑ።
ኣብዚ ዝተገብረ ዘተ ንናይ ኤርሚያስ ቅብኣ ኣመልኪቱ ብሃይለ ቢዘን ዝተጻሕፈ ኣስተማቓሪ ጹሑፍ ተጠቒሱ ኣሎ። ክተንብቡዎ ምስ እትደልዩ ነዚኣ መልግቦ ጠውቑ።
እዚ መደብ ንጽዋ ለበዳ ፌራን ደራሲ ኣልበርት ካምዩን ኣመልኪቱ ዝተዳለወ እዩ። እዚ ኣብዚ ቀሪቡ ዘሎ ጽሑፍ ኣብ መጽሔት እምኵሉ ኣቐድም ኣቢሉ ተሓቲሙ ኣሎ።
From the publisher's feed