ማቴዎስ 2፡13-23
“ንሳቶም ምስ ሐለፉ፡ እንሆ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ንዮሴፍ ብሕልሚ
ተራእዮ፡ ሄሮዶስ ነቲ ሕጻን ኪቐትሎ ይደሊ አሎ እሞ፡ ተንስእ፡ ነቲ ሕጻንን
ነዲኡን ሒዝካ ናብ ግብጺ ህደም፡ ክሳዕ ዝነግረካ ኸኣ ኣብኡ ጽናሕ፡ በሎ።
14 ተንሲኡ፡ ነቲ ሕጻንን ነዲኡን ሒዙ፡ ብለይቲ ናብ ግብጺ ኸደ።15 እቲ
እግዚኣብሄር ብነብዪ፡ ንወደይ ካብ ግብጺ ጸዋዕክዎ፡ ዝበሎ ምእንቲ
ኺፍጸም ድማ፡ ሄሮዶስ ክሳዕ ዚመውት ኣብኡ ጸንሔ።