
Sign up to save your podcasts
Or


ታሪኽ ዓለም፡ ብታሪኽ ሕርሻ ዝተዓብለለ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብዘን ዝሓለፈ ክልተ ወይ ሰለስተ ሚእቲ ዓመታት፡ ምስ ምትእትታዉ ማሺናት፡ ስርዓተ ቁጠባ ዓለም መሰረታዊ ለውጢ እንዳምጽአ ከይዱ። ብፍላይ ምዕራባዊ ዓለም፡ ካብ ኣብ ሕርሻን ኢደ-ጥበብን ዝተመርኮሰ ቁጠባ፡ ናብ ብ ኢንዱስትሪታትን ማሽናትን ዝተዓብለለ ቁጠባ፡ ኣብ ሓጺር ግዜ ተሰጋጊሩ። እቲ ንዘመናት ዝነበረ ኣብ ሕርሻ ዝተመርኮሰ ስርዓተ-ቁጠባ፡ ኣብ ውሽጢ ሓጺር ግዜ ዓንዩ።
ምስዚ ለውጢ፡ ሰብኣይ፡ ቤቱን ሕርሻኡን ገዲፉ፡ ናብ ፋብሪካታትን ቤት-ጽሕፈታትን ካብ ምኻድ ሓሊፉ ካልእ ኣማራጺ እንዳሰኣነ መጺኡ። እቶም ሓረስቶት፡ ኢደ-ጥበበኛታት፡ ወነንቲ ነኣሽቱ ድኳናትን ዝነበሩ ሰብኡት፡ ድሕሪ ዘመናውነት፡ ኣብ ፋብሪካታት ከም ውልቀ ሰባት ክሰርሑ ጀሚሮም።
ምስ ምምጻእ ዘመናውነትን፡ ምግዓዝ ሰብኣይን ካብ ቤቱ ናብ ፋብሪካታት፡ እታ ርእሳ ትኽእልን ተመሓድርን ዝነበረት ናይ ሓባር ሃብቲ ዝኾነት ስድራ፡ ብሰንኪ ዘይምህላው እቲ ሰብኣይ/ኣቦ ፋሕ ብትን ኣትዩዋ። ብስድራ ዝውነኑ ትካላት ዓንዮም። ኣብ መንጎ ህይወትን ስራሕን ዝነበረ ሓድነት ጠፊኡ።
ሎጥን ኣብርሃምን፡ ታሪኽ ክልተ ኣቦታት
ሎጥ፡ ዝበለጸ ህይወቱ ኣብዛ ምድሪ ክኸውን ዝደለየ ሰብ እዩ ኔሩ።
ኣብርሃም፡ ኣብዛ ምድሪ ከም ጓና ኮይኑ ተቀሚጡ።
ሎጥ፡ ንርእሱ ንስክላ ካብ ጥፍኣት ዘምለጠ፡ ንስድራቤቱ ግና ዝኸሰረን ዘጥፍአን ኣቦ እዩ።
ኣብርሃም፡ ንርእሱን ን ስድራቤቱን፡ ኣብ እምነት ሓልዩ ዝኸደን፡ ዝኸሰበን ኣቦ እዩ።
ካብኦም፡ ከም ኣቦታት፡ ንመሃሮ እንታይ እዩ?
From the publisher's feed
Understand the times, and be equipped with knowledge of what to do next.