Sign up to save your podcastsEmail addressPasswordRegisterOrContinue with GoogleAlready have an account? Log in here.
Christianity እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን። ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር፣ ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን። (ኣሞጽ8፡11)See, the days are coming, says the Lord God, when I wil... more
FAQs about ኣሞጽ ማልቲመድያ Amos Multimedia:How many episodes does ኣሞጽ ማልቲመድያ Amos Multimedia have?The podcast currently has 142 episodes available.
February 13, 2021161-164/221፡ጥቕሲ ብ ጥቕሲ ሓው ዛክ ፖነን መል እኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆሎሴኣብዛ መበል ዓሰርተ ክልተ(12) መጽሓፍ ናይ ሓድሽ ኪዳን ዝኾነት መልእኽቲ ጳውሎስ ናብ ሰብ ቆለሴ ፡ሓው ዝክፖነን ኣብ ኣርባዕተ ኤፒሶዳት መቒሉ ብኸምዚ ዝስዕብ ኣዳልይዎ ኣሎ። ኤፒሶድ ቁ.161-ቆሎሴ1:1-25 ኤፒሶድ ቁ.162-ቆሎሴ1:26-2:18 ኤፒሶድ ቁ.163-ቆሎሴ2:19-3:13 ኤፒሶድ ቁ.164-ቆሎሴ3:14-4:18 ሰናይ ናይ ምዕባይን ናይ ለውጥን ግዜ!...more5h 57minPlay
January 23, 2021(36/221) ሓድሽ ኪዳን ጥቕሲ ብጥቕሲ ብሓው ዛክፖነን ፡(ማቴ27:45-28:20)(27:45-66)45ካብ ሳድሰይቲ ሰዓት ጀሚሩ ኽሳዕ ታስዐይቲ ሰዓት ከኣ ብዘሎ ምድሪ ጸልመተ። 46ብታስዐይቲ ሰዓት የሱስ፡ ኤሎሄ፡ ኤሎሄ፡ ላማ ሰበቅታኒ፧ ኢሉ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ። እዚ ኸኣ፡ ኣምላኸይ፡ ኣምላኸይ፡ ንምንታይ ሐደግካኒ፧ ማለት እዩ። 47ካብቶም ኣብኡ ደው ዝበሉ ሰሚዖም፡ እዝስ ንኤልያስ ይጽውዖ አሎ፡ በሉ። 48ሽዑ ሓደ ኻባታቶም ጐይዩ፡ ሰፍነግ ኣልዒሉ መጺጽ መሊኡ፡ ብዘንጊ ገይሩ ኣስተዮ። 49ካልኦት ድማ፡ ኤልያስ መጺኡ ዜድሕኖ እንተ ዀይኑስ፡ ክንርኢ፡ ሕደግዎ፡ በሉ። 50የሱስ ከም ብሓድሽ ብዓብዪ ድምጺ ጨርሔ፡ ነፍሱ ድማ ወጸት። 51እንሆ፡ መጋረጃ ቤተ መቕደስ ካብ ላዕሊ ኽሳዕ ታሕቲ ኣብ ክልተ ተተርተረ። ምድሪ ኣንቀጥቀጠት፡ ኣኻውሕ ድማ ተጨዱ። 52መቓብራትውን ተኸፍቱ፡ ብዙሓት ደቂሶም ዝነበሩ ስጋ ቅዱሳን ተንስኡ። 53ድሕሪ ትንሳኤኡ ኻብ መቓብሮም ወጺኦም ናብታ ቅድስቲ ኸተማ ኣተዉ፡ ንብዙሓት ከኣ ተራእዩ። 54እቲ ሓለቓ ሚእትን እቶም ንምሕላው የሱስ ምስኡ ዝነበሩን ከኣ ምንቅጥቃጥ ምድርን እቲ ዝዀነ ነገርን ምስ ረኣዩ፡ እዚ ብሓቂ ወዲ ኣምላኽ ነይሩ፡ ኢሎም ኣዝዮም ፈርሁ። 55ኣብኡ ብዙሓት ኣንስቲ ርሕቕ ኢለን ይርእያ ነበራ። ንሳተን ንየሱስ ኬገልግላኦ ኻብ ገሊላ ዝሰዐባኦ እየን። 56ካባታተን ከኣ ማርያም ብዓልቲ መግደላን ማርያም ኣደ ያእቆብን ዮሴፍ ኣደ ደቂ ዘብዴዎስን ነበራ። 57ምስ መሰየ ድማ፡ ዮሴፍ ዚብሀል ሃብታም ሰብኣይ ካብ ኣርማትያስ መጸ። ንሱ ኸኣ ወደ መዝሙር የሱስ ኰይኑ ነበረ። 58ንሱ ናብ ጲላጦስ ከይዱ ስጋ የሱስ ለመኖ። ሽዑ ጲላጦስ ኪህብዎ ኣዘዘ። 59ዮሴፍ ነቲ ስጋኡ ወሲዱ፡ ብሓድሽ በፍታ ገነዞ። 60ንርእሱ ኢሉ ኣብ ከውሒ ኣብ ዘውቀሮ ሓድሽ መቓብር ኣንበሮ፡ ነቲ ኣፍ መቓብር ከኣ ብዓብዪ እምኒ ዐጽይዎ ኸደ። 61ኣብኡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን እታ ኻልኣይቲ ማርያምን ኣብ ማዕዶ መቓብር ተቐሚጠን ነበራ። 62ንጽብሒቱ ድሕርታ ምድላው እትውዕል መዓልቲ ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ናብ ጲላጦስ ተኣኪቦም፡ 63ጐይታይ፡ እቲ መስሓቲ ብህይወቱ ኸሎ፡ ድሕሪ ሰለስተ መዓልቲ ኽትንስእ እየ፡ ከም ዝበለ ዘከርና። 64ስለዚ ደቀ መዛሙርቱ ብለይቲ መጺኦም ከይሰርቅዎ እሞ ንህዝቢ፡ ካብ ምውታት ተንሲኡ፡ ከይብሉ፡ ካብታ ቐዳመይትስ እታ ዳሕረይቲ ስሕተት ከይትገድድ፡ እቲ መቓብር ክሳዕ ሰለስተ መዓልቲ ኺሕሎ ኣዝዝ፡ በልዎ። 65ጲላጦስ፡ ሓለውቲ እነዉልኩም፡ ኬድኩም ከም ፍልጠትኩም ኣጽኒዕኩም ሐልዉ፡ በሎም። 66ከይዶም ነቲ መቓብር ኣጽንዕዎ፡ ነቲ እምኒ ድማ ምስቶም ሓለውቲ ዀይኖም ማሕተም ገበሩሉ።(28:1-20)1ድሕሪ ሰንበት፡ ወጋሕታ እታ ቐዳመይቲ መዓልቲ ሰሙን፡ ማርያም ብዓልቲ መግደላን እታ ኻልኣይቲ ማርያምን መቓብር ኪርእያ መጻ። 2እንሆ፡ ዓብዪ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ዀነ፡ መልኣኽ እግዚኣብሄር ካብ ሰማይ ወሪዱ፡ ቅርብ ኢሉ ነቲ እምኒ ገልበጦ፡ ኣብ ልዕሊኡ ኸኣ ተቐመጠ። 3ትርኢቱ ኸም በርቂ፡ ክዳኑ ድማ ጻዕዳ ኸም በረድ እዩ። 4እቶም ሓለውቲ ንእኡ ፈሪሆም ራዕራዕ በሉ፡ ከም ዝሞቱውን ኰኑ። 5እቲ መልኣኽ መሊሱ ነተን ኣንስቲ በለን፡ ንስኻትክንሲ ነቲ እተሰቐለ የሱስ ትደልያ ኸም ዘሎኽን፡ እፈልጥ አሎኹ እሞ፡ ኣይትፍርሃ። 6ከምቲ ዝበሎ፡ ተንሲኡ እዩ እሞ፡ ኣብዚ የሎን። ነታ ጐይታ ተነቢርዋ ዝነበረ ስፍራ፡ ንዕነ ርኣያ። 7ቀልጢፍክን ደኣ ኺዳ እሞ፡ ካብ ምዉታት ከም ዝተንስኤ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ንገራኦም። እንሆ፡ ናብ ገሊላ ኪቕድመኩም እዩ፡ ኣብኡ ኽትርእይዎ ኢኹም። እንሆ፡ ነገርኩኹን። 8ካብቲ መቓብር ብፍርሃትን ብብዙሕ ሓጐስን ቀልጢፈን ከዳ እሞ፡ ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራኦም ጐየያ። 9ንደቀ መዛሙርቱ ኺነግራ ኪኸዳ ኸለዋ፡ እንሆ፡ የሱስ ተጓነፈን፡ ከመይ ኢኽን፡ ከኣ በለን። ንሳተን ቅርብ ኢለን፡ እግሩ ሒዘን ሰገዳሉ። 10ሽዑ የሱስ፡ ኣይትፍርሃ፡ ኪዳ እሞ ነሕዋተይ ናብ ገሊላ ኪኸዱ ንገራኦም፡ ኣብኡውን ኪርእዩኒ እዮም፡ በለን። 11ንሳተን ምስ ከዳ፡ እንሆ፡ ሓያሎ ኻብ ሓለውቲ ናብ ከተማ መጺኦም፡ እቲ ዝዀነ ዅሉ ንሊቃውንቲ ኻህናት ነገርዎም። 12ንሳቶም ምስ ዓበይቲ ተኣኪቦም ተማኸሩ፡ ነቶም ዓቀይቲ ኸኣ ብዙሕ ወርቂ ሀብዎም እሞ፡ 13ብለይቲ ደቂስና ኸሎና፡ ደቀ መዛሙርቱ መጺኦም ሰሪቖምዎ፡ ኢልኩም ንገሩ። 14እዚ ኣብቲ ሹም እንተ ተሰምዔ፡ ንሕና ኸነረድኦ፡ ንኣኻትኩም ድማ ከም ዘይትጕህዩ ኽንገብረኩም ኢና፡ በልዎም። 15እቲ ወርቂ ተቐቢሎም፡ ከምታ ዝመሀርዎም ገበሩ። እዚ ዘረባ እዚ ኣብ ኣይሁድ ክሳዕ ሎሚ ይውረ አሎ። 16እቶም ዓሰርተው ሓደ ደቀ መዛሙርቲ ኸኣ፡ ናብቲ የሱስ ዝኣዘዞም ከረን ገሊላ ኸዱ። 17ምስ ረኣይዎ፡ ሰገድሉ። ገሊኦም ግና ተወላወሉ። 18የሱስ ቀሪቡ ኸምዚ ኢሉ ተዛረቦም፡ ኣብ ሰማይን ኣብ ምድርን ኵሉ ስልጣን ተዋሂቡኒ አሎ። 19-20ስለዚ ኺዱ ንዅሎም ኣህዛብ ብስም ኣቦን ወድን መንፈስ ቅዱስን እናኣጥመቕኩም፡ ዝኣዘዝኩኹም ኵሉ ኺሕልዉ ኸኣ እናመሃርኩም፡ ደቀ መዛሙርቲ ግበርዎም። እንሆ ድማ፡ ኣነ ኽሳዕ መወዳእታ ዓለም ኵሉ መዓልቲ ምሳኻትኩም እየ።...more49minPlay
January 23, 2021(35/221) ሓድሽ ኪዳን ጥቕሲ ብጥቕሲ ብሓው ዛክፖነን ፡(ማቴ26:57-27:44)(26:57-75)57እቶም ንየሱስ ዝሐዝዎ ኸኣ ናብቲ ጸሓፍትን ዓበይትን ናብ እተኣከቡሉ ናብ ቀያፋ፡ እቲ ሊቀ ኻህናት ወሰድዎ። 58ጴጥሮስ ከኣ ርሕቕ ኢሉ ኽሳዕ ገዛ ሊቀ ኻህናት ሰዐቦ። መወዳእታኡ ምእንቲ ኺርኢውን፡ ናብ ውሽጢ አትዩ ምስቶም ገላዉ ተቐመጠ። 59ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ብዘሎ እቲ ዋዕላን ከኣ ንየሱስ ኪቐትልዎ ምስክር ሓሶት ደለዩ፡ ኣይረኸቡን። 60ብዙሓት ሐስዮም ዚምስክሩ መጺኦም ክነሶምሲ፡ ሓንቲ እኳ ኣይረኸቡን። 61እብ መወዳእታኡ ግና ክልተ መጺኦም በሉ፡ እዚ ሰብኣይ እዚ፡ ነታ መቕደስ ኣምላኽ ኣፍሪሰ ብሰለስተ መዓልቲ ኽሀንጻ እኽእል እየ፡ በለ። 62እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ ተንሲኡ፡ እዚኣቶም ብዚምስክሩልካስ እኳዶ ኣይትመልስን ኢኻ፧ በሎ። የሱስ ግና ስቕ በለ። 63እቲ ሊቀ ኻህናት ከኣ፡ ክርስቶስ ወዲ ኣምላኽ እንተ ዄንካስ ክትነግረና፡ በቲ ህያው ኣምላኽ ኤምሕለካ አሎኹ፡ በሎ። 64የሱስ ከኣ፡ ንስኻኳ በልካ። ድሕሪ ሕጂ ግና ወዲ ሰብ፡ ኣብ የማን ሓይሊ ተቐሚጡ፡ ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኽትርእዩ ኢኹም፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎ። 65-66ሽዑ እቲ ሊቀ ኻህናት ክዳውንቱ ቐዲዱ፡ ተጻረፈ፡ እንሆ ጸርፉ ሰማዕኩም፡ ደጊምከ እንታይ ምስክር የድልየና፧ እንታይከ ይመስለኩም፧ በለ። ንሳቶም ከኣ፡ ሞት ይግብኦ፡ ኢሎም መለሱ። 67ድሕርዚ ኣብ ገጹ ጡፍ በሉሉ። ገሊኦም ድማ ጸፍዕዎ፡ 68ዎ ክርስቶስ፡ መን እዩ ዝወቕዓካ፧ እስኪ ተነበየልና፡ እናበሉ ወቕዕዎ። 69ጴጥሮስ ብጎፍታ ወጺኡ ኣብ ውሽጢ ተቒሚጡ ኸሎ፡ ሓንቲ ገረድ፡ ንስኻውን ምስ የሱስ ገሊላዊ ኔርካ ኢኻ፡ እናበለት ናብኡ ቐረበት። 70ንሱ ኣብ ቅድሚ ዅሎም፡ እዚ እትብልዮ ዘሎኺ ኣይፈልጦን፡ ኢሉ ኸሐደ። 71ዓንቐጽ ምስ ወጸ ኸኣ፡ ሓንቲ ኻልእ ረኣየቶ፡ ኣብኡ ንዘለዉ ድማ፡ እዚ ምስ የሱስ ናዝራዊ ነይሩ እዩ፡ በለቶም። 72ንሱ ኸኣ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን፡ ኢሉ ኸም ብሓድሽ ከሐደ መሐለውን። 73ቅሩብ ምስ ጸንሔ፡ እቶም ደው ኢሎም ዘለዉ ንጴጥሮስ፡ ንስኻ ብሓቂ ኻባታቶም ኢኻ፡ ዘረባኻውን የፍልጠካ አሎ፡ በልዎ። 74ሽዑ ንሱ፡ ነቲ ሰብኣይ እቲ ኣይፈልጦን እየ፡ ኢሉ ኺርገምን ኪምሕልን ጀመረ። ብኡብኡ ኸኣ ደርሆ ነቀወ። 75ጴጥሮስ ድማ ነቲ የሱስ፡ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ዝበሎ ቓል ዘከረ። ናብ ወጻኢ ኸይዱውን፡ መሪር ብኽያት በኸየ።(27:1-44)ምስ ወግሔ፡ ኵሎም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ንየሱስ ኪቐትልዎ ተማኸሩ። 2ኣሲሮም ወሰድዎ እሞ ንጲላጦስ፡ ነቲ ሹም፡ ኣሕሊፎም ሀብዎ። 3-4ሽዑ ይሁዳ፡ እቲ ዘትሐዞ፡ ተፈሪድዎ ምስ ረኣየ፡ ተጣዕሰ እሞ፡ ንጹህ ደም ኣሕሊፈ ብምሃበይ በደልኩ፡ ኢሉ ነቲ ሰላሳ ቕርሺ ናብ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይቲ ህዝብን መለሶ። ንሳቶም ድማ፡ ንሕና እሞ እንታይ ገዲሱና፧ ባዕልኻ ትፈልጥ በልዎ። 5ንሱ ነቲ ኣቕራሽ ኣብ ቤተ መቕደስ ደርብይዎ ወጸ፡ ከይዱውን ተሐንቀ። 6ሊቃውንቲ ኻህናት ነቲ ኣቕራሽ ወሲዶም፡ ዋጋ ደም እዩ እሞ ናብ ሳጹን ምጽዋት ከነእትዎ ኣይግባእን፡ በሉ። 7ተማኺሮም፡ መቓብር ኣጋይሽ ዚኸውን ግራት ሰራሕ መሬት ብእኡ ተሻየጡ። 8ስለዚ ኸኣ እታ ግራት ክሳዕ ሎሚ ግራት ደም ትብሀል ኣላ። 9-10እቲ ብነብዪ ኤርምያስ፡ ዋጋ እቲ ደቂ እስራኤል ዝገምገምዎ ገምጋም ሰላሳ ቕርሺ ወሰዱ። ከምቲ እግዚኣብሄር ዝኣዘዘኒ፡ ንግራት ሰራሕ መሬትውን ሀብዎ እተባህለ ሽዑ ተፈጸመ። 11የሱስ ኣብ ቅድሚ እቲ ሹም ደው በለ። እቲ ሹም ከኣ፡ ንስኻዶ ንጉስ ኣይሁድ ኢኻ፧ ኢሉ ሐተቶ። የሱስ ድማ፡ ንስኻ እኳ ትብል አሎኻ፡ በሎ። 12ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ኪኸስዎ ኸለዉ፡ ንሱ ብሕም ኢሉ ኣይመለሰን። 13ሽዑ ጲላጦስ፡ ብኽንደይ ነገር ይምስክሩልካ ኸም ዘለዉዶ ኣይትስምዕን ኢኻ፧ በሎ። 14እቲ ሹም ብዙሕ ክሳዕ ዚግረም፡ ንሱ ሓንቲ ቓል እኳ ኣይመለሰን። 15እቲ ሹም ነቶም ህዝቢ በብበዓል ዝደለይዎ ሓደ እሱር ኪፍትሓሎም ከኣ ንቡር ነበሮም። 16ሽዑ በርባን ዚብሀል ዉሩይ ተኣሲሩ ነበረ። 17-18ተአኪቦም ከለዉ፡ ጲላጦስ ንየሱስ ብቕንኣት ኣሕሊፎም ከም ዝህብዎ ፈሊጡ ነበረ እሞ፡ ንመን ክፈትሓልኩም ትፈትዉ፡ ንበርባንዶ ወይስ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስ፧ በሎም። 19ኣብ መንበር ፍርዲ ተቐሚጡ ኸሎ ኸኣ፡ ሰበይቱ፡ ሎሚ ብሕልሚ ስሊኡ ብዙሕ መከራ ረኺቡኒ አሎ እሞ፡ ኣብ ነገር እቲ ጻድቕ እቲ ኣይትእቶ፡ ኢላ ለኣኸትሉ። 20እቶም ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይትን ነቶም እኩባት ህዝቢ ንበርባን ኪልምኑሉ፡ የሱስ ግና ኪቕተል፡ ሕራይ ኣበልዎም።21እቲ ሹም፡ ካብ ክልቲኦምሲ ንመን ክፈትሓልኩም ትደልዩ፧ ኢሉ መለሰሎም። 22ንሳቶም፡ ንበርባን፡ በሉ። ጲላጦስ፡ እምበኣርሲ ነቲ ክርስቶስ ዚብሀል የሱስከ እንታይ ክገብሮ፧ በሎም። ኵሎም፡ ይሰቐል፡ በሉ። 23እቲ ሹም፡ እንታይ ክፉእከ ገበረ፧ በሎም። ንሳቶም ግና፡ ይሰቐል፡ እናበሉ ምጭዳር ኣብዝሑ።24ጲላጦስ ዘይምብዛሕ ጫውጫው እምበር፡ ገለ እኳ ኸም ዘይጠቅም ምስ ረኣየ፡ ማይ ወሲዱ፡ ኣነ ኻብ ደም እዚ ጻድቕ እዚ ንጹህ እየ፡ ባዕላትኩም ፍለጡ፡ እናበለ ኣብ ቅድሚ እቲ ህዝቢ ኣእዳዉ ተሐጽበ። 25ኵሎም እቶም ህዝቢ ኸኣ፡ ደሙ ኣባናን ኣብ ደቅናን ይኹን፡ ኢሎም መለሱሉ። 26ሽዑ ንበርባን ፈትሐሎም፡ ንየሱስ ግና ገሪፉ፡ ከስቀል ኣሕሊፉ ሀቦም። 27ድሕርዚ ዓቀይቲ እቲ ሹም ንየሱስ ናብ ኣዳራሽ ፍርዲ ኣእተውዎ፡ ንብዘሎ ጭፍራውን ናብኡ ኣከቡ። 28ክዳኑ ቐንጢጦም ከኣ ቀይሕ ባርኖስ ከደንዎ። 29ካብ እሾዅ ኣኽሊል ተኒጎም ኣብ ርእሱ ደፍኡሉ፡ ኣብ የማናይ ኢዱ ዘንጊ ኣትሒዞም ከኣ፡ ኣብ ቅድሚኡ እናተደፍኡ፡ ዎ ንጉስ ኣይሁድ፡ ከመይ ኢኻ፧ ኢሎም ኣላገጽሉ።30ጡፍውን በሉሉ፡ እቲ ዘንጊ ኣግዲፎም ከኣ ርእሱ ወቕዕዎ። 31ምስ ኣላገጽሉ፡ ነቲ ባርኖስ ቀንጢጦም ክዳኑ ኸደንዎ፡ ኪስቕልዎውን ወሰድዎ።32ምስ ወጹ፡ ስምኦን ዚብልዎ ቀሬናዊ ሰብኣይ ረኸቡ። ንእኡ መስቀል ኪጸውር ብግዲ በልዎ።(........)...more49minPlay
January 23, 2021(34/221) ሓድሽ ኪዳን ጥቕሲ ብጥቕሲ ብሓው ዛክፖነን ፡(ማቴ26:17-56)(ማቴ26:17-56)17በታ ቐዳመይቲ መዓልቲ በዓል ቕጫ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ናብ የሱስ መጺኦም፡ ገንሸል ፋስጋ ኽትበልዕስ ኣበይ ከነዳልወልካ ትደሊ፧ በልዎ። 18ንሱ ድማ በለ፡ ናብ ከተማ ናብ እከለ ኪዱ እሞ፡ ጊዜይ ቀረበት፡ ምስ ደቀ መዛሙርተይ ከኣ ፋስጋ ኣባኻ ኽፍስግ፡ ይብል አሎ መምህር፡ በልዎ። 19እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ የሱስ ከም ዝኣዘዞም ገበሩ፡ ገንሸል ፋስጋውን ኣዳለዉ። 20ምስ መሰየ፡ ምስቶም ዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቲ ኣብ መኣዲ ተቐመጡ። 21ኪበልዑ ኸለዉ ኸኣ፡ ካባኻትኩም ሓደ ኸም ዜትሕዘኒ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። 22ንሳቶም ከኣ ብዙሕ ጐሃዩ፡ በብሓደውን፡ ጐይታይ፡ ኣነዶ ዀን እኸውን፧ ኪብልዎ ጀመሩ። 23መሊሱ በሎም፡ እቲ ኢዱ ምሳይ ኣብ ጻሕሊ ዚጠልቕ፡ ንሱ እዩ ዜትሕዘኒ። 24ወዲ ሰብሲ፡ ከምቲ እተጻሕፈሉ፡ ይኸይድ። ግናኸ ነቲ ወዲ ሰብ ብእኡ ዚተሐዝ ሰብኣይ ወይለኡ። እቲ ሰብኣይ እትስ እንተ ዘይውለድ ምሔሾ ነይሩ። 25እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ድማ መምህር፡ ኣነዶ ዀን እየ፧ ኢሉ መለሰ። ንሱ ኸኣ፡ ንስኻ በልካ፡ በሎ። 26ኪበልዑ ኸለዉ፡ የሱስ እንጌራ ኣልዐለ፡ ባሪኹ ቘሪሱ፡ ነቶም ደቀ መዛሙርቱ ሂብዎም፡ እዚ ስጋይ እዩ፡ ውሰዱ፡ ብልዑ፡ በሎም። 27-28ጽዋእ ኣልዒሉ ኣመስጊኑ ድማ ከምዚ እናበለ ሀቦም፡ እዚ ምእንቲ ብዙሓት ንሕድገት ሓጢኣት ዚፈስስ ዘሎ ናይ ሓድሽ ኪዳን ደመይ እዩ እሞ፡ ካብዚ ዅልኹም ስተዩ። 29ድሕሪ ሕጂ ኽሳዕ እታ መዓልቲ እቲኣ ኣብታ መንግስቲ ኣቦይ ምሳኻትኩም ሓድሽ ክሳዕ ዝሰትዮ፡ ካብዚ ፍረ ወይኒ እዚ ከቶ ኸም ዘይሰቲ፡ እብለኩም አሎኹ። 30መዝሙር ምስጋና ምስ ዘመሩ፡ ናብ ደብረ ዘይቲ ደየቡ። 31ሽዑ የሱስ፡ ንጓሳ እወቕዖ፡ እተን ኣባጊዕ መጓሰ ድማ ፋሕ ይብላ፡ ተጽሒፉ አሎ እሞ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ዅላትኩም ብኣይ ክትዕንቀፉ ኢኹም። 32ምስ ተንሳእኩ ግና፡ ናብ ገሊላ ክቕድመኩም እየ፡ በሎም። 33ጴጥሮስ ከኣ፡ ኵሎም እኳ ብኣኻ እንተ ተዐንቀፉ፡ ኣነስ ከቶ ኣይዕንቀፍን እየ፡ ኢሉ መለሰሉ። 34የሱስ ከኣ፡ በዛ ለይቲ እዚኣ ደርሆ ኸይነቀወ፡ ሰለስተ ሳዕ ክትክሕደኒ ኢኻ፡ ኢለ ብሓቂ እብለካ አሎኹ፡ በሎ። 35ጴጥሮስ፡ ምሳኻ ንሙማት እንተ ዀነውን፡ ከቶ ኣይክሕደካን እየ፡ በሎ። እቶም ደቀ መዛሙርቲ ድማ ኵላቶም ከምኡ በሉ። 36ድሕርዚ የሱስ ምሳታቶም ጌተሴማኔ ናብ እትብሀል ቦታ ኸደ። ንደቀ መዛሙርቱ ድማ፡ ናብቲ ኸይደ ኽሳዕ ዝጽሊ፡ ኣብዚ ተቐመጡ፡ በሎም። 37ንጴጥሮስን ንኽልቲኦም ደቂ ዘብዴዎስን ተማልኤ፡ ኪጕህን ኪትክዝን ጀመረ። 38ሽዑ፡ ነፍሰይ ክሳዕ ሞት ኣዝያ ጕህያ ኣላ፡ ኣብዚ ኹኑ ምሳይውን ንቕሑ፡ በሎም። 39ቅሩብ ርሕቕ ኢሉ ብገጹ ተደፊኡ ጸለየ በለውን፡ ኣቦይ፡ ዚከኣል እንተ ዀይኑስ፡ እዛ ጽዋእ እዚኣ ኻባይ ትሕለፍ። ግናኸ ንስኻ ኸም እትደልዮ እምበር፡ ኣነ ኸም ዝደልዮ ኣይኹን። 40ናብ ደቀ መዛሙርቱ መጸ፡ ደቂሶም ረኸቦም። ንጴጥሮስ ድማ በሎ፡ ክሳዕ ክንድዚዶ ሓንቲ ሰዓት ምሳይ ክትነቕሑ ኣይትኽእሉን ኢኹም፧ 41ናብ ፈተና ከይትኣትዉስ ንቕሑን ጸልዩን። መንፈስ ተዳልዩ አሎ፡ ስጋ ግና ድኹም እዩ። 42ከም ብሓድሽ ካልኣይ ሳዕ ከይዱ፡ ኣቦይ፡ እዚ ኸይሰቴኽዎ ኺሐልፍ ዘይከኣል እንተ ኰይኑስ፡ ፍቓድካ ይኹን፡ ኢሉ ጸለየ። 43ከም ብሓድሽ ድማ መጸ፡ ኣዒንቶም ባዕዚዙ ነበረ እሞ፡ ደቂሶም ረኸቦም። 44ሐዲግዎም ከደ፡ ሳልሳይ ከኣ ከም ብሓድሽ እቲ ኢልዎ ዝነበረ ጸሎት ጸለየ። 45ሽዑ ናብቶም ደቀ መዛሙርቱ መጺኡ፡ ደጊም ደቅሱን ዕረፉን። እንሆ፡ እታ ጊዜ በጽሔት፡ ወዲ ሰብ ከኣ ኣብ ኢድ ሓጥኣን ኪተሐዝ እዩ። 46ተንስኡ፡ ንኺድ። እቲ ዜትሕዘኒ፡ እንሆ፡ ቀሪቡ አሎ፡ በሎም። 47እዚ ኺዛረብ ከሎ፡ እንሆ ይሁዳ፡ ካብቶም ዓሰርተው ክልተስ ሓደ፡ መጸ። ምስኡ ድማ ካብ ሊቃውንቲ ኻህናትን ዓበይቲ ህዝብን ብዙሓት ሰብ፡ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዞም መጹ። 48እቲ ዜትሕዞ ኸኣ፡ እቲ ኣነ ዝስዕሞ ንሱ እዩ፡ ሐዝዎ፡ ኢሉ ምልክት ሀቦም። 49ብኡብኡ ናብ የሱስ ቀሪቡ፡ ከመይ ኣምሴኻ፡ መምህር፧ ኢሉ ሰዐሞ። 50የሱስ ከኣ፡ ዓርከይ፡ ብምንታይ ነገር መጻእካ፧ በሎ። ሽዑ ቐሪቦም፡ ኣእዳዎም ዘርጊሖም ንየሱስ ሐዝዎ። 51እንሆ፡ ካብቶም ምስ የሱስ ዝነበሩ ሓደ ኢዱ ዘርጊሑ፡ ሰይፉ መልሔ፡ ንባርያ ሊቀ ኻህናት ወቒዑ ኸኣ እዝኑ ቘረጾ። 52ሽዑ የሱስ በሎ፡ ሰይፊ ዜልዕሉ ዅሎም ብሰይፊ ይጠፍኡ እዮም እሞ፡ ንሰይፍኻ ናብ ቤታ ምለሳ። 53ነቦይ ምልማኑ ዘይከኣለኒ፡ ንሱ ኸኣ ካብ ዓሰርተው ክልተ ለጌዎን ዚበዝሑ መላእኽቲ ሕጂ ኺሰደለይ ዘይኽእልዶ ይመስለካ አሎ፧ 54ከምዚ ኪኸውን ከም ዚግብኦስ፡ እቶም ጽሑፋት ደኣኸ ኸመይ ኢሎም ይፍጸሙ፧ 55ሽዑ የሱስ ነቶም ህዝቢ በሎም፡ ከም ንኸታሪዶ ኣስያፍን ኣባትርን ሒዝኩም፡ ክትሕዙኒ ወጻእኩም፧ ዕለት ዕለት ኣብ ቤተ መቕደስ እናመሀርኩ ምሳኻትኩም ተቐሚጠ ነይረ፡ ኣይሐዝኩምንን። 56እዚ ዅሉ ግና እቶም መጻሕፍቲ ነብያት ምእንቲ ኺፍጸሙ ዀነ። ሽዑ እቶም ደቀ መዛሙርቲ ዅሎም ሐዲጎምዎ ሀደሙ።...more48minPlay
January 23, 2021(33/221) ሓድሽ ኪዳን ጥቕሲ ብጥቕሲ ብሓው ዛክፖነን ፡(ማቴ25፡1-46፡ 26:1-16)(ማቴ25፡1-46)ሽዑ መንግስተ ሰማያት፡ ቀቀንዴለን ሒዘን መርዓዊ ኪቕበላ ዝወጻ ዓሰርተ ደናግል ትመስል። 2ካባታተን ከኣ እተን ሓሙሽተ ዓያሱ፡ እተን ሓሙሽተ ግና ለባማት እየን። 3እተን ዓያሱ፡ ቀቀንዴለን ወሲደን፡ ዘይቲ ኣይተማልኣን። 4እተን ለባማት ግና መምስ ቀንዴለን ዘይቲ ኣብ ጢናኤን ተማልኣ። 5መርዓዊ ምስ ደንጐየ ግና፡ ኵለን ትኽስ በላ ደቀሳውን። 6ፍርቒ ለይቲ ግና ጭራሕ ምራሕ ኰነ፡ እንሆ፡ መርዓዊ ኽትቅበላ ውጻ። 7ሽዑ እተን ደናግል ኵለን ተንሲኤን፡ ቀቀንዴለን ኣዳለዋ። 8እተን ዓያሱ ነተን ለባማት፡ ቀንዲልና ኺጠፍእ ኢሉ እሞ፡ ካብ ዘይትኽን ሀባና፡ በላኤን። 9እተን ለባማት ከኣ፡ ኣይፋልናን፡ ንኣናን ንኣኻትክንን እንተ ዘይኣኸለኸ። ናብቶም ዚሸጡ ደኣ ኺዳ እሞ ንርእስኽን ዐድጋ፡ ኢለን መለሳለን። 10ኪዕድጋ ምስ ከዳ፡ እቲ መርዓዊ መጸ። እተን ተዳልየን ዝጸንሓ ምስኡ ናብ መርዓ ኣተዋ፡ ማዕጾ ድማ ተዐጸወ። 11ደሓር እተን ዝተረፋ ደናግል መጺኤን፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ክፈተልና ዀታ፡ በላ። 12ንሱ ግና መሊሱ፡ ብሓቂ እብለክን አሎኹ፡ ኣይፈልጠክንን እየ፡ በለን። 13እምብኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። 14መገሻ ኸም ዝደለየ ሰብ እሞ፡ ንገላዉኡ ጸዊዑ ገንዘቡ ዝሀቦም እዩ። 15ንነፍሲ ወከፎም ከከም ዓቕሞም፡ ንሓደ ሓሙሽተ መክሊት፡ ንሓደ ኻልኣይ ክልተ፡ ነቲ ሳልሳይ ድማ ሓደ ሂቡዎም ገሸ። 16እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ፡ ብኣብኣ ኸይዱ ብእኡ ነገደ፡ ሓሙሽተ ኻልእ መክሊት ድማ ወሰኸ። 17እቲ ብዓል ክልተ ኸኣ ከምኡ ኽልተ ኻልእ ረብሔ። 18እቲ ሓደ ዝወሰደ ግና ከይዱ ምድሪ ዅዒቱ ወርቂ ጐይታኡ ሐብኤ። 19ድሕሪ ብዙሕ ዘመን ከኣ ጐይታ እቶም ባሮት መጸ፡ ምሳታቶምውን ተጸባጸበ። 20እቲ ሓሙሽተ መክሊት ዝወሰደ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ኣምጽኤ፡ ጐይታይ፡ ሓሙሽተ መክሊት ሂብካኒ፡ እንሆ፡ ካልእ ሓሙሽተ መክሊት ረባሕኩ፡ እናበለ ቐረበ። 21እቲ ጐይታኡ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተእሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ፡ በሎ። 22እቲ ኽልተ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታኡ፡ ክልተ መክሊት ሀብካኒ፡ እንሆ፡ ክልተ ኻልእ መክሊት ረባሕኩ፡ በለ። 23ጐይታኡ ኸኣ፡ ሕራይ፡ ኣታ ሕያዋይ፡ እሙን ባርያ፡ ብሒደት ተኣሚንካ ኢኻ እሞ፡ ኣብ ብዙሕ ክሸመካ እየ፡ ናብ ሓጐስ ጐይታኻ እቶ። 24እቲ ሓደ መክሊት ዝወሰደ ድማ ቀሪቡ፡ ጐይታይ፡ ዘይዘራእካዮ እትዐጽድ፡ ዘይበተንካዮውን እትእክብ ጽኑዕ ሰብኣይ ምዃንካ ፈሊጠ እሞ፡ 25ፈሪሄ ኸድኩ፡ ነቲ መክሊትካ ኣብ ምድሪ ሐባእክዎ፡ እንሆ ገንዘብካ፡ በሎ። 26እቲ ጐይታኡ ግና መሊሱ በሎ፡ ኣታ ኽፉእ ሃካይ ባርያ፡ ዘይዘራእክዎ ኸም ዝዐጽድ፡ ዘይበተንክዎ ኸኣ ከም ዝእክብ ፈሊጥካ አሎኻ። 27እምብኣርሲ እቲ ገንዘበይ ንሰረፍቲ ክትህቦም ምተገብኣካ ነይሩ፡ ኣነ ኸኣ መጺኤ ምስ ወለዱ ምወሰድክዎ። 28ደጊም እቲ መክሊት ኣግድፍዎ እሞ፡ ነቲ ዓሰርተ መክሊት ዘለዎ ሀብዎ። 29ንዘለዎ ዘበለ ዅሉ ይውሀቦ ይወሰኾውን። ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ ደኣ። 30ነዚ ዘይጠቅም ባርያ ግና ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። 31ግናኸ ወዲ ሰብ ብኽብሩ ምስ መጸ፡ ኵሎም መላእኽቲውን ምስኡ፡ ሽዑ ኣብ ዝፋን ክብሩ ይቕመጥ። 32ኵሎም ኣህዛብ ድማ ኣብ ቅድሚኡ ይእከቡ። ንሱ ኸኣ፡ ጓሳ ነባጊዕ ካብ ኣጣል ከም ዚፈላልየን፡ ካብ ነንሓድሕዶም ይፈላልዮም። 33ነተን ኣባጊዕ ኣብ የማን፡ ነተን ኣጣል ድማ ኣብ ጸጋሙ የቑመን። 34ሽዑ እቲ ንጉስ ኣብ የማኑ ንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ናይ ኣቦይ ብሩኻት፡ ንዑ፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም እተዳለወልኩም መንግስቲ ውረሱ። 35ጠምየ ነበርኩ እሞ፡ ኣብላዕኩምኒ። ጸሚኤ፡ ኣስቴኹምኒ። ገይሸ፡ ተቐበልኩምኒ። 36ዐሪቀ፡ ከደንኩምኒ። ሐሚመ፡ በጻሕኩምኒ። ተኣሲረ፡ መጻእኩምኒ። 37ሽዑ እቶም ጻድቃን ይመልስሉ፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ እሞ ኣብላዕናካ፧ ወይ ጸሚእካስ ኣስቴናካ፧ 38መኣዝከ ጋሻ ኴንካ ርኤናካ ኣሞ ተቐበልናካ፧ ወይ ዐሪቕካስ ከደንናካ፧ 39መኣዝከ ሐሚምካ ርኤናካ ወይ ተኣሲርካስ በጻሕናካ፧ ይብሉ። 40እቲ ንጉስ ከኣ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ኣሕዋተይ ንሓደ ዝገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዝገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። 41ድሕርዚ ኣብ ጸጋሙንዘለዉ ይብሎም፡ ኣቱም ርጉማት፡ ካባይ ርሐቑ፡ ናብቲ ንሰይጣንን ንመላእኽቱን እተዳለወ ናይ ዘለኣለም ሓዊ። 42ጠምየ ነብርኩ እሞ፡ ኣየብላዕኩምንን። ጸሚኤ፡ ኣየስቴኹምንን። 43ገይሸ፡ ኣይተቐበልኩምንን። ዐሪቐ፡ ኣይከደንኩምንን። ሐሚመ፡ ተኣሲረ፡ ኣይበጻሕኩምንን። 44ሽዑ ንሳቶም፡ ጐይታይ፡ መኣዝ ጠሚኻ ርኤናካ፡ ወይ ጸሚእካ፡ ወይ ጌሽካ፡ ወይ ዐሪቕካ፡ ወይ ሐሚምካ፡ ወይ ተኣሲርካ፡ ዘየገልገልናካ፧ ኢሎም ይመልስሉ። 45ሽዑ ንሱ፡ እቲ ኻብዞም ናእሽቱ ንሓደ ዘይገበርኩምሉ ንኣይ ከም ዘይገበርኩምለይ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ኢሉ ይመልሰሎም። 46እዚኣቶም ናብ ናይ ዘለኣለም ስቓይ፡ ጻድቃን ግና ናብ ዘለኣለም ህይወት ኪኸዱ እዮም።(26:1-16)ኰነ ድማ፡ የሱስ እዚ ነገርዚ ዅሉ ምስ ወድኤ፡ ንደቀ መዛሙርቱ በሎም፡ 2ድሕሪ ኽልተ መዓልቲ ፋስጋ ምዃኑ ትፈልጡ አሎኹም፡ ንወዲ ሰብ ድማ ኪስቀል፡ ነህዛብ ኣሕሊፎም ኪህብዎ እዮም። 3ሽዑ ሊቃውንቲ ኻህናትን ጸሓፍትን ዓበይቲ ህዝብን ኣብ ኣዳራሽ ቀያፋ ዚብሀል ሊቀ ኻህናት ተኣከቡ። 4ንየሱስ ብተንኰል ኪሕዝዎን ኪቐትልዎን ድማ ተማኸሩ። 5ግናኸ፡ ኣብ ህዝቢ ጋሮ ምእንቲ ኸይትንስእሲ፡ ብበዓል ኣይኹን፡ በሉ። 6የሱስ ኣብ ቢታንያ ኣብ ቤት ስምኦን፡ እቲ ለምጻም፡ ከሎ፡(ቦታ ስለ ዘይኣልክል ዝተረፈ ጥቕሲ ኣይኣተወን)...more49minPlay
January 23, 2021(32/221) ሓድሽ ኪዳን ጥቕሲ ብጥቕሲ ብሓው ዛክፖነን ፡(ማቴ24፡12-51)(ማቴ24፡12-51)12ዓመጻ ስለ ዝበዝሔ ድማ፡ ናይ ብዙሓት ፍቕሪ ኽትዝሕል እያ። 13እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ ግና ኪድሕን እዩ። 14እዚ ወንጌል መንግስቲ ኸኣ ንምስክር ኵሎም ኣህዛብ ኣብ ብዘላ ዓለም ኪስበኽ እዩ፡ ሽዑ መወዳእታ ይመጽእ። 15እቲ ብነብዪ ዳንኤል እተባህለ ናይ ጥፍኣት ርኽሰት ኣብታ ቅድስቲ ስፍራ ቘይሙ እንተ ርኤኹም፡ - እቲ ዜንብብ የስተውዕል፡ - 16ሽዑ ኣብ ይሁዳ ዘለዉ ናብ ኣኽራን ይህደሙ። 17ኣብ ዝባን ናሕሲ ዘለዉ ኸኣ ካብ ቤቱ ገለ ኺማላእ ኣይውረድ። 18ኣብ ወፍሪ ዘሎ ድማ ክዳኑ ኺወስድ ንድሕሪት ኣይመለስ። 19በታ ቕነ እቲኣ ግና ንጥኑሳትን ንዜጥብዋን ወይሌኤን። 20-21ሽዑ መከራ ኪኸውን እዩ፡ ከምኡ ዝበለ ኻብ መጀመርታ ዓለም ክሳዕ ሎሚ ዘይኰነ፡ ከቶ ድማ ዘይከውን እዩ እሞ፡ እቲ ምህዳምኩም ብኽረምቲ ወይ ብሰንበት ከይከውንሲ ለምኑ። 22እተን መዓልትታት እቲኤን እንተ ዘይሐጽራስ፡ ስጋ ዝለበሰ ዅሉ ኣይምደሐነን። ምእንቲ እቶም ሕሩያት ግና እተን መዓልትታት እቲኤን ኪሐጽራ እየን። 23ሽዑ ገለ፡ እንሆ ክርስቶስ ኣብዚ ወይ ኣብቲ፡ እንተ በለኩም፡ ኣይትእመንዎ። 24ናይ ሓሶት መሲሃትን ናይ ሓሶት ነብያትን ኪመጹ እዮም እሞ፡ እንተ ተኻእሎምሲ፡ ነቶም ሕሩያት እኳ ኬስሕቱ፡ ዓበይቲ ትእምርትን ተኣምራትን ኪገብሩ እዮም። 25እንሆ፡ ኣቐዲመ ነገርኩኹም። 26እንሆ፡ ኣብ በረኻ አሎ፡ እንተ በሉኹም፡ ኣይትውጽኡ፡፡ ኣብ ቤት አሎ እንተ በሉኹምውን፡ ኣይትእመኑ። 27በርቂ ኻብ ምብራቕ በሪቑ ኽሳዕ ምዕራብ ከም ዚርኤ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 28ኣብቲ ገምቢ ዘለዎ፡ ኣሞራታት ከኣ ናብኡ ኺእከቡ እዮም። 29ድሕሪ መከራ እታ ቕነ እቲኣ ግና ብኡብኡ ጸሓይ ክትጽልምት፡ ወርሒውን ብርሃና ኣይክትህብን እያ፡ ከዋኽብቲ ኻብ ሰማይ ኪወድቁ፡ ሓይልታት ሰማያትውን ኬንቀጥቅጡ እዮም። 30ሽዑ ትእምርቲ ወዲ ሰብ ኣብ ሰማይ ኪርኤ፡ ሽዑ ድማ ኵሎም ዓሌታት ኣህዛብ ምድሪ ኺበኽዩ። ንወዲ ሰብ ከኣ ብብዙሕ ሓይልን ግርማን ብደበና ሰማይ ኪመጽእ ከሎ ኺርእይዎ እዮም። 31ንመላእኽቱ ኸኣ ብብርቱዕ ደሃይ መለኸት ኪልእኮም፡ ነቶም ሕሩያቱ ኻብቲ ሓደ ወሰን ሰማይ ክሳዕ እቲ ወሰን ሰማይ ካብ ኣርባዕቲኡ መኣዝን ንፋሳት ኪእክብዎም እዮም። 32ምስላኡ ኻብ ኦም በለስ ተምሀሩ። ጨነፍራ ምስ ለምለመ፡ ቈጽላውን ምስ ጠጥዔ፡ ክረምቲ ኸም ዝቐረበ ትፈልጡ ኢኹም። 33ከምኡ ድማ ንስኻትኩም እዚ ዅሉ ምስ ርኤኹም፡ ናብ ኣፍ ቤት ምቕራቡ ፍለጡ። 34እዚ ዅሉ ኽሳዕ ዚኸውን፡ እዚ ወለዶ እዚ ኸም ዘይሐልፍ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 35ሰማይን ምድርን ኪሓልፍ፡ ቃለይ ግና ኣይኪሓልፍን እዩ። 36ስለ እታ መዓልቲ እቲኣን ስለ እታ ሰዓት እቲኣን ግና ብዘይ ኣቦ በይኑ፡ መላእኽቲ ሰማይ እንተ ዀኑ እኳ ወይስ ወዲ፡ ዚፈልጣ የልቦን። 37ከምቲ ብዘመን ኖህ ዝዀነ፡ ምጽኣት ወዲ ሰብ ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 38ከምቲ ብቕድሚ ማይ ኣይሂ ዝነበረ፡ ክሳዕ እታ ኖህ ናብ መርከብ ዝኣተወላ መዓልቲ፡ ይበልዑን ይሰትዩን የእትዉን የተኣታትዉን ነበሩ እሞ፡ 39ማይ ኣይሂ መጺኡ፡ ንዅሉ ኽሳዕ ዜጥፍእ ኣይፈለጡን። ምጽኣት ወዲ ሰብ ድማ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 40ሽዑ ኽልተ ኣብ ግራት ኪዀኑ እዮም፡ እቲ ሓደ ኺውሰድ፡ እቲ ሓደ ኸኣ ኪሕደግ እዩ። 41ክልተ ኣንስቲ ኣብ መጥሓን ኪጥሕና እየን፡ ሓንቲ ኽትውሰድ፡ ሓንቲ ድማ ክትሕደግ እያ። 42ስለዚ ጐይታኹም በየነይቲ ሰዓት ከም ዚመጽእ ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ፡ ንቕሑ። 43ግናኸ ፍለጡ፡ በዓል ቤት ነታ ሰራቒ ዚመጸላ ጊዜ እንተ ዚፈልጣስ፡ ምነቕሔ፡ ቤቱ ኽትኰዐት ከላውን ስቕ ኣይምበለን። 44ስለዚ ወዲ ሰብ ብዘይሐሰብኩምዎ ጊዜ ኺመጽእ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩም ድማ እተዳሎኹም ኩኑ። 45እቲ ጐይታኡ ምግቦም በብግዜኡ ኺህቦም ኢሉ ኣብ ስድራ ቤቱ ዚሸሞ እሙን ኣስተውዓሊ ባርያ መን ኰን እዩ፧ 46ጐይታኡ ኺመጽእ ከሎ፡ ከምዚ እናገበረ ዚረኽቦ ባርያ ብጹእ እዩ። 47ኣብ ኵሉ ገንዘቡ ኸም ዚሸሞ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 48እቲ ኽፉእ ባርያ ግና ብልቡ፡ ጐይታይ ይድንጕ እዩ፡ እንተ በለ፡ 49ነቶም ብጾቱ ባሮት ምውቃዖም ይጅምር፡ ምስቶም ሰኸርቲውን ይበልዕን ይሰትን። 50ጐይታ እቲ ባርያ እቲ፡ ንሱ ብዘይተጸበያ መዓልቲ ብዘይፈላጣ ጊዜውን ኪመጽእ እዩ። 51ኣብ ክልተ ኺጭንድሖ፡ ዕድሉ ድማ ምስ ግቡዛት ኪገብሮ፡ ኣብኡ ኸኣ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ።«‹24›»...more48minPlay
January 23, 2021(31/221) ሓድሽ ኪዳን ጥቕሲ ብጥቕሲ ብሓው ዛክፖነን ፡(ማቴ23:10-24:11)(23:10-39)10መራሒኹም ሓደ እዩ፡ ንሱ ኸኣ ክርስቶስ እዩ እሞ፡ ንስኻትኩምሲ መራሕቲ ኣይትብሀሉ። 11እቲ ኻባኻትኩም ዚበልጽሲ ግዙእኩም ይኹን። 12ርእሱ ዘልዐለ ኺሐስር፡ ርእሱ ዘትሐተ ኸኣ ልዕል ኪብል እዩ። 13ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መንግስተ ሰማያት ንሰብ ትዐጽዉሉ፡ ንርእስኹም ኣይትኣትውዋን፡ ነቶም ኪኣትውዋ ዚደልዩ ድማ ኪኣትዉ ኣይትሐድግዎምን ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 14ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ቤት መበለታት ትበልዑ፡ ንምኽንያትውን ጸሎት ተንውሑ አሎኹም። ስለዚ ዝገደድ ፍርዲ ኽትቅበሉ ኢኹም እሞ፡ ወይለኹም። 15ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ሓደ ጵሮሴሊት ክትገብሩ ባሕርን ምድርን ትዞሩ፡ ምስ ኰነ ኸኣ ካዕበትኩም ወዲ ገሃነም ትገብርዎ ኢኩም እሞ፡ ወይለኹም። 16ኣቱም ብቤት መቕደስ ዚምሕል ደሓን እዩ፡ ብወርቂ ቤተ መቕደስ ንዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ እትብሉ ዕዉራት መራሕቲ፡ ወይለኹም። 17ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትን፡ ኣየናይ ይዐቢ፡ ወርቅዶ ወይስ እታ ንወርቂ እትቕድሶ ቤተ መቕደስ፧ 18ብመሰውኢ ዚምሕል ደሓን እዩ፡ በቲ ኣብ ርእሲኡ ዘሎ ቝርባን ዚምሕል ግና ማሕላ ይዀኖ፡ ትብሉ። 19ኣቱም ደናቝርትን ዕዉራትን፡ ኣየናይ ይዐቢ፡ ቍርባንዶ ወይስ እቲ ንቝርባን ዚቕድሶ መሰውኢ፧ 20እምብኣርስከ እቲ ብመሰውኢ ዚምሕል፡ ብእኡን ኣብ ልዕሊኡ ብዘሎ ዅሉን ይምሕል አሎ። 21እቲ ኣቤተ መቕደስ ዚምሕል ከኣ፡ ብእኡን በቲ ኣብኡ ዚነብርን ይምሕል እሎ። 22እቲ ብሰማይ ዚምሕል፡ ዝፋን ኣምላኽን በቲ ኣብኡ ዚቕመጥን እዩ ዚምሕል። 23ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ካብ ጨና ኣዳም፡ ካብ ሽላን፡ ካብ ካሙን ዕሽር ተውጽኡ፡ እቲ ኣብ ሕጊ ዘሎ ኣውራ ነገር፡ ፍርዲ፡ ምሕረት፡ እምነት ግና ትሐድጉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። እዚ ምግባር እቲውን ዘይምሕዳግ ይግባእ። 24ኣቱም ቃርማ እተጽርዩ፡ ገመል ከኣ እትውሕጡ ዕዉራት መራሕቲ። 25ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ዝባን ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ትሐጽቡ፡ ውሽጡ ግና ከትርን ስስዔን ምሉእ እዩ እሞ፡ ወይለኹም። 26ኣታ ዕዉር ፈሪሳዊ፡ ነቲ ዋንጫ መሬትን ጻሕልን ዝባኑ ድማ ጽሩይ ምእንቲ ኪኸውንሲ፡ ቅድም ነቲ ውሽጡ ኣጽርዮ። 27ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ ወጻኢኡ ጽቡቕ ኰይኑ ዚርኤ፡ ውሽጡ ግና ኣዕጽምቲ ምዉታትን ርኽሰትን ዝመልኤ ልቕሉቕ መቓብር ትመስሉ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። 28ከምኡ ድማ ንስኻትኩም ብላዕሊ ንሰብ ጻድቃን መሲልኩም ትረኣይዎ፡ እቲ ውሽጥኹም ግና ግብዝናን ዓምጻን ምሉእ እዩ። 29ኣቱም ግቡዛት ጸሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መቓብር ነብያት ትሰርሑ፡ መቓብር ጻድቃንውን ትስልሙ አሎኹም እሞ፡ ወይለኹም። 30ብዘመን ኣቦታትና ኔርና እንተ ንኸውንሲ፡ ኣብቲ ደም ነብያት ኣይምተጸንበርናን፡ ትብሉ አሎኹም። 31እምበኣርስኸ ደቂ ቐተልቲ ነብያት ምዃንኩም ባዕላትኩም ትምስክሩ አሎኹም። 32ንስኻትኩም መስፈር ኣቦታትኩም መልኡ። 33ኣቱም ኣትማን፡ ውሉድ እቲ መንደላይ ተመን፡ ከመይ ጌርኩምከ ኻብ ፍርዲ ገሃነም ክትመልቁ፧ 34ስለዚ እንሆ፡ ነብያት ጠቢባንን ጸሓፍትን እልእከልኩም አሎኹ። ንገሊኦም ትቐትሉን ትሰቕሉን፡ ንገሊኦም ከኣ ኣብ ቤት ጸሎትኩም ትገርፉ፡ ካብ ዓዲ ናብ ዓዲውን ትሰጕዎም አሎኹም። 35እቲ ኻብ ደም ኣቤል ጻድቕ ጀሚሩ፡ ኽሳዕ ደም እቲ ኣብ መንጎ ቤተ መቕደስን መሰውእን ዝቐተልኩምዎ ዘካርያስ ወዲ በራክያስ፡ ኣብ ምድሪ ዝፈሰሰ ዅሉ ጻድቕ ደም ኣባኻትኩም ኪበጽሕ እዩ። 36እዚ ዅሉ ነዚ ወለዶ እዚ ኸም ዚበጽሖ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 37የሩሳሌም፡ የሩሳሌም፡ ኣቲ ንነብያት እትቐትሊ፡ ነቶም ናባኺ እተላእኩ ብእምኒ እትጭፍልቒ፡ ከምቲ ደርሆ ንጨጨውታ ኣብ ትሕቲ ኣኽናፋ እትእክቦም፡ ክንደይ ሳዕከ ንደቅኺ ኽእክቦም ዘይደሌኹ እሞ ኣቤኹም። 38-39ደጊም፡ ብስም እግዚኣብሄር ዚመጽእ ብሩኽ እዩ፡ ክሳዕ እትብሉ፡ ካብ ሕጂ ኣይክትርእዩንን ኢኹም እሞ፡ እንሆ፡ ቤትኩም ዐንያ ኽትተርፍ እያ፡ እብለኩም አሎኹ።(24:1-11)1የሱስ ካብ ቤተ መቕደስ ወጺኡ ኸደ፡ ደቀ መዛሙርቱ ድማ ህንጻ ቤተ መቕደስ ኬርእይዎ ናብኡ ቐረቡ። 2ንሱ ግና መሊሱ፡ እዚ ዅሉስ ትርእይዎዶ አሎኹም፧ ኣብዚ ዘይፈርስ እምኒ ኣብ ልዕሊ እምኒ ኣይኪተርፍን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ፡ በሎም። 3ኣብ ደብረ ዘይቲ ተቐሚጡ ኸሎ፡ ደቀ መዛሙርቱ ብሕት ኢሎም፡ እዚ መኣዝ ኪኸውን እዩ፧ ትእምርቲ ምምጻእካን መወዳእታ ዓለምንከ እንታይ እዩ፧ እስኪ ንገረና፡ እናበሉ ናብኡ ቐረቡ። 4የሱስ መሊሱ በሎም፡ ሓደ እኳ ኸየስሕተኩም ተጠንቀቑ። 5ኣነ ክርስቶስ እየ፡ እናበሉ ብዙሓት ብስመይ ኪመጹ እዮም እሞ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም። 6ውግእን ወረ ውግእን ክትሰምዑ ኢኹም። ርኣዩ፡ ኣይትሰምብዱ፡ እዚ ዅሉ ኪኸውን ብግዲ እዩ፡ ግናኸ መወዳእታ ገና እዩ። 7ህዝቢ ናብ ህዝቢ፡ መንግስቲውን ናብ መንግስቲ ኺለዐል እዩ። ኣብ በቦታኡ ድማ ጥሜትን ፌራን ምንቅጥቃጥ ምድርን ኪኸውን እዩ። 8እዚ ዅሉ ግና መጀመርታ ቕልውላው እዩ። 9ሽዑ ንመከራ ኣሕሊፎም ኪህብኹምን ኪቐትሉኹምን እዮም። ብዛዕባ ስመይ ከኣ ኣብ ኵሎም ኣህዛብ ጽሉኣት ክትኰኑ ኢኹም። 10ሽዑ ብዙሓት ኪዕንቀፉ፡ ንሓድሕዶም ኣሕሊፎም ኪዋሃሀቡ ንሓድሕዶምውን ኪጻላልኡ እዮም። 11ብዙሓት ነብያት ሓሶት ኪትንስኡ፡ ንብዙሓትውን ኬስሕቱ እዮም።«‹23›»...more51minPlay
January 23, 2021(30/221) ሓድሽ ኪዳን ጥቕሲ ብጥቕሲ ብሓው ዛክፖነን ፡(ማቴ21:23-23:9)(21:23-46)23ናብ ቤተ መቕደስ እትዩ ኪምህር ከሎ፡ ሊቃውንቲ ኻህናት ዓበይቲ ህዝብን ናብኡ መጺኦም፡ በየናይ ስልጣን እዚ ትገብር አሎኻ፧ እዚ ስልጣን እዝስ መን ሀበካ፧ በልዎ። 24የሱስ ከኣ መሊሱ በሎም፡ ኣነ ድማ ሓንቲ ነገር ክሐተኩም። እዚኣ እንተ ነገርኩምኒ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ከም ዝገብር ክነግረኩም እየ። 25ጥምቀት ዮሃንስ ካበይ እያ፧ ካብ ሰማይዶ ወይስ ካብ ሰብ፧ ንሓድሕዶም ተዛራረቡ፡ እናበሉ፡ ካብ ሰማይ እንተ በልናዮ፡ ከመይ ደኣ ዘይትኣመንኩምዎ፧ ኪብለና እዩ። 26ካብ ሰብ እንተ በልናዮ ግና፡ ንዮሃንስ ኵሎም ከም ነብዪ ይቘጽርዎ ኣለዉ እሞ፡ ንህዝቢ ንፈርህ። 27ንየሱስ ከኣ፡ ኣይንፈልጥን፡ ኢሎም መለስሉ። ንሱ ድማ፡ ኣነ ኸኣ በየናይ ስልጣን እዚ ኸም ዝገብር፡ ኣይነግረኩምን፡ በሎም። 28ግናኸ እንታይ ይመስለኩም፧ ሓደ ሰብኣይ ክልተ ደቂ ነበርዎ። ናብቲ ቐዳማይ ቀሪቡ፡ ወደይ፡ ሎሚ ናብ ኣታኽልቲ ወይነይ ውፈር እሞ ዕየ፡ በሎ። 29ንሱ፡ እምቢ፡ ኢሉ መለሰ። ደሓር ግና ተጥዒሱ ወፈረ። 30ናብቲ ኻልኣይ ቀሪቡ ኸምኡ በሎ። ንሱ ኸኣ፡ ሕራይ ጐይታይ፡ ኢሉ መለሰ። ግናኸ ኣይወፈረን። 31ካብ ክልቲኦም ኣያናዮም እዩ ፍቓድ ኣቦኡ ዝገበረ፧ ንሳቶም ከኣ፡ እቲ ቐዳማይ፡ በልዎ። የሱስ በሎም፡ ተገውትን ኣመናዝርን ናብታ መንግስቲ ኣምላኽ ቅድሜኹም ከም ዚኣትዉ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 32ዮሃንስ ብቕኑዕ መገዲ ናባኻትኩም መጺኡ ነበረ እሞ፡ ተገውትን ኣመናዝርን ደኣ ኣመንዎ እምበር፡ ንስኻትኩምሲ ኣይኣመንኩምዎን። ንስኻትኩም ግና ነዚ ርኢኹም፡ ክትኣምንዎ ደሓር እኳ ኣይተጠዐስኩምን። 33ካልእ ምስላ ስምዑ፡ ኣታኽልቲ ወይኒ ዝተኸለ ብዓል ቤት ነበረ። ሓጹር ሐጸሮ፡ መሓምተሊ ድማ ኰዐተሉ፡ ግምቢውን ሰርሓሉ፡ ንዐየይቲ ብመገስ ሂብዎም ከኣ፡ ናብ ካእል ሃገር ገሸ። 34ጊዜ ፍርያት ምስ በጽሔ፡ ፍሪኡ ኼምጽኡሉ ባሮት ናብቶም ዓየይቲ ለኣኸ። 35እቶም ዓየይቲ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ንገሊኦም ወቕዕዎም፡ ንገሊኦም ቀተልዎም፡ ንገሊኦም ብእምኒ ጨፍለቕዎም። 36ከም ብሓድሽ ካብቶም ቀዳሞት ዚበዝሑ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ። ንኣታቶም ድማ ከምኡ ገበርዎም። 37መወዳእታኡ፡ ንወደይሲ ይሐፍርዎ ግዲ ይዀኑ፡ ኢሉ ወዱ ለኣኸ። 38እቶም ዓየይቲ ነቲ ወዱ ምስ ረኣይዎ፡ ንሓድሕዶም፡ እዚ እቲ ወራሲ እዩ። ንዑ፡ ንቕተሎ እሞ ርስቱ ንሐዝ፡ ተባሃሀሉ። 39ሒዞም፡ ካብ ቦታ ኣታኽልቲ ወይኒ ንወጻኢ ኣውጺኦም ቀተልዎ። 40እቲ ጐይታ ኣታኽልቲ ወይኒ ምስ መጸስ፡ ነቶም ዓያይቲ እቲኦም እንታይ ኪገብሮም እዩ፧ 41ንሳቶም ከኣ፡ ነቶም ክፉኣት ብኽፉእ የጥፍኦም፡ እቲ ኣታኽልቲ ወይኒ ኸኣ፡ ፍሪኡ በብጊዜኡ ንዚህቡ ኻልኦት ዓየይቲ ብመገስ ይህቦም፡ በልዎ። 42የሱስ ከኣ በሎም፡ እቶም ነደቕቲ ዝነዐቕዎ እምኒ፡ ንሱ ርእሲ መኣዝን ኰነ፡ እዚ ኻብ እግዚኣብሄር ኰነ፡ ኣብ ኣዒንትናውን ግሩም እዩ፡ ዚብል ጽሑፋትዶ ከቶ ኣየንበብኩምን፧ 43ስለዚ ድማ እታ መንግስቲ ኣምላኽ ካባኻትኩም ክትውሰድ፡ ፍሪኣ ንዚፈሪ ህዝቢውን ክትወሀብ እያ፡ እብለኩም አሎኹ። 44ኣብቲ እምኒ እቲ ዝወደቐ ይስብር፡ እቲ እምኒ እቲ ዝወደቖ ድማ ይጭፍለቕ። 45ሊቃውንቲ ኻህናትን ፈሪሳውያንን ምስላታቱ ምስ ሰምዑ፡ ብዛዕባኦም ከም እተዛረቦ ኣስተውዐሉ። 46ኪሕዝዎ ድማ ደለዩ፡ ግናኸ ኣብቶም ህዝቢ ኸም ነብዪ ነበረ እሞ፡ ንኣታቶም ፈርሁ።(22፡1-46)የሱስ መለሰ፡ ከም ብሓድሽ ድማ ብምስላ ከምዚ ኢሉ ነገሮም፡ 2መንግስተ ሰማያት ንወዱ መርዓ ዝገበረ ንጉስ ትመስል። 3ነቶም ናብ መርዓ እተዐደሙ ኺጽውዑ ባሮቱ ለኣኸ፡ ግናኸ ምምጻእ ኣበዩ። 4ከም ብሓድሽ ድማ ነቶም ዕዱማት፡ እንሆ፡ መኣደይ ኣዳሎኹ፡ ሰባሕተይን ኣስዋረይን ሐሪደ፡ ኵሉ ተዳልዩ አሎ እሞ፡ ናብ መርዓ ንዑ፡ በልዎም፡ ኢሉ ኻልኦት ባሮት ለኣኸ። 5ንሳቶም ግና ሸለል ኢሎም፡ ገሊኦም ናብ ግራቶም፡ ገሊኦም ከኣ ናብ ነግዶም ከዱ። 6እቶም ዝተረፉ ኸኣ ነቶም ባሮቱ ሒዞም ኣዋረድዎም ቀተልዎምን። 7እቲ ንጉስ ተቘጥዔ፡ ጭፍራኡ ልኢኹ፡ ነቶም ቀተልቲ ኣጥፍኤ፡ ከተማኦም ድማ ተኰሰ። 8ሽዑ ንባሮቱ፡ እቶም ዕዱማት ደኣ ዘይብቑዓት ኰይኖም እምበር፡ መርዓስ እተዳለወ እዩ፡ 9ደጊም ናብ ቀራና መገዲ ኺዱ እሞ ንዝረኸብኩምዎ ዘበለ ናብ መርዓ ጸውዑ፡ በሎም። 10እቶም ባሮት እቲኦም ናብ መገዲ ወጺኦም፡ ንዝረኸብዎ ዘበለ፡ ንሕሱማትን ንሕያዎትን፡ ኣከብዎም። እቲ ዳስ መርዓ ብተቐማጦ መልኤ። 11እቲ ንጉስ ነቶም ተቐማጦ ኺርኢ ምስ ኣተወ፡ ክዳን መርዓ ዘይተኸደነ ሰብኣይ ረኣየ እሞ፡ 12ኣታ ዓርከይ፡ ከመይከ ኽዳን መርዓ ዜብልካ ናብዚ ኣቶኻ፧ በሎ። ንሱ ግና ኣጽቀጠ። 13ሽዑ እቲ ንጉስ ንገላዉኡ በሎም፡ ኣእዳዉን ኣእጋሩን ኣሲርኩም፡ ኣብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ደርብይዎ። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ይኸውን።14ጽዉዓትሲ ብዙሓት እዮም፡ ሕሩያት ግና ሒደት እዮም። 15ድሕርዚ ፈሪሳውያን ከይዶም ከመይ ገይሮም ብዘረባ ኸም ዚጠልፍዎ፡ ተማኸሩ።16ደቀ መዛሙርቶም ምስ ሄሮድሳውያን ገይሮም ከምዚ ኢሎም ለኣኹ፡ መምህር፡ ሓቀኛ ምኳንካ፡ መገዲ እግዚኣብሄርውን ብሓቂ ከም እትምህር፡ ንፈልጥ አሎና፡ ገጽ ሰብ ርኢኻ ኣይተዳሉን ኢኻ እሞ፡ ነዝን ነትን እኳ ኣይትብልን ኢኻ።(23:1-9) ቦታ ስለ ዘይ ኣክል ኣብዚ ኣይተኻተተን-›»...more50minPlay
FAQs about ኣሞጽ ማልቲመድያ Amos Multimedia:How many episodes does ኣሞጽ ማልቲመድያ Amos Multimedia have?The podcast currently has 142 episodes available.