Sign up to save your podcastsEmail addressPasswordRegisterOrContinue with GoogleAlready have an account? Log in here.
Christianity እግዚኣብሄር ኣምላኽ ከምዚ ይብል ኣሎ፣ እንሆ፣ ኣነ ናብታ ሃገር ጥሜት ዝሰደለን መዓልትታት ኪመጻ እየን። ንምስማዕ ቃል እግዚኣብሄር እምበር፣ ጥሜት እንጌራን ጽምኢ ማይን ኣይኰነን። (ኣሞጽ8፡11)See, the days are coming, says the Lord God, when I wil... more
FAQs about ኣሞጽ ማልቲመድያ Amos Multimedia:How many episodes does ኣሞጽ ማልቲመድያ Amos Multimedia have?The podcast currently has 142 episodes available.
January 23, 2021(19/221) ሓድሽ ኪዳን ጥቕሲ ብጥቕሲ ብሓው ዛክፖነን ፡፡(ማቴ13:31-58)(ማቴ13:31-58)31ካልእ ምስላ ኸምዚ ኢሉ መሰለሎም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰብ ወሲዱ፡ ኣብ ግራቱ ዝዘርኣ ፍረ ኣድሪ እያ እትመስል። 32ንሳ ኸኣ ካብ ኵሉ ኻልእ ኣዝርእቲ ትንእስ፡ ምስ በቘሎት ግና፡ ኣዕዋፍ ሰማይ መጺኤን ኣብ ጨንፈራ ኽሳዕ ዚዐርፉ፡ ካብ ኵሉ ተኽሊ ኣሕምልቲ እትዐቢ ኦም ትኸውን። 33ካልእ ምስላውን ነገሮም፡ መንግስተ ሰማያት፡ ሰበይቲ ወሲዳ፡ ኵሉ ኽሳዕ ዚበኵዕ፡ ኣብ ሰለስተ ሳቶን ሓርጭ ዝለወሰቶ ማይ ብሑቝ ትመስል። 34-35የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ እቲ ብነብዪ፡ ኣፈይ ብምስላ እኸፍት፡ እቲ ኻብ ምስራት ዓለም ተሐቢኡ ዝነብረ እነግር፡ ተብሂሉ ዘሎ ምእንቲ ኸፍጸም ኢሉ፡ እዚ ዅሉ ብምስላ ተዛረቦም እምበር፡ ብዘይ ምስላስ ኣይተዛረቦምን። 36ሽዑ ነቲ ኣኼባ ሐዲጉ፡ ናብ ቤት ኣተወ። ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ ቀሪቦም፡ ምስላ ኽርዳድ ናይታ ግራት ተርጕመልና፡ በልዎ። 37መሊሱ በሎም፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ዚዘርእ፡ ወዲ ሰብ እዩ። 38እታ ግራት ከኣ ዓለም እያ፡ እቲ ጽቡቕ ዘርኢ ድማ ደቂ መንግስቲ እዮም፡ እቲ ኽርዳድ ግና ደቂ እቲ ኽፉእ እዮም። 39እቲ ዝዘርኦም ጸላኢ ኸኣ ድያብሎስ እዩ፡ እቲ ቐውዒ ድማ መወዳእታ ዓለም እዩ፡ እቶም ዓጻዶ ኸኣ መላእኽቲ እዮም። 40ክርዳድ ተኣኪቡ ብሓዊ ኸም ዚነድድ፡ ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ። 41ወዲ ሰብ መላእኽቱ ኺልእኽ እዩ፡ ንሳቶም ከኣ መዓንቀፍትን ዓመጽትን ንዘበሉ ዅሎም ካብ መንግስቱ ኺእክብዎም፡ 42ኣብ እቶን ሓዊ ኸኣ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። 43ሽዑ ጻድቃን ኣብታ መንግስቲ ኣቦኦም ከም ጸሓይ ኪበርሁ እዮም። እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። 44ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራት እተሐብኤ እሞ ሰብ ረኺቡ ዝሐብኦ መዝገብ ትመስል። ብታሕጓስ ከይዱስ፡ ዘለዎ ዅሉ ሸይጡ ነታ ግራት እቲኣ ዐደጋ 45ድማ መንግስተ ሰማያት ጽብቕቲ ዕንቍ ዚደሊ ነጋዳይ ትመስል። 46ሓንቲ ኽብርቲ ዕንቍ ምስ ረኸበ፡ ከይዱ ዘለዎ ዅሉ ሸጠ እሞ ዐደጋ። 47ድማ መንግስተ ሰማያት ኣብ ባሕሪ እተደርበየት እሞ ካብ ኵሉ ዓሳ ዝኣከበት መርበብ ትመስል። 48ምስ መልኤት፡ ናብ ደንደስ ኣውጽእዋ። ተቐሚጦም ድማ፡ ጸጽቡቑ ኣብ ኣቓሑኦም ኣከቡ፡ ነቲ ኸኽፉኡ ግና ንወጻኢ ደርበይዎ። 49ብመወዳእታ ዓለም ከኣ ከምኡ ኪኸውን እዩ፡ መላእኸቲ መጺኦም ነቶም ክፉኣት ካብ ማእከል ጻድቃን ኪፈልይዎም፡ 50ናብ እቶን ሓዊ ድማ ኪድርብይዎም እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ። 51ነዚ ዅሉስ ኣስተውዒልኩምዎዶ አሎኹም፧ ንሳቶም ድማ፡ እወ በልዎ፡ 52ንሱ ኸኣ፡ ስለዚ ንመንግስተ ሰማያት ኢሉ እተማህረ ዅሉ ጸሓፊ ኻብ መዝገብ ሓድሽን ብሉይን ዜውጽእ ብዓል ቤት ይመስል፡ በሎም። 53ኰነ ድማ፡ የሱስ እዘን ምስላታት እዚኤን ምስ ወድኤ፡ ካብኣ ነቐለ። 54-56ናብ ዓዱ መጺኡ ኸኣ፡ እዚ ጥበብዚ፡ እዚ ሓይሊ እዚኸ ኻበይ ረኸቦ፡ እዝስ ወዲ እቲ ጸራቢ ደይኰኑን፡ ኣዲኡስ ማርያም እትበሀል ደይኰነትን፧ ኣሕዋቱስ ያእቆብ፡ ዮሴፍ፡ ስምኦን፡ ይሁዳ ደይኰኑን፧ ኣሓቱ ዅላተንሲ ምሳናዶ ኣየለዋን፧ እዚ ዅሉ ደኣ ኻበይ ተዋህቦ፧ ኢሎም ክሳዕ ዚግረሙ፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም መሀሮም። 57ብእኡ ኸኣ ተዐንቀፉ። የሱስ ድማ፡ ነብዪ ብዘይ ኣብ ዓዱን ኣብ ቤቱን ኣይንዐቕን እዩ፡ በሎም። 58ብሰሪ ዘይምእማኖም ከኣ ኣብኡ ብዙሕ ግብርታት ሓይሊ ኣይገበረን።«‹13›»...more46minPlay
January 23, 2021(18/221) ሓድሽ ኪዳን ጥቕሲ ብጥቕሲ ብሓው ዛክፖነን ፡፡(ማቴ13:1-30)(ማቴ13:1-30)1በታ መዓልቲ እቲኣ የሱስ ካብ ቤት ወጺኡ፡ ኣብ ገምገም ባሕሪ ተቐመጠ። 2ብዙሕ ህዝቢ ናብኡ ተኣከበ፡ ናብ ጃልባ ኣትዩ ኽሳዕ ዚቕመጥ ከኣ፡ ኵሉ እቲ ህዝቢ ኣብ ገምገም ባሕሪ ደው ኢሉ ነበረ። 3ብምስላታት ድማ ብዙሕ ነገሮም፡ ከምዚ እናበለ፡ እንሆ፡ ዘራኢ ኺዘርእ ወፈረ። 4ኪዘርእ ከሎ፡ ገሊኡ ኣብ ጥቓ መገዲ ወደቐ፡ ኣዕዋፍ መጺኤን ድማ በልዓኦ። 5ገሊኡ ኸኣ ብዙሕ ሐመድ ኣብ ዜብሉ ኸውሒ ወደቐ፡ ዓሚቝ ሐመድ ስለ ዜብሉ ድማ፡ ቀልጢፉ በቘለ። 6ጸሐይ ምስ በረቐት፡ ሀጐጐ፡ ሱር ስለ ዜብሉ ድማ ነቐጸ። 7ገሊኡ ኣብ እሾኽ ወደቐ። እቲ እሾኽ ድማ ዐበየ ሐነቖውን። 8ገሊኡ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ ወደቕ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ድማ ሰላሳ ፈረየ። 9እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። 10እቶም ደቀ መዛሙርቱ ድማ ናብኡ ቐሪቦም፡ ስለምንታይ ኢኻ ብምስላ እትዛረብ ዘሎኻ፧ በልዎ። 11መሊሱ በሎም፡ ምፍላጥ ምስጢር መንግስተ ሰማያት ንኣኻኣትኩም ተውሂቡ አሎ፡ ንኣታቶም ግና ኣይተዋህቦምን። 12ንዘለዎ ይውሀቦ እዩ እሞ፡ ኣዝዩውን ይውሰኾ እዩ፡ ነቲ ዜብሉ ግና እታ ዘላቶ እኳ የግድፍዎ እዮም። 13እናረኣዩስ ኣይርእዩን፡ እናሰምዑውን ኣይሰምዑን፡ ኣይሰተውዕሉን እዮም እሞ ስለዚ ብምስላ እዛረቦም አሎኹ። 14-15ትንቢት ኢሳይያስ ኣባታቶም ይፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡ በእዛኖም ከይሰምዑ፡ በዒንቶም ከይርእዩ፡ ኣእዛኖም ኣጽመሙ፡ ኣዒንቶም ዐመቱ፡ ብልቦም ከየስተውዕሉ፡ ከይምለሱ፡ ኣነውን ከየሕውዮምሲ፡ ልቢ እዚ ህዝብዚ ረጕድ እዩ እሞ፡ ምስማዕሲ ትሰምዑ፡ ከቶ ኣይተስተውዕሉን፡ ምርኣይውን ትርእዩ፡ ከቶ ኣይትጥምቱን ኢኹም። 16-17ብዙሓት ነብያት ጻድቃንን ነዚ ንስኻትኩም እትርእይዎ ዘሎኹም ኪርእዩ ኸም እተመነዩ እሞ ኸም ዘይረኣዩ፡ ነዚ ንስኻትኩም እትሰምዕዎ ዘሎኹም ኪሰምዑውን ከም እተመነዩ እሞ ከም ዘይሰምዑ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። ኣዒንትኹም ግና ዚርእያ፡ ኣእዛንኩምውን ዚሰምዓ እየን እሞ፡ ብጹኣት እየን። 18እምበኣርሲ ንስኻትኩም ምስላ ዘራኢ ስምዑ። 19ቃል መንግስቲ ሰሚዑስ ዘየስተውዕሎ ዅሉ፡ እቲ ኽፉእ ይመጽእ እሞ ነቲ ኣብ ልቡ እተዘርኤ ይምንጥሎ፡ እቲ ኣብ ጥቓ መገዲ እተዘርኤ እዚ እዩ። 20እቲ ኣብ ከውሒ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑ ብኡብኡ ብሓጐስ ዚቕበሎ እዩ። 21ንሽዑ ጥራይ እዩ እምበር፡ ሱር ግና የብሉን። ስለቲ ቓል መከራ ወይ ስደት ምስ ዀነ፡ ብኡብኡ ይዕንቀፍ። 22እቲ ኣብ እሾኽ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ዚሰምዖ እዩ፡ ጓሂ እዛ ዓለም እዚኣን ምዕሻው ሃብትን ግና ነቲ ቓል ይሐንቆ፡ ከይፈረየውን ይተርፍ። 23እቲ ኣብ ጽቡቕ ምድሪ እተዘርኤ ኸኣ ነዚ ቓል ሰሚዑስ ዜስተውዕሎ እዩ፡ ንሱ ፍረ ይፈሪ፡ ገሊኡ ሚእቲ፡ ገሊኡ ስሳ፡ ገሊኡ ሰላሳ ይእቶ። 24ካልእ ምስላ ድማ ከምዚ ኢሉ መለሰሎም፡ መንግስተ ሰማያት ኣብ ግራቱ ጽቡቕ ዘርኢ ዝዘርኤ ሰብ እያ እትመስል። 25እቶም ሰብ ደቂሶም ከለዉ፡ ጸላኢ መጸ፡ ኣብቲ ማእከል ስርናይ ድማ ክርዳድ ዘሪኡ ኸደ። 26ቈጽሉ ምስ ፈርዔን ፍረ ምስ ፈረየን ድማ፡ ሽዑ እቲ ኽርዳድ ተራእየ። 27ነቲ ብዓል ቤት ግዚኣቱ መጺኦም፡ ጐይታይ፡ ኣብ ግራትካ ጽቡቕ ዘርኢዶ ዘሪእካ ኣይነበርካን፧ እዚ ኽርዳድ ደኣ ኻበይ መጸ፧ በልዎ። 28ንሱ ኸኣ ነዝስ ጸላኢ እዩ ዝገበሮ፡ በሎም። እቶም ግዙኣቱ ድማ፡ ኬድና ኽንኣርዮዶ ትፈቱ ኢኻ፧ በልዎ። 29ንሱ በሎም፡ ኣይፋልኩምን፡ ክርዳድ ክትኣርዩ ኸሎኹምሲ፡ ምስኡ ስርናይ ከይትምሕዉ። 30ክሳዕ ቀውዒ ብሓደ ይዕበዩ ሕደግዎም ብጊዜ ቐውዒ ኸኣ ንዓጻዶ፡ ቅድም ነቲ ኽርዳድ፡ እረይዎ፡ ኪነድድ ድማ በብንዳእቲ እሰርዎ፡ ነቲ ስርናይ ግና ኣብ ቆፎይ ኣክብዎ፡ ክብሎም እየ።...more45minPlay
January 23, 2021(17/221) ሓድሽ ኪዳን ጥቕሲ ብጥቕሲ ብሓው ዛክፖነን ፡፡ማቴ12:31-50(ማቴ12:31-50)31ስለዚ ንሰብ ኵሉ ሓጢኣትን ጸርፍን ዘበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ንመንፈስ ዝጸረፈ ግና ኣይሕደገሉን። 32ነቲ ኣብ ወዲ ሰብ ገለ ዘረባ ዝበለ ይሕደገሉ እዩ፡ ነቲ ኣብ መንፈስ ቅዱስ ገለ ዘረባ ዝበለ ግና፡ ኣብዛ ዓለም እዚኣ ዀነ፡ ኣብታ እትመጽእ ኰነ፡ ኣይሕደገሉን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ። 33ኦም ካብ ፍሪኡ ይፍለጥ እዩ እሞ፡ ነቲ ኦም ጽቡቕ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ጽቡቕ፡ ወይስ ነቲ ኦም ክፉእ ግበርዎ፡ ፍሪኡ ድማ ክፉእ። 34ኣቱም ውሉድ ኣትማን፡ ኣፍ ካብ ምልኣት ልቢ ይዛረብ እዩ እሞ፡ ክፉኣት ክነስኹምከ፡ ከመይ ጌርኩም ጽቡቕ ምዝራብ ክትክእሉ፧ 35እቲ ሕያዋይ ሰብ ካብቲ ጽቡቕ መዝገብ ልቡ ጽቡቕ የውጽእ። ክፉእ ሰብ ከኣ ካብቲ ኽፉእ መዝገብ ልቡ ኽፉእ እዩ ዜውጽእ። 36-37ኣነ ግና፡ ብዘረባኻ ኢኻ እትጸድቕ፡ ብዘረባኻውን ኢኻ እትዅነን እሞ፡ ሰብ ዚዛረብዎ ዘበለ ዘይጠቅም ኵሉ ቓል ብመዓልቲ ፍርዲ ጸብጻብ ኪህብሉ እዮም፡ እብለኩም አሎኹ። 38ሽዑ ሓይሎ ኻብ ጻሓፍትን ፈሪሳውያንን፡ መምህር፡ ካባኻ ትእምርቲ ኽንርኢ ንደሊ አሎና ኢሎም መለሱ። 39ንሱ ግና መሊሱ በሎም፡ ክፉእን ዘማውን ወለዶ ትእምርቲ ይደሊ። ብዘይ ትእምርቲ ነብዪ ዮናስ ድማ ካልእ ትእምርቲ ኣይወሀቦን። 40ዮናስ ኣብ ከብዲ ዓብዪ ዓሳ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ከም ዝገበረ፡ ከምኡ ኸኣ ወዲ ሰብ ኣብ ውሽጢ ምድሪ ሰለስተ መዓልትን ሰለስተ ለይትን ኪገብር እዩ። 41ሰብ ነነዌ ብስብከት ዮናስ ተነሲሖም እዮም እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኺትንስኡን ኪዅንንዎን እዮም። እንሆ፡ ካብ ዮናስ ዚዐቢ ኣብዚ እሎ። 42ንግስቲ ኣዜብ፡ ጥበብ ሰሎሞን ክትሰምዕ፡ ካብ ወሰን ምድሪ መጺኣ ነበረት እሞ፡ ብመዓልቲ ፍርዲ ምስ እዚ ወለዶ እዚ ኽትትንስእን ክትኵንኖን እያ። እንሆ፡ ካብ ሰሎሞን ዚዐቢ ኣብዚ አሎ። 43ርኹስ መንፈስ ካብ ሰብ ምስ ወጸ፡ ዕረፍቲ ደልዩ፡ ኣብ ኣጻምእ ቦታ ይዀልል ኣይረክብን ድማ። 44ሽዑ፡ ናብታ ዝወጻእኩላ ቤተይ ደኣ ኽምለስ፡ ይብል። ምስ መጸ፡ ጥራያ፡ ተዀስቲራ፡ ተሰሊማ ይረኽባ። 45ድሕርቲ ይኸይድ፡ ካብኡ ዚገዱ ሾብዓተ ኻልኦት መናፍስቲ ሒዙ ይመጽእ፡ ኣትዮም ከኣ ኣብኣ ይነብሩ። ነቲ ሰብ እቲ ኻብ መጀመርታኡ እቲ መወዳእታኡ ዝገደደ ይዀኖ። ነዚ ኽፉእ ወለዶ እዚ ድማ ከምኡ ኪዀኖ እዩ። 46ገና ነቶም ህዝቢ ኺነግሮም ከሎ፡ እንሆ ኣዲኡን ኣሕዋቱን ኪዛረብዎ ደልዮም ኣብ ወጻኢ ደው በሉ። 47ሓደ ኸኣ፡ እንሆ፡ ኣዴኻን ኣሕዋትካን ኪዛረቡኻ ደልዮም፡ ኣብ ወጻኢ ደው ኢሎም ኣለዉ፡ በሎ። 48ንሱ ግና ነቲ ዝነገሮ፡ ኣደይ መን እያ፧ ኣሕዋተይሲ እንመን እዮም፧ ኢሉ መለሰሉ። 49-50ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ዚገብር ዘበለ ዅሉ፡ ንሱ ሓወይን ሓብተይን ኣደይን እዩ፡ ኢሉ ኢዱ ናብ ደቀ መዛሙርቱ ዘርጊሑ፡ ኣደይን ኣሕዋተይንሲ እነዉ፡ በለ።...more46minPlay
January 23, 2021(16/221) ሓድሽ ኪዳን ጥቕሲ ብጥቕሲ ብሓው ዛክፖነን ፡፡ማቴ11:27-12:30(ማቴ11:27-30)27ካብ ኣቦይ ኵሉ ተዋሂቡኒ አሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን: ዚፈልጦ የልቦን። 28ኣቱም ኵልኹም እትጽዕሩን ጾር ዝኸበደኩምን፡ ኣነ ኸዕርፈኩም ናባይ ንዑ። 29-30ኣነ ለዋህ እየ፡ ልበይውን ትሑት፡ ኣርዑተይ ፈኵሽ፡ ጾረይውን ቀሊል እዩ እሞ፡ ኣርዑተይ ጹሩ ኻባይውን ተምሀሩ፡ ንነፍስኹም ከኣ ዕረፍቲ ኽትረኽቡ ኢኹም።(ማቴ12:1-30)1በታ ጊዜ እቲኣ የሱስ ብሰንበት ብማእከል ዝሩእ ግርሁ ሐለፈ። ደቀ መዛሙርቱ ድማ ጠመዩ፡ ሰዊት ኪምሕዉን ኪበልዑን ከኣ ጀመሩ። 2ፈሪሳውያን ድማ እዚ ርእዮም፡ እንሆ፡ ደቀ መዛሙርትኻ ብሰንበት ምግባሩ ዘይግባእ ይገብሩ ኣለዉ፡ በልዎ። 3ንሱ ኸኣ በሎም፡ ዳዊት ዝገበሮ፡ ንሱን እቶም ምስኡ ዝነበሩን ምስ ጠመዩ፡ 4ከመይ ኢሉ ናብ ቤት ኣምላኽ ከም ዝኣተወ እሞ፡ ብጀካ ንኻህናት ጥራይ፡ ንእኡ ዀነ፡ ወይስ ነቶም ምስኡ ዝነበሩ፡ ምብላዑ ዘይግብኦም እንጌራ ምርኣይ ከም ዝበልዔስ፡ ኣየንበብኩምንዶ፧ 5ካህናት ኣብ ቤተ መቕደስ ብመዓልቲ ሰንበትሲ ንሰንበት ከም ዚስዕርዋ፡ በደል ከኣ ከም ዘይኰኖምከ፡ ኣብ ኦሪትዶ ኣየንበብኩምን፧ 6ኣነ ግና፡ ካብ ቤተ መቕደስ ዚዐቢ ኣብዚ ኸም ዘሎ፡ እብለኩም አሎኹ። 7ግናኸ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ እንታይ ምዃኑ እንተ ትፈልጡስ፡ ኣብዞም በደል ዜብሎም ኣይምፈረድኩምን ኔርኩም። 8እምብኣርስኸ ወዲ ሰብ ጐይታ ሰንበት እዩ። 9ንሱ ኻብኡ ሐሊፉ፡ ናብ ቤት ጸሎቶም ኣተወ። 10እንሆ ኸኣ፡ ኢዱ ዝነቀጸት ሰብኣይ ኣብኡ ነበረ። ምእንቲ ኪኸስዎ ኸኣ፡ ብሰንበት ምፍዋስዶ ግቡእ እዩ፧ ኢሎም ሐተትዎ። 11በሎም ከኣ፡ ካባኻትኩምከ ሓንቲ በጊዕ ዘላቶ እሞ ብሰንበት ኣብ ጕድጓድ እንተ ወደቐት፡ ዘይሕዛን ዘየውጽኣን እንታዋይ ሰብ አሎ፧ 12ካብ በጊዕሲ ሰብዶ ግዳ ኣዝዩ ኣይበልጽን፧ እምበርሲ፡ ብሰንበት ጽቡቕ ምግባር ግቡእ እዩ። 13ሽዑ ነቲ ሰብኣይ ኸኣ ኢድካ ዘርግሕ፡ በሎ። ኢዱ ዘርግሔ፡ ብኡብኡ ኸኣ ሐወየት፡ ከምታ ኻልኣይቲውን ኰነት። 14ፈሪሳውያን ግና ምስ ወጹ፡ ከመይ ገይሮም ከም ዜጥፍእዎ ተማኸሩ። 15የሱስ ድማ እዚ ፈሊጡ ኻብኡ ኣግለሰ። ብዙሓት ሰብ ድማ ሰዐብዎ፡ ንዅሎምውን ኣሕወዮም። 16ከየግህድዎ ድማ ኣሕሚሙ ኣዘዞም። 17እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ እተባህለ ኺፍጸም፡ ከምዚ ዚብል፡ 18እንሆ፡ ዝሐሬኽዎ ጊልያይ፡ ነፍሰይ ዝሰመረቶ ፈታውየይ፡ ኣብኡ መንፈሰይ ክሕድር እየ፡ ንሱ ድማ ነህዛብ ፍትሒ ኼውጽአሎም እዩ። 19ኣይከራኸርን፡ ኣይጭድርን፡ ኣብ ኣደባብይውን ሓደ እኳ ድምጹ ኣይኪሰምዕን እዩ። 20ፍርዲ ናብ ዓወት ክሳዕ ዜብጽሕ፡ ጭፍሉቕ ሻምብቆ ኣይሰብርን፡ ዚተክኽ ፈትሊ ጥዋፍውን ኣየጥፍእን እዩ። 21ኣህዛብ ከኣ ብስሙ ተስፋ ኺገብሩ እዮም። 22ድሕርዚ ኸኣ ጋኔን ዝሐደሮ ዕዉር ዓባስ ናብኡ ኣምጽኡ። ንሱ ድማ ነቲ ዕዉር ዓባስ ዚርእን ዚዛረብን ገይሩ ኣሕወዮ። 23እቶም ህዝቢ ዅሎም ከኣ፡ እዝስ እቲ ወዲ ዳዊት ደዀን እዩ፧ ኢሎም ኣስተንከሩ። 24ፈሪሳውያን ምስ ሰምዑ ግና፡ እዚ ብዘይ ብብኤል-ዜቡል፡ እቲ ሓለቓ ኣጋንንቲ፡ ነጋንንቲ ኣየውጽኦምን፡ በሉ። 25የሱስ ሓሳባቶም ፈሊጡ በሎም፡ ንሓድሕዳ እተፈላለየት ኵላ መንግስቲ ትዖኑ፡ ንሓድሕዳ እተፋላለየት ኵላ ኸተማ ወይስ ቤት ድማ ኣይትነብርን እያ። 26ሰይጣን ንሰይጣን ካብ ዜውጽኦ፡ ንሓድሕዱ ተፋላለየ፡ እታ መንግስቲ ደኣኸ ኸመይ ኢላ ትቐውም፧ 27ኣነ ነጋንንቲ ብብኤል-ዜቡል ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ፡ ደቅኹም ደኣ ብመን የውጽእዎም ኣለዉ፧ ስለዚ ንሳቶም ፈራዶኹም ኪዀኑ እዮም። 28ኣነ ነጋንንቲ ብመንፈስ ኣምላኽ ዘውጽኦም ካብ ኰንኩ ግና፡ እንሃ፡ መንግስቲ ኣምላኽ ናባኻትኩም መጸት። 29ወይስ ቅድም ነቲ ሓያል ከይኣሰረ፡ ናብ ቤት ሓያል ኣትዩ ኣቓሑኡ ኺብዝብዝ ዚኽእል መን አሎ፧ ድሕርዚ እዩ ቤቱ ዚብዝብዝ። 30ምሳይ ዘይኰነ መቓናቕንተይ እዩ፡ እቲ ምሳይ ኰይኑ ዘይእክብ ከኣ ይዘሩ።...more46minPlay
January 13, 2021(15/221) ሓድሽ ኪዳን ጥቕሲ ብጥቕሲ ብሓው ዛክፖነን .(ማቴ11:1-27)(ማቴ11:1-27)1ኰነ ድማ፡ የሱስ ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ምእዛዞም ምስ ወድኤ፡ ኣብ ከተማታቶም ኪምህርን ኪሰብኽን ካብኡ ሐለፈ። 2ዮሃንስ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኸሎ፡ ወረ ግብሪ ክርስቶስ ሰሚዑ፡ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኽልተ ልኢኹ፡ 3እቲ ዚመጽእስ ንስኻ ዲኻ ወይስ ካልእ ክንጽበ ኢና፧ በሎ። 4የሱስ መሊሱ በሎም፡ ኬድኩም እዚ እትሰምዕዎን እትርእይዎን ዘሎኹም ንዮሃንስ ንገርዎ፡ 5ዕዉራት ይርእዩ፡ ሓንካሳት ይኸዱ፡ ለምጻማት ይነጽሁ፡ ጸማማት ይሰምዑ፡ ምዉታት ይትንስኡ፡ ንድኻታት ድማ ወንጌል ይስበኽ አሎ። 6ብኣይ ዘይዕንቀፍ ከኣ ብጹእ እዩ። 7ንሳቶም ምስ ከዱ፡ የሱስ ነቶም እኩባት ህዝቢ ብዛዕባ ዮሃንስ ኪብሎም ጀመረ፡ እንታይ ክትርእዩ ናብ በረኻ ወጻእኩም፡ ብንፋስ ሰሰው ዚብል ሻምብቆዶ፡ 8እንታይ ደኣ ኽትርእዩ ወጻእኩም፧ ብልስሉስ ክዳውንቲ ዘጌጸ ሰብዶ፧ ልስሉስ ክዳውንቲ እተኸድኑስ፡ እንሆ፡ ኣብ ኣባይቲ ነገስታት ኣለዉ። 9ንምንታይ ደኣ ወጻእኩም፧ ነብዪ ኽትርእዩዶ፧ እወ፡ ካብ ነብዪ እኳ ዚበልጽ እዩ፡ እብለኩም አሎኹ። 10እቲ ብዛዕባኡ እተጻሕፈሉ ንሱ እዩ፡ እንሆ፡ ኣብ ቅድሜኻ፡ መገድኻ ዚጸርግ መልኣኸይ ቀቅድሜኻ እልእኽ አሎኹ። 11ብሓቂ እብለኩም አሎኹ፡ ካብ ኣንስቲ ኻብ እተወለዱ ኻብ ዮሃንስ መጥመቕ ዚዐቢ ሓደ እኳ ኣይተንስኤን። ኣብ መንግስተ ሰማያት ግና እቲ ዚንእስ ካብኡ ይዐቢ። 12ካብ ዘመን ዮሃንስ መጥመቕ ክሳብ ሎሚ መንግስተ ሰማያት ብሓይሊ ትደፍእ ኣላ፡ ደፋእቲ ድማ ብሓይሊ ይዛረፍዋ ኣለዉ። 13ኵሎም ነብያትን ኦሪትን ክሳዕ ዮሃንስ ተነበዩ። 14ክትኣምኑ እንተ ደሌኹምሲ፡ እቲ ኺመጽእ ዘለዎ ኤልያስ ንሱ እዩ። 15እትሰምዕ እዝኒ ዘላቶ ይስማዕ። 16ነዚ ወለዶ እዚ እሞ ብምንታይ ክምስሎ እየ፧ ኣብ ዕዳጋ ተቐሚጦም ነዕሩኾም ዚጽውዑ ቘልዑ እዩ ዚመስል። 17እሞ ዚብልዎም፡ እምብልታ ነፋሕናልኩም፡ ኣይሳዕሳዕኩምን፡ ኣልቀስናልኩም፡ ኣይበኼኹምን። 18ዮሃንስ እንተ መጸ፡ ኣይበልዕ ኣይሰቲ፡ ጋኔን ኣለዎ፡ ይብሉ። 19ወዲ ሰብ መጸ፡ ይበልዕ ይሰቲ፡ እንሆ በላዕን ሰታይ ወይንን ዓርኪ ተገውትን ሓጥኣንን፡ ይብሉ። ጥበብ ብደቃ ጸደቐት። 20ድሕርዚ የሱስ ነተን ብዙሕ ሓይሊ ዝገበረለን ከተማታት ስለ ዘይተነሰሐ ኺነቕፈን ጀመረ፡ 21ወይለኺ ኰራዚን፡ ወይለኺ ቤተ-ሳይዳ፡ እዚ ኣባኻትክን እተገበረ ሓይሊ ኣብ ጢሮስን ኣብ ሲዶናን ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ቀደም ማቕ ተኸዲነን፡ ሓሙዅስቲ ተነጺፈን ምተነስሓ ነይረን። 22ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኻትክን ንጢሮስን ሲዶናን ከም ዚቐልል፡ እብለክን አሎኹ። 23ኣቲ ቅፍርናሆም፡ ክሳዕ ሰማይዶ ልዕል ክትብሊ ኢኺ፧ ክሳዕ ሲኦልከስ ከተንከራርዊ ኢኺ። እዚ ኣባኺ እተገበረ ግብርታት ሓይሊ ኣብ ሶዶም ተገይሩ እንተ ዚኸውንሲ፡ ክሳዕ ሎሚ ምጸንሔት ነይራ። 24ብመዓልቲ ፍርዲ ግና ካባኽስ ንምድሪ ሶዶም ከም ዚቐልል፡ እብለኹም አሎኹ። 25በታ ወርሓት እቲኣ የሱስ መለሰ በለውን፡ ዎ ኣቦይ ጐይታ ሰማይን ምድርን፡ እዚ ኻብ ብልህታትን ኣስተውዓልትን ስለ ዝሐባእካዮ፡ ንሕጻናት ግና ስለ ዝገለጽካዮ ኤመስግነካ አሎኹ። 26እወ፡ ኣቦይ፡ ኣብ ቅድሜኻ ኸምኡ ስምረትካ ዀይኑ። 27ካብ ኣቦይ ኵሉ ተዋሂቡኒ አሎ። ንወዲ ብጀካ ኣቦ ሓደ እኳ ዚፈልጦ የልቦን፡ ነቦ ኸኣ ብጀካ ወድን እቲ ወዲ ኺገልጸሉ ዚፈቱን: ዚፈልጦ የልቦን።...more45minPlay
January 13, 2021(14/221) ሓድሽ ኪዳን ጥቕሲ ብጥቕሲ ብሓው ዛክፖነን (ማቴ10:1-42)(ማቴ10:1-42)1ንዓሰርተው ክልተ ደቀ መዛሙርቱ ጸዊዑ፡ ንርኹሳት መናፍስቲ ኼውጽእዎምን ንብዘሎ ሕማምን ድናሰን ኬሕውዩን ስልጣን ሀቦም። 2ስማት እቶም ዓሰርተው ክልተ ሃዋርያት እዚ እዩ፡ ቀዳማይ እቲ ጴጥሮስ ተብሂሉ ዘሎ ስምኦን፡ እንድርያስ ከኣ ሓዉ። ያእቆብ ወዲ ዘብዴዎስ፡ ዮሃንስ ከኣ ሓዉ። 3ፊልጶስን በርተሎሜዎስን ቶማስን ማቴዎስ እቲ ተጋውን። ያእቆብ ወዲ እልፍዮስን እቲ ታዴዎስ ተብሂሉ ዘሎ ልብድዮስን፡ 4ስምኦን ብዓል ቃናን እቲ ዘትሐዞ ይሁዳ ኣስቆሮታውን። 5-6የሱስ ነዞም ዓሰርተው ክልተ ለኣኾም፡ ከምዚ ኢሉውን ኣዘዞም፡ ናብተን ጥፉኣት ኣባጊዕ ቤት እስራኤል ደኣ ኺዱ እምበር፡ ብመገዲ ኣህዛብ ኣይትኺዱ፡ ናብ ከተማ ሳምራውያን ድማ ኣይትእተዉ። 7ኬድኩም ድማ፡ መንግስተ ሰማያት ቀሪባ ኣላ፡ ኢልኩም ስበኹ። 8ሕሙማት ኣሕውዩ፡ ምዉታት ኣተንስኡ፡ ለምጻማት ኣንጽሁ፡ ኣጋንንቲ ኣውጽኡ። ብኸምኡ ተቐበልኩም፡ ብኸምኡ ሃቡ። 9ወርቂ ኰነ፡ ብሩር ኰነ ኣስራዚ ዀነ፡አብ ቅናውትኹም ኣይትቛጽሩ። 10ንዓያዪ ምግቡ ይግብኦ እዩ እሞ፡ ስንቂ ንመገዲ፡ ወይስ ክልተ ኽዳን፡ ወይ ኣሳእን፡ ወይ በትሪ ኣይትምሀዙ። 11ኣብ ዝዀነ ኸተማ ወይስ ዓዲ ኣቲኹም፡ ኣብኡ እቲ ብቑዕ መን ምዃኑ ሕተቱ። ክሳዕ እትወጹውን ኣብኡ ተቐመጡ። 12ናብ ቤት ምስ ኣቶኹም፡ ሰላም በሉ። 13እታ ቤት ነዚ እትበቅዕ እንተ ዀይና ሰላምኩም ይሕደራ። ዘይትበቅዕ እንተ ዀነት ግና፡ ሰላምኩም ናባኻትኩም ይመለስ። 14እንተ ዘይተቐበሉኹም ድማ፡ ወይስ ቃልኩም እንተ ዘይሰምዑ፡ ካብታ ቤት እቲኣ ወይ ካብታ ኸተማ እቲኣ ወጺእኩም፡ ተጐጓ ኣእጋርኩም ንገፉ። 15ብመዓልቲ ፍርዲ ኻብ ነታ ኸተማ እቲኣስ ንምድሪ ሶዶምን ጎሞራን ከም ዚቐልል፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 16እንሆ፡ ከም ኣባጊዕ ናብ ማእከል ተዃሉ እሰደኩም አሎኹ። ደጊም ጠቢባን ከም ተመን፡ ገርህታት ከኣ ከም ርግቢ ኹኑ። 17-18ናብ ዋዕላ ኺወስድኹም፡ ኣብ ቤት ጸሎቶም ድማ ኪገርፍኹም እዮም፡ ንኣታቶምን ነህዛብን ንምስክር ኪኸውን፡ ምእንታይ ናብ መኳንንትን ናብ ነገስተታን ክትውሰዱ ኢኹም እሞ፡ ካብ ሰብ ተጠንቐቁ። 19ኣሕሊፎም ኪህቡኹም ከለዉ፡ እንታይ ከም እትዛረቡ፡ በታ ጊዜ እቲኣ ኺውሀበኩም እዩ እሞ፡ ከመይ ወይስ እንታይ ከም እትዛረቡ ኣይትጨነቑ። 20መንፈስ ኣቦኹም እዩ ኣባኻትኩም ዚዛረብ እምበር፡ ንስኻትኩም ኣይኰንኩምን እትዛረቡ። 21ሓው ንሓው፡ ኣቦ ኸኣ ንውሉድ ኣሕሊፉ ንሞት ኪህብ እዩ፡ ውሉድ ናብ ወለዶም ኪትንስኡን ኪቐትልዎምን እዮም። 22ስለ ስመይ ከኣ ኵሉ ሰብ ኪጸልኣኩም እዩ። እቲ ኽሳዕ መወዳእታ ዚዕገስ፡ ንሱ ኺድሕን እዩ። 23ካብ ሓንቲ ኸተማ እንተ ሰጐጉኹም፡ ናብ ሓንቲ ኻልእ ህደሙ። ወዲ ሰብ ክሳዕ ዚመጽእ፡ ከተማታት እስራኤል ከም ዘይትውድኡ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 24ተመሃሪ ኻብ መምህሩ፡ ጊልያውን ካብ ጐይታኡ ኣይበልጽን። 25ተመሃሪ ኸም መምህሩ፡ ጊልያውን ከም ጐይታኡ እንተ ዀነ፡ ይኣኽሎ። ንብዓል ቤት ብኤል-ዜቡል ካብ በልዎ፡ ንስድራ ቤቱ ግዳ ኽንደይ ኣዝዩ ብዙሕ ዘይብልዎ። 26እምበኣርስኸ፡ ዘይቕላዕ ክዱን፡ ዘይፍለጥ ድማ ስዉር የልቦን እሞ፡ ኣይትፍርህዎም። 27ኣብ ጸልማት ዝነገርኩኹም ብብርሃን ተዛረብዎ፡ ኣብ እዝንኹም ዝሰማዕኩምዎ ኸኣ ኣብ ናሕሲ ዄንኩም ስበኽዎ። 28ነቲ ነፍስን ስጋን ኣብ ገሃነም ኬጥፍእ ዚከአሎ ደኣ ኣዚኹም ፍርህዎ እምበር፡ ነቶም ንስጋ ዚቐትሉ፡ ንነፍሲ ግና ምቕታላ ዘይክአሎም ኣይትፍርህዎም። 29ክልተ ዑፍዶ ብኣሳርዮን ይሽየጣ ኣይኰናን፧ ሓንቲ ኻባታተን ብዘይ ፍቓድ ኣቦኹም ኣብ ምድሪ ኣይትወድቕን። 30ጸጉሪ ርእስኹም ኵለን እኳ ቝጹራት እየን። 31እምበኣርሲ ንስኻትኩም ካብ ብዙሓት ኣዕዋፍ ትበልጹ ኢኹም እሞ፡ ኣይትፍርሁ። 32ስለዚ ኣብ ቅድሚ ሰብ ንተኣመነኒ ዅሉ፡ ኣነ ኸኣ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ክእመኖ እየ። 33ኣብ ቅድሚ ሰብ ንዝኸሐደኒ ድማ፡ ኣነ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ኣብ ሰማያት ዘሎ ኣቦይ ክኽሕዶ እየ። 34ናብ ምድሪ ዕርቂ ኸምጽእ ዝመጻእኩ ኣይምሰልኩም። ሰይፊ ደኣ እምበር፡ ዕርቂ ከምጽእ ኣይመጻእኩን። 35ወዲ ኻብ ኣቦኡ፡ ጓል ካብ ኣዲኣ፡ መርዓት ካብ ሓማታ ደኣ ኽፈሊ መጻእኩ እምበር፡ 36ንሰብ እቶም ቤተ ሰቡ ጸላእቱ ኪዀኑ እዮም። 37እቲ ኻባይ ንቦኡን ነዲኡን ዜፍቅር ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። ካባይሲ ንወዱ ወይስ ንጓሉ ዜፍቅር ድማ ንኣይ ኣይበቅዕን እዩ። 38መስቀሉ ኣልዒሉ ደድሕረይ ዘይስዕብ ንኣይ ኣይበቅዕን። 39እቲ ንህይወቱ ዚረኽባ ኼጥፍኣ እዩ፡ እቲ ንህይወቱ ምእንታይ ዜጥፍኣ ከኣ ኪረኽባ እዩ። 40ንኣኻትኩም ዚቕበል ንኣይ እዩ ዚቕበል፡ እቲ ንኣይ ዚቕበል ድማ ነቲ ዝለኣኸኒ እዩ ዚቕበሎ። 41ንነብዪ ብስም ነብዪ ዚቕበል፡ ዓስቢ ነብዪ ይረክብ፡ ንጻድቕ ብስም ጻድቕ ዚቕበል ድማ ዓስቢ ጻድቕ ይረክብ። 42ካብዞም ናእሽቱ ንሓደ እኳ ብስም ወደ መዝሙር ጣሳ ዝሑል ማይ ጥራይ ዜስቲ፡ ዓስቡ ከቶ ኸም ዘይስእን፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ።...more46minPlay
January 13, 2021(13/221) ሓድሽ ኪዳን ጥቕሲ ብጥቕሲ ብሓው ዛክፖነን (ማቴ9:9-28)(ማቴ9:9-28)9የሱስ ካብኡ ምስ ሐለፈ፡ ማቴዎስ ዚብልዎ ሰብኣይ ኣብቲ በሪ ተጎ ተቐሚጡ ረኣየ እሞ፡ ስዐበኒ፡ በሎ። ተንሲኡ ኸኣ ሰዐቦ። 10ኰነ ኸኣ፡ ኣብ ቤቱ ኣብ መኣዲ ምስ ተቐመጠ፡ እንሆ፡ ብዙሓት ተገውትን ሓጥኣንን ምስ የሱስን ምስ ደቀ መዛሙርቱን ተቐመጡ። 11ፈሪሳውያን ከኣ ርእዮም ንደቀ መዛሙርቱ፡ መምህርኩምሲ ስለምንታይ እዩ ምስ ተገውትን ሓጥኣንን ዚበልዕ፧ በልዎም። 12የሱስ ግና ሰሚዑ፡ ንሓኪምሲ ሕሙማት እምበር፡ ጥዑያት ኣይደልይዎን። 13ኣነ ሓጥኣን እምበር፡ ጻድቃን ክጽውዕ ኣይመጻእኩን እሞ፡ ምሕረት እፈቱ፡ መስዋእቲ ኣይኰነን፡ ዚብል እንታይ ምዃኑ፡ ኪዱ ተምሀሩ፡ በሎም። 14ሽዑ ደቀ መዛሙርቲ ዮሃንስ፡ ስለምንታይ ንሕናን ፈሪሳውያንን ብዙሕ ንጸውም፡ ደቀ መዛሙርትኻ ግና ኣይጸሙን፧ ኢሎም ናብኡ መጹ። 15የሱስ ከኣ በሎም፡ ነዕሩኽ መርዓዊኸ፡ መርዓዊ ምሳታቶም ኽሳዕ ዘሎ፡ ከመይ ኢሎም ኪጕህዩ ይዀነሎም፧ መርዓዊ ኻባታቶም ዚውሰደላ መዓልቲ ግና ክትመጽእ እያ፡ ሽዑ ኸኣ ይጾሙ። 16ቍራጽ ሓድሽ ዓለባ ኣብ ብላይ ክዳን ዚልግብ የልቦን፡ እንተ ዘይኰነስ ነቲ ጥዑይ ይልክሞ፡ ምቕዳዱ ኸኣ ዝገደደ ይኸውን። 17ንሓድሽ ወይኒ ኣብ ኣረገውቲ ኣሕርብቲ ኣየዕርቕዎን፡ እንተ ዘይኰነስ እቲ ኣሕርብቲ ይቕደድ፡ እቲ ወይኒውን ይፈስስ፡ ኣሕርብቲ ኸኣ ይበላሾ። ንሓድሽ ወይኒ ግና ኣብ ሓደስቲ ኣሕርብቲ የዕርቕዎ፡ ክልቲኦም ድማ ይእርነቡ። 18እዚ ኺብሎም ከሎ፡ እንሆ፡ መራሕ ቤት ጸሎት መጾ፡ ጓለይ ሕጂ ሕጂ ሞተት፡ ግናኸ ንዓ ኢድካ ኣንብረላ እሞ ክትሐዊ፡ እናበለ ሰገደሉ። 19የሱስ ድማ ተንሲኡ ምስ ደቀ መዛሙርቱ ሰዐቦ። 20-21እንሆ ኸኣ፡ ካብ ዓሰርተው ክልተ ዓመት ሒዙ ደም ዛሕዛሕ ዚብላ ሰበይቲ ብልባ፡ ዘፈር ክዳኑ ጥራይ እንተ ተንኬኹ፡ ክሐዊ እየ፡ ኢላ ኣላ እሞ፡ ብድሕሪኡ ቐሪባ ዘፈር ክዳኑ ተንከየት። 22የሱስ ግልጽ ኢሉ ረኣያ እሞ፡ ኣጆኺ ጓለይ፡ እምነትኪ ኣሕወየትኪ፡ በላ። እታ ሰበይቲ ኻብታ ሰዓት እቲኣ ሒዛ ሐወየት። 23የሱስ ናብ ገዛ መራሕ ቤት ጸሎት ምስ መጸ፡ ነፋሕቲ እምብልታን ዋይዋይ ዚብሉ ሰብን ረአየ፡ 24እዛ ጓል ደቂሳ ኣላ እምበር፡ ኣይሞተትን እሞ ኣግልሱ፡ በሎም። ንሳቶም ድማ ሰሐቕዎ። 25እቶም ሰብ ምስ ወጹ፡ ኣትዩ ኢዳ ሐዛ፡ እታ ጓል ከኣ ተንስኤት። 26ኣብ ኵላ እታ ሃገርውን ወሪኡ ወጸ። 27የሱስ ካብኡ ምስ ሐለፈ፡ ክልተ ዕዉራት ዓው ኢሎም፡ ወዲ ዳዊት፡ ምሐረና፡ እናበሉ ሰዐብዎ። 28ናብ ቤት ምስ ኣተወ፡ እቶም ዕዉራት ናብኡ መጹ። የሱስ ድማ፡ እዚ ምግባር ከም ዚከኣለኒዶ ትኣምኑ ኢኹም፧ በሎም። ንሳቶም፡ እወ ጐይታይ፡ በልዎ።...more46minPlay
January 13, 2021(12/221) ሓድሽ ኪዳን ጥቕሲ ብጥቕሲ ብሓው ዛክፖነን (ማቴ8,1-9,8)(ማቴ8,1-34)1ካብ ከረን ኪወርድ ከሎ፡ ብዙሕ ህዝቢ ሰዐቦ። 2እንሆ፡ ለምጻም መጺኡ፡ ጐይታይ፡ እንተ ትፈቱስ፡ ከተንጽሃኒ ትኽእል ኢኻ፡ እናበለ ሰገደሉ። 3ኢዱ ዘርጊሑ፡ ፈትየ አሎኹ ንጻህ፡ ኢሉ ተንከዮ። ብኡብኡ ኻብ ለምጹ ነጽሄ። 4የሱስ ድማ ንሓደ እኳ ኸይትነግር ተጠንቀቕ። ኪድ ደኣ፡ ርእስኻ ንኻህናት ኣርኢ፡ ንኣታትቶም ንምስክር ድማ እቲ ሙሴ ዝኣዘዞ መባእ ኣቕርብ፡ በሎ። 5-6ናብ ቅፍርናሆም ምስ ኣተወ፡ ሓለቓ ሚእቲ ናብኡ መጺኡ፡ ጐይታይ ቈልዓይ መጽጕዑ ኣብ ገዛይ ወዲቑ፡ ብዙሕ ከኣ ይቕንዞ አሎ፡ እናበለ ለመኖ። 7የሱስ ድማ፡ እኔኹ፡ መጺኤ ኸሕውዮ እየ፡ በሎ። 8እቲ ሓለቓ ሚእቲ ኸምዚ ኢሉ መለሰሉ፡ ጐይታይ፡ ኣነ፡ ንስኻ ናብ ቤተይ ክትኣቱ፡ ኣይበቕዕን፡ ኣየ እሞ፡ ሓንቲ ቓል ጥራይ ደኣ በል፡ ቈልዓይ ድማ ይሐዊ። 9ኣነ ኸኣ ኣብ ትሕቲ መላኺ ዝግዛእ፡ ብትሕተይውን ጭፍራ ዘሎኒ ሰብ እየ እሞ፡ ነዚ ኺድ እብሎ፡ ይኸይድ፡ ንሓደ ኻልእ ከኣ ንዓ፡ ይመጽእ። ንባርያይውን እዚ ግበር፡ ይገብር ከኣ። 10የሱስ ሰሚዑ ኣስተንከረ፡ ነቶም ዚስዕብዎ ዘለዉ ድማ በሎም፡ ከምዚ ዝበለት ዓባይ እምነትሲ ኣብ እስራኤል እኳ ኸም ዘይረኸብኩ፡ ብሓቂ እብለኩም አሎኹ። 11ካብ ምብራቕን ካብ ምዕራብን ብዙሓት ኪመጹ እዮም፡ ኣብ መንግስተ ሰማያት ከኣ ምስ ኣብርሃም ይስሃቅን ያእቆብን ኣብ መኣዲ ኪቕመጡ እዮም። 12ደቂ መንግስቲ ግና ናብ ናይ ወጻኢ ጸልማት ኪድርበዩ እዮም። ኣብኡ ብኽያትን ምሕርቃም ኣስናንን ኪኸውን እዩ፡ እብለኩም አሎኹ። 13የሱስ ነቲ ሓለቓ ሚእቲ፡ ኪድ፡ ከም ዝኣመንካዮ ይኹነልካ፡ በሎ። እቲ ቘልዓ ከኣ በታ ሰዓት እቲኣ ሐወየ። 14የሱስ ናብ ቤት ጴጥሮስ ምስ ኣተወ፡ ንሓማት ጴጥሮስ ብዓሶ ተትሒዛ ደቂሳ ረኣያ። 15ኢዳ ተንከያ፡ ዓሶኣውን ሐደገታ። ተንሲኣ ኸኣ ኣገልገለቶ። 16-17ምሸት ምስ ኰነ፡ ኣጋንንቲ ዝሐደርዎም ብዙሓት ናብኡ ኣምጽኡ። እቲ ብነብዪ ኢሳይያስ፡ ንሱ ድኻምና ወሰደ፡ ሕማምናውን ጾረ፡ እተበሀለ ምእንቲ ኽፍጸም፡ ብቓሉ መናፍስቲ ኣውጽኤ፡ ሕማም ንዘለዎም ኵሎም ድማ ኣሕወዮም። 18የሱስ ብዙሕ ህዝቢ ኸቢብዎ ምስ ረኣየ፡ ንማዕዶ ኺሳገሩ ኣዘዘ። 19ሐደ ጸሐፊ መጺኡ፡ መምህር፡ ናብ እትኸዶ ዘበለ ኹሉ ኽስዕበካ፡ በሎ። 20የሱስ ድማ፡ ንወኻሩ ጕድጓድ ኣለወን ነዕዋፍ ሰማይ ድማ ዜጽልላሉ። ንወዲ ሰብ ግና ርእሱ ዜጸግዓሉ እኳ የብሉን፡ በሎ። 21ሓደ ኻልእ ካብ ደቀ መዛሙርቱ ኸኣ፡ ጐይታይ፡ ከይደ ነቦይ ክቐብሮ ፍቐደለይ፡ በሎ። 22የሱስ ግና፡ ስዐበኒ ደኣ፡ ንምዉታትሲ ምዉታቶም ይቕበርዎም ሕደጎም፡ በሎ። 23ናብ ጃልባ ምስ ኣተወ፡ ደቀ መዛሙርቱ ሰዐብዎ። 24እንሆ ኸኣ፡ ማዕበል ነታ ጃልባ ኽሳዕ ዜጐልብባ፡ ኣብቲ ባሕሪ ዓብዪ ምንዋጽ ኰነ። ንሱ ግና ደቂሱ ነበረ። 25ደቀ መዛሙርቱ ቐሪቦም፡ ጐይታይ፡ ጠፋእና፡ ኣድሕነና፡ እናበሉ ኣተንስእዎ። 26ንሱ ኸኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ከመይከ እትፈርሁ፧ በሎም። ሽዑ ተንሲኡ ንንፋስ ንባሕርን ገንሖም። ዓብዪ ህድኣት ከኣ ዀነ። 27እቶም ሰብ ከኣ፡ እዚ፡ ንፋስን ባሕርን ዚእዘዙሉስ፡ መን ኰን ይኸውን፧ ኢሎም ኣስተንከሩ። 28ናብ ምድሪ ጌርጌሴኖን ምስ ተሳገሩ፡ ኣጋንንቲ ዝሓደርዎም ኽልተ ሰብ ካብ መቓብር ወጺኦም ተጓነፍዎ። ንሳቶም፡ ሓደ እኳ በታ መገዲ ኣቲኣ ምሕላፍ ክሳዕ ዚስእን፡ ኣዝዮም ክፉኣት ነበሩ። 29እንሆ ኸኣ፡ የሱስ ወዲ ኣምላኽ፡ ምሳኻ እሞ እንታይ አሎና፧ ቅድሚ ጊዜኡ ኽትሳቕየናዶ ናብዚ መጻእካ፧ እናበሉ ጨርሑ። 30ካባታቶም ርሕቕ ኢሉ ብርቱዕ መጓሰ ሓሰማታት ይበልዕ ነበረ። 31እቶም ኣጋንንቲ ድማ፡ እተውጻኣና እንተ ዄንካስ፡ ናብዚ መጓሰ ሓሰማታት ክንኣቱ ፍቐደልና፡ ኢሎም ለመንዎ። 32ንሱ ኸኣ፥ ኪዱ፡ በሎም። ወጺኦም ድማ ናብተን ሓሰማታት ኣተዉ። እንሆ ኸኣ፡ ብዘሎ እቲ መጓሰ ኻብ ጸድፊ ነፊጹ ናብ ባሕሪ ኣተወ፡ ኣብቲ ማይ ከኣ ኵምም በለ። 33እቶም ጓሶት ሀዲሞም፡ ናብ ዓዲ ኣተዉ፡ በቲ ዝዀነ ኹሉን ብናይቶም ኣጋንንቲ ዝነበርዋምን ከኣ ኣውረዩ። 34እንሆ ድማ፡ ብዘላ እታ ዓዲ ንየሱስ ክትራኸቦ ወጸት። ምስ ረኣይዎ ኸኣ፡ ካብ ወሰን ምድሮም ኬግልስ ለመንዎ።(9:1-8)ናብ ጃልባ ኣትዩ ተሳገረ፡ ናብ ዓዱውን መጸ። 2እንሆ ኸኣ፡ መጻጕዕ ሰብኣይ ብዓራት ጾይሮም ናብኡ ኣምጽእዎ። የሱስ እምነቶም ርእዩ፡ ነቲ መጻጕዕ፡ ወደየ ኣጆኻ፡ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ፡ በሎ። 3እንሆ ኸኣ፡ ሓያሎ ኻብቶም ጸሓፍቲ ብልቦም፡ እዚ ይጻረፍ አሎ፡ በሉ። 4የሱስ ድማ ሓሳባቶም ፈሊጡ በለ፡ ንምንታይ ብልብኹም ክፉእ ትሐስቡ አሎኹም፧ 5ኣየናይ ይቐልል፡ ሓጢኣትካ ተሐዲጉልካ ምባልዶ፡ ወይ ተንስእ እሞ ኪድ ምባል፧ 6ንወዲ ሰብ ግና ሓጢኣት ኪሐድግ ኣብ ምድሪ ስልጣን ከም ዘለዎ ምእንቲ ኽትፈልጡ፡ ሽዑ ነቲ መጻጕዕ፡ ተንስእ እሞ ዓራትካ ኣልዒልካ ናብ ቤትካ ኺድ፡ በሎ። 7ተንሲኡ ናብ ቤቱ ኸደ። 8እቶም ህዝቢ እዚ ርእዮም ፈርሁ። ንኣምላኽ ድማ ከምዚ ዝበለ ስልጣን ንሰብ ብምሃቡ ኣመስገንዎ።...more46minPlay
January 13, 2021(11/221) ሓድሽ ኪዳን ጥቕሲ ብጥቕሲ ብሓው ዛክፖነን (ማቴ7:13-29) (ማቴ7:13-29)13-14እታ ናብ ጥፍኣት እትወስድ ደገ ርሕብቲ፡ መገዳውን ገፋሕ እያ፡ እቶም ብእኣ ዚኣትዉ ድማ ብዙሓት እዮም። እታ ናብ ህይወት እትወስድ ደገ ግና ጸባብ፡ መገዳውን ቀጣን እያ፡ እቶም ዚረኽብዋ ኸኣ ሒደት እዩም እሞ፡ በታ ጸባብ ደገ እተዉ። 15ካብ ነብያት ሓሶት ተጠንቀቑ ውሽጦም ዚምንጥሉ ተዃሉ ኽነሶምሲ፡ ክዳን ኣባጊዕ ተኸዲኖም እዮም ዚመጽኹም። 16ብፍሪኣም ከተለልይዎም ኢኹም። ካብ እሾኽዶ ወይኒ ይቕንጠብ፡ ካብ ተዀርባስ በለስ፧ 17ከምኡኸስ እቲ ጽቡቕ ኦም ጽቡቕ ፍረ ይፈሪ፡ እቲ ኽፉእ ኦም ከኣ ክፉእ ፍረ ይፈሪ። 18ጽቡቕ ኦም ክፉእ ፍረ ኺፈሪ፡ ወይስ ክፉእ ኦም ጽቡቕ ፍረ ኺፈሪ ኣይኰነሉን እዩ። 19ጽቡቕ ፍረ ዘይፈሪ ዘበለ ኹሉ ኦም ይቑረጽ፡ ናብ ሓዊ ድማ ይድርበ። 20እምበርከ ብፍሪኦም ከተለልይዎም ኢኹም። 21ፍቓድ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦይ ዚገብር እምበር፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ዚብለኒ ኹሉ፡ መንግስተ ሰማይ ዚኣቱ ኣይኰነን። 22በታ መዓልቲ እቲኣ ብዙሓት፡ ጐይታይ፡ ጐይታይ፡ ብስምካ እተነቤናዶ ኣይኰናን፧ ኣጋንንትስ ብስምካዶ ኣየውጻእናን፧ ብስምካስ ብዙሕ ሓይሊዶ ኣይገበርናን፧ ኪብሉኒ እዮም። 23ሽዑ ኣነ፡ ኣቱም ገበርቲ ዓመጻ፡ ከቶ ኣይፈለጥኩኹምን፡ ካባይ ርሐቑ፡ ክብሎም እየ። 24ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዚገብሮ ኹሉ፡ ቤቱ ኣብ ከውሒ ዝሰርሔ ብልሂ ሰብኣይ ይመስል። 25ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ንፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ከኣ ደፍእዋ። ኣብ ከውሒ ተሰሪታ እያ እሞ፡ ኣይወደቐትን። 26ነዚ ነገረይ ሰሚዑ ዘይገብሮ ኹሉ ኸኣ ቤቱ ኣብ ሑጻ ዝሰርሔ ዓሻ ሰብኣይ ይመስል። 27ዝናም ዘነመ፡ ውሒዝ ወሐዘ፡ ነፋስውን ነፈሰ፡ ነታ ቤት ደፍእዋ፡ ወደቐት፡ ኣዋዳድቓኣ ድማ ዓብዪ ዀነ። 28-29ኰነ ድማ፡ የሱስ ነዚ ነገርዚ ምስ ወድኤ፡ ከም ጸሓፍቶም ዘይኰነስ፡ ስልጣን ከም ዘለዎ ይምህሮም ነበረ እሞ፡ እቶም ህዝቢ ብምህሮኡ ተገረሙ።...more45minPlay
January 03, 2021(10/221) ሓድሽ ኪዳን ጥቕሲ ብጥቕሲ ብሓው ዛክፖነን ፡፡(ማቴ6,25-7,12)(6,25-33) 25ካብ መብልዕሲ ህይወትዶ ኣይትበልጽን፧ ካብ ክዳንስ ስጋዶ ኣይበልጽን፧ ስለዚ ንህይወትኩም ብትበልዕዎን ብትሰትይዎን ወይስ ንስጋኹም ብትኽደንዎን ኣይትጨነቑ፡ እብለኩም አሎኹ። 26ነዕዋፍ ሰማይ ተመልከቱ፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ደኣ ይምግበን እምበር፡ ኣይዘርኣ፡ ኣይዐጽዳ፡ ኣብ ማዕከንውን ኣይእክባን እየን። ንስኻትኩምዶ ግዳ ኻባታተን ብዙሕ ኣይትበልጹን፧ 27ካባኻትኩምከ ተጨኒቑ ኣብ ልዕሊ ቝመቱ ሓንቲ እመት ኪውስኽ ዚኽእል መን አሎ፧ 28ከመይከ ብናይ ክዳን እትጭነቝ፧ ንዕምባታት መሮር ከመይ ኢሎም ከም ዚዐብዩ ተመልከቱ፡ ኣይደኽሙ፡ ኣይፈትሉ። 29ምስናይዚ ግና ሰሎሞን እኳ በቲ ኹሉ ኽብሩ ኸም ሐደ ኻባታቶም ከም ዘይተኸደነ፡ እብለኩም አሎኹ። 30ኣምላኽ ነቲ ሎሚ ዘሎ፡ ጽባሕ ግና ናብ እቶን ዚድርበ ሳዕሪ መሮር ከምዚ ገይሩ ዚኸድኖ ኻብ ኰነ ደኣ፡ ኣቱም ጕዱላት እምነት፡ ንኣኻትኩምዶ ግዳ ኣብሊጹ ኣይከድነኩምን፧ 31እምበርከ እንታይ ንበልዕ፡ እንታይ ንሰቲ፡ እንታይ ንኽደን፡ ኢልኹም ኣይትጨነቑ። 32ነዚ ኹሉስ ኣህዛብ ይደልይዎ እዮም እሞ፡ ንኣኻትኩም እዚ ኹሉ ኸም ዜድልየኩም፡ ናይ ሰማይ ኣቦኹም ይፈልጥ እዩ። 33ቅድም መንግስቲ ኣምላኽን ጽድቁን ድለዩ፡ እዚ ኹሉ ድማ ይውሰኸልኩም። 34ጽባሕ ንርእሳ ትጭነቕ እያ እሞ፡ ንጽባሕ ኢልኩም ኣይትጨነቑ። ንመዓልቲ ኽፍኣታ ይኣኽላ።(ማቴ7,1-12) 1-2ብዝፈረድኩምሉ ፍርዲ ኺፍረደኩም፡ ብዝሰፈርኩምሉ መስፈርውን ኪስፈረልኩም እዩ እሞ ከይፍረደኩም ኣይትፍረዱ። 3ኣብ ዓይንኻ ዘሎ ጕንዲ ዘይፈለጥካ፡ ንምንታይከ ኣብ ዓይኒ ሓውካ፡ ዘሎ በሰር እትርኢ፧ 4ወይስ ከመይ ጌርካ ንሓውካ ካብ ዓይንኻ በሰር ከውጽኣልካስ ሕደገኒ፡ ትብሎ፧ እንሆ፡ ጕንዲ ኣብ ዓይንኻ አሎ። 5ኣታ ግብዝ፡ ቅድም ካብ ዓይንኻ ጕንዲ ኣውጽእ፡፡ሽዑ ኻብ ዓይኒ ሓውካ በሰር ንምውጻእ ኣጸቢቕካ ትርኢ። 6እቲ ቅዱስ ነኽላባት ኣይትሀቡ። ዕንቍኹምውን ኣብ ቅድሚ መፋልስ ኣይትደርብዩ፡ በእጋሮም ከይረግጽዎ እሞ፡ ተመሊሶም ከይትርትሩኹም። 7-8ዝለመነ ኹሉ ይቕበል እዩ፡ ዝደለየ ድማ ይረክብ፡ ማዕጾ ዃሕዃሕ ንዘበለውን ይኽፈተሉ እዩ እሞ፡ ለምኑ ይውሀበኩም። ድለዩ፡ ትረኽቡ። ማዕጾ ዃሕኳሕ ኣብሉ፡ ይኽፈተልኩም እዩ። 9-10ካባኻትኩም፡ ወዱ እንጌራ እንተ ለመኖ እምኒ ዚህቦ፡ ወይስ ዓሳ እንተ ለመኖ፡ ተመን ዚህቦ እንታዋይ ሰብኣይ እዩ፧ 11እምበኣርከ ንስኻትኩም እኳ፡ ክፉኣት ክነስኹም፡ ንደቅኹም ጽቡቕ ህያብ ምሃብ ካብ ፈለጥኩም፡ እቲ ኣብ ሰማይ ዘሎ ኣቦኹም ግዳ ንዚልምንዎ ኽንደይ ኣብዚሑ ጽቡቅ ዘይህቦም። 12እምበኣርሲ ኦሪትን ነብያትን እዚ እዩ እሞ፡ ከምቲ ሰብ ኪገብረልኩም እትደልይዎ ዘበለ ኹሉ ንስኻትኩምውን ከምኡ ግበሩሎም።...more45minPlay
FAQs about ኣሞጽ ማልቲመድያ Amos Multimedia:How many episodes does ኣሞጽ ማልቲመድያ Amos Multimedia have?The podcast currently has 142 episodes available.