ፈለገ ጥበብ እም ፍኖተ ኣትናቴዎስ /Fnote Atnatiewos/

ፈለገ ጥበብ እም ፍኖተ ኣትናቴዎስ /Fnote Atnatiewos/

By Fr. Fnote-Atnatiewos (ቀሲስ ዉሉደ ፈለገ-ጥበብ)Society & CultureReligion & SpiritualityChristianityPhilosophyParentingKids & Family
Download on the App Store

ፈለገ ጥበብ እም ፍኖተ ኣትናቴዎስ /Fnote Atnatiewos/ episodes

  • ንሓድሽ ዓመት ብንስሓ ዘመነ ሉቃስ-2019

    እንቛዕ ካብ ዘመነ ማርቆስ ናብ ዘመነ ሉቃስ፣ ናብ ሓድሽ ዓመት 2019 ዓ.ም. ብሰላም ኣብጽሓና። ነዚ ምጅማር ሓድሽ ዘመን ዝኸዉን መልእክቲ ንበረኸት ክኾነኩም ናባዂም የብሎ ኣለኹ። ሰሚዕዂ ክትባረኽሉን ጸሎተይ እዩ። ብጸሎት ንዘኻከር!

    30 min
  • 22. ራብዐይቲ ትእዛዝ ራብዐይቲ ክፋል

    መልእክቲ ናብ ሰብ ዕብራዉያን ምዕራፍ 4 ከም ዝነግረና፣ ሰንበት ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ጥራይ ዘይኰነት፣ እንኮላይ ናይታ ተስፋ እንገብራ ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ፣ መዓልቲ ጐይታ መንግስቲ ኣምላኽ እንወርሰላ፣ ምሳሌ ዉን እያ። መዓልቲ ሰንበት ምኽባር እንኮላይ በዓላት ጐይታ ከነብዕል ዉን ይእዝዘና። ዓብየቲ በዓላት ናይ ጐይታ ኲሉ ግዜ ክቅደሳን፣ ከነኽብረን ተኣዚዝና ኣለና።

    22 min
  • 21. ራብዐይቲ ትእዛዝ ሳልሰይቲ ክፋል

    ኣብዛ ሳልሰይቲ ክፋል፣ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ፣ ከመይ ጌሩ ንቀዳም፣ ብመዓልቲ ትንሳኤኡ ብሰንበት ምልኣት ከም ዘልበሳን፣ ሰንበት ናይ ምሕረት ናይ ፈዉስን ናይ ሕድገትን ምዃና ከም ዝመሃረን፣ ክንርኢ ኢና።

    30 min
  • 20. ራብዐይቲ ትእዛዝ ካልአይቲ ክፋል

    ኣብዚ ካልኣይቲ ክፋል፣ ሰንበት ናይ ዕረፍቲ መዓልቲ ጥራይ ዘይዀነት፣ እግዚአብሔር ብህልዉንኡ ንህዝቡ ከም ዝቕደስ ኪዳን ኮይና ዝቖመት መዓልቲ ምዃናን፣ ብተወሳኺ ካብ ባርነት ሓራ ናይ ምዉጻእ ምልክት፣ ግዙኣት ሓራ ዝዉጽኡላ፣ ድኽነት ዝሰዓረላ፣ ናይ ምሕረት፣ ናይ ቅዱስ እኬባ፣ መስዋእቲ ናብ እግዚአብሔር ዞዓርገላ መዓልቲ ምዃና፣ ክንርኢ ኢና።

    27 min
  • 19. ራብዐይቲ ትእዛዝ ቀዳማይ ክፋል

    መዓልቲ ሰንበት ክትቅድሳ ዘኽር ትብል ራብዐይቲ ትእዛዝ መእተዊ ቀዳማይ ክፋል ኮይኑ፣ ኣብዚ መደብ ኣበጋግሳ ናይዛ ሕጊ ካበይ ዘፍጥረት ዝጀመረ ከም ዝዀነን፣ ጐይታ በዛ መዓልቲ ፍጥረት ካብ ምፍጣር ከም ዘዕረፈ፣ ንዓለም ብመለኮታዊ ባህሪኡ ካብ ምስሳይ ግና ከም ዘየዕረፈ፣ ንሕና ድማ፣ ናይ እግዚአብሔር ኣምላኽ ሕጊ ተከቲልና፣ ከምኡ ካብ ስራሕ ከነዕርፍ፣ በቲ ናቱ ጸጋ ክንስሰይ ድማ ንሰንበት ከነኽብር ከም ዝግብኣና ክንመሃሃር ኢና።

    28 min
  • 18. ሳልሰይቲ ትእዛዝ ካልአይቲ ክፋል

    ኣብዛ ካልአይትን መወዳእታን ክፋል፣ ስም እግዚአብሔር ብከንቱ ኣይትለዕል እንታይ ማለት እዩ? ብከንቱ ትርጉሙ እንታይ እዩ? ስም እግዚአብሔር ምጽራፍ ከም ዘይግባእ፣ ስም እግዚአብሔር ብከንቱ ከነልዕል ከምዘይግባእ፣ ክንምሕል ክንሕስው፣ ከንቃልል ከም ዘይግባእ ኣብዚ ክንዝቲ ኢና። ብትወሳኺ ከመይ ጌርና ኢና ስም እግዚአብሔር ከንኽብር ዘለና? ክንጽሊ፣ ከነመስግን፣ ስሙ ክንቕድስ፣ በቲ ንነብሮ ናብራ ስሙ ክንቕድስ ከም ዝግባእ ክንማሃር ኢና። ሰሚዕኹም በረኸት እንድህሪ ረኺብኩም፣ ናብ ካልኦት መንፈሳዊ ረብሓ ክረብሑሉ ዝኽእሉ፣ ሼር በልዎም። እግዚአብሔር ይባርኽኩም።

    52 min
  • 17. ሳልሰይቲ ሕጊ ቀዳመይቲ ክፋል

    ሰላም ንዓኹም፣ ብሰንኪ ጻዕቒ ስራሕ ከይተዘርግሐ ዝቐነየ፣ መበል ራብዓይ ክፋል ትምህርቲ ብዛዕባ 10 ትእዛዛት ናባዂም የብሎ ኣሎኹ። ኣብዚ ትምህርቲ ብዛዕባ እታ ሳልሰይቲ ሕጊ፣ "ስም እግዚአብሔር ብከንቱ ኣይተልዕል" ክንዝትይ ኢና። ኣብዚ ቀዳማይ ክፋል፣ ብዛዕባ ኣገዳስነት ስም፣ ኣስማት እግዚአብሔር፣ ልዕልና ስም እግዚአብሔር ክንርኢ ኢና። ብተወሳኺ፣ ብዛዕባ ኢየሱስ ድዩ ዝበሃል፣ ዋላስ የሱስ፣ ዋላስ እየሱስ ባዕልኹም ከተንብብዎ ይላበው። ብሩኽ ምኽትታል። ሰሚዕኹም በረኸት እንድሕሪ ረኺብኩምሉ፣ ናብ ካልኦት ሼር ክትብልዎ ብትሕትና ይሓትት። ብሩክ ምኽትታል መደብ።

    46 min
  • 16. ካልአይቲ ትእዛዝ 3ይቲን መወዳእታን ክፋል

    ዘጸ 20.4 "ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ኣብ ማይ ከኣኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ምስልን ስእልን ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዘተይ ንዚሕልውን ግና ክሳዕ ኣሻሓት ምሕረት ዝገብር እየ።" 

    • ብባዕላዊ መገዲ ንእግዚአብሔር ዘምለኹ እንታይ ኣጋጢምዎም?
    • በቲ ቅኑዕ መገዲ ዘምለኹ`ከ እንታይ በረኸት ረኺቦም?
    • ንሳልሳይ ራብዓይን ወለዶ ምቕጻዕ ከመይ እዩ?
    • ንኣሻሓት ወለዶ ምምሓር`ከ ከመይ እዩ?
    • መዛዘሚት ክፋል
    • 42 min
    • 15. ካልአይቲ ትእዛዝ 2ይቲ ክፋል

      ዘጸ 20.4 "ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ኣብ ማይ ከኣኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ምስልን ስእልን ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዘተይ ንዚሕልውን ግና ክሳዕ ኣሻሓት ምሕረት ዝገብር እየ።" 

      • ቀንዲ መልእክቲ ናይዛ ሕጊ እንታይ እዩ?
      • ንእግዚአብሔር ኣምላኽ`ከ ከመይ ጌርና ከነምልኾ ይግባእ?
      •  

        34 min
      • 14. ካልአይቲ ትእዛዝ 1ይቲ ክፋል

        ዘጸ 20.4 "ኣብ ላዕሊ ኣብ ሰማይ ካብ ዘለው፡ ኣብ ታሕቲ ድማ ኣብ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ኣብ ማይ ከኣኣ ኣብ ትሕቲ ምድሪ ኻብ ዘለው፡ ምስልን ስእልን ዘበለን ንኣኻ ኣይትግበር። ኣይትስገደሎምን ኣይተገልግሎምን ድማ። ኣነ ኣግዚኣብሄር ኣምላኽካ፡ ቀናእ ኣምላኽ እየ እሞ፡ ንዚጸልኡኒ ሓጢኣት ኣቦታት ኣብ ደቂ ኽሳዕ ሳልሳይ ክሳዕ ራብዓይ ወለዶ ዚቐጽዕ፡ ንዚፈትዉንን ትእዛዘተይ ንዚሕልውን ግና ክሳዕ ኣሻሓት ምሕረት ዝገብር እየ።" እንታይ ማለት እዩ፧? እንታይ ይፈቕድ፣ እንታይ ከ ይኽልኽል? ኣብዛ ቀዳመይቲ ክፋል ብዛዕባ ስእልን ኣጠቃቕምኡን፣ ክንዝትይ ኢና።

        42 min

      About ፈለገ ጥበብ እም ፍኖተ ኣትናቴዎስ /Fnote Atnatiewos/

      From the publisher's feed

      An Eritrean Orthodox Priest