ፈለገ ጥበብ እም ፍኖተ ኣትናቴዎስ /Fnote Atnatiewos/

ፈለገ ጥበብ እም ፍኖተ ኣትናቴዎስ /Fnote Atnatiewos/

By Fr. Fnote-Atnatiewos (ቀሲስ ዉሉደ ፈለገ-ጥበብ)Society & CultureReligion & SpiritualityChristianityPhilosophyParentingKids & Family
Download on the App Store

ፈለገ ጥበብ እም ፍኖተ ኣትናቴዎስ /Fnote Atnatiewos/ episodes

  • 13. መልእክቲ በዓለ ፋሲጋ ቅ. ዮውሃንስ ኣፈ-ወርቅ

    ናይ ቁስጥንጢንያ ሊቀ ጳጳስ ኣብ ዝነበረሉ ግዜ ኣብ  ከባቢ 400 ዓ.ም. ቅዱስ ዮውሃንስ ኣፈ-ወርቅ ናብ ምእመናን ዝሰደዶ መልእክቲ ፋሲጋ፣ ብምንያት በዓለ ፋሲጋ ክትሰምዕዎ ናባኹም የብሎ። ብሩኽ በዓለ ፋሲጋ። ርሑስ በዓለ ትንሳኤ!

    16 min
  • 12. ቀዳመይቲ ትእዛዝ 3ይቲ ክፋል

    ቀዳመይቲ ትእዛዝ "ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።" እዛ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እንታይ መልእክቲ ኣለዋ? ነዛ ሕጊ ንምፍጻም እንታይ ክንገብር ኣለና? ኣብዚ መደብ ተኸታተሉ። እዚ ትምህርቲ እዚ ነቶም ኣበ ነፍሲ ዝሓዝክዎምን፣ ንኣባላት ማኅበርን ዝተዳለወ ትምህርቲ እዩ፣ ኣገዳሲ ኮይኑ እንተረኺብኩሞ፣ ንበረኸት ክኸዉን ናብ ካልኦት ኣካፍልዎ (ሼር በልዎ)። እዚኣ ሳልሰይትን መወዳእታ ክፋልን ናይ ሰለስተ ክፋል እያ።

     

    35 min
  • 11. ቀዳመይቲ ትእዛዝ 2ይቲ ክፋል

    ቀዳመይቲ ትእዛዝ "ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።" እዛ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እንታይ መልእክቲ ኣለዋ? ነዛ ሕጊ ንምፍጻም እንታይ ክንገብር ኣለና? ኣብዚ መደብ ተኸታተሉ። እዚ ትምህርቲ እዚ ነቶም ኣበ ነፍሲ ዝሓዝክዎምን፣ ንኣባላት ማኅበርን ዝተዳለወ ትምህርቲ እዩ፣ ኣገዳሲ ኮይኑ እንተረኺብኩሞ፣ ንበረኸት ክኸዉን ናብ ካልኦት ኣካፍልዎ (ሼር በልዎ)። እዚኣ ካልአይቲ ናይ ሰለስተ ክፋል እያ።

     

    29 min
  • 10. ቀዳመይቲ ትእዛዝ 1ይቲ ክፋል

    ቀዳመይቲ ትእዛዝ "ካብ ምድሪ ግብጺ፡ ካብ ቤት ባርነት ዘውጻእኩኻ፡ ኣነ እግዚኣብሄር ኣምላኽካ እየ። ካልኦት ኣማልኽቲ ኣብ ቅድመይ ኣይሀልዉኻ።" እዛ ቀዳመይቲ ትእዛዝ እንታይ መልእክቲ ኣለዋ? ነዛ ሕጊ ንምፍጻም እንታይ ክንገብር ኣለና? ኣብዚ መደብ ተኸታተሉ። እዚ ትምህርቲ እዚ ነቶም ኣበ ነፍሲ ዝሓዝክዎምን፣ ንኣባላት ማኅበርን ዝተዳለወ ትምህርቲ እዩ፣ ኣገዳሲ ኮይኑ እንተረኺብኩሞ፣ ንበረኸት ክኸዉን ናብ ካልኦት ኣካፍልዎ (ሼር በልዎ)። እዚኣ ቀዳመይቲ ናይ ሰለስተ ክፋል እያ።

     

    46 min
  • 7. ናይሙሴ ህይወት - ቅ.ጎርጎርዮስ ዘኒሱን ቁ.1

    ቅዱስ ጎርጎርዮስ ዘኒሱን (ሓዉ ንቅዱስ ባሲልዮስ ዓቢ) ብዛዕባ ናብራ ቅድስና እንታይ ይመስል ንኽምህር ካብ ዘዳለዋ፣ ናይ ሙሴ ህይወት (The Life of Moses) እትብል መጽሓፉ ዝተወስደ ትምህርቲ፣ ቀዳመይቲ ክፋል።

    https://www.amazon.com/Gregory-Nyssa-Classics-Western-Spirituality/dp/0809121123

    ሰሚዕዂም በረኸት እንድሕሪ ረኺብኩምሉ፣ ንካልኦት ሼር በልዎ።

    እግዚአብሔር ኣምላኽና ናይ ቅዳስኑ በረኸት የካፍለና። ኣሜን!

    1 hr
  • 6. ጾም- ብቅዱስ ዮውሓንስ ኣፈወርቅ

    ቅዱስ ዮዉሓንስ ብዛዕባ ጾም ካብ ዝመሃሮ ዝተወስደ። ብሩኽ ምክትታል።

    https://fnoteatnatiewos.com/2021/03/17/%e1%8c%be%e1%88%9d-%e1%89%85%e1%8b%b1%e1%88%b5-%e1%8b%ae%e1%88%83%e1%8a%95%e1%88%b5-%e1%8a%a3%e1%8d%88%e1%8b%88%e1%88%ad%e1%89%85-2/

    22 min
  • 5. ከመይ ጌርና ናብ ምስሊ ክርስቶስ ክንዓቢ ንኽእል? 3ይን መወዳእታ ክፋል

    ነቲ ኣረጊት ኣዳም ምስ ኲሉ ግብሪ ቀንጢጥና ብምስቃል፣ ከመይ ጌርና ናብ ምስሊ ጐይታናን ኣምላኽናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ክንመስል ንኽእል። ናይ መወዳእታ ክፋል።

    "እቲ ፍጹም ዝዀነ ሰብ መከራ ፈሪሑ ኣይኰነን ሰናይ ግብሪ ዝገብር፣ ወይ ዓስቢ ክረኽብ ተስፋ ስለዘለዎ ዉን ኣይኰነን ካብ ክፋእ ዝርሕቕ። እቲ ፍጹም ዝዀነ ሰብ ብፍቕሪ እዩ ንሰናይ ነገር ዝተግህ።

    ኩሉ ተግባራቱ ንዉልቃዊ ረብሓት ዝዓለመ ኣይኰነን፣ ስለዚ ተባራቱ ብናይ ዉልቃዊ ድሌታቱ ኣምርሑን። ጽባቐ ናይ ሰናይ ግብሪ ጽቡቕ ጌሩ ስለዘስተማቐረ ግና፣ ንኲሉ ሰናይ ግብሪ ብፍጹም ትግሃትን ብሙሉእ ሓይሉን ይፍጽሞ። ኣብ ዝና ኣይግደስን። ብሰብ ዉን ጽቡቕ ክውረየሉ ኣይገብርን፣ ወይ ካብ ኣምላኽ ዓስቢ ክረኽብ ኢሉ ዉን ኣይሓስብን።

    ናይ ሓደ ፍጹም ሰብ መምርሒ ህይወቱ፣ ሓንቲን እንኰን እያ። ብመልክዕን ምስሊን ኣምላኽ ምዃን ጥራሕ እዩ።"

    ቅዱስ ቀለሜንጦስ ዘእስክንድርያ

    44 min
  • 4. ኣረጊት ኣዳምን ሓድሽ ሰብን

    ከመይ ጌርና ነቲ ኣረጊት ሰብ ቀንጢጥና፡ ምስ ኲሉ ፍትወቱ ኣብ መስቀል ሰቒልና፣ ነቲ ብናይ ሓቂ ጽድቅን ቅድስናን ብመልክዕ ኣምላኽ እተፈጥረ ሓድሽ ሰብ ክንለብስ ንኽእል? ኣረጊት ኣዳም ምስ ኲሉ ትምኒታቱ ሰቒልና ንክርስቶስ ምልባስ። ኣዳም ናብቲ ምስሊ ኣምላኽ ንከይዓቢ ሕጊ ብምጥሓሱ ምስ ተዓንቀጸ፣ እግዚአብሔር ኣምላኽ ከመይ ጌሩ ናብቲ ናይ ቀደም ምስሉ መሊስዎ።

    54 min

About ፈለገ ጥበብ እም ፍኖተ ኣትናቴዎስ /Fnote Atnatiewos/

From the publisher's feed

An Eritrean Orthodox Priest