ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ: * እቲ ናይ’ዚ ዓመት ዋዕላ ክሊማ ኮፕ31 ኣብ መደባት ምንካይ ተጠቃምነት ነዳዲ ቅሪተ ኣካላት (ፎሲል ፊውል) ናይ መወዳእታ ስምምዕ ገና ስለዘይበጽሐ ተወሳኺ መዓልታት ቀዳመ ሰንበት ክሰርሕ ተገዲዱ፣ * COP31 ኣብ ምስግጋር ጸዓት ብዘይ ስምምዕ ይውዳእ... * መንግስቲ ኣብ ናይ መወዳእታ ባይቶ ዝጋበኣሉ ሰሙን ናይ’ዚ ዓመት ሕጊ ከውጽእ ጸቕጢ ወሲኹ * ሓድሽ ኣሰልጣኒ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣርጀንቲናዊ ሞውሪሲዮ ፖቸቲኖ ኣብ ቀዳማይ ግጥሙ ከቢድ ስዕረት ብሊቨርፑል ኣጋጢምዎ! ጸብጻባት ልኡኽና፥ * ልኡኽ ኤርትራ፡ ኣብ ኣኼባ ፓርላማ ውድብ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ካሪብያንን ፓስፊክን ተሳቲፉ፣ * ኣብ ብዙሓት ከባቢታት ትግራይ ምኽፋል መሃያ ሰራሕተኛታት መንግስቲ ኣይተጀመረን ተባሂሉ፣ * ግብጺ፡ ሱዳንን ኤርትራን ኣብ ድሕነት ቀይሕ ባሕሪን ርግኣት ቀርኒ ኣፍሪቃን ተመያይጠን፣ * እንግሊዝ ዜጋታታ ናብ ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ካብ ምጉዓዝ ክቑጠቡ ኣተሓሳሲባ፣ * ኣብ ጥቓ ዶብ ኤርትራን ትግራይን ዝርከቡ ነበርቲ ተጋሩ ብስግኣት ኲናት ካብ መረበቶም ዳግማይ ይመዛበሉ ምህላዎም ተገሊፁ፣ * ኣመሪካ ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ኤርትራን ሰላም ንምስፋን ዝዓለሙ ክልተ ረቂቕ ሕግታት ኣቕሪባ፣ መደብ ቃለመሕትት፥ * ኣብ ትግራይ ዘሎ ከቢድ ፖሎቲካዊ፡ ወተሃደራውን ቁጠባውን ኩነታት ንህዝቢ ኣብ ሕማቕ ኩነታት ኣውሪድዎ ይርከብ። ኣብ ኣውስትራሊያ ዝነብሩ ኣባላት ማሕበረሰብ ትግራይ'ውን ከም’ቲ ኣብ ምሉእ ዓለም ዘለዉ ተጋሩ ኣብ ሻቕሎት ይርከቡ። ነቲ ዘሎ ሕማቕ ኩነታት ደው ክብል ንማሕበረሰብ ዓለም ድምጾም ንምስማዕን ኣብ ልዕሊ ትግራይ ዝፍጸም መጥቃዕቲ ንምቅዋምን ሰላማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። እዚ ኩነታት ንተጋሩ ኣውስትራሊያውያን ብኸመይ ይጸልዎም ከምዘሎን እቲ ዘሎ ስክፍታን ሻቕሎትን ኣመልኪትና ምስ ኣብ ማሕበረሰብ ትግራይ ሓላፊ ተጣባቒ ጉጅለ ኣድቮኬሲ ግሩፕ ዝኾነ ዶ/ር ደስታ ገብረሃዋርያ ዕላል ኣካይድና ኔርና፡ ቀጺሉ ክቐርብ’ዩ። * ዓባይ ብሪጣንያ ድሕሪ ዓመታት ኣብ ትሕቲ ብረግዚት ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ትምለሰሉ መንገድታትን ኣገባባትን ተናዲ'ላ። እዚ ግን ቀሊል ክኸውን ድዩ፧ ነዚ ዝምልከት ትሕዝቶ ቀሪቡ'ሎ።
#sbsaudiopodcast