ን ሎሚ 4 ነሓሰ 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ኣብዚ ሰሙን ብዙሓት ማሕበረ ሰብ ኤርትራዊያን ኣብ ኣውስትራሊያ ብዕረፍቲ ዶ/ር መሓመድ ዑስማን ቑስሙላህ ኣብ ዓቢ ሓዘን ቀንዮም ኣለዉ። ዶ/ር መሓመድ ቁስሙላህ ብሞያኡ ኣብ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዓቢ እጃም ድሕሪ ምብርካት ናብ ኣውስትራሊያ ኣብ 1989 ተሰዲዱ ንልዕሊ 35 ዓመታት ድሕሪ ምጽናሕ ብቐዳም 2 ነሓሰ ብርክት ዝበሉ መቓልስቱን ኣባላት ማሕበረ ሰብ ኣብ ዝተረኽብሉ ኣብ መልበርን ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ። ዶ/ር መሓመድ ዝፍለጠሉ ዓበይቲ ኣበርክቶን ብሓፈሻ ድማ ንልዕዕሊ 90 ዓመት ኣብዛ ምድሪ ክነብር ብድሕሪኡ ዝገደፎ ሓድጊ ብዝምልከት ኣቶ ቶፊቕ ቑስምላህ ገሊጹልና ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ ትግራይ ልዝብ ንምክያድ እወንታዊ ምላሽ ከምዝሃበ ተሓቢሩ። ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈወርቂ፡ ንልኡኽ ምብራቕ ሱዳን ተቐቢሉ ኣዘራሪቡ፡ እቲ ፕረዚደንት ካብ መዘናኡ ዶናልድ ትራምፕ ደብዳበ ከምዝሰደሉ ክዝረብ ቀንዩ ዩ። ትግራይ፡ ኣብ ሓንቲ ጣብያ 22 ሰባት ብደርቂ ሞይቶም ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ካብ ወፃኢ ዓዲ ናብ ኢትዮጵያ ገንዘብ ዘመሓላልፋ ኣርባዕተ ወኪላት ኣጊዱ ኢትዮጵያዉያን ዝርከብዎም ስደተኛታት ሒዛ ትጓዓዝ ዝነበረት ጀልባ ተገልቢጣ 54 ሰባት ከምዝሞቱ ተሰሚዑ። ንኹሉ መደባትና ንምክትታል ምሳና ሃቢርኩም ክትጸንሑ ዝዕድመኩም ኣዳላውን ኣቕራብን በየነ ሰመረ፡ ሕጂ ናብ ዜና ከሕልፈኩም፡ ኣርእስታት ዜና፥ ን ፍልስጤማውያን ናይ ጋዛ ንምድጋፍ ኣብ ስድኒ ሃርበር ብሪጅ እተገብረ ዓቢ ሰላማዊ ሰልፊ ታሪኻዊ ሰልፊ ምዃኑ ተገሊጹ ። ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ሓንቲ ጃልባ ድሕሪ ምጥሓላ ብውሑዱ 68 ኣፍሪቃውያን ስደተኛታትን ፍልሰተኛታትን ከምዝሞቱ ትካል ፍልሰተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ ። ሰንበት ኣብ ስፐይን ኣብ ዝተኻየደ ናይ ሓደ መዓልቲ ቅድድም ብሽግለታ ኤርትራዊ ኣባል ጋንታ በርጎስ በርፐለት ቢኤች መርሃዊ ቅዱስ መበል 45 ኣትዩ።