SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • MiniPod: Ep3 Talking about work  | Starting Out | English on Repeat (Easy) - SBS ትምህርቲ ቋንቋ እንግሊዝ 3ይ ክፋል፡ ብዛዕባ ስራሕ ምዕላል  | ምጅማር | English on Repeat (Easy)
    Listen to 'English on Repeat,' a podcast to help us improve our speaking skills: What do you do for a living? | I’m a student.| I want to start a business. |I work part-time. - ቋንቋ እንግሊዝ ናይ ምዝራብ ክእለትና ንከነመሓይሽ እናደጋገምና ክንለማመድ ዝሕግዘና ፈነወ 'English on Repeat' ስምዑ። ኣብ'ዚ ክፋል፡ ንመነባብሮና እንታይ ኢና ንሰርሕ ዝብል ከነዕልለሉ ኢና። እቶም ንደጋግሞም ሓረጋት ድማ እዚኦም'ዮም፣ What do you do for a living? | I’m a student.| I want to start a business. |I work part-time.
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (27 ጥሪ 2025)
    ን ሎሚ 27 ጥሪ 2024 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ትማሊ 26 ጥሪ ዓመታዊ ዝኽበር መዓልቲ ኣውስትራሊያ ወይ ኣውስትራሊያ ደይ ተኸቢሩ ዊዒሉ፡ ኣብቲ መዓልቲ ኣብ ሕብረተሰቦም ፍሉይ ኣበርክቶ ዝገበሩ ኣፍልቶን ሽልማትን ሓንቲ ካብ ኦም ወ/ሮ ሳባ ኣብርሃም ካብ ኲንስላንድ ናይ 2025 "Medal of the Order of Australia" ተሸላሚት ኮይና ኣላ። ናብዚ ዘብጽሐ ጉዕዞን ናብዚ ንምብጻሕ ዘጋጥማ ብድሆታትን ካብዘካፈለትና ሎሚ ቆንጪልና ከነቕርበልኩም ኢና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ጽንብል ስርዓተ ሲመት 6ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ተፈጺሙ ። ፖለቲካ ትግራይ ናብ ፖለቲካዊ ባዶ ድምር ወሪዱ ትግራይ ናብ ዝኸፈአ ኩነተት ክትኣትው ምኽንያት ኮይኑ'ሎ: ክብል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምም/ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቡ ። ኣብ ሓደጋ ወዲቚ ዘሎ ሃገራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ብሰላማዊ ዘተ ጥራይ ክፍታሕ ብርጋዴር ጀነራል ከበደ ሬጋሳ ጸዊዑ። ኤርትራ፡ ቀይዳቶም ዝጸንሐት ተወሰኽቲ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ለቂቓ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ናይ ኣመሪካ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ጋዛ ዝነብሩ ፍልስጤማውያን ናብ ጎረባብቲ ሃገራት ክግዕዙ ኣለዎም ዝብል ሓሳብ ኣቕሪቡ ። ኣብ ሱዳን ኣብ ልዕሊ ሰራሕተኛታት ጥዕናን መሳለጥያታትን ዝወርድ መጥቃዕቲ ደው ክብል ሓላፊ ውዱብ ጥዕና ዓለም ጸዊዑ ። ያኒክ ሲንነር ነቲ ናይ ኣውስትራልያዊ ኦፐን ሻምፕዮኑኡ ብምዕቃብ፡ ኣብ ልዕሊ እለክሳንደር ዘቨርቭ ስዒሩ ናይ 2025 ሻምፕዮን ኣውስትራሊያ ኦፐን ኮይኑ ።
    53 min
  • ኣሌክሳንዴር ኢሳቕ ሽቶ ምምዝጋብ ቀጺሉ ጥቓ ሃላንድን ሳላሕን ቀሪቡ፣ ወርቅነሽ እዴሳ ኣብ ማራቶን ቶክዮ ተዓዊታ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (27/01/2025) * ወርቅነሽ እዴሳ ኣብ ማራቶን ቶክዮ ተዓዊታ፣ * ኣብ ኣስታና ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ 3000ሜ ኣትለቲክስ ዓለም ኢትዮጵያውያን መንእሰያት ብዓብላሊ ተዓዊተን፣ * ኣብ ዓውደ ኣዋርሕ ቅድድም ብሽግለታ ቀዳማይ ዝኾነ ኣብ ኣውስትራልያ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተኻየደ ቱር ዳውን ኣንደር ኤርትራውይን ሄኖክ ምሉእብርሃንን ናትናኤል ተስፋጽዮንን ተሳቲፎም፣ * ኢትዮጵያዊ ኣከፋፋሊ ጋቶች ፓኖም ቀዳመይቲ ሽቶኡ ብምምዝጋብ ዒራቓዊት ጋንትኡ ማዕረ ክትወጽእ ሓጊዙ፣ * ኢትዮጵያ ዝመበቆላ ኣሜሪካዊት ናዮሚ ግርማ ኣብ ዓለም ቀዳመይቲ ብሚልዮን ዶላር ዝተሸጠት ኮይና፣ ክብረወሰን ብዝኾነ ክፍሊት ምስ ጋንታ ቸልሲ ክትጽንበር ንነዊሕ ዘጽንሓ ውዕል ፈሪማ፣ * መበል 23 ዙርያ ግጥማት ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝተኻየድሉ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ክልተ ሽቶታት ከመዝግብ`ንከሎ ኣብ መሪሕነት ዝርከባ ሊቨርፑልን ኣርሰናልን ተዓዊተን ፍልልየን ከምዘለዎ ቀጺሉ፣
    13 min
  • ጽንብል ስርዓተ ሲመት 6ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ተፈጺሙ።
    ጽንብል ስርዓተ ሲመት 6ይ ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋሃዶ ቤተ-ክርስትያን ኤርትራ፡ ተፈጺሙ ። ፖለቲካ ትግራይ ናብ ፖለቲካዊ ባዶ ድምር ወሪዱ ትግራይ ናብ ዝኸፈአ ኩነተት ክትኣትው ምኽንያት ኮይኑ'ሎ: ክብል ፕረዚደንት ግዚያዊ ምም/ ትግራይ ጌታቸው ረዳ ተዛሪቡ ። ኣብ ሓደጋ ወዲቚ ዘሎ ሃገራዊ ሓድነት ኢትዮጵያ ብሰላማዊ ዘተ ጥራይ ክፍታሕ ብርጋዴር ጀነራል ከበደ ሬጋሳ ጸዊዑ። ኤርትራ፡ ቀይዳቶም ዝጸንሐት ተወሰኽቲ የመናውያን ገፈፍቲ ዓሳ ለቂቓ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና ።
    8 min
  • "ክብርታት ኣውስትራሊያን ኣደይን'ዩ ናብዚ ኣብቂዑኒ።" ሳባ ኣብርሃም ተሸላሚት 'The Medal of the Order of Australia 2025)
    ብዙሓት ኣውስትራሊያዊያን "ማማ ሳባ" ኢሎም'ዮም ዝጽውዕዋ። ንሳ ኣብ ማሕበረሰባን ብሓፈሻ ኣብ ኣፍሪቃዊያን ኣውስትራሊያዊያን ብዝገበረቶ ኣበርክቶ ብዙሕ ተፈላጥነት ኣጥርያን ብዙሕ ሽልማት ረኺባ እያ። ገለ ካብኡ፡ ኣብ 2020 ኮቪድ-19 ተኸሲትሉ ኣብ ዝነበረሉ እዋን ብዘበርከተቶ ስራሕ ናይ 2022 "Local Hero" ተባሂላ። ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ንግስቲ ኤልዛቤጥ ካብቶም ዉሑዳት ዝተመርጹ ኣውስትራሊያዊያን ኮይና ን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንቶኒ ኣልበኔዝ ኣሰንያ ክትከይድ ተመሪጻ ኣብ ለንደን ኣብቲ ስነ ስርዓት ቀብሪ ተሳቲፋ። ሎሚ ድማ ናይ 2025 "Medal of the Order of Australia" ተሸላሚት ኮይና ኣላ። ናብዚ ዘብጽሐ ጉዕዞን ናብዚ ንምብጻሕ ዘጋጥማ ብድሆታትን ኣካፊላትና ኣላ።
    23 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፖድካስት (23 ጥሪ 2025)
    ንሎሚ ሓሙስ 23 ጥሪ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ዶናልድ ትራምፕ መበል 47 ፕረሲደንት ኮይኑ ንኻልኣይ እዋን ቃለ ማሕላ ፈጺሙ ኣሎ። ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት ዝዓለሙ ብዙሓት ፖሊሲታት ድሮ በቲ ዘለዎ ስልጣን ተጠቒሙ ፈሪሙሎም ኣሎ። ኣብ ኣመሪካን ካብ ኣመሪካን ወጻኢን ንመነባብሮን ጸጥታን ህዝቢ ዝጸልዉ ሕግታት ክትግበሩ ክጅምሩ እዮም። ነቶም ብፍላይ ኣብ ዞባናን ዓለምን ዝምልከቱ ጉዳያት ኣልዒልና ምስ ነበርቲን ዜጋታትን ኣመሪካ ዝኾኑ ኣቶ ሳሙኤል ቢዘንንን ክብረኣብ ይመስገንን ዝገበርናዮ ዝርርብ ኣሎ። ሎሚ ቀዳማይ ክፋሉ ክቐርብ እዩ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ጠቕላላ ዕዳ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብኽልተ ትሪልዮን ብር ከምዝወሰኸ ተገሊጹ። ሒጃብ ሃይማኖታዊ መሰልና'ምበር ሓለፋ ኣይኮነን" ዝብል መሪሕ ጭርሖ ዝሓዙ ሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ከተማ መቐለ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም ። ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ብውሕዱ 20 ኢትዮጵያውያን ከምዝሞቱ ዓለምለኻዊ ወድብ ስደት ሓቢሩ። ኣዘርባዥያን፣ ኣብ ኤርትራ ዝተታሕዛ ሰለስተ መራኽባ ክፍነዋ፣ ብመንገዲ ሞስኮን ኣንካራን ዘተ ይቕጽል ምህላዉ ኣፍሊጣ። ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ፕረዚደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ማዕቀብ ክገብር ተኽእሎ ከም ዘሎ ገሊጹ ። እስራኤል ኣብቲ ተጎቢጡ ዘሎ ምዕራብ ባንክ ዓብዪ ወተሃደራዊ ስርሒት ተካይድ ኣላ: ኣውስትራሊያዊ ተጻዋታይ ቴኒስ ኣሌክስ ደ ሚኖር ንፈለማ ኣብ ናይ ኣውስትራልያ ኦፐን ርብዒ ፍጻሜ ጸወታኡ ኣንጻር ያኒክ ሲነር ገጢሙ ተሳዒሩ ።
    53 min
  • ጠቐምቲ ሓበሬታታት ብዛዕባ ምዝዋር ብሽግለታ ኣብ ኣውስትራሊያ።
    ብሽክለታ ምዝዋር ኣብ ኣውስትራሊያ ልሙድ ዝኾነ ዓይነት መጓዓዚያ እዩ ፤ ንስፖርታዊ ፤ ንምዝንጋዕን ንመጓዓዝያን ሰባት ብሽክሌታ ምዝዋር የዘውትሩ። ከከም ኣብ ትነብረሉ ከባቢ ናይ ብሽክሌታ መንገዲ ፣ መስመራት ብሽክሌታን ትሕተ ቅርጺ ክህልዉ ይኽእሉ እዮም። ከምኡ "ውን ኣብ ከባቢኻ ዝርከቡ ናይ ብሽክሌታ ጉጅለታት ምዝዋር ወይ ስፖርታዊ ውድድር ዘወሃህዱ ትካላት ዝኣመሰሉ ናይ ብሽክሌታ ይህልዉ ይኾኑ ። ንቆልዑን ዓበይትን ፡ ብሽክለታ ምዝዋር ክመሃሩ ባህታ ዝፈጥር እዮ ፡ ከመይ ጌርካ ብዘይ ጸገም ከም እትዝውር ምፍላጥ ከኣ ኣገዳሲ እዩ ።
    12 min
  • ኣዘርባዥያን፣ ኣብ ኤርትራ ዝተታሕዛ ሰለስተ መራኽባ ክፍነዋ፣ ብመንገዲ ሞስኮን ኣንካራን ዘተ ይቕጽል ምህላዉ ኣፍሊጣ።
    ጠቕላላ ዕዳ ኢትዮጵያ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ብኽልተ ትሪልዮን ብር ከምዝወሰኸ ተገሊጹ። ተወሳኺ፡ 248 ሚልዮን ዶላር ልቓሕ ውን ካብ ዓለማዊ ማዕከን ገንዘብ ክትረክብ እያ። ሒጃብ ሃይማኖታዊ መሰልና'ምበር ሓለፋ ኣይኮነን" ዝብል መሪሕ ጭርሖ ዝሓዙ ሰዓብቲ ሃይማኖት እስልምና ኣብ ከተማ መቐለ ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ኣብ ገማግም ባሕሪ የመን ብዘጋጠመ ሓደጋ ምጥሓል ጃልባ ብውሕዱ 20 ኢትዮጵያውያን ከምዝሞቱ ዓለምለኻዊ ወድብ ስደት ሓቢሩ።
    8 min
  • ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (22 ጥሪ 2025)
    ንሎሚ 22 ጥሪ 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት ዜና ** ሚንስተር ወጻኢ ጉዳያት ፐኒ ዎንግ ምስ ሓድሽ ምምሕዳር ትራምፕ ተራኺባ ዘትያ... ** ኣመሪካ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ካብ ዉድብ ጥዕና ዓለም ንክትወጽእ ናይ ምውጻእ መስርሕ ከምዝጅምር ምግላጹ ዉድብ ጥዕና ሓዘኑ ገሊጹ። * ተመሃሮ ኣኽሱም ሕጃብ ከይገብራ ምኽልካለን ዝቃወም ሰፊሕ ሰላማዊ ሰልፊ ኣብ ከተማ መቐለ ተገይሩ።
    7 min
  • Celebrating, reflecting, mourning: Indigenous and migrant perspectives on January 26 - SBS Examines: ጽንብል፣ ኣስተንትኖን ሓዘንን፣ ጥሪ 26 ብዓይኒ ደቀባትን መጻእቲን
    Some celebrate Australia Day with patriotic pride, others mourn and protest. What’s the right way to mark January 26, and can you have pride in your country while also standing against injustice? - ገለ ሰባት ንመዓልቲ ኣውስትራልያ ብሓርበኛዊ ወይ ሃገራዊ ሓበን የብዕልዎ፣ ካልኦት ድማ ይሓዝኑን ተቓውሞታትን ኣድማታትን የካይዱን። እቲ ቅኑዕ ኣገባብ ንምኽባር ወይ ንምዝካር ጥሪ 26 ደኣ እንታይ'ዩ፣ ኣንጻር በደል ደው እናበልኩም ብሃገርኩም ክትሕበኑ ትኽእሉ ዲኹም፧ ነዚ ሕቶ ዝፍትሽ ትሕዝቶ ቀሪቡ`ሎ። ሰናይ ምክትታል!
    7 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,852 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners