ታደይ ዙር ፈረንሳ ኣብ 2020፡ 21፡ 24ን 25ን ብምዕዋት እቲ ኣዝዩ ዓብላሊ ተቐዳዳማይ ናይ'ዚ ወለዶ ምዃኑ ኣመስኪሩ። ሰንበት ዝተኻየደ መበል 21ን ናይ መወዳእታን መድረኽ ብምኽንያት ብርቱዕን ዘየቋርጽን ዝናብ ንተቐዳደምቲ ሓደገኛ ኩነታት ከይፍጠር ተባሂሉ ናይ ሓፈሻዊ ምድባት ነጥብታቱ ንኹሎም ማዕረ ክኸውን ተገይሩ። በዚ ምኽንያት ታደይ ገና ናይ'ቲ መዓልቲ ቅድድም ከይተጀመረ ሻምፒዮን ምዃኑ ኣፍሊጡ ኔሩ። እንተኾነ ግን ምስ'ቶም ካብ'ታ ዓባይ ጉጅለ ሞሊቖም ተፈልዮም ዝኸዱ ተቐዳደምቲ ብምዃን ኣብ'ተን ተሰሪዐን ዝነበራ ዓቐባት ብዙሕ ግዜ ራሕሪሕዎም ክኸይድ ፈተነታት ብምክያድ ነቲ መዛዘሚ መዓልቲ መቐረት ወሲኽሉ። እቲ ኣብ'ቲ መዓልቲ ዝተዓወተ ግን ንታደይ ኣብ'ታ ናይ መወዳእታ ዓቐብ ብሓያል ምፍንጣስ ሓዲግዎ ዝኸደ በልጅማዊ ቩት ፋናርት ካብ ጋንታ ቲም ቪስማ'ዩ። ታደይ ኣብ'ቲ መዓልቲ ራብዓይ ክኣቱ'ንከሎ ኣብ'ዚ ዓመት ድማ ሻምፒዮንን ንጉስ ዓቐብን ብምዃን ዓብላልነቱ ኣመስኪሩ። ታደይ ነቲ ኣብ ሓፈሻዊ ምድባት ሕጂ'ውን ካልኣይ ኮይኑ ክውድእ ዝተገደደ ኣብ 2022ን 23ን ተዓዋቲ ዝነበረ ናይ ቀረባ መቐናቕንቱ ደንማርካዊ ዮናስ ቪንገጎ ብቕዓቱ ክብ ከብል ስለዝሓገዞ ጽዋዕ ሻምፒዮንኡ ኣብ ዝተቐበለሉ ኣመስጊንዎ። ኤርትራዊ ኮኾብ ቢንያም ግርማይ ኣብ'ቲ ህቡብ ጎደና ሾንዘሊዘይ ዝተኻየደ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ቅድድም መበል 13 ኣትዩ። ሓንሳብ መውደቕቲ ኣጋጢምዎ ግን ተሳትፎኡ ብሓፈሽኡ ዝቐጸለን ኣብ ምድብ ቀጠልያ ማልያ ናይ ነጥቢ ተወዳዳሪ ኮይኑ ዝቐረበ ኣባል ጋንታ ኢንተርማርሸ ዎንቲ ቢንያም ኣብ'ዚ ምድብ ድሕሪ ኢጣልያዊ ጆናታን ሚላንን ታደይ ፖጋቻርን ተሰሪዑ ዝድነቕ ኣብ ሳልሳይ ተርታ ምውድኡ ተፈሊጡ'ሎ።