At some stage you will probably need help from a Justice of the Peace. It may be to prove your identity, to make an insurance claim or to certify copies of your legal documents in your language. JPs are trained volunteers who play a crucial role in the community by helping maintain the integrity of our legal system. So what exactly does a JP do and where can we find one when we need their services? - ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ ትነብርሉ ኣብ ገለ እዋን ንናይ ሰላም ፍትሒ ወይ ናይ Justice of the Peace (JPs)ሓገዝ የድልየካ ይኸውን ። ምናልባት ካብ መድሕን/ኢንሹራንስ ካሕሳ ኣብ ትሓተሉ ፡ ክትምርዖ ወይ ክትፋታሕ ፡ ወይ ከኣ ሕጋዊ ሰነዳትካ ብቛንቛኻ ኸተረጋግጽ ትኽእል ኣብ ትደልየሉ ካብዚ ኣገልግሎት ትሓትት ኢኻ። ኣብ JPs ዝዋስኡ፡ ዝሰልጠኑ ወለንተኛታት ኮይኖም ነቲ ስርዓተ ሕጊ ኣውስትራሊኣ ኣገዳሲ ናይ ወረቐት ጉዳያት ን ሰባት ዝሕግዙ እዮም ። ኣብ መላእ እዛ ሃገር ኣብ ዝርከብ ማሕበረ ሰብ ከኣ ዓብዪ ግደ ኣለዎም ። ኣብዚ ትሕዝቶ እዚ ፡ ጂ.ፒ. ኣብ ኣውስትራሊያ ዝገብሮን ፡ ኣገልግሎቶም ኣብ ዘድልየኻ እዋን ከመይ ጌርካ ከም እትረኽቦን ከነብርሆ ኢና ።