Australia has one of the highest life expectancies in the world. On average, Australians live to see their 83rd birthday. But for Aboriginal and Torres Strait Islander peoples, life expectancy is about eight years less. Closing the Gap is a national agreement designed to change that. By improving the health and wellbeing of First Nations, they can enjoy the same quality of life and opportunities as non-Indigenous Australians. - ኣውስትራልያ ብመንጽር ትጽቢት ዕድመ ህይወት ወይ ተኽእሎ ምጽናሕ ነዊሕ ዕድመ (ላይፍ ኤክስፐክታንሲ) ኣብ ዓለም መሪሕ ካብ ዝኾና ሃገራት`ያ። ብማእከላይ ገምጋም፣ ኣውስትራልያውያን ክሳብ ከባቢ 83 ዓመት ዕድመ ይነብሩ። ንህዝብታት ኣቦሪጂናልን ደሴታት መጻብቦ ቶረስን ግን እቲ ክጸንሕሉ ዝኽእሉ ንውሓት ዕድመ ሸሞንተ ዓመት ዝወሓደ`ዩ። ምዕጻው ክፍተት/ጋግ (ክሎዚንግ ዘ ጋፕ) ነዚ ንምቕያር ዝተገብረ ሃገራዊ ስምምዕ`ዩ። ምምሕያሽ ጥዕናን ኩነተ ህላወ/ናብራን ቀዳሞት ህዝብታት ኣውስትራልያውያን`ዩ - ልክዕ ከም ካልኦት ኣውስትራልያውያን ሓደ ዓይነት ጽባቐ ህይወትን ዕድላትን መታን ከስተማቕሩ። ስለ`ዚ ምዕጻው ጋግ ኣብ መንጎ ቀዳሞት ህዝብታትን ካልኦት ኣውስትራልያውያንን ብኸመይ ተጀሚሩ፧ እንታይ`ዩ ክገብር ዝዕልም፧ ኣብ 2020 ዝተቐየረ እንታይ`ዩ፧ ሕጂ ኸ ኣበይ ኣለና፧