SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • መንግስቲ ሃንደበታዊ ምጉዳል ግብሪ ኣብ ባጀቱ ኣንጸባሪቑ፡ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (26 መጋቢት 2025)
    ንሎሚ 26 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ፡ ኣርእስታት ** ፈደራል መንግስቲ ሃንደበታዊ ምጉዳል ግብሪ ኣብ ባጀቱ ኣንጸባሪቑ፡ እንተኾነ ተቓዋሚ ሰልፊ ከምዘይግፎ ኣፍሊጡ ... ** ሓደ ቤት ፍርዲ ጃፓን ፡ ኣብታ ሃገር እትርከብ ኣካራኻሪት ቤተ ክርስትያን ሓድነት (Unification Church) ክትዕጾ ኣዚዙ። ** ጋንታ ሶኮሩ ንሃገራዊት ኩዕሶ እግሪ ቻይና 2- ብባዶ ብምስዓር ናብ ዋንጫ ዓለም ምረሻኣ ትቕጽል..
    5 min
  • “ረመዳን ምስተወደአ ኣብ ልዕሊ’ዞም ስደተኛታት ስጉምቲ ክንወስድ ኢና።” ኣብ ሊብያ ሞት ኣንጽላልይዎም ዘለዉ ስደተኛታት፡ ዝርርብ ምስ ኣብርሃም ተስፋይ
    ኣብ ሊብያ ኣስታት 8000 ምዝጉባት ከምኡ ድማ 2000 ዝኾኑ ዘይምዝጉባት ኤርትራውያን ስደተኛታት ዘለዉ ኮይኖም፡ ኣብዚ እዋን ምስ ካልኦት ካብ ኢትዮጵያ ሱዳንን ካልእ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ናይ ሞትን ህላወን ኩነታት ይርከቡ። ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ንህዝቢ ሊብያ ነቶም ስደተኛታት ድላዮም ክግብርዎ መገዲ ስለዝኽፈተ ረመዳን ምስተወደአ እቲ "እምነትናን ባህልናን የበላሽዉ ኣለዉ" ኢሉ ንዝኸሶም ዘሎ ስደተኛታት ናይ ሞት ስጉምቲ ከይወስደሎም ኣብ ከቢድ ስግኣት ይርከቡ ኣለዉ። ነዚ ኣመልኪትና ብቐረባ ምስ ዝከታተሎም ዘሎ ኣብርሃም ተስፋይ ካብ ዓዲ እንግሊዝ ነቲ ኩነታት ኣብሪሁልና ኣሎ።
    15 min
  • ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዖማን ናብ ኤርትራ በጺሑ.... ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (25 መጋቢት 2025)
    ንሎሚ 25 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኣርእስታት: ** ካብ ቨንዙወላ ነዳዲ ዝዕድጋ ሃገራት ተወሳኺ ግብሪ ክኸፍላ ከምዝግደዳ ፕረሲደንት ዶናልድ ትራምፕ ኣፍሊጡ። ** ሎሚ ምሸት ፌደራል ባጀት ኣብዝግለጸሉ መንግስቲ ዕዳ ከምዘለዎ ዝግለጽ እኳ እኾነ እንትነ፡ ፈደራላዊ መንግስቲ ኣውስትራሊያ ግና ዕዳኡ ንምኽፋል ንዘለዎ ታሪኽ ይከላከለሉ ኣሎ ... ** ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዖማን ናብ ኤርትራ በጺሑ።....
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 መጋቢት 2025)
    ን ሎሚ 24 መጋቢት መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራ “ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሕጂስ ሓላፍነቱ ክስከም ግቡእ እዩ” ዝብል ጻውዒት ኣቕሪባ። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ኣብጺሑ። ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ መሬት ዘየለ ክሲ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይን ዕጡቓት ፋኖን ነጺጎምዎ ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ መንግስቲ ኣብ ጽባሕ [ሰሉስ] ባጀቱ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን ፡ ብዝሒ ኣብ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝኣትዉ ስደተኛታትን ናብ ወጻኢ ዝስደዱን መጠናዊ ለውጢ ከም ዝህሉ ገሊጹ ። እስራኤል ኣብ ጋዛ ደብዳብ ኣብ ዘካየደትሉ እዋን ፡ዕለዋይ መራሒ ፖለቲካ ሓማስ ሳላሕ ኣል-ባርዳዊል ምስ ሰበይቱ ኣብ ጥቓ ክሃን ዮኒስ ተቐቲሎም ። ሓደ ቤት ፍርዲ ቱርኪ ፡ ብክሲ ብልሽውና ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ዘሎ ከንቲባ ኢስታንቡል ኢክረም ኢማሞግሉ ውጽኢት ፍርዲ ክሳብ ዝርከብ ክእሰር ኣዚዙ ኣሎ ።
    46 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 መጋቢት 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ትረዠረር ጂም ቻለምስ ፡ መንግስቲ ኣብ ጽባሕ [ሰሉስ] ባጀቱ ኣብ ዘቕርበሉ እዋን ፡ ብዝሒ ኣብ ካብ ወጻኢ ሃገራት ዝኣትዉ ስደተኛታትን ናብ ወጻኢ ዝስደዱን መጠናዊ ለውጢ ከም ዝህሉ ገሊጹ ። እስራኤል ኣብ ጋዛ ደብዳብ ኣብ ዘካየደትሉ እዋን ፡ዕለዋይ መራሒ ፖለቲካ ሓማስ ሳላሕ ኣል-ባርዳዊል ምስ ሰበይቱ ኣብ ጥቓ ክሃን ዮኒስ ተቐቲሎም ። ሓደ ቤት ፍርዲ ቱርኪ ፡ ብክሲ ብልሽውና ተኸሲሱ ኣብ ቀይዲ ዘሎ ከንቲባ ኢስታንቡል ኢክረም ኢማሞግሉ ውጽኢት ፍርዲ ክሳብ ዝርከብ ክእሰር ኣዚዙ ኣሎ ።
    12 min
  • ጉዳፍ ጸጋይን ፍረወይኒ ሃይሉን ኣብ ናንጂንግ መዳልያታት ወርቂ ንኢትዮጵያ የዕትራ፣ ቢንያም ግርማይ ናብ ቅድድም ተመሊሱ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (24/03/2025) * ኣብ ኣትለቲክስ ዓለም ውድድራት ውሽጢ ኣዳራሽ ናንጂንግ 2025 ፍረወይኒ ሃይሉን ጉዳፍ ጸጋይን ብዘመዝገበኦም ዓወታት ኢትዮጵያ 2 መዳልያታት ወርቂ ዓቲራ፡ * ኤርትራዊ ኮኾብ ተቐዳዳማይ ቢንያም ግርማይ ድሕሪ ዜና ካልኣይ ውላዱ ንፈለማ ግዜ ናብ ቅድድም ተመሊሱ ኣብ ሚላኖ-ሳን ሬሞ ተወዳዲሩ፡ * ሃገራውያን ጋንታታት ኣፍሪቃ መበል 5ይን 6ይን ዙርያ መጻረዪ ግጥማት ካፍ ንዋንጫ ዓለም 2026 ኣብ'ዚ ሒዝናዮ ዘለና ክልተ ሰሙን የካይዳ'ለዋ፣ ኢትዮጵያ ኣብ ግጥማ ኣንጻር ግብጺ፣ ኮኾብ ተጻዋታይ መሓመድ ሳላሕ ሓንቲ ሽቶ ኣመዝጊቡ ሓንቲ ሽቶ ትኸውን ዕድል ከኣ ፈጢሩ ኣብ ካዛብላንካ 2-0 ተሳዒራ፣
    10 min
  • ኤርትራ “ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሕጂስ ሓላፍነቱ ክስከም ግቡእ እዩ” ዝብል ጻውዒት ኣቕሪባ።
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኤርትራ “ኣህጉራዊ ማሕበረሰብ ሕጂስ ሓላፍነቱ ክስከም ግቡእ እዩ” ዝብል ጻውዒት ኣቕሪባ። ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ፡ መልእኽቲ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ዓብዱልፋታሕ ኣልሲሲ ኣብጺሑ። ምክልኻል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዘውፀኦ መግለፂ ኣብ መሬት ዘየለ ክሲ ቢሮ ሰላምን ፀጥታን ትግራይን ዕጡቓት ፋኖን ነጺጎምዎ።
    7 min
  • Why are we debating Welcome to Country? - SBS Examines: ብዛዕባ ደቀባታዊ ልምዳዊ ኣቀባብላ ኣጋይሽ 'Welcome to Country' ንምንታይ ክትዕ ተፈጢሩ፧
    The government's Welcome to Country spending has been heavily criticised but some believe the cultural protocol is being used as a "political football". - መንግስቲ ኣብ ደቀባታዊ ልምዳዊ ስነስርዓት ኣቀባብላ ኣጋይሽ ዝገብሮ ወጻኢታት ገንዘብ ብኸቢድ ተነቒፉ፡ ገሊኦም ግን እዚ ባህላዊ ወይ ልምዳዊ ስነስርዓት ከም 'ፖለቲካዊ ግጥም ኩዕሶ እግሪ' እዮ ዝምዝመዝ ዘሎ ይብሉ።
    9 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 መጋቢት 2025)
    ንሎሚ ሓሙስ 20 መጋቢት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ጸቕጢ ክግበር ጸዊዓ። ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ንዝለዓሉ ሕቶታት ምላሽን መብርሂን ክህብ ዩ ተባሂሉ። ሚኒስትራት ጉዳያት ኢትዮጵያን ስዑድ ዓረብ ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያትን ዘትዮም፡፡ ኣብ ትግራይ ካብቲ ሓዱሽ መለለዪ መንነት ወጻኢ ካልእ መለለዪ መንነት ክኽልከል ከም ዝኽእል ተገሊጹ። ኣቦ መበር ጽላል ፖለቲካዊያን ሓይልታት ኤርትራ ኣቶ ገረዝግሄር ተወልደ ኣብ ኒውዚላንድን ኣውስትራሊያን ዑደት ኣብ ዝገበረሉ፡ ብዛዕባ ተሞክሮ ህይወቱን ህሉው ኩነታት ፖሎቲካን ኣብ ስቱድዮ ኤስ ቢ ኤስ መልበርን ኣካፊሉ ኣሎ። ንውላድኩም እቲ ብቑዕን ዝሰማማዕን ተሓጋጋዚ መምህር ከመይ ትመርጹ፡ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ካናዳ ካብ ኣውስትራሊያ 6.6 ቢልዮን ዶላር ዝዋግ ኡ ካብ ኣመሪካ ናይ መጠንቀቕታ ሓበሬታ ዘመሓላልፍ ራዳር ክትዕድግ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ኣፍሊጡ። እስራኤል ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 400 ፍልስጢኤማዊያን ኣብ ቓዛ ብምቕታል ስምምዕ ተዂሲ ደው ምባል ኣፍሪሳቶ። ሎሚ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ ሶኮሩ ኣንጻር ጋንታ ኢንዶነዥያ ትገብሮ ግጥም እንተሲዒራ ናብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ክትሓልፍ ዕድላ ከስፍሖ እዩ ።
    53 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (20 መጋቢት 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ካናዳ ካብ ኣውስትራሊያ 6.6 ቢልዮን ዶላር ዝዋግ ኡ ካብ ኣመሪካ ናይ መጠንቀቕታ ሓበሬታ ዘመሓላልፍ ራዳር ክትዕድግ ምዃና ቀዳማይ ሚኒስተር ካናዳ ኣፍሊጡ። እስራኤል ኣብ ውሽጢ ሓደ መዓልቲ ልዕሊ 400 ፍልስጢኤማዊያን ኣብ ቓዛ ብምቕታል ስምምዕ ተዂሲ ደው ምባል ኣፍሪሳቶ። ሎሚ ጋንታ ኩዕሶ እግሪ ኣውስትራሊያ ሶኮሩ ኣንጻር ጋንታ ኢንዶነዥያ ትገብሮ ግጥም እንተሲዒራ ናብ መጻረዪ ዋንጫ ዓለም ክትሓልፍ ዕድላ ከስፍሖ እዩ ።
    12 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,852 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners