SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ኣብ ጃማይካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ኣትለቲክስ ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ዲሪበ ወልተጂ ሻምፒዮን ኮይና፡ (ሰሙናዊ መደብ ስፖርት)
    ንሎሚ ዝተዳለወ ሰሙናዊ መደብ ስፖርት ኤስቢኤስ ትግርኛ ካብ'ዚ ቀጺልና ከነቕርበልኩም ኢና፡ ፈለማ ግን ኣርእስታቱ፡ ኣብ ጃማይካ ኣብ ዝተኻየደ ውድድራት ኣትለቲክስ (ኪንግስተን ግራንድ ስላም ትራክ) ኢትዮጵያዊት ኣትሌት ዲሪበ ወልተጂ ሻምፒዮን ኮይና፡ ኬንያውያን ኣትሌታት ኣብ ማራቶን ከተማ ኤልደሮት ኣንጻር ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ክወዳደሩ ዕድል ክረኽቡ'ዮም፡ ኣሰልጣኒ ኣርሰናል ሚከል ኣርቴታ ብተኸላኻላዩ በደል ተፈጺሙ ኢሉ ንኤቨርተን ፍጹም ቅላዕ መቕጻዕቲ ዝሃበ ውሳነ ዳኛ ከምዘይሰማማዓሉ ኣፍሊጡ፡ ንምብጻሕ ናብ ሩዋንዳ ዘተባብዕ መወዓውዒ 'Visit Rwanda' ኣብ ማልየአን ዘለወን ጋንታታት ኤውሮጳ ብሰንኪ ምትእትታው ሩዋንዳ ኣብ ደሞክራቲክ ሪፓብሊክ ኮንጎ ንግዳዊ ውዕለን ክስርዛ ካብ ደገፍቲ መጸዋዕታ ይቐርበለን ዝብሉ ንሎሚ ንምልከቶም ዜናታት'ዮም።
    6 min
  • ኣባላት ቐዋሚ ኮሚቴ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ምስ ኣምሳደር ኣሜሪካ ተዛትዮም። (ጸብጻብ)
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ኣብ ትግራይ ሽልማት ሕሩያት መማህራን ተጀሚሩ። ኣባላት ቐዋሚ ኮሚቴ ጊዜያዊ ቤት ምኽሪ ትግራይ ምስ ኣምሳደር ኣሜሪካ ተዛትዮም። ፈጻሚ ጉዳያት ኢምባሲ ኤርትራ ኣብ ኢትዮጲያን ሕብረት ኣፍሪቃን ፡ ምስ ወከልቲ ሰበ-ስልጣን ናይቲ ሕብረት ርክባት ኣካይዱ። ሕብረት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ 240 ሚልዮን ዩሮ ድጋፍ ሂቡ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ ንብርጣኒያ ተቓውሞ ኣስሚዑ።
    6 min
  • "ብሞት መምህር ጸጋይ ተስፋይ ምሉእ ማሕበረሰብ ኲንስላንድ እዩ ሓዚኑ።" ኣቶ ሚኪኤል (ወዲ ቐሺ)
    መምህር ጸጋይ ተስፋይ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት 1949 ኣብ ኣውራጃ ሰራየ ወረዳ ዓዲ ዃላ ኣብ እትርከብ፡ ዓዲ ባሕሮ ተወሊዱ። ዕድመኡ ንትምህርቲ ምስ ኣኸለ ድማ ክሳብ 8ይ ከፍሊ ኣብ ቤት ትምህርቲ ማእከላይ ደረጃ ዓዲ ዃላ ተማሂሩ። ድሕሪኡ ናብ ኣስመራ ከይዱ ክሳብ መበል 12 ክፍሊ ቀጺሉ። ናብ ኣዲስ ኣበባ ከይዱ ድማ ኣብኡ ብሞያ ምምህርና ክስልጥንን ከም መምህር ከስትምሃርን 5 ዓመታት ጸኒሑ። ካብኡ ከኣ ንዝያዳ ትምህርቲ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዩኒቨርሲቲ ኣትዩ። ከም ተጋዳላይ ኣብ ዝተፈላለዩ ጽፍሕታት ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ተጋድሎ ሓነት ኤርትራ ናብ ሱዳን ድሕቲ ምእታው ከኣ፡ ኣብ ከሰላ ኣባል ውድብ ተሓኤ ሰውራዊ ባይቶ ኮይኑ፡ ሓላፊ ክፍሊ ገንዘብን መምህርን ኮይኑ ክሰርሕ ምስ ጸንሐ፡ ኣብ 1996 ናብ ኣወስትራሊያ ተሰዲዱ። ስድራ ቤቱ ብምእላይን ነቲ ማሕበረሰብ ኣብ ምግልጋልን ኣሕሊፍዎ። ሞት ዘይተርፍ ዕዳ ወዲሰብ ብምዃኑ ከኣ፡ እነሆ ብ27 መጋቢት 2025 ካብዛ ዓለም ተፈልዩ፡ መላእ ነበርቲ ማሕበረሰብ ከተማ ብርስቤንን ከባቢኣን ካብ ወጻኢ ድማ ብማንዛን ብዓቢ ስነስርዓት ብ 6 ሚያዝያ 2025 ስነ ስርዓት ቀብሩ ተፈጺሙ። ናይ ቀረባ መቓልስቱን ንነዊሕ ዓመታት መናብርቱን ዝኾነ ኣቶ ሚካኤል (ወዲ ቐሺ) ንህይወት መምህር ጸጋይ ይዝክሮ።
    18 min
  • The legal loophole allowing political lies during elections - SBS Examines: ኣብ ግዜ ምርጫታት ፖለቲካዊ ሓሶታት ክሓልፉ ዘፍቅዱ ክፍተታት ሕጊ
    With an election date set for May 3rd, campaigning has officially begun. But political advertisements have already been circulating for months. Can you trust what they say? - ምርጫ ዝካየደሉ መዓልቲ ግንቦት 3 ክኸውን ድሕሪ ምውሳኑ፡ ጎስጓሳት ብወግዒ ተጀሚሮም ኣለዉ። እንተኾነ ግን ፖለቲካውያን መወዓውዒታት ቅድሚኡ ንኣዋርሕ ክዝርግሑ ወይ ክዘሩ ጸኒሖም'ዮም። እቲ ዝብሉዎ ወይ ዘውጽእዎ ክትኣምኑዎ ትኽእሉ ዶ፧
    11 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (03 መጋቢት 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ጥምረት እንተድኣ ተመሪጹ ናይ ሕርሻን ዕደናን ጽርግያታት ንምምሕያሽ 600 ሚልዮን ዶላር ከውጽእ ምዃኑ ቃል ኣትዩ ኣሎ ። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣንተኒ ኣልበኔዝ ፡ ኣብዚ ኣመሪካ ግብሪ ክትውስኽ ምዃና ገሊጻትሉ ዘላ እዋን ብጽንዓት ደው ከምዝብል ኣረጋጊጹ። ፕሬዝዳንት ዩናይትድ ስቴትስ ዶናልድ ትራምፕ ኣብ ቁጠባ ዓለም ሰፊሕ ጽልዋ ክህልዎ ትጽቢት ዝግበረሉ ንመብዛሕትኡ ናብ ኣመሪካ ዝኣቱ ኣቑሑት ቀረጽ/ግብሪ ከምዝግበር ኣፍሊጡ ።
    15 min
  • ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም 'ኣማራጺ' ከም ዘይወስድ ገሊጹ። (ጸብጻብ)
    ልኡኽ መንግስቲ ኤርትራ፡ መልእኽቲ መራሒ ኤርትራ ኣቶ ኢሳይያስ ናብ ፕረዚደንት ሳልቫ ኪር ማያርዳት ኣብጺሑ። ብኲናት ንዝተሃሰየ ዓውዲ ጥዕና ትግራይ ብመፅናዕቲ ዝተደገፈ መፍትሕታት ንምንዳይ ዝዓለመ 10ይ ዓለም ለኸ ዓውደ መፅናዕቲ ተጀሚሩ። ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ዘጓነየ ምጥያሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ይሳለጥ ምህላዉ ሳልሳይ ወያነ ትግራይ ጠቒሱ። ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ክንፊ ህወሓት ዕጥቃዊ ቃልሲ ከም 'ኣማራጺ' ከም ዘይወስድ ገሊጹ። ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልላት ዝጣየሽ ግዝያዊ ምምሕዳር ንኽልተ ግዜ በብኽልተ ዓመት ክናዋሕ ዘኽእል ኣዋጅ ኣጽዲቑ።
    8 min
  • How to vote in the federal election  - ኣብ ፈደራላዊ ምርጫ ኣውስትራልያ ከመይ ገይርኩም ተድምጹ
    On election day the Australian Electoral Commission anticipates one million voters to pass through their voting centres every hour. Voting is compulsory for everyone on the electoral roll, so all Australians should familiarise themselves with the voting process before election day. - 18 ሚልዮን ኣውስትራልያውያን ኣብ'ዚ ዝመጽእ ዘሎ ፈደራል ምርጫ ከድምጹ ተመዝጊቦም ኣለዉ። ኣብ መዓልቲ ምርጫ፡ ኮሚሽን ምርጫ ኣውስትራልያ the Australian Electoral Commission ወይ AEC ብመድመጺ ማእከላቱ ኣብ ነብሲ ወከፍ ሰዓት ሓደ ሚልዮን ኣድመጽቲ ክሓልፉ ትጽቢት ይገብር። ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ መዝገብ ኣድመጽቲ እቱዋት ወይ ምዝጉባት እንተኾይንኩም ድምጺ ምሃብ ወይ ምድማጽ ግዴታ'ዩ። ኣብ'ዚ ንኣውስትራልያ ንገልጸሉ ትሕዝቶ ኩሎም ኣውስትራልያውያን ክፈልጥዎን ክለማመድዎን ዘለዎም ኣብ'ዚ ዝመጽእ ዘሎ ፈደራላዊ ምርጫ ከመይ ይድመጽ ክምልከት'ዩ።
    12 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (02 ሚያዝያ 2025)
    ሓጸርቲ ዜናታት ኤስቢኤስ ትግርኛ (2 ሚያዝያ 2025) * ፍርሒ ዝዓበየ ኲናት ንግዲ ኣብ ዝተፈጥረሉ ዶናልድ ትራምፕ ሓደስቲ ታሪፋት ክእውጅ’ዩ፣ * ሰልፊ ለይበር ኣውስትራልያ ንሰለስተ ሚልዮን ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ሓቀኛ ወሰኽ ደሞዝ ክግበረሎም ድፍኢት ክገብር’የ ይብል፣ * መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ፒተር ዳተን ፖሊሲታቱ ካብ ዶናልድ ትራምፕን ኢሎን ማስክን ይቐድሖም ኣሎ ዝብል ክሲ ቀሪብሉ፣ * ክልተ ኣትሌታት ካብ ኢትዮጵያን ኬንያን ብምኽንያት ጥሕሰታት ሕጊ ብቕዓት ዘደንፍዑ ንጥረነገራትን መርመራታትን ብኣትለቲክስ ዓለም እገዳ ተነቢርሎም፣
    7 min
  • "ካብ ፖሊስ ክሃድሙ ካብ ፓላሶ ወዲቕቖም ዝሞቱ ብጥይት ተሃሪሞም ይቕተሉ ኣለዉ።" ስደተኛታት ኣብ ሊብያ "ርድኡና!" ኢሎም ይጣርዑ።
    ኣብ ሊብያ ካብ ኤርትራውያን ኢትዮጵያ ሱዳንን ካልእ ሃገራት ኣፍሪቃ ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ከቢድ ናይ ሞትን ህላወን ኩነታት ይርከቡ። ሓይልታት ጸጥታ ሊብያ ንህዝቢ ሊብያ ነቶም ስደተኛታት ድላዮም ክግብርዎ መገዲ ስለዝኽፈተ ናይ ሞት ስጉምቲ ከይወስደሎም ኣብ ከቢድ ስግኣት ይርከቡ ኣለዉ። ፈቐ ኡ ተዘርዮም ድማ ርድኡና ክብሉ ይጣረዑ ኣለዉ። ኣብ ሊብያ ካብ ዝርክቡ ንኽልት ረኺብና ኣዛሪብናዮም ኣለና።
    15 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ሚያዝያ 2025)
    ንሎሚ 1 ሚያዝያ 2025 ዝትዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስስታት : ኣብ ኣውስትራሊያ ኣብ 3 ግንቦት ንዝግብር ምርጫ ጎስጓስ ምረጹና ጽዒቑ ቀጺሉ፡ ኣብ ሚያንማርን ታይላንድን ምንቅጥቃጥ ምድሪ ቁጽሪ ምዉታት ይውስኽ፡ ኣብ ሚያንማር ጥራይ ዛጊት ኣስታት 2000 ሰባት ሞይቶም። መራሒት ሰልፊ ሕሉፍ የማናይ ፈረንሳ ማሪን ለ ፐን ፡ ብምጥፍፋእ ገንዘብ ሕብረት ኣውሮጳ ገበነኛ ምዃና ንሓሙሽተ ዓመት ንስልጣን ከይትወዳደር ቤት ፍርዲ ውሲኑ።
    7 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,852 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners