SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (17 ሚያዝያ 2025)
    ንሎሚ ሓሙስ 17 ሚያዝያ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። እቲ ኣብ ሱዳን ዘሎ ኩነታት ትካላት ረድኤት ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየን ዝቐልጠፈን ናይ ምምዝባል ቅልውላው ኢለንኦ ኣለዋ ። ኣብ ሱዳን ውግእ ሓድሕድ ናብ ሳልሳይ ዓመት [ካብ ሚያዝያ 2023] ኣብ ዝኣተወሉ ዘሎ ፡ ዳርጋ 13 ሚልዮን ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም እዮም ። ኣብታ ሃገር እውን ጥሜት እናበዝሐ ይኸይድ ስለ ዘሎ ፡ ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ፡ ማለት 24.6 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ስእነት መግቢ ወዲቖም ኣለዉ ። ነዚ ዝምልከት ሓደ ጸብጻባዊ ዜና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሓዱሽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሄራዊ ዕርቂ ክግበር መደብ ከም ዘሎ ገሊጹ። ደጋፍን ተቓዋምን ኮይኑ ኣብ ክልተ ተኸፋፊሉ ዘሎ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ትግራይ ናብ ሓደ ብሄራዊ ምርድዳእ ክመፅእ ክስራሕ ምዃኑ ሓባር ኣሎ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ናይ 17 ወርሒ ውዝፍ መሃያ መምህራን ክኽፈል ወሲኑ። መንግስታዊ ሚድያን ርክብ ህዝብን ክልል ኣምሓራ ቶኽታኺ ሓበሬታ ካብ ምዝርጋሕ ክቑጠቡ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣተሓሳሲቡ ። ቀዋሚት ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ናህላ ቫልጂ ምስ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ ርክብ ኣካይዳ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ንሓዋሩ ክዕጾ እማመ ቀሪቡ። መንግስቲ ኢትዮጵያ 'ልምዓት ኮሪደር' ብቕልጡፍ ደው ከብል ኣምነስቲ ኣተሓሳሲቡ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ “መስርሕ ሕውየት ድሕሪ ምዕልቕላቕን ማዕበልን፡” ዝብል ኣርእስቲ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ካልኣይ ናይ መራሕቲ ክትዕ ዛዕባ ፖሊሲ ኣባይቲን ሃገራዊ ድሕነትን ፡ ዓብሊልዎ ኣምስዩ ። ፈረንሳ ን12 ኣባላት ዲፕሎማስያውን ቈንስላውን ሰራሕተኛታት ካብ ኣልጀርያ ትስሕብ ። ኣብ መብዛሕት አን ዋና ከተማታትን ዓበይቲ ከተማታትን ዋጋታት ዋጋ መንበሪ ገዛ ኣብ ኣውስትራሊያ ብገምጋም ንናይ ሚሊዮን ዶላር መስመር ከምዝሓለፈ ተፈሊጡ።
    48 min
  • ኩነታት ሱዳን ካብ ዝኸፍአ ናብ ዝገደደ ሰብኣዊ ቅልውላው፡
    ትካላት ረድኤት ኣብ ታሪኽ እቲ ዝዓበየን ዝቐልጠፈን ናይ ምምዝባል ቅልውላው ኢለንኦ ኣለዋ ። ኣብ ሱዳን ውግእ ሓድሕድ ናብ ሳልሳይ ዓመት [ካብ ሚያዝያ 2023] ኣብ ዝኣተወሉ ዘሎ ፡ ዳርጋ 13 ሚልዮን ካብ መነባብሮኦም ተመዛቢሎም እዮም ። ኣብታ ሃገር እውን ጥሜት እናበዝሐ ይኸይድ ስለ ዘሎ ፡ ኣስታት ፍርቂ ህዝቢ እታ ሃገር ፡ ማለት 24.6 ሚልዮን ህዝቢ እታ ሃገር ኣብ ዝኸፍአ ስእነት መግቢ ወዲቖም ኣለዉ ።
    8 min
  • ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ንሓዋሩ ክዕጾ እማመ ቀሪቡ። (ጸብጻብ)
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሓዱሽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ብሄራዊ ዕርቂ ክግበር መደብ ከም ዘሎ ገሊጹ። ደጋፍን ተቓዋምን ኮይኑ ኣብ ክልተ ተኸፋፊሉ ዘሎ ማሕበረሰብ ዳያስፖራ ትግራይ ናብ ሓደ ብሄራዊ ምርድዳእ ክመፅእ ክስራሕ ምዃኑ ሓባር ኣሎ። ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ ትግራይ ናይ 17 ወርሒ ውዝፍ መሃያ መምህራን ክኽፈል ወሲኑ። መንግስታዊ ሚድያን ርክብ ህዝብን ክልል ኣምሓራ ቶኽታኺ ሓበሬታ ካብ ምዝርጋሕ ክቑጠቡ ጊዚያዊ ምምሕዳር ትግራይ ኣተሓሳሲቡ ። ቀዋሚት ወኪል ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ናህላ ቫልጂ ምስ ፕረዚደንት ኢሰይያስ ኣፈዎርቂ ርክብ ኣካይዳ፡ ኣብ ኤርትራ ዘሎ፡ ኤምባሲ ኣመሪካ ንሓዋሩ ክዕጾ እማመ ቀሪቡ።
    8 min
  • መስርሕ ሕውየት ድሕሪ ምዕልቕላቕን ማዕበልን፡
    ኣውስትራልያ ፡ ብተደጋጋሚ ብርቱዕ ህቦብላን ምዕልቕላቕ ማይን የጋጥማ ኣሎ ፣ ድሕሪ ነፍሲወከፍ ዘጋጥም ባህርያዊ ሓደጋታት ማሕበረሰባት ከኣ ናብ ንቡር ንምምላስ ነዊሕ ጉዕዞ ይጽበዮም ። እቲ ዝናብ ድው ምስበለ ግና ፡ ከመይ ጌርካ ናብ ቤትካ ብሰላም ትምለስን ተጽርዮን ደገፍ ትረክብን ? ድሕሪ ሓደጋ እንታይ ኣገዳሲ ስጕምትታት ክንወስድ ከም ዘሎና ምስ ክኢላታት ተዘራሪብና ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና ።
    10 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (16 መጋቢት 2025)
    ንሎሚ 16 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ ኣርእስታት ዜና፡ ** ብዛዕባ ፖሊሲታት መንበሪ ኣባይቲ ዝምልከት ኣብ ልዕሊ ክልቲኦም ዓበይቲ ሰልፍታት ፖሎቲካ ኣውስትራሊያ ነቐፌታ ይቐርብ ኣሎ ... ** ማእከላይ ባንክ ኣውስትራሊያ ኣብ ወርሒ ግንቦት ተወሳኺ ምጉዳል መጠን ወለድ ክገብር ክፉት እዩ ኢሉ... ** መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ 58 ከተማታት ዝካይዶ 'ልምዓት ኮሪደር' ኣብ ሰብኣዊ መሰላት ዘለዎ ጽልዋ ክግምግም ኣምነስቲ ኢንተርናሽናል ሓቲቱ።
    7 min
  • Who's Right? Who's Left? Where do you fall on the political spectrum? - SBS Examines: መን`ዩ የማን፧ መን`ዩ ጸጋም፧ ኣብ ፖለቲካዊ ኣረኣእያታትኩም ኣየናይ ሸነኽ`ዩ ዝውክለኩም፧ (1ይ ክፋል)
    For years, the labels 'left' and 'right' have been used to describe where political parties sit. But are they still useful? - ንነብስኹም ኣብ ጸጋማዊ ዲኹም የማናዊ ኣተሓሳስባ ወይ ኣረኣእያ ተቐምጥዋ፧ ንዓመታት እዚኦም ኣስማት ፖለቲካዊያን ሰልፍታት ኣብ ዝበዝሑ መርገጺታቶም ኣበየናይ ይዝንብላ ንዝብል ንምግላጽ ወይ ንምዕቃን ከገልግሉ ጸኒሖም። እቶም ናብ ጸጋም ዝዘዝዉ ኣብ ዝያዳ ገስጋሳዊ ክብርታት ዝኣምኑ`ዮም፣ እቶም ኣብ የማናዊ ወገን ናይ`ቲ መዐየሪ ዘለዉ ድማ ኣብ ዝያዳ ዓቃባውያን ክብርታት ይኣምኑ። እዞም ኣስማት ግን ክሳብ ሕጂ ጠቐምቲ ድዮም፧ መርገጺ ፖለቲካውያን ሰልፍታትናን ፖለቲከኛታትናን ንምርዳእ ብሓቂ ይሕግዙና ድዮም፧
    10 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (15 መጋቢት 2025)
    ንሎሚ 15 መጋቢት 2025 ዝተዳለዉ ሃጽርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ፡ ኣርእስታት ... ** ፕረሲደንት ኣመሪካ ኣብ ልዕሊ መሳለጥያታት ኑክሌስ ኢራን ከጥቅዕ ምዃኑ ይፋራርሕ... ** ዓበይቲ ሰልፍታት ኣውስትራሊያ ብዛዕባ ኣባይቲ ዝምልከት መደባቶም ዝመጾም ዘሎ ወቐሳ ይከላኸልሉ... ** ኮኾብ ተጻዋታይ ሪልማድሪድ ሓደ ካብ ወነንቲ ክለብ ስዋንስተን ሲቲ ኮይኑ።
    6 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 መጋቢት 2025)
    ን ሎሚ 14 መጋቢት 2025 ዘዳለናዮ ትሕዝቶ ቀሪብና ኣለና፡ ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ከፋልጠኩም። ኣውስትራሊያዊያን ኣብ 3 ግንቦት 2025 ወከአልቶም ንፈደራል መንግስቲ ክመርጹ እዮም። ኣባላት ማሕበረሰብና እቶም ቀንዲ ዘአገድስዎም ጉዳያትን ካብ ሕጹያት ዝጽበዮም ፖሊሲታት እንታይ ምዃኖም ኣቶ ልኡል ፍስሃ ዝሃቦ መግለጺ ቀሪቡ ኣሎ። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ሓዱሽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 18 ዓበይቲ ዝተብሃሉ ሕቶታት ብፅሑፍ ተቐቢሉ። ህወሓት ንፕረዚደንነት ሌ ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝድግፍ ኣረጋጊፁ። ብመንግስቲ ኤርትራ ዕድመ ዝተገብረሉ ጉጅለ ልኡኽ ኤዉረጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱ። ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኤርትራ ንዝሃበቶ ደገፍ ኣመስጊኑ። ኣብ ኣውስትራልያ፡ ብሰንኪ ዘቤታዊ ዓመጽ ሓገዝ ካብ ዝሓተታ ደቀንስዮ 90% ዝኾና ፋይናንሳዊ ዓመጽ ኣጋጢምወን፡ ክኢላታት ድማ ሓደስቲ መጻእቲ ደቀንስትዮ እተን ኣብ ዝለዓለ ሓደጋ ዝርከባ'የን ይብሉ። ነዚ ዝምልከት ዝቐረበ ትሕዝቶ ኣሎ። ሰሙናዊ መደብ ስፖርትን ካልእ ዝተፈላለዩ ትሕዝቶታት ቀሪብና ኣለና። ኣርእስታት ዜና፥ ንገለ ኤለክትሮኒካዊ ፍርያት ዝንሓፍ ቀረጽ ከም ዘየለ ፕረሲደንት ትራምፕ ገሊጹ ። ሰልፍታት ፖለቲካ ኣውስትራሊያ ጎስጓስ ምርጫ ቐጺሉ፡ ሰልፊ ለበር ንፈለማ ዓደግቲ ገዛ ክሕግዝ ክመባጻዕ’ከሎ፡ ሰልፊ ተቓዋሚ ድማ ንሓደ ዓመት ምጉዳል ግብሪ ክግበር እዩ። ኣውስትራልያዊ ኦስካር ፡ ኣብ ናይ ባሕሬን ግራንድ ፕሪክስ ተዓዊቱ ።
    51 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (14 መጋቢት 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ንገለ ኤለክትሮኒካዊ ፍርያት ዝንሓፍ ቀረጽ ከም ዘየለ ፕረሲደንት ትራምፕ ገሊጹ ። ኣብ ሓንቲ ከተማን ናይ ሱዳን ዞባ ዳርፉር ኣብ ዝርከብ ክልተ ማእከል ተመዛበልቲን ብዝተፈጸመ መጥቃዕቲ ልዕሊ 100 ሰባት ተቐቲሎም ። ሰልፍታት ፖለቲካ ኣውስትራሊያ ጎስጓስ ምርጫ ቐጺሉ፡ ሰልፊ ለበር ንፈለማ ዓደግቲ ገዛ ክሕግዝ ክመባጻዕ’ከሎ፡ ሰልፊ ተቓዋሚ ድማ ንሓደ ዓመት ምጉዳል ግብሪ ክግበር እዩ። ኣውስትራልያዊ ኦስካር ፡ ኣብ ናይ ባሕሬን ግራንድ ፕሪክስ ተዓዊቱ ።
    12 min
  • ብመንግስቲ ኤርትራ ዕድመ ዝተገብረሉ ጉጅለ ልኡኽ ኤዉረጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱ።(ጸብጻብ)
    ሓዱሽ ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ 18 ዓበይቲ ዝተብሃሉ ሕቶታት ብፅሑፍ ተቐቢሉ። ህወሓት ንፕረዚደንነት ሌ ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝድግፍ ኣረጋጊፁ። ብመንግስቲ ኤርትራ ዕድመ ዝተገብረሉ ጉጅለ ልኡኽ ኤዉረጳዊ ሕብረት፡ ኣብ ኤርትራ ዑደት ኣካይዱ። ኣብ ኤርትራ ምብጻሕ ዘካየደ ወተሃደራዊ መራሒ ሱዳን ጀነራል ዓብደልፋታሕ ኣልቡርሃን ኤርትራ ንዝሃበቶ ደገፍ ኣመስጊኑ።
    7 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,852 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners