SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (30 ሚያዝያ 2025)
    ንሎሚ 30 ሚያዝያ 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ አቕርበልኩም ፈለማ ኣርእስታቶ፡ ምምሕዳር ትራምፕ ሩስያን ዩክረይንን ጭቡጥ ውጥናት ንዕርቂ እንተዘየፍርዮም ካብቲ ሽምግልና ክወጽእ ምዃኑ ኣጠንቂቑ ። ዋና ጸሓፊ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፡ ኣብ መንጎ ህንድን ፓኪስታንን ግጭት ከይለዓል ንምድጋፍ ሉው ምዃኑ ተሓቢሩ ። ብነበር ፕርሲደንት ትግራይ ጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ሓድሽ ሰልፊ ከምዝመስረተ ተፈሊጡ።
    6 min
  • ሓጸርቲ ዜናታት ኢስ ቢ ኤስ ትግርኛ (29 ሚያዝያ 2025)
    ንሎሚ 29 ሚያዝያ 2025 ዝተዳለዉ ሓጸርቲ ዜናታት ኤስ ቢ ኤስ ኛ ኣርእስታት፡ ** ኣብ ዩክሬን ዝግበር ዘሎ ዉግእ ናይ ሰለስተ መዓልቲ ተኹሲ ደው ክብል ፕረሲድንት ሩሲያ ቪላድሚር ፑቲን ኣዊጁ ... ** ኣብ የመን ዝርከቡ ዕጡቓት ሑቲ ፡ ኣብ ኣውራጃ ሳዓዳ ኣፍሪቃውያን ስደተኛታት ዝነበርዎ ኣብ ሓደ ቤት-ማእሰርቲ ብ መጥቃዕቲ ኣየር ኣመሪካ ፡ ብውሕዱ 68 ሰባት ከም ዝቐተሉ ተፈሊጡ ። **ኣብ ስፔንን ፖርቱጋልን ሓይሊ ኤለክትሪክ ድሕሪ ምቁራጹ ፡ ባቡራት ፡ ሞባይልን ኢንተርነትን ተቛሪጹ ።
    6 min
  • "ብዝሒ ስደተኛታት ጠንቂ ጸገም ቁጠባን ገዛን" ብሂላት ብዛዕባ ስድተኛታት ኣብ ጎስጓስ ምርጫ ዝምልከት መጽናዕቲ ዶ/ር ማኑኤል ኤልያስ ካብ ዲክን ዩኒቭርሲቲ
    ኣብ ጎስጓስ ምርጫ ኣውስትራሊያ ጉዳይ ስድተኛታት ሓደ ካብ ዛዕባታት ኮይኑ ብሰልፍታት ፖለቲካ ቀሪቡ ኣሎ። ብዛዕባ'ዚ ዝምልከት ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስን ፕሮፌስር ፈትሒ ማንሱሪ "4 key myths that manufacture an immigration ‘crisis’" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፍዎ ዓንቀጽ እቲ ብዛዕባ ስደተኛታት ዝወሃብ ብሂላት ብ ኣኣርባዕተ ጉዳይ ከፊሎም ኣቕሪቦም እቲ ዝበሃል ድማ ጌጋ ምዃኑ ብመጽናዕቲ ኣደጊፎም ኣቕሪቦሞ ኣለዉ። ብዛዕባ'ዚ ጽሑፍ ምስ ምርጫ ፈደራል መንግስቲ 2025 ኣተሓሒዝና ካብ ጽሓፍቲ ናይቲ ዓንቀጽ ዝኾነ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ ዝርርብ ኣካይድና ኣለና።
    19 min
  • Who's Right? Who's Left? How will migrant communities vote this election? - SBS Examines፣ መን'ዩ የማን፧ መን'ዩ ጸጋም፧ መጻእቲ ማሕበረስባት ኣብ'ዚ ምርጫ ከመይ ከድምጹ'ዮም፧
    Migration policies are a hot topic this election, but it's not clear how our diverse communities will cast their vote. - ፖሊሲታት ብዛዕባ መጻእቲ ወይ ናብ'ዚ ሃገር ዝመጹ ሰባት ውዑያት ኣርእስታት ኣብ'ዚ ምርጫ'ዮም፣ ዝተፈላለዩ ማሕበረሰባትና ግን ኣብ'ዚ ምርጫ ከመይ ከድምጹ'ዮም ንጹር ኣይኮነን።
    11 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (28 ሚያዝያ 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ** ኣብዚ ትሕቲ ሰሙን ተሪፍዎ ዘሎ ምርጫ ፈደርኣል ኣውስትራሊያ፡ መራሕቲ ዓበይቲ ሰልፍታት ኣብ ራብዓይን ናይ መወዳእታን ናይ ምርጫ ክትዕ ብዛዕባ ምጉዳል ክብሪ መነባብሮ ዝምልከት ፖሊሲታቶም ክሕተቱ ኣምስዮም ... ** ቫቲካን መቓብር ርእሰ ሊቃነ ጳጳሳት ፍራንሲስ ነቶም ኣኽብሮት ክገልጹ ዝመጹ በጻሕቲ ክፉት ገይራቶ። ** ሊቨርፑል ናይዚ ዓመት ሻምፕዮን ፕሪሜር ሊግ ኮይና።
    13 min
  • ሊቨርፑል ሻምፒዮን ኮይና፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ምምዝጋብ ይቕጽል፣ ትዕግስት ኣሰፋ ንማራቶን ለንደን ተዓዊታቶ
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (28/04/2025) * ኢትዮጵያዊት ትዕግስት ኣሰፋ ኣብ ማራቶን ለንደን ሓድሽ ክብረወሰን ብምምዝጋብ ተዓዊታ፡ * ኤርትራዊ መንእሰይ ሳይመን ተስፋጊዮርጊስ ኣብ ውድድር ጉያ እግሪ 10ኪሜ ቤንጋሉሩ ዝድነቕ ካልኣይ ወጺኡ፣ * ኣብ ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ዋንዳ ኢትዮጵያዊ ሳሙኤል ተፈራ ሓድሽ ክብረወሰን ናይ'ቲ ርክባት ብምምዝጋብ ኣብ ውድድር 3000ሜ መሰናኽል ተዓዊቱ፡ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሊቨርፑል መበል 20 ጽዋዕ ብወግዒ ክትዓትር'ንከላ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ ኒውካስትል ዩናይትድ ናብ ሳልሳይ ተርታ ክትድይብ ሓጊዙ፣
    12 min
  • ወጥሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰላማዊ መፍትሒ ክሃድእ ኣቦወንበር ህወሓት ጸዊዑ። (ጸብጻብ ልኡኽና)
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ወጥሪ ኢትዮጵያን ኤርትራን ብሰላማዊ መፍትሒ ክሃድእ ኣቦወንበር ህወሓት ጸዊዑ። ብጌታቸው ረዳ ዝምራሕ ህወሓት “ናብ ፓርቲነት" ዘሰጋግሩዎ መስርሓት ይዛዝም ከም ዘሎ ኣፍሊጡ። ዓለምለኸ ማሕበረሰብ ምሁራትን ሰብ ሞያን ምስ ፕረዝደንት ትግራይ ጀነራል ታደሰ ወረደ ከምዝተዛተየ ሓቢሩ ። ኣብ እስራኤል፡ ብቕትለት ክልተ ሰባት ዝጥርጠሩ ክልተ ኤርትራውያን፡ ኣብ ዶብ ተታሒዞም'። ሚንስተር ገንዘብ ኢትዮጵያ ኣህመድ ሺዴ ምስ ምክትል ማኔጂንግ ዳይሬክተር ኣይ ኤም ኤፍ ተዛቲዩ። ግብጽን ጅቡቲን፡ ብጉዳያት ምሕደራን ጸጥታን ቀይሕ ባሕርን ወሽመጥ ዓደንን ተሰማሚዐን'።
    11 min
  • ዓብዱልፋታሕ ኣሕመድ ብፖሊስ ድሕሪ ምቕታሉ፡ ኣፍሪቃውያን ነበርቲ መልበርን ቁጥዓኦም ንምግላጽ ሰልፊ ገይሮም።
    ብሓሙስ ምሸት ኣብ ምዕራብ መልበርን ኣብ ፉትስክረይ ሓደ ሰብ ብፖሊስ ተተኲስሉ ድሕሪ ምቕታሉ ፡ ብኣማእታት ዝቝጸሩ ሰባት ኣንጻር እቲ ቅትለት ሰላማዊ ሰልፊ ወጺኦም። ኣስታት 200 ዝዀኑ ሰባት ፡ ኣብ ኒከልሰን ስትሪት ኣብ ማእከል ፉትስክረይ ናይቲ ዝተቐትለ ዓብደልፋታሕ ኣሕመድ ስእሊ ሒዞም "ህይወት ጸሊም ይከበር" "Black Lives Matter"ዝብል ጭርሖታት ሒዞም ፡ ዝያዳ ናይ ኣእምሮ ጥዕና ደገፍ ክግበር ጸዊዖም ። ኣብቲ ኣጋጣሚ መደረ ካብ ዘስምዑ ዶ/ር ብርሃን ኣሕመድ እቲ ከባቢ ኣብ ክንዲ ብፖሊስ ናይ ኣእምሮ ናይ ጥዕና ሓገዝ ከም ዘድልዮ ገሊጹ ። ነቲ ዘጋጠመ ኩነታትን ኣፍሪቃውያን ዘጋጥሞም ዘሎ ጸገምን ኣብሪሁልና ኣሎ።
    21 min
  • ቀጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ብኢ ኤስ ትግርኛ (24 ሚያዝያ 2025)
    ንሎሚ ሓሙስ 24 ሚያዝያ 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ንኢትዮጵያ ዝምልከት ሓድሽ መጠንቀቕታ ኣውጺኡ። ፕረዚደንት ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ኣብ ኢትዮጵያ ሓላፊ UN-OCHA ተመያይጡ። ፕረዝደንት ትግራይ ዝተጣየሸ ካብኔ ሓቛፋይን ኣሳታፍን ኣይኮነን ተባሂሉ። ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ምስ ኣምባሳደር ብሪታንያ ኣብ ኢትዮጵያ ዳረን ዌልች ውን ተዛትዩ ኣሎ። ኣይ ኤም ኤፍ ንልምዓትን ዕቤትን ኢትዮጵያ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል ገሊፁ። ፕረዚደንት ኣሳይያስ ኣፈወርቂ ብሞት ርእሰ-ሊቃነ-ጳጳሳት ፍራንሲስ ዝተሰምዖ ሓዘን ገሊጹ። ኣቡነ ፍራንቺስኮ ኣብ ትግራይ ንዝነበረ ኵናት ደው ንኽብል ደጋጊሞም ይሰርሑ ከምዝነበሩ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን ሃገረ ስብከት ዓዲግራት ገሊፃ። ፕረዚደንት ግብጺ፡ ኣብ ጂቡቲ ምብጻሕ ኣካይዱ። ምስ ጥዕና ኣእምሮ ዝተሓሓዝ ሕቶታት ኪኢላ ጥዕና ኣእምሮ ዮርዳኖስ ተስፋይ መሊሳትልና ኣላ ኣብ ናይ ቃለ መሕትት ። ብዛዕባ፡ ምዕጻው ጋግ (Closing the Gap) እንታይ እዩ፧ ዝድህስስ ትሕዝቶ ኣብ ሰሙናዊ መደብ ምንባር ኣብ ኣውስትራሊያ ክቐርብ እዩ። ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ጥምረት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ንዘሎ ናይ ስድራን ዘቤታዊ ጐንጺን ንምምካት ተወሳኺ 90 ሚሊዮን ዶላር ከምዝምድብ ገሊጹ ። ንቱርኪየ 6.2 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢምዎ እዩ ። ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ኢጣልያ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ በልጅም ተወዳዲሮም ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊቦም፡
    53 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (24 ሚያዝያ 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ሰልፊ ጥምረት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ንዘሎ ናይ ስድራን ዘቤታዊ ጐንጺን ንምምካት ተወሳኺ 90 ሚሊዮን ዶላር ከምዝምድብ ገሊጹ ። ንቱርኪየ 6.2 ሬክተር ዝዓቐኑ ምንቅጥቃጥ ምድሪ ኣጋጢምዎ እዩ ። ኤርትራውያን ተቐዳደምቲ ናሆም ዘርኣይ ኣብ ኢጣልያ፣ ቢንያም ግርማይ ኣብ በልጅም ተወዳዲሮም ዘዕግብ ውጽኢት ኣመዝጊቦም፡
    13 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,852 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners