SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

Download on the App Store

SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ episodes

  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (05 ግንቦት 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ 75 ካብ ሚእቲ ድምጺ ተቖጺርሉ ኣብዘሎ ውጽኢት ምርጫ ኣብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዛጊት ሰልፊ ለበር ነቲ 86 መናብር ከም ዝረኸበን ሰልፊ ጥምረት 39 ረኺቡ 15 መናብር ገና ኣይተፈልጠን ኣሎ ። ኣብዚ ዓመታዊ ወርሒ ግንቦት ዝዝከር ሰሙን ጥዕና ልቢ' ህዝቢ ልቦም ክምርመሩ The Heart Foundation ተማሕጺኑ። ቸልሲ ኣብ ልዕሊ ሊቨርፑል ናይ 3ብ1 ዓወት ድሕሪ ምምዝጋባ ንዓወታ ትጽምብሎ ኣላ።
    9 min
  • ጽገ ዱጉማን በሪሁ ኣረጋውን ኣብ ሻንግሃይ ተዓዊቶም፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ ጋንትኡ ማዕረ ክትወጽእ ሓጊዙ፣
    ሰሙናዊ መደብ ስፖርት (05/05/2025) * ኢትዮጵያዊ ጥላሁን ንጉሰ ሓድሽ ክብረወሰን ናይ’ቲ ውራይ ብምምዝጋብ ተዓዋቲ ማራቶን ቤልፋስት ኮይኑ፡ * ጽገ ዱጉማን በሪሁ ኣረጋውን ኣብ ውድድራት ኣልማዛዊ ሊግ ሻንግሃይ 2025 ዝድነቕ ዓወታት ኣመዝጊቦም፣ * ሓያሎ ኤርትራዊያን ተቐዳደምቲ ዝተሳተፍዎ ቅድድም ብሽግለታ ቱርኪየ ሰንበት ተዛዚሙ፣ * ኣማኑኤል ገ/ሄር ድማ ናይ ዙር ሮማንዲ ተሳትፎኡ ኣጠናቒቑ፡ * ኣርሰናል ኣብ ቀዳማይ እግሪ ግጥም ቻምፒዮንስ ሊግ ኣብ ሜድኦም ስዕረት ድሕሪ ምስካሞም ወሳኒ ካልኣይ እግሪ ግጥም ኣብ ፓሪስ ይጽበዮም፣ * ኣብ ፕሪምየር ሊግ ዓዲ እንግሊዝ ሊቨርፑል ሻምፒዮን ምዃና ካብ ተረጋግጽ ንደሓር ናይ ፈለማያ ስዕረት ኣብ ኢድ ቸልሲ ተሰኪማ፣ ኣሌክሳንደር ኢሳቕ ሽቶ ኣመዝጊቡ ኒውካስትል ዩናይትድ ናይ ራብዓይ ተርታ ቦትኣ ከተደልድል ሓጊዙ፣
    13 min
  • ሰልፊ ዕዮ ኣውስትራሊያ ኣብ ምርጫ 2025 ብገፊሕ ተዓዊቱ፡
    ኣብ ናይ 2025 ፌደራላዊ ምርጫ ሰልፊ ለበር ብዓብላሊ መናብር ተዓዊቱ ፣ ብኻልእ ወገን ሰልፊ ጥምረት ኣብ መላእ ኣውስትራሊያ ኣንጻር እቲ ሰልፊ ወናብር ተሓዲጉ ። ኣብቲ ሓያል ተወዳዳርነት ከርኢ ትጽቢት ተገይርሉሉ ዝነበረ ውድድር ምርጫ ፡ ኣንቶኒ ኣልባነሰ ቀዳማይ ሚኒስተር ኰይኑ ክቕጽል ጥራይ ዘይኰነስ ፡ ናይ ኣብዝሓ መንግስቲ ክምስርት ዘኽእሎ ዓወት እዩ ረኺቡ ።
    6 min
  • ብዛዕባ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ገደብ ሓሳብካ ምግላጽ ስክፍታ ቀሪቡ፡ ኤርትራ ድማ ብናጽነት ፕረስ ፡ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ።
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ፡ ህወሓት ከም ብሓዱሽ ምዝገባ ኮኒኑ ፤ ሕጋዊ ሰብነቱን ክምለስ ጸዊዑ። ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝመደበሮም 14 ኤምባሲታት፣ ኣብ ኢትዮጵያ ንዘሎ ገደብ ሓሳብካ ምግላጽ ስክፍታኦም ገሊጾም። ኤርትራ፡ ብወገና ብናጽነት ፕረስ ዓመተ 2025፡ ካብ 180 ሃገራት ኣብ መወዳእታ ተሰሪዓ ኣላ። ሓይልታት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ኣብ ምብራቕ ሱዳን መጥቃዕቲ ኣካይዶም። ዕጡቓት ደቡብ ሱዳን፡ ሉኡላዊ ግዛኣት ኢትዮጵያ ምጥሓሶም ተገሊጹ።
    9 min
  • Follow the money: how lobbying and big donations influence politics in Australia - SBS Examines: እቲ ገንዘብ ነናብ ዝኸዶ ተኸተልዎ፡ ዓበይቲ ወፈያታት ገንዘብን ሎቢይን ንፖለቲካ ኣውስትራልያ ብኸመይ ይጸልዉዎ
    Experts say a lack of transparency leaves Australians unaware of "undue influences" at play across all levels of government. - ንነበር ኣውስትራልያውያን ፖለቲከኛታት ልሙድ ዝኾነ ዝኽተልዎ መንገዲ ኮይኑ'ሎ። ኣባላት ባይቶ ነበር ካብ ኩሎም ቀጸለታት መንግስቲ፡ ከም ሎቢዪስትስ (ንረብሕኦም ወይ ረብሓ ዝኸፍሎም ትካል ዘኽብር ፖሊሲታት ከሕልፉ ወይ ክድግፉ ንኣባላት ባይቶ ምሕጽንታን ልመናን ዘቕርቡ ወልቀሰባት ወይ ትካላት) ኮይኖም ክሰርሑ፡ ሓደስቲ ስራሓት/መዝነታት/ሓላፍነታት ይረኽቡን ይቕበሉን ኣለዉ። እዚ፡ ምስ እናወሰኸ ዝኸደ ጽልዋ ገንዘብ ኣብ ፖለቲካ ተደሚሩ፡ ንገለ ክኢላታት ሻቕሎት ፈጢርሎም ኣሎ፡ ብክልቲኦም ዓበይቲ ፖለቲካዊ ሰልፍታት ዝተደገፉ ለውጥታት-ሕጊ ክግበሩ'ውን ኣነቓቒሖም ኣለዉ። ኣብ'ዚ ትሕዝቶ #SBSExamines ነዞም ዝስዕቡ ሕቶታት ከነቕርብ ኢና፡ ናይ ቀደም ወይ ነበር ፖለቲከኛታት ሎቢዪስትስ ክኾኑ ስነምግባራዊ ድዩ፧ ዓቢይ ገንዘብ ከመይ ገይሩ ንምርጫታት ይጸልዎም፧ ኣብ ልዕሊ ደሞክራሲ ኣውስትራልያ ኸ እንታይ'ዩ እቲ ጽልዋ
    13 min
  • ቐጥታ ምሉእ ትሕዝቶ ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ግንቦት 2025)
    ንሎሚ ሓሙስ 1 ግንቦት 2025 ንሓደ ሰዓት ዝጸንሕ መደብና፥ ሒዝና ቀሪብና ኣለና። ኣብ ጎስጓስ ምርጫ ኣውስትራሊያ ጉዳይ ስድተኛታት ሓደ ካብ ዛዕባታት ኮይኑ ብሰልፍታት ፖለቲካ ቀሪቡ ኣሎ። ብዛዕባ'ዚ ዝምልከት ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስን ፕሮፌስር ፈትሒ ማንሱሪ "4 key myths that manufacture an immigration ‘crisis’" ብዝብል ኣርእስቲ ኣብ ዝጸሓፍዎ ዓንቀጽ እቲ ብዛዕባ ስደተኛታት ዝወሃብ ብሂላት ብ ኣኣርባዕተ ጉዳይ ከፊሎም ኣቕሪቦም እቲ ዝበሃል ድማ ጌጋ ምዃኑ ብመጽናዕቲ ኣደጊፎም ኣቕሪቦሞ ኣለዉ። ብዛዕባ'ዚ ጽሑፍ ምስ ምርጫ ፈደራል መንግስቲ 2025 ኣተሓሒዝና ካብ ጽሓፍቲ ናይቲ ዓንቀጽ ዝኾነ ዶ/ር ኣማኑኤል ኤልያስ ዝርርብ ኣካይድና ኣለና። ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ገለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣጠንቂቑ። ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 250 ኤርትራውያን ስደተኛታት ሰጒጓ ፕረዚደንት ትግራይ ነበር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ እቲ ኣጣይሹዎ ዝተብሃለ ሓዱሽ ውዳበ መብርሂ ሂቡ። ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገለ ጥሕሰታት ስምምዕ ፕሪቶርያ ናብ ግጭት ከየምርሑ ስግኣቱ ገሊጹ። ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ናብ ሰራዊት ሱዳን ክሰጋገር ዝተዳለወ ሓሙሽተ ሚልዮን ተተኳሲ ከምዝሓዘት ኣፍሊጣ። መንግስቲ ሶማልያ ፓስፖርት ታይዋን ዝሓዙ ወጻእተኛታት ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ከምዝኸልከለ ተገሊጹ። ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰልፊ ግሪንስ “ናብ ከዋኽብቲ ንብጻሕ” ብዝብል ቴማ ወግዓዊ ጎስጓሱ ከፊቱ። ** ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣኼባ ካቢነኡ ን ኣኼባ ጸዊዑ ። ** ጋንታ ሶኮሩ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝግበር ዉድድራት ዋንጫ ዓለም ፊፋ ከምትሳተፍ እምነት ከም ዘለዎ ኣሰልጣኒኣ ቶኒ ፖፖቪች ገሊጹ። Enfasis
    51 min
  • ዕለታዊ ዜና ኤስ ቢ ኤስ ትግርኛ (01 ግንቦት 2025)
    ኣርእስታት ዜና፥ ** ሰልፊ ግሪንስ “ናብ ከዋኽብቲ ንብጻሕ” ብዝብል ቴማ ወግዓዊ ጎስጓሱ ከፊቱ። ** ናይ ዩናይትድ ስቴትስ ፕሬዝዳንት ዶናልድ ትራምፕ ኣኼባ ካቢነኡ ን ኣኼባ ጸዊዑ ። ** ጋንታ ሶኮሩ ኣብ ዝመጽእ ዓመት ዝግበር ዉድድራት ዋንጫ ዓለም ፊፋ ከምትሳተፍ እምነት ከም ዘለዎ ኣሰልጣኒኣ ቶኒ ፖፖቪች ገሊጹ።
    12 min
  • ሚኒስተር ዜና ኤርትራ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ገለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣጠንቂቑ። (ጸብጻብ)
    ልኡኽና ዝሰደደልና ጸብጻብ እዞም ዝስዕቡ ኣርእስታት ኣለዉዎ፡ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ኣብ ኢትዮጵያ ንዝርከቡ ገለ ፖለቲካዊ ሓይልታት ኣጠንቂቑ። ኢትዮጵያ፡ ኣስታት 250 ኤርትራውያን ስደተኛታት ሰጒጓ ፕረዚደንት ትግራይ ነበር ኣቶ ጌታቸው ረዳ ብዛዕባ እቲ ኣጣይሹዎ ዝተብሃለ ሓዱሽ ውዳበ መብርሂ ሂቡ። ካቢኔ ግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ገለ ጥሕሰታት ስምምዕ ፕሪቶርያ ናብ ግጭት ከየምርሑ ስግኣቱ ገሊጹ። ኮሚሽን ሃገራዊ ተሃድሶ ኢትዮጵያ ኣብ ትግራይ ሳልሳይ ማእኸል ስልጠና ዲዲኣር ኣበጊሱ። ኣብ ክልል ኦሮሚያ መናእሰይ ብሃንደበት ብሓይልታት ፀጥታ ከይግፈፉ ብምስጋእ ንጉቦ ዝኸውን ገንዘብ ዝሕዙ ምዃኖም ተገሊጹ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ፡ ናብ ሰራዊት ሱዳን ክሰጋገር ዝተዳለወ ሓሙሽተ ሚልዮን ተተኳሲ ከምዝሓዘት ኣፍሊጣ። መንግስቲ ሶማልያ ፓስፖርት ታይዋን ዝሓዙ ወጻእተኛታት ናብታ ሃገር ከይኣትዉ ከምዝኸልከለ ተገሊጹ።
    9 min
  • ኣገደስቲ ዛዕባታት ማሕበረሰባት ካብ ሰልፍታት ፖሎቲካ ኣብ እዋን ምርጫ ፈደራል 2025
    ካብ ጉዳያት ሰብኣዊ ቪዛ ፡ ብዕድመ ንዝደፍኡ ጥሮታ ምዕባይን ንመደባት መንእሰያት ዝኸውን ምወላ ምውሳኽን ዝ ኣመሰሉ ጉዳያት ዝምልከት - SBS ብዛዕባ እቲ ኣብ እዋን ወፍሪ ምርጫ ብዙሕ ሸፈነ ዘይረኸበ ኣገዳሲ ጉዳይ ንሰማዕቲ ሓቲቱ ። ወሃብቲ ዝሃብዎ መልሲ ኣብዚ ጸብጻብ ቀሪቡ ኣሎ።
    10 min
  • Who's Right? Who's Left? What role will religion play in this election? - SBS Examines: መን'ዩ የማን፧ መን'ዩ ጸጋም፧ ሃይማኖት ኣብ'ዚ ምርጫ ኣውስትራልያ እንታይ ጽልዋ ክህልዎ'ዩ፧
    The differing and diverse religious beliefs Australians hold will influence their vote this election. - ኣውስትራልያውያን ዝኽተልዎም ዝተፈላለዩን ብዙሓትን ዝኾኑ ሃይማኖታዊ እምነታት ኣብ'ዚ ምርጫ ንመን የድምጹ ክጸልዉዎም'ዮም።
    8 min

About SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

From the publisher's feed

Independent news and stories from SBS Audio, connecting you to life in Australia and Tigrinya-speaking Australians. - ነጻ ዜናን ሓበሬታትን እናቕረበ ምስ ህይወት ኣብ ኣውስትራሊያን ምስ ትግርኛ ዝዛረቡ ኣውስትራሊያዊያን ዘራኽበኩም።

More shows like SBS Tigrinya - ኤስ.ቢ.ኤስ ትግርኛ

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી by SBS

SBS Gujarati - SBS ગુજરાતી

4 Listeners

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ by SBS

SBS Khmer - SBS ខ្មែរ

10 Listeners

SBS Somali - SBS Afsomali by SBS

SBS Somali - SBS Afsomali

9 Listeners

The Daily by The New York Times

The Daily

111,852 Listeners

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي by SBS

A speaking centenary of immigration - مئوية هجرة تحكي

0 Listeners

All Things Aussie - 闲话澳洲 by SBS

All Things Aussie - 闲话澳洲

1 Listeners

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان by SBS

Harmony in the Fast - صحت مند رمضان

0 Listeners

روز بخیر آسترالیا! by SBS

روز بخیر آسترالیا!

0 Listeners

Like Us by SBS

Like Us

3 Listeners

አውስትራሊያ ስትገለጥ by SBS

አውስትራሊያ ስትገለጥ

0 Listeners

بودكاست التأمل by SBS

بودكاست التأمل

1 Listeners

Breaking Our Silence by SBS

Breaking Our Silence

0 Listeners

SBS Examines bằng tiếng Việt by SBS

SBS Examines bằng tiếng Việt

0 Listeners

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු by SBS

ඕස්ට්‍රේලියාවේ ජීවත් වීමේදී දැනගත යුතු කරුණු

0 Listeners

Nuestra Música by SBS

Nuestra Música

0 Listeners

Australia In Brazil - Austrália no Brasil by SBS

Australia In Brazil - Austrália no Brasil

0 Listeners

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة by SBS

Why I Migrated to Australia - طريق الهجرة

0 Listeners

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα by SBS

Anzac Tales from Greece - Ιστορίες των Anzacs απ΄την Ελλάδα

0 Listeners

SBS Examines στα Ελληνικά by SBS

SBS Examines στα Ελληνικά

0 Listeners

Australië tot nu toe by SBS

Australië tot nu toe

0 Listeners

SBS 学英语 by SBS

SBS 学英语

0 Listeners